27
Fri, Nov

ጋዜጣዊ መግለጺ
Typography

ደምዳሚ መግለጺ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤስደለ) 23 ጥቅምቲ 2020

ካብ ዕለት 14-15 ጥቅምቲ 2020 ሻሙናይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ኤስደለ ተኻይዱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ለውጥን ኣብ ሙሉእ ዓለም ወሪዱ ዘሎ ተላባዒ ሕማምን ነቲ ኣኼባ ከምልሙድ ብኣካልን ኣብ ዕለቱን ከይካየድ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘሕደረ እኳ እንተኾነ ሰብና ዘበን ዘምጸኦ ሓዲሽ ተክኖሎጂ ክለማመድ ዘኽኣለ ኣጋጣሚ እውን ኔሩ ክበሃል ይከኣል።

ህዝባዊ ጻውዒት

ኣቲናዮ ዘለና ህሞት ብሰንኪ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ከሻቕለና ዝጸንሐ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስእነት ፍትሕን ልዕልነት ሕግን፡ ዝኸኣለ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍኣላ፡ ጠዋሪ ዝደልዩ ሽማግለታትን መዓንጣ ዘይቆጸሩ ቆልዑን ዝበዝሕዋ ሃገር ኮይና ጸኒሓ እያ። ሕጂ ከኣ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ንባዕላ እታ ሃገርን ልዑላውነትናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትዉሉ ኩነታት ኣቲና ምህላውና ኣስሚሩሉ። በዚ ኣጋጣሚ መንግስቲ ህግደፍ ነቲ ከም ናይ ሸቐጥ ኣቕሓ ከንብሮን ክሰቕሎን ንዝውዕል ዘሎ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ፡ ክብርና ናብ ንቡር ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ ክብል በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒቱ የቕርብ ኣሎ።

ሃገራውን ከባብያዊ ኩነታት ብዝምልከት፥

ኣብ መንጎ ኣመሪካን ተኸተልቱን ብሓደ ሸነኽ፡ ቻይናን ተኸተልቶምን ከኣ በቲ ካልእ ሸነኽ ኣብ ዞባና ልዕልነት ከረጋግጹ ንዝደልዩ ተወዳደርቲ ዝግበር ዘሎ ናይ መን ዓብለለ ውድድራት ዞባና ይሕመስ ኣሎ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ብቑጠባ ይኹን ብፖለቲካ ኣብ ሰንከልከል ስለ ዝጸንሓ ነቲ በዞም ናይ ዞባና ጎብለላት ዝወርድ ተጽዕኖታት በዲሆም ኩሉ መዳያዊ ልኡላውነቶም ሓልዮም ክኸዱሉ ዝኽእሉ ብቕዓት ኣይጸንሐን። ስለዝኾነ ከኣ ወይ ናብ ዝያዳ ዝኸፈለ ወይ ናብ ዝያዳ ዘፈራረሐ ይገላበጡ ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓደገኛ ኩነታት ድኻ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሊሱ ናብ ድኽነት ይሽመም ኣሎ። እዚ ተርእዮዚ ብፍላይ ንኽልተ ጎረባብትና - ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣሻቒሉ ዘሎ ኩነታት እዩ። ሓያላት ሃገራት መን ኣብ ስልጣን እንተመጸ’ዩ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጽምኣትና ዘርውየልና እናበሉ ኣብ ዞባና ክሰርሑን ክፍንጥሑን ይረኣዩ ኣለዉ።

ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ቅልውላው ንኣሻሓት ኤርትራውያን ኣሻቒሉ ኣሎ። ንልዕሊ ሰለስተ - ኣርባዕተ ወለዶታት ኣብ ሱዳን ሰፊሩ ዘሎ ህዝብና፡ ሎሚ ኣይሃገርካን ተባሂሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝኸይድ ዘሎ ምፍንቓልን ቅትለት ኣጸቢቕና ንኹንኖ ጉዳይ እዩ። ሱዳን ከም ፈታዊት ህዝቢ ኤርትራን ሰውራናን፡ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ብሰላም ክዓርፍን ለዋህ ህዝቢ ሱዳን ቅሳነት ክረክብን ናይ ዘወትር ትምኒትና እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው እውን እንተኾነ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ።

/ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንነጀው ርእሰ ፋሺሽቲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ትንፋስ ረኺቡ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሕጹኖት ከምዘሎ ንርኢ ኣለና። ካብ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኲናትን ዕንወትን እንተዘይኮይኑ ናይ ሰላምን ህንጸትን ምኽሪ ክረክብ ከምዘይክእል ግን ፍሉጥ’ዩ። እነሆ’ውን ብተግባር ንሪኦ ከምዘለና እቲ ብስም ጽገና ናብ ስልጣን ዝመጸ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ቀንዲ መሓዝኡ ጌሩ ካብ ዝምርሽ ንነጀው ንኢትዮጵያ ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ሕድሕድ ብሄራዊ ምንጽጻግን ኲናት ሕድሕድን የምርሓ ኣሎ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንኤርትራ ዘይጠቐመ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክጠቅም ኣይክእልን። እኳ ደኣስ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ሕቖን ከብድን ኣብ ዝኾኑሉ እዋን፡ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሕግብግብ ምባሉ ስደትን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ዘጋድድን ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ክወድቕ ዝገብር ኩነታት ከይፍጠር ኣዚና ንፈርሖ ጉዳይ ምዃኑ ከይገለጽና ክንሓልፍ ኣይንደልን።

ኣብ ክሊ ከምዚ ዝበለ ተሃዋሲ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ሕገ-መንግስቲ ዝሃቦም መሰሎም ተጠቒሞም ህዝባዊ ምርጫ ብሰላም ኣካይዶም ክልላዊ መንግስቲ መስሪቶም ኣለዉ። ምእንቲ ከምዚ ዝበለ መሰል ክረክብ ኣሻሓት መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ትግራይ ብሕገ መንግስቲ ክግዛእን ደሞክራሲያዊ መሰላቱ ተጓናጺፉ ህዝባዊ ምርጭኡ ኣካይዱ ብቖጽሊ ዘውደቐሉ መራሒ ክመሓደር ዘለዎ ባህግን ድሌትን ክብ ዘብል ተርእዮ ስለ ዝኾነ እንቛዕ ሓጎሰኩም ክንብል ንደሊ። ብፍላይ ከኣ ምስ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ተታሓሒዙ ዝረአ ዘሎ ምትሕግጋዝ ክልቲኡ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣዚና ንኾርዓሉን ንሕበነሉን ምዃኑ እናገለጽና ተጠናኺሩ ክቕጽል ኩሉ ዝከኣለና ክንገብር ምዃንና ክንገልጽ ንደሊ።

ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ

ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ካብቲ ዝጸንሖ ፋሕ ዝበለ ሃለዋት ወጺኡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ናይ ሓባር ሓይሊ ዕማማት መስሪቱ ምንቅስቓስ ምጅማሩ ጻዕሪ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ምዃኑ ብምእማን ውድብና ከም ወትሩ ነዚውን ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ከበርኽ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ድሉው ምዃኑ እገልጽ። እዚ ተበጺሑ ዘሎ ምውህሃድ ግን ገና ዕሸል ኮይኑ ብፖለቲካዊ ፕሮግራምን ሕገ-ህንጻን ዝተነድቀ ስለ ዘይኮነ ብዙሕ ክንክን ይደሊ። ስለዚ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኣዎንታዊ ድርኺት እምበር ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝኾነ ንድሕሪት ክመልስ ዝኽእል ፈተነታት ካብ ምግባር ምቑጣብ ከምዘድሊ ኣትሪሩ ይምሕጸን።

ውድባዊ መደባትና

ውድብና ኤስደለ ኣብዚ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን እንገብሮ ወፍሪ ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣሓት ውድባት ተጠራኒፉ፡ ተዛሪቡ ዘስምዕ ሰሪሑ ዘድምዕ ውድብ ንምፍጣር ዘካይዶ ዘሎ ዘተታት ኣበርቲዑ ክቕጽለሉ ወሲኑ ኣሎ። ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ካብ ኣብ ንቡር እዋን እንገብሮ ሕድገታት ንላዕሊ ክንገብር ዝሓተና ምዃኑ እናገለጽና ውድባትና ሒዘነኦ ዘለዋ ፖለቲካዊ ፕሮግራማትን ኣብ ሕድሕድ ዘለና ወድዓዊ ይኹን ባዕላዊ ገምጋማትን ልዕሊ ልዑላውነት ሃገርና ክስራዕ ስለ ዘይግባእ፡ እዛ ልዑላውነት ህዝባን መሬታን ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ዘሎ ሃገርና ንምድሓን ኩሉ ዝከኣለና ሓድነታዊ ጻዕርታትን ሓባራዊ ስራሓትን ከነዕዝዝ ጻውዒት ነቕርብ።

ሓፈሻዊ፥

ለውጢ ብውሽጢ’ዶ ብደገ ይመጽእ? ለውጢ ብነባራት ተቓለስቲ’ዶ ወይስ ብመንእሰያት ይመጽእ? ዝብሉ ክትዓትን ካብኡ ሓሊፉ እውን ብሃይማኖትን ኣውራጃታትን መንቀሊ ዝገብር ክትዓት ካብ ሓዲድና ከዘናብለና እንተዘይኮይኑ ጣቋ ዘለዎ ኣይኮነን ንብል። ለውጢ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ ኢልና ብደገ ዝግበር ቃልሲ ደው ኣይነብልን። ብደገ እዩ ዝመጽእ ኢልና እውን ነቲ ብውሽጢ ዝግበር ቃልሲ ክንዓጽፍ ኣይግባእን። ኩሉ ምእንቲ ፍትሕን ደሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ክሳብ ዝኾነ ነንሕድሕዱ እናተመጋገበ ዝኸይድ እምበር እቲ ሓደ ነቲ ካልእ እናነጸገ ክኸይድ ዝግባእ ኣይኮነን። ሃገርና ኤርትራ ኣደ ብዙሓት ብሔራትን ሃይማኖታትን ከም ምዃና መጠን ድማ ብሃይማኖት ይኹን ብኣውራጃ ነቲ ሓደ ኣይትቐርብ ነቲ ካልእ ኣይትርሕቕ። ካብዚ ወጻኢ ዝሓስብ እንተልዩ እሞ ንኤርትራ ናይ በይኑ ክገብራ ዝደሊ እንተልዩ፡ ንዑኡ ትኸውን እውን ከምዘይረኽበላ ክርዳእ ይግባእ ንብል።

መራኸቢ ብዙሓን ብዝምልከት

ህዝባዊ መራኸቢታት ከም ሎሚ ኣይሰሰናን። እዚ እቲ ኣዎንታዊ ሸነኹ ኮይኑ ዘሕልፈኦ ፕሮግራማት ግን ረብሓ እቲ ውጹዕ ህዝብና ማእከል ዝገበረ እምበር ህግደፍ ክምዝምዞ ዝኽእልን ነንሕድሕድና ከናቑተና፡ ምስ ጎረባብትና እውን ከባእሰና ዝኽእልን መደባት ካብ ምሕላፍ ክቑጠቡ ንምሕጸን። ብዘይካ'ዚ ዝያዳ ቆላሕታ ክገብራሉ ኣለወን እንብሎ ጉዳይ ከኣ፡ መንእሰያትና ብባሕርን ጣሕርን ሓሊፎም ኣቶም ዕድል ዝገበሩ ኣብ ርጉእ ሃገራት እውን እንተሰፈሩ፡ ዝሓለፍዎ ጉዕዞ ይትረፍዶ ክትምኮሮ ከትዛረበሉ እውን ዘስካሕክሕ ስለ ዝኾነ፡ እንተኾነ ብዝከኣለና ክንሕግዝ እንተዘይክኢልና ድማ ጸገሞም ተረዲእና ሰብኣዊ ርህራሄ መታን ከነርኢ ከስተምህሩ ይግባእ ንብል። ከምኡ ምግባር ሰብ ምዃን እምበር ካልእ ወጻኢ ዘየድልዮ ምዃኑ ፈሊጥና ኣብ ጎድኒ እቶም ኣብ ሽግር ዘለዉ መንእሰያትና ደው ክንብል ይግበኣና ንብል።

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ

ምሕዝነት ውጹዓት ህዝብታት ይደልድል!

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤስደለ ጥቅምቲ 2020