14
Wed, Nov

ጋዜጣዊ መግለጺ
Typography

 

ፈጻሚ ኣካል ኢህወደግ ትማሊ ዕለት 5 ሰነ 2018 ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ውሳኔታቱ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዓሰርተ ሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ዝጸንሐ ብ “ኣይሰላም ኣይኲናት” ዝፍለጥ ኩነታት ንምፍታሕ ብይን ኣልጀርስ ብዘይቅድመ ኩነት ዝቕበል ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት ዝጸንሐ ምፍልላይ ተኣልዩ ማሕበራውን ቑጠባውን ዝምድናታቶም ኣብ ዝነበሮ ክምለስ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ነባሪ ሓባራዊ ምዕባሌ ንምርግጋጽ ዝወስድ ኣንፈት - ኩሉ ግዜ ኩሉ ደላይ ሰላም ብኣዎንታ ክቕበሎ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

እዚ ሕጂ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተታሒዙ ዘሎ ናይ ዕርቂ ኣንፈት ኣብ መንጎ ክልተ ህዝብታትን መንግስታትን ብኸመይ ይረአ? ውጽኢቱኸ እንታይ ኮን ክኸውን ይኽእል ይኸውን ዝብል ነገር ድማ ብፍላይ ከም ኤርትራውያን ብጽሞና ክንዋሳኣሉ ዘለና ጉዳይ ምዃኑ ኣይተርፍን። እዚ ናይ ሰላም እማመ ደንጉዩ ደኣ ይበሃል እምበር ንምንታይ ሕጂ መጸ ክበሃል ኣይግባእን። ሕጂውን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ቀጻሊ ረብሓታት ማእከል ጌርካ ተጀሚሩ ዘሎ ኣንፈት ዕርቂ ክቀላጠፍ ካብ ምጽዓር ካልእ ዝሓሸ መተካእታ የለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓደ ሸነኽ ድሌት ኣብዛሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣብ ግምት ብምእታው፥ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ዞባውን ዓለምለኻውን ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ኣልጀርስ ውሳኔ ብዘይቅድመ ኩነት ክቕበል ወሲኑ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ነዚ ዝቃወም የለን ክበሃል ኣይከኣልን። ንምንታይሲ ባድመ ኣብ መጨረሽትኡ ንኤርትራ ክትወሃብ እንተኮይና ንምንታይ እዚ ኩሉ ደም ፈሲሱ ዝብል ሕቶ ብይውሓደ ይብዝሑ ኢትዮጵያውያን ወገናት ክለዓል ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር በቲ ዝጸንሐ ጋህዱ ዝኾነ ዋዕላን ሰሚናራትን ኮንፈረንሳትን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ኣይሰላም ኣይኲናት ኩነታት ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ከምዘይኮነ ኣብ ዕግበት ዝበጽሑ ይመስሉ። ምእንቲ ህዝቢ ኢልካ መሬት ኣሕሊፍካ ከምዝወሃብ ብዓቢኡ ድማ ካብቲ ትኸስሮ መሬት እቲ ብሰላም ክመጽእ ዝኽእል ረብሓታት ከምዝዓዝዝ ሳላ እቲ ግልጽን ሰፊሕን ህዝባዊ መድረኻት ኣጸቢቖም ተገንዚቦም ኣለዉ። ስለዚ ሰላም ምስ ኤርትራ ማለት ኣብ ኢትዮጵያ ከምጸኦ ዝኽእል ብዙሕ ናይ ተሳዒርና ዓይነት ስምዒታት ክህሉ እዩ ኢልካ ትፈርሓሉ ኣይኮነን። ድሕሪ ዕዉት ናይ ሰላም መስርሕ ድማ ሽዑ ሽዑ ናብቲ ናፊቕዎ ዝጸንሐ ንግድን ሰላማዊ ማሕበራዊ መነባብሮኡን ክወፍር ዝክእል ህዝቢ`ዩ ዝበዝሕ ምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ`ኸ ካብዚ ፍልይ ዝበለ ኩነታት እንታይ ከጋጥም ይኽእል ይኸውን ኢልና ንርአ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡ ደላይ ሰላም ከም ምዃኑ መጠንን፡ በቲ ዝጸንሐ ኣይኲናት ኣይሰላም ኩነታት ድማ ኣጸቢቑ ስለ ዝተሃስየ ድሌቱን ናይ ዘወትር ሕልሙን ሰላም ኮይኑ ስለ ዝጸንሐ ንተበግሶ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓንጎፋይ ክቕበሎ እዩ። ህግደፍን ጭፍራታቱን ድማ ኣብ ክንዲ በቲ ሰላም ክመጽእ ዝኽእል ረብሓታት ኣመልኪቶም ዝሰርሑ፡ ኣይበልናንዶ!! እናበሉ ወያነ/ ትግራይ - ተሳዒሩ ህግደፍ ስዒሩ ዝዓይነቱ ዲንኬራ ክወቕዑ ምዃኖም ፍሉጥ እዩ። እዚ ጽቡቕ ኣይኮነን- ቅኑዕ እውን ኣይኮነን። ሰላም እንተተጌሩ እቲ ብቐጥታ ኣብ ማዓልታዊ ናብራ ተራ ህዝብታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ዝዋስኡ ብቐንደ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን እዮም። ሰላም ምግባር ማለት ድማ ብሓፈሽኡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣኳ ይኹን ኣምበር ብቐንደ ግን ምስ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሰላም ኣዋጅ ናይ ሰላም ኣእዲው ንጫበጠሉ ደኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር ናይ ሰዓርን ተሰዓርን ስምዒታት ሒዝና ንዝጸንሐ ጽልእን ቅርሕንትን ከነጋድድ ኣይግባእን። እቲ ነዞም ክልተ ህዝብታት ዝጽበዮም ዘሎ ናይ ዘለኣለም ሕውነትን ጉርብትናን በቶም ዝሓለፉ ናይ ዕስራ ዓመታት ውዑይ ባእሲ ክዕብለሉ ኣይግባእን። ንመጻኢ ወለዶ እንታይ ከነመሓላልፈሎም ይግባእ እንተተባሂሉ፡ ካብ ዝሓለፈ ህውከትን ኲናትን ተማሂርና ዳግማይ ህውከት ክለዓለሉ ዘይክእል ትምህርትን ተመኩሮን ቀሲምና ምኻድ እምበር ከምዚ ጌሮሙና እናበልካ ቁስሊ እናጎዲእካ ምንባር ናይ ጥዑይ ዜጋ ስራሕ ኣይኮነን። ደላይ ሰላም ህዝቢ ኤርትራ ግን ትምኒቱ ሰሚሩሉ ሙሉእ ይግበሮ እናበለ ክምህለል ክቕጽል እዩ።

ንመንግስቲ ኤርትራ ግን ኣይመርገም ኣይምርቓ ክኾኖ ምኳኑ ምግማት ኣየጸግምን። ህግደፍ ብዘይህውከት ክነብር ኣይክእልን እዩ። ስለዝኾነ ድማ ወይ ካልእ ህውከት ክጽሕትርዩ ወይ ድማ ነዚ ጉዕዞ ሰላም ከደናጉዮ እዩ። ህግደፍ ናይ ሰላም ጻውዒት እንተተቐቢሉ ሽዑ ሽዑ በቶም ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ሃገራዊ ኣገልግሎት እናተባህሉ ምስ ባርነት ዝቑጸር ናብራ ክነብሩ ዝጸንሑ መንእሰያት ኤርትራውያን ሕቶን ጠለብን ክለዓል እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ኲናት ኢና ዘለና ኢልኩም ንገዛና ንከይንኸይድን ናብራና ከይንገብርን ከሊእኩሙና፡ ሕጂኸ ንምንታይ ዘይተፋንዉና ዝብል ሕቶ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ ክለዓል ዝኽእል ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ህግደፍ ንገዛኩም ኣይንሰደኩምን እንተኢሉ መቸስ መንእሰይ ኤርትራ ንዘለኣለም ተዓዚሙ ክኸይድ ዝተፈርደ ኣይኮነን። ጸቕጢ ናይ መንግስቲ ከኣ ኩሉ ግዜ ደረት ኣለዎ። ውዒሉ ሓዱሩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣይፋልናን ዝገበርኩም ደኣ ግበሩ እምበር ደጊም ብረትኩም ኣብ መኻዚኖ ዕጸዉዎ ድሕሪ ደጊም ግን ጸላኢ ዝበሃል የብልናን ምባሉ ኣይተርፍን። እዚ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ እንተወሓደ ብውልቀ ሰባት ደረጃ ተጀሚሩ ናብ ጥርኑፍ ተቓውሞ ክሰጋገረሉ ዝኽእል ዕድላት ክህሉ እዩ። እዚ ንህግደፍ ቀሊል ውሳኔ ኣይኮነን። ኢሰያስ እምቢ ምስ ኢትዮጵያ ዕርቂ ኣይገብርን እንተበለኸ? እምቢ እንተበለ እንተወሓደ ህዝቢ ኤርትራ ውሒጥዎ ዝጸንሐ ጸረ ሰላም ባህርያት ናይ ስርዓት ህግደፍ ክተፍኦ ክጅመር እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸይድ ዘሎ ምቅርራብ ናይ ሓያላን መንግስታት ኣእዲው እውን ስለ ዘይሰኣኖ፡ እምቢ ንዝበለ ሸነኽ ብርቱዕ ጸቕጢ ክወርዶ ዝኽእል ምዃኑ ምግማት ይከኣል። ስለዚ ኢሰያስ ይፍተዎ ኣይፍተዎ ብዘየገድስ ምስ ኢሳያስ ይኹን ብዘይ ኢሰያስ እቲ ሰላም ንቕድሚት ክኸይድ ዝኽእል ምኳኑ ምግማት ኣየጸግምን።

ጉዲይ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከትከ? መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ይኹን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓስኪሮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ተቃወምቲ ውድባት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ኣትዮም ሕጋውያን ተወዳደርቲ ውድባት ኮይኖም ክንቀሳቐሱ ፈቒደ ኣሎ። በዚ ኣቢሉ ድማ ኢሰያስ ክጻወተሉ ዝኽእል ካርታ ካብ ኢደ መንጢሎሞ ኣለዉ ክበሃል ይከኣል። ስለዚ ጉዲይ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ዋጋ ዕዲጋ ዝኣቱ ጉዲይ ኣይኮነን። ጉዲይ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ብዝምልከት ግን ከምኡ ዝበለ ዕጫ ኣይበጽሖምን። ህግደፍ/ኢሰያስ ሕጂውን ብውልቀ ክሕወስዎም ዝኽእሉ ተቓወምቲ እምበር ብፖለቲካዊ ውድባት ደረጃ ከምዘይቅበል ኣብ ዝሓለፈ እዋን ርኢናዮ ኔርና ኢና። ሕጂውን ከምኡዩ። ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ኣብ ተዛሪቡ ከስማዓሉ ዝኽእል ደረጃ ስለ ዘይጸንሐ ሕጂ ኣካል ናይዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ውዕላት ኮይኖም ክሳተፉ ዝከኣል ኣይኮነን።

እንተኾነ ግን ህዝቢ- ንህዝቢ ዝብል ዝምድና ማዕቢሉ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገርት ዘለዉ ህዝብታት ብሰላም ወፊሮም ብሰላም ክኣትዉ እንተኽኢሎም፡ መነባርሮኦም ተመሓይሹ ካብ ናይ ዕለት እንጀራ ንላዕሊ ክሓስቡ እንተጀሚሮም ከም በዓል ኢሰያስን ህግደፍን ዝበሉ ጨቖንቲ ነዊሕ ዕምሪ ዝህልዎም ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሓደ ካብቲ ለውጢ ቀልጢፉ ዘይመጸሉ ምኽንያት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብኸብደን ብመዓልታዊ ሽግር መነባብሮን ጸሚዱ ብምሓዝ ኣብ መዓልታዊ ሽግራቱ ምፍታሕ ጥራሕ ተጸሚደ ክነብር ስለ ዝገበሮ እዩ። እዚ ኩነታት ብዝግባእ ተረዱኡ ንህዝቢ ከለዓዕል ዝኽእል ሓያል መሪሕ ውድብ ኣብ ዝተሳእነሉ እዋን ድማ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ተናዊሕዎ ዘሎ ክናዋሕ ይኸውን። ሕጂ ግን መጻኢ ዕድል ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ እንታይ ክኸውን ይኽእል ዝብል ነገር ከጨንቐና የብሉን። ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሖ ምርጣጥ ወጺኡ ኣብ ሓዱሽ ኩነታት ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ሒዙ ክበራበር ዝኽእለሉ ዕድላት ኣሎ። ጸገም እውን እንተተፈጢሩ ምስኡ ዝመጽእ ተበላሓትነት እውን ይፍጠር እዩ። ደንበ ተቓውሞ መታን ክዓቢ ህዝቢ ኤርትራ ክኸፍኦ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ናይ ዝነደዩ ኣተሓሳስባ እዩ። ምዕቡል ተቓውሞ ኣብ ምዕቡል ሕብረተሰብ እዩ ዝረአ። ስለዚ ትዕበ ትንኣስ ንህዝቢ ኤርትራ እፎይታ ትፈጥር ነገር ብሓንጎፋይ ኢና ክንቅበሎ ዝግባእ።

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራን ንኩሎም ጎረባብትን

ፍትሓውን ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት እዩ

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

ፈ/ቤት ጽሕፈት ኤስደለ

6 ሰነ 2018