22
Wed, Nov

ጋዜጣዊ መግለጺ
Typography

 

ካብ ዕለት 8-14 ጥቅምቲ 2017 ዝተኻየደ 5 ስሩዕ ማእከላይ ሽማግለ ውድብና ኤስደለ፡ ንህልዊ ኩነታት ህዝብና - ኣብ ውሽጥን ወጻእን፤ ንኩነታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፤ ንኩነታት ደንበ-ተቓውሞናን ንጭቡጥ ኩነታት ውድብናን ኣመልኪቱ ዓሚቕ ገምጋም ኣካይዱ። ኣብ ዝቕጽል 6 ወርሒ ዝፍጸሙ ናይ ስራሕ ውጥናት ሰሪዑን ኣፈጻጽሞኦም ኣነጺሩን ከኣ ኣኼባኡ ዛዚሙ።      

5 ስሩዕ ኣኼባ /ሽማግለ፡- ንህልዊ ኩነታት ህዝብና ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም- ብኣራዊታዊ ኣገዛዝኣ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዙሕነታዊ ብሄራዊ ህዝብታትና፡ ናይ ሰብ ክብሮም ተቐንጢጡ፣ ሓሲሩን ተዋሪዱን፡ ካብ ህልዋት ንታሕቲ ኮይኖም፡ ዘስካሕክሕ ሂወት የሕልፉ ምህላዎም ገምጊሙ፡፡ ከም ብሕታዊ ንብረቱ ገይሩ ዝርእዮም ጨካን ስርዓት ወሪድዎም፡ ንሕሱም መግዛእቱ ንዘይለመዱን ዘይተቐበሉን ክኣስሮም፣ ክቐትሎምን ክስውሮምን፡ ከም ሰብ ናይ ምንባር መሰሎም ተገፊፉ፡ ብራዕድን-ሽበራን ፍርሕን ዝነብሩሉ ዘለዉ ኩነታት ምዃኑ ርእዩ። ብዙሕነቶም ከም ሓደጋ ተቒጺሩ፡ "ሓደ ልቢ - ሓደ ህዝቢ" ብዝብል ህግደፋዊ ጭርሖ፡ መንነቶም ዝተኻሕደ ህዝብታት ኤርትራ፡ ተኸባቢሮምን ተኣማሚኖምን ስሙር ኤርትራዊ ሃገራውነት ከይሃንጹ፡ መጻኢ ዕድሎም ተኾሊፉ ኣሎ። ብኣንጻሩ፡ ብሓደ ወገን ሓንፊጹ (Assimilate ገይሩ) ሓደ መንነት ክፈጥር፤ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ሓድሕዶም ኣተፋኒኑን ኣቀሓሒሩን ዘናቑቶም ስርዓት ኣጋጢምዎም ምህላዉ መዚኑ። እቲ መንኮርኮር ለውጥን መላግቦ ሕብረተሰብን ዝኾኑ መንእሰያት ኤርትራ፡ ብኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ሜዳ-ሳዋን ባርነታዊ ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎን ኣቢሉ፡ ንኩሉ ዕድላቶምን መጻኢኦምን ኣጸልሚቱ፡ ጭካነ ብዝመልኦ ከብርሶምን ከሰንክሎምን ምጽንሑ’ውን ገምጊሙ። መጻኢ ዕድል ህዝብና፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምሕረት ውልቀ-መላኺ ኢሰያስን ጉጅለኡን ወዲቑ፡ ብወተሃደራዊ ሕግን ወተሃደርነትን እናተመርሐ፡ ብሂወት ናይ ምንባር መሰሉን መጻኢኡን፡ ብድቕድቕ ጸልማት ተዋሒጡ ዝርከብ ህዝቢ’ዩ።

ቁጠባዊ ህንጸት ሃገሩን ናይ ምልማዕ ዕድሉን ዝተኾልፈ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነተን ዝረኸበን ብሕታዊ ጥሪቱ፣ ምህርቱን ገንዘቡን’ውን እንተኾነ ዝህግር፡ ብድኽነትን ጥሜትን ብዝቐጽዕ ሰርዓት’ዩ ክሳቐ ይርከብ። እነሆ ከኣ ኣደዳ ምዝንባልን ኣሰቃቒ ስደትን ኮይኑ፡ ዛሕዛሕ ኢሉ ክብተን፤ ብግዱድ-ሰፈራ ካብ ቤት-ንብረቱ ክመዛበልን ናብርኡ ክመሳቐልን፤ እታ መባእታዊ ኣሃዱ ሕብረተሰብ ዝኾነት ስድራቤቱ’ውን ክትብተን፤ ብዘይንቡር ህግደፋዊ ነውርታት ከቢድ ናይ ብርሰትን ምርማስን ሓደጋ ከንጸላልዎን፤ ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ተቀርቂሩ ክሰሓግን ይርከብ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 26 ዘስካሕክሑ ህግደፋዊ ናይ ጭቆና ዓመታት፡ ካብ መሪር ተመኩርኡ ዝረኸቦ ትምህርትን ዝደለቦ ንቕሓትን ኣለዎ። ንሱ ድማ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ካብ ህግደፍ ዝኸፍእ ጸላኢ ከምዘይብሉ ብምርግጋጽ፡ ጠቕሊሉ ጸሊእዎን ነጺልዎን ኣሎ፡፡ ንደሞክራስያውን ሰብኣውን ክብረቱ፣ ንፍትሕን ርትዕን፣ ንሰላምን ቁጠባዊ ሕውየትን፣ ንህላዌኡን ቀጻልነቱን ዝኸውን ለውጢ ኣብ ዝብህገሉን፡ ቁጠዐ ተቓውሞኡ ናብ’ቲ ዝለዓለ ብርኪ በጺሑን'ዩ፡፡ ናብ’ዚ ናይ ለውጢ ሃገራዊ ውራይ’ዚ ኣሚኑ ዝልእኮ ብቑዕ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ ኣብ ዘቋምተሉ ኩነታት ምህላው ከኣ መስካሪ ዘየድልዮ ሓቂ ምኻኑ ማእከላይ ሽማግለ ገምጊሙ። ኣብ’ዚ ኣትይዎ ዘሎ ናይ "ኣፍ ኣርክቡ" ኩነታቱ፡ ንድሕነትን ቀጻልነትን ኤርትራን ህዝባን ዝካየድ ቃልሲ፡ ኣንጻር’ዚ ቀዳማይ ደመኛ ጸላኢ ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ክቐንዕ ከምዝግባእ ድማ ኣስሚሩሉ ሓሊፉ።

ንኩነታት ጸላኢ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም- ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 26 ህግደፋዊ ናይ መግዛእቲ ዓመታት፡ ናይ ሰብ ክብሮም ተቐንጢጡ ውርደት በዚሕዎምን፤ ከም ሰብ ዘይኮነ፡ ከም ብሕታዊ ንብረቱ ገይሩ ዝርእዮም ስርዓት ወሪዱዎምን ኣሎ። ኩሉ ንቡር ኣጥፊኡ፡ "እንታይ ትሓስቡ ኣለኹም?’’ ተባሂሎም ክእሰሩን ክስወሩን ዘሕለፍዎ ናይ ፍርሒ፣ ራዕድን ሽበራን ዘስካሕክሕ መግዛእቲ፡ ግልብልብ እናበሉ ዘሕለፍዎም ዓመታት በዚሑ፡ መሪር ቁጠዐ ፈጢሩሎም’ዩ። ተሞኩሮኦም ብዝሃቦም ትምህርቲ ከኣ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍእ ጸላኢ ከምዘይብሎም ተገንዚቦም፡ ካብ ልቦም ተሓጢጡ ዝተነጸለሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ፍትሓዊ ለውጢ ኣብ ዝብህገሉን፤ ንስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ፡ ተቓሊሱ ዘቃልስ መሪሕ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ውድብ ኣብ ዘቋምቱሉን ኩነታት ከኣ ይርከቡ።

ብግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን ጊላዊ ጉልበትን ውጹዓት መንእሰያት ኤርትራ ዝቖመ ወተሃደራዊ ትካሉ፡ ህላዌኡ ተዘሪጉ፤ ሞራሉ ዝተሰልበ ኮይኑ ኣሎ። ንዝረኸቦም ኣጋጣሚታት ተጠቒሙ፡ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ክበታተን ይርከብ። ኣዘዝቲ ሰራዊቱ፡ ብናይ ረብሓ ግርጭት ዝተዋሕጡ’ዮም። እቲ ስርዓት’ውን ባዕሉ፡ ንሓይሊ "ምክልኻሉ" እምነት ስኢንሉ፡ ንሓለዋ ናይቲ ስርዓት ተባሂሎም ብዝተመልመሉ ውሑዳት ፍሉያት ኣሃዱታቱን፡ ኣብ’ቲ ናይ ህላዌኡ ዋሕስ ገይሩ ዝርእዮ ናይ ጸጥታን ስለያን መሓውራቱን ጥራሕ ተንጠልጢሉ ኣብ ዝተረፈሉ ኩነታት ይርከብ። ኣብ'ቲ ገባቲ ናይ ስልጣን ማይቤቱ’ውን ዓሚቕ ዘይምትእምማን ተፈጢሩ፡ ሓድሕዱ ክበላላዕን ክቀናጸልን፡ እናሃመመ ኣብ ዝኸደሉን ዘሎ ኩነታት ይርከብ። ማእከሉ እናተሸምረረ ከይዱ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኩሉ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ምሕረት ሓደ ውልቀ መላኺ ኣትዩ፡ ሓድሕዱ ኣብ ዝተሓላለወሉ ዝበላልዓሉን ኩነታት ወዲቑ ይርከብ።

እቲ ንዓለምን ከባብን ብሓፈሻ፡ ንኢትዮጵያ ከኣ ብፍላይ፡ ንኤርትራ ክበልዓ ዘንባሁቛ ገይሩ ዝርኢ ናይ ከበባ መንፈስ (siege mentality)፡ ከም ቀንዲ መበገሲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ፖሊሲኡ ገይሩ ዝርኢ ስርዓት ህግደፍ፡ ተነጺሉ ክተርፍን ብጽምዋ ክወሓጥን ገይርዎ’ዩ። ካብ’ዚ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲኡ’ዚ ተበጊሱ ከካይዶ ዝጸንሐ ወራርን ኲናትን፤ ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋር ሰባትን ኣጽዋራትን፤ ኣብ ዘይምልከቶ ጣልቃ ምትእትታዋት፤ "ናይ ጸላእየይ ጸላኢ፡ ፈታውየይ’ዩ" ብዝብል ዝንቡዕ ፖሊሲ ዝምራሕ ጽምዶታቱ፤ ናብ ተራ ግብረ-ሽበራዊ መንግስቲ ክሰጋገር ገይርዎ ይርከብ። ካብ ከባብን ዓለምን ክንጸልን፡ ዓበይቲ ኩነኔን እገዳታትን ከታኣናግድን ከኣ ኮይኑ ኣሎ። ዓለምና ሎሚ፡ በቲ መርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣቢላ "መንግስቲ ህግደፍ ዝመርሓ ኤርትራ፡ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸመላን ብፍርሒ እትመሓደርን ዘላ ሃገር" ምዃና ዝተጋህደሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ። ንህዝብና ብቀቢጸ-ተስፋዊ ናይ ፈራሕ ኣወቓቕዓ እናቀጥቀጠ፡ ተመላሊእዎም ንክጠፍእን ክርምሶምን ዝጨከነ ስርዓት ምዃኑ ዝተጋህደሉ ኩነታት ይርከብ። ነዞም ልዒሎም ዝተጠቕሱ ሓቅታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ማእከላይ ሽማግለ ኣብ ገምጋሙ፡ “ህላዌ’ቲ ስርዓት፡ ኣብ ናይ ባዕሉ ዓቕሚ ዘይኮነ፡ ኣብ ድኻም ደምበ ተቓውሞና’ዩ ዝነብር ዘሎ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን” ክብል መዚኑ።

ንህልዊ ኩነታት ደንበ-ተቓውሞና ኣመልኪቱ፡ ማእከላይ ሽማግለ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም ድማ፡-

ንምዑት ቃልስን ለውጥን ዝኸውን ምቹእ ወድዓዊ ኩነታት ምሒር በሲሉ ምህላዉ፤ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ናይ ህላወ ሕቶ ኮይኑ፡ "ኣፍ- ኣርክቡ" ምዃኑን፤ ዕድመ ናይ’ቲ ኣራዊት ስርዓት ብወሳኒ መልክዑ፡ ኣብ ሕመቕ ደምበ-ተቓውሞና ዝሰረተ ምዃኑ፤ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ካብዚ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ህግደፋዊ ናይ ብርሰት ሓደጋ ንምድሓን ዝካየድ ቃልሲ፡ ብሕታዊ ኣማራጺ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ታሪኻዊ ግዴታ ኮይኑ ምህላዉ፤ ርእሰ-ግሉጽ ሓቂ’ዩ። እቲ ህዝብና ዝነብሮ ዘሎ ሕሱም ኩነተ-ህጹጽነት እንበኣር፡ ነዚ ሕቂ’ዚ ብብቕዓት ዝተገንዘበ፡ ነቲ መግዛእቲ ህግደፍ ኣስካሕኪሕዎ፣ ተቖጢዑን ለውጢ ዝብህግን ዘሎ ሓፋሽ ህዝብና፡ ኣበራቢሩ፣ ኣንቂሑ፣ ብግቡእ ሃኒጹን ወዲቡን ዘዋፍሮ፤ ኣብ ቀዳምነት ሃገራዊ ውራዩ ዝውዕል፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ/ግንባር፤ ብቑዕን ውፉይን መሪሕነት ምህናጽን ምዃኑ ማእከላይ ሽማግለ ገምጊሙ። ደንበ ተቓውሞና ከኣ፡ ነዚ ክሳዳዊ ሕቶ’ዚ ብግቡእ ብዘይምምላሱ ምኽንያት፡ ይሳቐ ምህላዉ መዚኑ። ደንበ ተቓውሞና፡ ዘይምትእምማን ብዝፈጥሮ ዓንቃፊ ውድድርን ምትህልላኽን፡ ኣብ ወውድባቱ ዝነብሮ ዘሎ ጽምዋ ክለምዶን፡ ፖለቲካዊ ባህሊ ኮይኑ ክተዓዛዘሮን፤ ኣብ ካልኣዊ ፍልልያቱ ኣብ ምትራኽ ክዓርቦ፤ ብምፍንጫልን እናሓደርካ ምርባሕን ክሳቐይ፤ ንዝረኸቦም ውሽጣውን ግዳማውን ናይ ደገፍ ዕድላትን ጸጋታትን ከባኽን፤ ነቲ መተካእታ ዘይርከቦ ዓቕምታት መንእሰያትን ምሁራትን ሃገርና ሃኒጹ ምውፋር ስኢኑ፡ ካብ ህዝብና ተነጺሉን ብጽምዋ ተዋሒጡን፤ ቃልስና ካብ ስደት ናብ’ቲ ባህርያዊ ቦታኡ፡ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ምስግጋሩ ሓርቢትዎ፤ ብህዝብታና እምነት ስኢኑ፡ ኣብ ዘይንቡር ናይ ዕንክሊል ዓንኬል (vicious circle) ደርገፍገፍ በዚሑዎ ምህላዉ ማ/ሽማግለ ገምጊሙ፡፡

ማእከላይ ሽማግለና ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም፡- ኣብ ኤሃባደለ ዝጸንሑ ድኽመታትን ኣትይዎ ዘሎ ደውታን፡ ጽዑቕ መግለጺ ናይ’ቲ ልዒሉ ዝተገልጸ ዘይንቡር ኩነታት ሰውራና ምዃኑ ገምጊሙ፡፡ ነቲ ብክልተ ሸነኽ ኣባል ውድባት ሃገራዊ ባይቶ ዝተመዘዙ ናይ ዘተ ሽማግለ ከካይድዎ ዝጸንሑ ነዊሕ ዘተ፤ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ስምምዕ ሰነድ፤ ብሓባራዊ ሰሚናር ኣቢሉ፡ ንዝጸንሕዎ ጸገማት ክፈትሕ፡ ብናይ ሓባር ምርድዳእ ንዕዉት 2 ሃገራዊ ጉባኤ ዝኸውን ዱልዱል መሰረት ንከንብርን፤ ሎሚ’ውን ከም ዓንተቦ ውድብና፡ ብሙሉእ ዓቕሙ ክረባረብ ምዃኑ ድሉውነቱ ኣረጋጊጹ፡፡

ማእከላይ ሽማግለ፡ ንውድባዊ ኩነታትና ኣመልኪቱ ድማ፡- ነቲ “ተዛሪቡ ዘስምዕ-ሰሪሑ ዘድምዕ፡ ብቑዕ ስውራዊ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ/ግንባር ንምህናጽ ንቃለስ!” ዝብል ጭሮሖኡ ማእከል ገይሩ’ዩ ገምጋሙ ኣካይዱ፡፡ ኩሎም ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት ዓሚቕ ገምጋም ብምክያድ፡ ንዝጸንሕዎ ድኽመታት ኣሪሙን ተማሂሩሎምን፤ ኣዎንታታቱ ድማ ዝያዳ ክጉልብቱ ከምዝግባእ ርእዩ፡፡ ህዝባዊ ቃልስና ንዝጠልቦ ዘሎ ኩነተ-ህጹጽነትን መድረኻዊ ዕማማትን ዝምጥን ብቕዓትን ተወፋይነትን ኣመራርሓ፤ ብመስመር ዝተሃጸ ኣባልን፤ ብደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ዝደንፈዐ ውድባዊ ባህልን ዝያዳ ንምጉልባት ከኣ፡ ተጊሁ ክሰርሕ ወሲኑ ኣሎ። ማእከላይ ሽማግለ ኣብ ኣኼባኡ ካብ ዝረኣዮ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ ድማ፡ ብቐጻሊ ንዘካይዶ 3 ውድባዊ ጉባኤኡ ዝምልከት’ዩ። ኣብ ቅድሜና ይጽበየና ንዘሎ መድረኻዊ ዕማማት ዝበቅዕ፤ ጽርየቱ ዝሓለወ፤ ካብ ሓደ ማእከል፡ ብቑዕን ውፉይን ኣመራርሓ ዝረኽበሉ ኩነታት ንምፍጣር ክጽዕትን ክምዝግባእ ከኣ ኣሚቱ። ን3 ውድባዊ ጉባኤ ዘሰናድእ ሽማግለ ብምምዝዝ፣ ንጹራት ናይ ስራሕ መምርሒ ብምሃብን ኣገደስቲ ለበዋታት ብምምሕልላፍን ከኣ፡ ኣኼባኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡     

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና!!

ተዛሪቡ ዘስምዕ - ሰሪሑ ዘድምዕ፡ ብቑዕ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ

መሪሕ ውድብ ንምህናጽ ንቃለስ!!

5 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ኤስደለ

15 ጥቅምቲ 2017