22
Wed, Nov

ጋዜጣዊ መግለጺ
Typography

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ንክውስንን ንናጽነቱን ኣብ ዘካየዶ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ፡ ባሕቲ መስከረም ፍሉይ ታሪኻዊ ምዕራፍ ዘለዋ ክብርቲ ዕለት’ያ። ነቶም መሰል-ርእሰ-ውሳኔና ዝረገጹን፡ ክሳድ ህዝብታትና ኣድኒኖም/ኣዋሪዶም ንክገዝኡ ዝጨከኑን ባዕዳውያን ገዛእቲ ደርብታት፡ በቲ እንኮ ዝስቆሮም ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣረብሪብካ ንምስዓሮም፡ ፈላሚት ርችት ሓርነት ዝተተኮሰላ ክብርቲ ዕለት ስለዝኾነት። ድሕሪ’ቲ ናይ 30 ዓመታት ዝይሕለል መስተንክራዊ ቃልስን ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእትን (ክሳብ ግንቦት1991)፡ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ዘይሕለል ቃልስን ጽንዓትን፡ ዝሓተቶ ኩሉ መስዋእትን ብምኽፋል ከኣ፡ ልኡላዊ ናጽነት ኤርትራ ክውን ኮይኑ’ዩ። እነሆ ከኣ፡ ሎም ንመበል 56 ዓመት ክንዝክራን ከነኽብራን ንርከብ።

ነዛ ታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም፡ ዓመት-መጸ ክንዝክራ እንከለና ግን፡ ንስለ ዝኽርን ፈንጣዝያን ክብሃል ከምዘይኮነ ፍሉጥ’ዩ። እቲ ንቃልሲ ህዝብታትና፡ ዘይርብርብ ጽንዓት ዘስነቐ ዕላማኣን ተልእኮታቱን ኣብ ጫፍ ንምብጻሕ፡ ክታም ታሪኻዊ ቀጻልነት ቃልስና እነንብረላ ዕለት’ያ። ስለ’ዚ፡ ነዛ ሎሚ፡ ንመበል 56 ዓምታ እነኽብራ ዘለና ታሪኻዊት ዕለት’ዚኣ ክንዝክር እንከለና፡ ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ 3 ኣጀንዳታት ኣልዒልና ብቑዕ ምላሽ ብምሃብ፡ ታሪኻዊ ሓላፍነት እንቕበለላን ቃል ሕድሪ ሰማእታትና እንሕድሰላን ዕለት’ያ።

 

  1. መሰረታዊ ዕላማን ተልእኮን ንቕሎ ብረታዊ ቃልሲ ባሕቲ መስከረም እንታይ ነይሩ?

መስርሕ ሓርነታዊ ቃልስና ብባህርያቱ ኣንጻር መግዛእቲ’ዩ ነይሩ። ኣንጻር ኩሉ መልክዕን ዓይነትን መግዛእታዊ ጭቆና’ዩ ዝቐንዐ ቃልሲ። ሰብኣውን ደሞክራስያውን ክብረት ህዝብታትና ንዘሕሰሩ፤ ብናይ ድሕረትን ድኽነትን ኩርማጅ ንዝጋረፉ፤ ንብዙሕነታዊ ህዝብታትና ኣተፋኒኖም ንዘናቑቱን፡ ሓድነቱ ንዝዘርጉን፤ መጻኢ ዕድል ህዝብታትና ባዕሎም ናይ ምውሳን መሰል ሓንኪሮም፡ ርጉእ ብሰላም ናይ ምንባር መሰሎም ንዝኾለፉ፤ ብዋጋ ብርሰትን ዕንወትን ውጹዓት ምልዮናት ህዝብታትና ከኽብሩ ንዝደልዩ ሕሱማት ገዛእቲ ንምውጋድ’ዩ ነይሩ፡ ዕላማ ባሕቲ መስከረም። ኣብ ዑና መቓብሮም፡ ምዩቕ ከይበልና እንነብረላ፤ ሰላምን ምዕባለን ዝሰፈና፤ ህዝባውን ደሞክራስያውን ስርዓት ብምትካል፡ ልኡላዊ ክብረት ህዝብታት ዝተረጋገጸላ ናጻ ሃገር ክውን ንምግበር’ዩ ነይሩ።

ነዚ ክቡር ዕላማ’ዚ፡ ብ01 መስከረም 1961፡ ብረት ተሓንጊጡ ዝተበገሰ ሓርነታዊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ1991- ንባዕዳውያን ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ስዒሩን፡ ኣኽሊል ናጽነት ሃገር ደፊኡን’ዩ። ናብ’ዚ ዓወት’ዚ ንምብጻሕ ኣብ ዝተኻየደ ዘይሕለል ቃልሲ ከኣ፡ ደላይ ሰላም ህዝብና ዘርኣዮ መስተንክራዊ ጽንዓትን ጅግንነትን፡ ዝኸፈሎ እልቢ ዘይብሉ መስዋእትን፡ ዘሕብንን ማህደር ታሪኽ ቃልስና ዝሰነዶን ሓቂ ኣሎ። ምውጋድ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት - ኣብ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልስና’ኳ እንተኾነ፡ ንተልእኾን ዕላማን ቃልስና ዝምጥን ዘይምንባሩ ግን ዘከራኽር ኣይኮነን።

ኣብ’ቲ 30 ዓመት ዝወሰደ ቀዳማይ ምዕራፍ ሓርነታዊ ቃልስና (ካብ 1961-1991)፡ እቶም ሕሱማት ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘኽፈሉና መሪር ዋጋ፡ ጸረ-ህዝቢ ባህርያቶም ዝዓደሎም’ዩ ክባሃል ይከኣል። እቶም ተበራርዮም ንሜዳ ሓርነታዊ ቃልስና እናባሓቱ ዝመጹ ውድባት ኤርትራ ተሓኤ/ህግሓኤ’ውን እነተኾነ፡ ነቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ደም እንዳኣጉስዕዎ’ዮም ጸኒሖም። ጸቢብ መሪሕነታዊ ጉጅላዊ ረብሕኦምን በሓቲ ባህርያቶምን ብዝዓደሎም “ንመቃለሲ ሜዳ ኤርትራን መጻኢ ስልጣንን መን በሓተ” ሕማሞም ክብሉ፡ ከቢድ ዋጋ እናኣኽፈልዎ’ዮም መጺኦም። ኣብ ወውድባቶም፡ ዝተፈላለየ ናይ ጸለመ ኣስማት እናኣጠመቑ ብዘሕቀቕዎም ተጋደልቲ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ’ውን ዝሕጸር ኣይኮነን። ሜዳ ኤርትራ ንክብሕቱ ክብሉ፡ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ብምውላዕ፡ ንሓርነት ህዝቦም ንዝወፈሩ ውጹዓት ተጋደልቲ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ሓንዚፎም፤ ንክቡር ፍትሓዊ ዕላማታት ህዝብና ደዊኖም፤ ንተቓላሳይ ዓቕምታት ሰውራ ኣባኺኖምን፤ ነቲ ዘይተርፍ ዓወት ኣደናጉዮሞን’ዮም። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ በዚ ሕማቕ ተሞክሮ’ዚ ሓሊፉን ጎብሊሉን ዝወጸ ውድብ ኤማሰ/ህግሓኤ/ህግደፍ ስልጣን ክዕትዕት ዝገበረ ተሞክሮ’ዩ ኮይኑ። እንሆ ከኣ፡ ገባቲን በሓትን መሪሕነት ህግደፍ ዝተኸሎ መንግስታዊ ስልጣን፡ ሓርነታዊ ባህጊ ህዝብታትና ዝኾለፈ ስርዓት ኮይኑ ይርከብ።

 

  1. ናይ ሎም-ዘበን ምበል 56 ዓምት ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ባሕቲ መስከረም ከ፡ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ኮይና ኢና እነብዕላ ዘለና?

ህዝባዊ ቃልስና፡ ኣብ ኤርትራ ሕ/ሰባዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝክይድ ሰውራ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እቲ ሸቶኡ ከኣ፡ ኣብ ሃገርና፡ ብንቑሕ ተሳትፎ ናይ’ቲ ወሳኒ ዓቕሚ ሓፋሽ ኣቢሉ፡ ዘላቒ ሰላም፣ ደሞክራስን ርሁው ቁጠባዊ ምዕባለን ንምርግጋጽ’ዩ። እዚ ዕማም’ዚ፡ ናይ ሓደ ወቕትን ወለዶን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ወለዶታት እናተበራረዩን እናተቐባበሉን ዘሰላስልዎ ዕማም’ዩ። ኣብ’ዚ መስርሕ’ዚ፡ ብዙሓት ዝነጥፉ ሓይልታት’ኳ እንተሃለዉ፡ እቶም ወሰንቲ ተዋሰእቲ ግን፡ እዞም ዝስዕቡ’ዮም። ሓደ፦ እቲ ዝለዓለ፡ ልኡላዊ ክብረትን ስልጣንን ዘለዎ ህዝቢ፤ ክልተ፦ መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ዝርከብ ስርዓትን፤ ሰለስተ፦ ቅኑዕ ኮይኑ ንዝተራእዮም፡ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣማራጺ ሒዞምን ተወዲቦምን ክቃለሱ ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባትን’ዮም። ስለ’ዚ፡ ነዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ፡ “ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝኣምሰለ ኩነታት ኮይና ኢና እነብዕላ ዘለና?“ ዝብል ሕቶ ብቑዕ መልሲ ንምርካብ፡ ጭቡጥ ኩነታት ናይ’ዞም ልዒሎም ዝተጥቕሱ መሰረታውያን ሓይልታት ምግምጋም የድልይ። እቲ ቀንዲ መበገሲ ናይ’ቲ እንገብሮ ገምጋም ከኣ፡ ምስ ሕቶ ፖለቲካዊ ድሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ምህናጽ ሃገርነትን ልምዓትን፣ ምስ ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣንን ውሽጣዊ ሃገራዊ ሰላምን፡ ብቀጥታ ኣተኣሳሲካ ካብ ምርኣዩ ወጻኢ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። እሞ ኸ ከመይ ኣለና!?

ኣብዞም ዝሓለፉ 26 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ህዝብታትና፡ ጠላም ኣጋጢምዎም፡፡ እቲ ኩሉ ዋጋ ከፊሎም ኣብ ዘምጽእዋ ናጻ ሃገሮም ኤርትራ፡ ብክቱር ንዕቀትን ትምክሕትን ዝሓበጠ ገባቲ መንግስቲ ህግሓኤ/ህግደፍ ኣጓኒፍዎም፡፡ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ክብረቶም ቀንጢጡን፡ ኣዋሪዱን ዝገዝእ፤ ንስሙር ሓድነቶም፣ ቀጻልነቶምን ልምዓቶምን ኮሊፉ፡ ብድኽነትን ድሕረትን ዝገርፍ፤ ብወታሃደራዊ ሕግን ወታሃደርነትን እናተመርሐ፡ ብናይ ኲናትን ወራርን እቶን ዝልብልብ፡ ኣራዊት  ስርዓት ህግደፍ እናተሳቐዩ ዘሕለፍወን ናይ ባርነት ዓመታት'የን፡፡ እነሆ ከኣ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፡ ካብ ህልዊ ንታሕቲ፡ ካብ ምዉት ከኣ ንላዕሊ ኮይኖም ዘሕለፍወን ዓመታት ኮይነን ጸኒሐንን ኣለዋን፡፡ ብእኡ መጠን ከኣ፡ ጊላዊ መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ዝመረሮም ህዝብታትና፡ ቁጠዐኦም ገንፊሉ፡ (ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍእ ጸላኢ ከምዘይብሎም ብምልላይ)፡ ሓያል ተቓውሞኦም ከስምዑን ፍትሓዊ ለውጢ ክጠልቡን ይርከቡ፡፡ ናብ ውራይ ሃገር ዘቕነዐ፡ ካብ'ዚ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ከቢድ ናይ ምርማስ ሓደጋ ዘድሕኖም፡ ብቑዕ መሪሕ ውድብ ኣብ ምቁማት ድማ ይርከቡ፡፡ በቲ ብሓቂ ዘሰክፍ ምብዛሕ፣ እናሓደርካ ምርባሕን ሓድሕድ ዘይምትእምማንን ዛሕዛሕ ዝበሉ ውድባት ደንበ-ተቓውሞና ተስፋ ከይቆረጹ፡ "ሰሚርኩም ኣስምሩና"፡ ክብሉ ዘስምዕዎ ዘለዉ ናይ ሓድነት እዋናዊ ጠለብ፡ ሰማዒ እዝኒ ክረኽቡሉ ይጽውዑ ኣለዉ፡፡ ብመዳይ ኩነታት ውድባት ደንበ-ተቓውሞና ብዝምልከት ድማ፡ ነቲ ዝሓለፈ ናይ ውድቀት ተሞኩሮኦም ክመሃሩሉ፤ ክሳብ ሕጂ ንዘባኸንዎ ወርቃዊ ግዜን  ዕድላትን ዘይደግሙሉ ናይ ሓባር ታሪኽ ክሰርሑ ትጽቢት ይግበር፡፡ ነቲ ብሕታዊ መሳርዕካ ኣስሚርካ፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ህግደፋዊ ናይ ብርሰት መዓት ንምድሓን ክካየድ ዝግብኦ ስሙር ቃልሲ፡ ናይ ቀዳምነታቶም ቀዳምነት ገይሮም ክወፍሩሉ ትጽቢት ይግበር፡፡

  1. ነቶም ከይተዓወቱ ዝተረፉ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም፡ ኣብ ሸቶኦም ንምብጻሕ - ሕጂ ኸ ናበይ?

ልዒልና ኣብ ዝገበርናዮም ገምጋማት፡ ንጭቡጥ ኩነታት ደላይ ሰላምን ፍትሕን ውጹዓት ህዝብታትና፤ ንኩነታት ጸላእን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትናዝፍጽሞም ዘሎ ጭካነ ዝመልኦም ገበናትን፤ ንህልዊ ኩነታት ውድባት ደንበ-ተቓውሞናን መሰረታዊ ድኽመታቱን፤ ኣነጺርና ኣሎና፡፡ እዚ ሕጂ ክንምልሶ ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ቅኑዓት መፍትሒታት ምቕማጥን ንምዕዋቶም ምርብራብን'ዩ፡፡

እቲ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ዝስራዕ መፍትሒ ከኣ፡ ዓቕምታት ደላይ ፍትሒ ህዝብና ኣስሚርና፡ ንኤርትራን ህዝባን፡ ካብ'ዚ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ህግደፋዊ ናይ ብርሰት ሓደጋ ንምድሓን ምቅላስ'ዩ፡፡ ነዚ ናይ ኣፍ-ኣርክቡ ዕማም'ዚ ክዉን ንምግባር ድማ፡ ዓቕምታት ደንበ-ተቓውሞና ኣስሚርና ናይ ምቅላስ ሕቶ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብድሆን፡ ካብ ኣማራጺታት ብሕታዊ ኣማራጽን'ዩ፡፡ ነዚ ሕቶ'ዚ ብቑዕ እዋናዊ ምላሽ ናይ ምሃብ ጉዳይ፡ ኣማራጺ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ዝሰሓግ ዘሎ ህዝብናን ናይ ሓድነት ጠለቡን ዘለና ኣኽብሮት እንገልጸሉን ድልውነትና እንሕተተሉን ዘለና ጉዳይ'ውን'ዩ፡፡ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ብኣባል ውድባት ሃ/ባይቶ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘለና ደገፍ ዝለዓለ ምኻኑ ክንሕብር ንፈቱ፡፡ ኣብ'ቲ ተወጢኑ ዘሎ ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ሃ/ባይቶ፡ ካብ ዝሓለፉ ናይ ውድቀት ተሞኩሮታትና ክንመሃር፤  ተሃናኒጽናን ተኣራሪምናን፡ ሓድሕድ ምትእምማናትና እነበርኸሉ፤ ንካልኣይ ጉባኤ ሃ/ባይቶና ዝኸውን ዱልዱል እምነ-ኩርናዕ እነንብረሉን ንክኸውን፡ ናይ ኩላትና ቅሩብነት ዝሓትት ታሪኻዊ መድረኽ መኻኑ፡ ውድብና ኤስደለ ኣስሚሩሉ ክሓልፍ ይፈቱ፡፡

ካብዚ ታሪኻዊ ዕማምዚ ብዘይፍለ፡ ነቲ ንሙሉእ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልስና ከሳቕዮ ዝጸንሐን ዘሎን ብኩራት ብቑዕ መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ንምዕኳኽ ዝካየድ ስትራተጂካዊ ዕማም ንምዕዋት ምቅላስ'ውን ንጽባሕ ዘይበሃል፤ ዓቲብና ክንተሓሓዞ ዝግባእ ምዃኑ፡  ውድብና ኤስደለ ኣጽኒዑ ክቃለሰሉ'ዩ፡፡ ውድብና ኤስደለ፡ ተዛሪቡ ዘስምዕ - ሰሪሑ ዘድምዕ፤ ህዝብታትና ኣሚኖም ዝልእክዎ፤ ብንጹር መስመር፣ ብስጡም ውደባን ውፉይን ብቑዕን መሪሕነትን ዝተሃንጸ፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ ንምድልዳል ዓቲቡ ክቃለስ'ዩ፡፡  ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ኣብ ጫፍ ንምብጻሕ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ፡ ሕጂ'ውን ውድብ፡ ንሎምን ንናይ ጽባሕ ብሩህ መጻእን ዝኸውን መስመር ዓጢቑ ክቃለስ ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ፡፡   

 

ሓርነታዊ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ክዕወቱ'ዮም!!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ኤስደለ

01 መስከረም 2017