14
Wed, Nov

ዝኸበርኩም መራሕትን መሰረታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን

ዝኸበርኩም ኣዳለወቲ እዚ ጽንብል

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ዕዱማት ኣጋይሽ

20/07/18

ኣብዚ ዓመታዊ ጽንብል ምሳኹም ተሳተፍቲ ኮይንና ክንውዕል ዝገብርኩሙልና ዕድመ እናኣመስገንኩ፡ እብዚ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ካብቲ ዝሓለፍናዮ ናይ ዕስራ ዓመታት ኩነታት ኤርትራ ሃገርናን ከባቢናን፡ ናብ ፍልይ ዝበለ ፖለቲካዊ ኩነታት ተሰጋጊርና ስለ ዘለና፡ እዚ በዓል እዚ ካብ ተራ ዓመታዊ ጽንብል ምዃን ሓሊፉ፡ ኣቲናዮ ዘለና ኩነታት ገምጊምና ይሓይሽ እንብሎ መድረኻውን መጻኢ ዕማማትናን ኣዋሃሂድና ንወጸሉ መድረኽ ክኸውን ዘለኒ እምነት ክገልጸልኩም እደሊ።

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ናይ ተቓውሞ ዘመንና ደንበ ተቓውሞ ብጃምላ እንታይ እንታይ ጉድለታት ኣርኢና፡ ኣንታይ`ከ ኔሮም እቶም ሓያል ጎድንታትና ዝብሉ ዚዕባታት ካብ ዝግበኦም ንላዕሊ ፍጊዕ ክሳብ ዝብሉና ኣጋማዲሕና ርኢናዮም ኢና። ግን ከኣ ክሳብ ሕጂ ደፊርና ዘይኣተናዮም እቶም በብውልቀ ይኹን በብውድብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ናይ ዝነበሩና ጉድለታት ሓላፍነት ምውሳድ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ነብስና ክንፍትሽ ንኻለኦት ከነነኣእስ ዝቐለና፡ ካብ ነብሰ-ነቔፌታ ንኻለኦት ክንነቅፍ ዝቐለና ኮይንና ስለ ዝጸናሕና`ዩ።

ብኻልእ መንገዲ ድማ እቶም ነንሕድሕድና ንተሓማመ መራሕቲ ውድባት እቲ ሕሜታን ነቐፌታን ከምኡ ኢሉ ናብ መሰረታት ክወርድ ክንገብር ስለ ዝጸናሕና መራሕቲ ውድባት በብምኽንያቶም መብዚሕትኡ ድማ ብሕመቖም ክበኣሱ ከለዉ ንኣባላቶም ምስኦም ክሕንግዱ ክገብሩ ጸንሖም እዮም። ካብዚ ከምዚ ዝበለ ሕመቕ ደፊሩ ነጻ እየ ክብል ዝኽእል መራሕ ውድብ የለን። ኣብ ካልእ ዘዋጥጥ ወይ ዕሙቕ ዝበለ ነገር ከይኣተኹ ሓደ ኩሉ ክርደኦ ዝኽእል ኣብነት ክጠቅስ እኽእልየ። እቶም ክቀራረቡ ዝፍትኑ ውድባት መንዮም እንተበልና እቶም። መራሕቶም እናሰሓቑ ከዕልሉ ምስ ጀመሩ እዮም። እምበር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ፖሊሲታት ሓደ ውድብ ዓጂቡኒ ኣሎሞ ብኣካል ዘይንፋለጥ እኳ እንተኾንና ብመትከል ዝፈላሊ የብልናን ኢሉ ናይ ሓድነት ተበግሶ ዝወስድ እንተልዩ ብጣዕሚ ውሑድዩ። ዕርክነት ናይ መራሕቲ እንተኣስሚሩና ድማ ክበኣሱ ከለዉ እቲ ሓድነት ውድብ ምስ ዕርክነቶም እዩ ዝውዳእ።

ካብዚ ዕንክሊል ክንወጽእ እንተኾንና ውድባት ንኽሰምሩ ናይ ሙሉእ መሰረታቶም ተሳትፎ ንኸይፈርስ ድማ ናይ ሙሉኣት ኣባላቶም ሓለዋ የድልዮ። ከምዚ ዝበለ ሕመቕ ዘይተንከፈና ሰባት ስለ ዘይንህሉ ዝሓለፈ ሓሊፉ ንድሕሪ ሕጂ ግን ኩሎም ኣባላት ውድባት ንመሪሕነታቶም ተሓተትቲ ክኾኑ ዝኽእሉሉ መድረኽ ከነመቻችእ ክህልወና እዩ። እዚ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ንዕኡ እዩ ዝጠልብ። ሎሚ ንሱናሚ ዝመስል ሓያል ናይ ምድማር ማዕበል ኣጋጢሙና ኣሎ። ምጉዳል እውን ኣለዎ ይብሉና ኣለዉ። ግን ከኣ እቶም ብቐንዱ ክድመሩ ዝግበኦም በዚ ሓያል ማዕበል ተገፊዖም ክጎድሉ ከለዉ ሰጋእ ዘብል ተርእዮ ምኳኑ ኣይተርፍን።

ንሕና ኤርትራውያን ድሕሪ ነጻነት ምስ ኩሎም ጎረባብትና ተኸባቢርናን ተሓጋጊዝናን ክንነብር እዩ ዕላማና ዝነበረ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ብህግደፍ ዘይሰንበደ ጎረቤት የብልናን። እምበር ምስ ትግራይ ምስ ኦሮሞ ይኹን ምስ ኣምሓራ ተሰማሚዕና ክንነበር ጸገም የብልናን። እቲ ባእሲ ፈቲንና ዝመነናዮ እዩ ኔሩ። ናፊቕናዮ ዝነበርና ፍቕርን ሰላምን እዩ። ዘላቒ ፍቕርን ሰላምን ክርከብ ድማ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ብቐዳምነት ኣብ ውሽጠን ሰላም ከስፍና እንተኺኢለን ጥራሕ`ዩ። ኤርትራ ሃገርና ካብተን ሰላም ዘይተዓደላ ሃገራት ሓንቲ`ያ። ሕጂውን እዚ ሰላምን ፍቕርን ምድማርን ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ክቕጽል እንተኾይኑ ክልቲኤ ሃገራት ነናተን ዘየማለአኦ ዕዩ ገዚ ከምዘለወን ምርዳእ ይከኣል እዩ። ንዓና ንደንበ ተቓውሞ ድማ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ ስልጣን ሒዘ ዘሎ ኣካል ዕዮ ገዚኡ ክገብርሲ ይትረፍ ዕዮ ገዚ ዝህቦ ትምህርቲ ዝጀመረ እውን ኣይኮነን። ኢሰያስ ኣብ ውሽጣ ሰላም ዘይብላ ኤርትራ ሒዘ ምስ ጎረቤት ሰላም ክብል ከሎ እቲ ሰላም ዘይጽላኣ እኳ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ሕሙም ኣካላት ሓዲሽ ክዳን ከም ምኽዳን ክቑጸር ይከኣል`ዩ።

ስርዓት ኤርትራ ውሽጡ ክሓዊ እሞ ሰላም ክረክብ እንተኮይኑ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላት ዛጋታቱ ከኽብር ኣለዎ። ቅዋም ክጸድቕ-ክትግበር፡ ናይ ጭቖና መሓውራት ፈሪሶም ብደሞክራሲያዊ ትካላት ክትክኡ። ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ክምስረት፡ ናይ ፖለቲካን ናይ እምነትን እሱራት ክፍትሑ። ነጻ ፕረስ ተግባራዊ ክኸውን፡ ብሽፋን ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃገራዊ ባርነት ደው ክብል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ሸለብ ገለብ ኣብ ዝደለዮ ዓውደ ስራሕ ተዋፊሩ ብሰላም ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ክመላለስ መሰሉ ሕሉው ክኸውን ይግባእ። ድሕርዚ ምስ ኦሮሞን ኣምሓራን`ሲ ይትረፍ ምስ ኲኖኦም ዘለዉ ብሄራት እውን እንተተዚመድና የርብሓና`ምበር ጸገም ኣይፈጥረልናን። ኣብ ስርዓት ኤርትራ ነዚ ዝጸውር ደሞክራሲያዊ ኣረኣእያ ኣሎዶ እንተኢልና ግን መልሱ ኩሉ ኣሉታ እዩ።

ኢሰያስ እዚ ዝረአ ሰሎ ድራማ ፈትዩ ኣይፈትዩ ክዋሰኦ ዝነበሮ ድራማ እዩ። ኣብ ፖለቲካ ክሳብ ዝሃለና እዚ ንሪኦ ዘለና መስርሕ ብድሌት ናይ ክልተ መራሕቲ ጥራሕ ዝመጸ እዩ እንተኢልና የዋህነት እዩ። ግን ከኣ ኣብ ሕድሕድ ህዝቦም ቅቡል ምኽንያት ኮይኑ መታን ክቐርብ ወያነ ሕሩድ ኮይኑ ክቐርብ ኮይኑ ኣሎ። ብርግጽ ወያነ ካብቲ ባዕሉ ተጋጊና-ተባላሺና ኢና ጸኒሕና ዝበሎ ንላዕሊ ደኣ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና`ምበር፡ እዚ ሕጂ ዶክቶር ኣቢይ ኣሕመድ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ባዕሎም እንተዝወስድዎ ኔሮም ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን እቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ ልሙጽን ሰላማውን ዝምድና ምተቐላጠፈ ኔሩ። ሕጂ ግን ናይ ዶክቶር ኣቢይ ኣሕመድ ቅልጡፍ ናይ ምድማርን `ምጉዳልን` ሕሳባት ቀዲምዎም ኣሎ። ውጽኢቱ ድማ ብሰሜን ብህግደፍ ብደቡብ ድማ በቲ ሓዲሽ ሱናሚ ዝመስል ለውጢ ዕላማ/ታርጌት ክኾኑ ኮይኖም ኣለዉ።

ንዓና ንኤርትራውያን ግን ሰላም ክበሃል ከሎ ምስ ሙሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እምበር ኣብ ምፍልላይ መሰረት ዝገበረ ሰላም ክንገብር ኣይግባእን -ዘላቕነት እውን የብሉን። ንሰላም ቅድም ምስ መን ዝብል ቅደም ተኸተል ክንገብረሉ እንተልዩና ግን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቅድሚ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ዓፋርን ዝስራዕ ህዝቢ ክህልወና ኣይክእልን። ኣብ ሕማቕና ኣብ ሕማቖም፡ ኣብ ጽቡቕና ኣብ ጽቡቖም ናይ ቀረባን ናይ ሓባርን ተቛደስቲ ኢና። ኣብ ህዝቢ ትግራይ ናይ ጽልኢ ደሴት ፈጢርካ ኣብ ስግር ማዕዶ ምስ ኣምሓራን ምስ ኦሮሞን ሰላምን ምድማርን ግን እቲ ሰላም ብጣዕሚ ደለይቱ እኳ እንተኾንና፡ ናይ ቀዳመ ሰንበት መሻራሸሪ እምበር ናይ ሰኑየ ሰሉስ ንቡርን ዘላቕን ዝምድና ክፈጥር ዝኽእል ኣይኮነን።

ናይ ክልቲኦም መንግስታት ጉዳይ ንግዚኡ ደው ኣቢልና። ብዚዕባ ጉዳይናን ናይዚ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ኣገጣጥምኡን ገለ ክንብል። ንሕና ከም ደንበ ተቓውሞ ኣብ ዝኾነ ምእንቲ ሰላም ዝግበር ተበግሶታት ደለይቱ እምበር ዓንቀፍቱ ክንከውን ኣይግበኣናን። ስለዚ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ዝጎደሎ ክንምልእ እምበር ንድሕሪት ክንመልስ ዕላማ ይኹን ተግባር ከምዘይብልና ብተግባር ከነርኢ ይግባኣና። ንሕና ናይ ሰላምን ፍትሕን ተጣበቕቲ ከም ምዃንና መጠን፡ ብቐዳምነት ናይ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን የገድሰና። ስለዚ እቲ ብኻላኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ጸኒሑ ዘሎ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገርና ናብ ቀዳማይ መስርዕ ክሰጋገረሉ ዝኽእል ኩነታት ክንፈጥር የድልየና።

ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና በቲ መደናገሪ ኣካይዳ ህግደፍ ብጸላእቲ ተኸቢቡ ከምዘሎ ክርዳእን ብረት ካብ እንግድዕኡ ከየውርድን ኮይኑ ጸንሑ ስለ ዘሎ ሕጂውን ንወያነን ንህዝቢ ትግራይን ኣሰይጢኑ ገና ጸላእቲ ኣለዉና እናበለ ብረት ከየውርድ ክገብሮ ስለ ዝኽእል ካብ ሕጂ ነቒሑሉ ክጸንሕ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ስራሕ ጌርና ክንሕዝ ይግባእ። ንሕና እውን እንተኾነ ካብቲ ከም ባህሊ ሒዝናዮ ዝጸናሕና ሕድሕድ ምውጣጥ ወጺእና ኣገደስቲ መድረኻውያን ዕማማት ኣነጺርና ዝተፈላለዩ ሓይሊ ዕማም (Task Forces) መዚዝና ናብ ስራሕ ክንዋፈር ከድልየና እዩ። ነዚ ንምግባር ናይ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ሕገ ህንጻን ውህደት ይኹን ናይ ግንባራት ምምስራት ግድን ኣድላዩ ዝኾነሉ ምኽንያት የለን። ንሱ ቀስ ኢልካ ክግበር ዝከኣል`ዩ። ምስ መድረኽ ዝሰማማዕ ህጹጽ ምምዕርራያት ናይ ኣተሓሳስባን ተግባራን ምትዕጽጻፍ እንተዘይጌርና ብሓዲሽ ፖለቲካዊ ማዕበላት እናተገፋዕና ካብ ጸወታ ወጻኢ ንኾነሉ እምበር ባዕላትና ሓዲሽ ፖለቲካዊ ማዕበላት ፈጢርና ኣብ ሃገርና ለውጢ ነምጽኣሉ ዕድል ኣይክህሉን እዩ።

ሕድሕድ ተዋሃሂድና እንተሓዪልና ከኣ መንግስታት ክበኣሱ ከለዉ ንሓዲኦም መጻልኢ ክንኮኖም ክፈትዉና፡ ክፋተዉ ከለዉ ድማ ሕድሕዶም ምእንቲ ከይጻልኡ ንዓና ከርሕቑና ኣይክእሉን እዮም። ልዕሊ ኩሉ ግን ኣብ ናይ ደገ ሓይልታት ከይተሞርከስና ሙሉእ ሓይልና ኣብቲ ወትሩ ናይ መትከል ፈታዊና ዝኾነ ህዝብና እንተጌርና ዓወትና ናይ ግድን እዩ።

ኣብ ሃገርና ፍትሕን ደሞክራስን ክሳብ ዘይሃለወ ንስለ ፍትሕን ደሞክራስን ቃልሲ ቀጻሊ እዩ።

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

ክንዕወት ኢና

ዮሃንስ ኣስመላሽ

ኣቦ መንበር ኤስደለ

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡ ደላይ ሰላም ከም ምዃኑ መጠንን፡ በቲ ዝጸንሐ ኣይኲናት ኣይሰላም ኩነታት ድማ ኣጸቢቑ ስለ ዝተሃስየ ድሌቱን ናይ ዘወትር ሕልሙን ሰላም ኮይኑ ስለ ዝጸንሐ ንተበግሶ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓንጎፋይ ክቕበሎ እዩ። ህግደፍን ጭፍራታቱን ድማ ኣብ ክንዲ በቲ ሰላም ክመጽእ ዝኽእል ረብሓታት ኣመልኪቶም ዝሰርሑ፡ ኣይበልናንዶ!! እናበሉ ወያነ/ ትግራይ - ተሳዒሩ ህግደፍ ስዒሩ ዝዓይነቱ ዲንኬራ ክወቕዑ ምዃኖም ፍሉጥ እዩ።

Read more ...

እቶም በቲ ጨካን ስርዓት ተላኢኽኩም ኣብ ልዕሊ ኣሓትኩምን ኣሕዋትኩምን እዚ ዘይበሃል ግፍዒን ቅንጸላን እተካይዱ ዘለኹም ወተሃደራትን ናይ ስለያ መሓውራትን ህግደፍ፡ ዓንኬላት ህግደፍ እናጸበበ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ውዒሉ ሓዲሩ ንዓኹም እውን ዝምሕር ስለ ዘይኮነ፡ ንኣረሜናዊ ተልእኾ ህግደፍ እምቢ ኢልኩም ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝብኹም ክትስለፉ ጻውዒት ነቕርበልኩም።

Read more ...

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡ ደላይ ሰላም ከም ምዃኑ መጠንን፡ በቲ ዝጸንሐ ኣይኲናት ኣይሰላም ኩነታት ድማ ኣጸቢቑ ስለ ዝተሃስየ ድሌቱን ናይ ዘወትር ሕልሙን ሰላም ኮይኑ ስለ ዝጸንሐ ንተበግሶ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓንጎፋይ ክቕበሎ እዩ። ህግደፍን ጭፍራታቱን ድማ ኣብ ክንዲ በቲ ሰላም ክመጽእ ዝኽእል ረብሓታት ኣመልኪቶም ዝሰርሑ፡ ኣይበልናንዶ!! እናበሉ ወያነ/ ትግራይ - ተሳዒሩ ህግደፍ ስዒሩ ዝዓይነቱ ዲንኬራ ክወቕዑ ምዃኖም ፍሉጥ እዩ።

Read more ...

ሎሚ መበል 27 ናይ ናጽነት በዓል ከነኽብር ከለና ኣብ ሕውስውስ ዝበለ ስምዒታት ኮይንና ነብዕሎ

ምዃንና መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰማማዓሉ ምዃኑ ምግማቱ ኣየጸግምን። ሕውስውስ ዝበለ

ስምዒታት መበሊኡ ምኽንያት፥ ብሓደ ሸነኽ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ኣካይደ

ኣሻሓት ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ካብ ባዕዲ ናጻ ምዃኑ ዘሐብኖ ጉዲይ ኮይኑ፣ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ እዚ

ድሕሪ ኩሉ መስዋእቲ ካሕሳ ወይ ደበስ ናይቲ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ዝኸፈለ ውጹዕ ህዝቢ ከኣ ኣደዲ

ማእሰርትን ስደትን ዓጸቦን ክኸውን ምርኣይ እዩ። ናይ ሕጂ ኩነታት ህዝብና ዘመነ መግዛእቲ

ትናፍቐሉ እዋን እዩ። ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክጽመድ ዝደሊ ህዝቢ የለን። ሕሱም መግዛእቲ

ወዲ ሃገር ካብ ባዕዲዊ መግዛእቲ ዝሓስም እንተኮይኑ ግን ኣብ ክንዱ ካሕሳን ዳዕሳን- ዕዳን ደግስን ካብ

ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ኣይህልዎን። ቃልሲ ክበሃል ከሎ ውሑዲት ንስለ ብዙሓት ኢሎም

መስዋእቲ ዝኸፍሉሉ እኳ እንተኾነ፣ ዘይሩ ዘይሩ ግን ንዝሓሸ እምበር ንዝኸፍአ ኢልካ ትመርጾ ቃልሲ

ኣይህሉን። ውሑዳት ከፊእዎም ብዙሓት ዝርህዎም እንተኮይኑ እውን ኣይምኸፍአን። ስርዓት ህግደፍ

ግን ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሬት ወይ ኣብ ትሕቲ መሬት ማዕረ እዩ ክገብሮ ዝደሊ ዘሎ።

ደጋጊምና ከም ንብሎ ድኻም ናይ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን፣ ሕሱም ናይ ስርዓት ህግደፍ ናይ ምትላል

ባህርያትን ክእለትን ተሓዊስዎ ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ካብቲ ግቡኡ ንላዕሊ ክናዋሕ ኮይኑ

ኣሎ። ይኹን እምበር ወጻዒ እናወዐ- ተወጻዒ ድማ ኩሉ ግዜ እናተወጸዐ ንዘልኣለም ክነብረሉ

ዝኽእል ዕድል ከምዘየለ ታሪኽ ቃልሲ ውጹዓት ዝምስክሮ እዩ። እቲ ንዓና ብጽሞና ክንሓስበሉን

ክንዳለወሉን ዝግበኣና ነገር እንተልዩ፣ ነቲ ውዒሉ ሓዱሩ ዘይተርፍ ለውጢ ንረብሓ ውጹዕ ህዝቢ

ኤርትራ ኣብ ክውዕለሉ ዝኽእል ዕማም ካብ ሕጂ ስንኻ ነኺስካ ምስራሕ ዝግባእ ምዃኑ እዩ። ንስለኻ

ተቓሊስና እናበሉ ንዋኒኖም ዝገበርዎ ዘሕዝን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዳግም ክድገም ዝመርጽ ውጹዕ

ዜጋ የለን።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ስደቱ በዚሑ፣ ድሕሪ ናጽነት ሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላቱ ዝያዳ

ተጋሂሱ። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ግን እቶም ሰበብ ናይዚ ኩሉ ጥፍኣት ዝኾኑ ገበርትን ሓደግትን ናይቲ

ስርዓት ብብኽያት ናይ ውጹዕ ህዝቢ ክስሕቁ፣ ብድኽነት ውጹዕ ህዝቢ ሃብቲ ከኻዕብቱ፣ በቲ ኩሉ ኣብ

ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ድማ ኣሽካዕላል ክጻወቱ ክትርእን ክትሰምዕን ከለኻ እዩ። ህዝቢ ሓንሳብ

ክታለል ይኽእል፣ ክልተሳዕ ክታለል እውን ይኽእል ይኸውን፣ ንዘልኣለም ክታለል ዝኽእል ህዝቢ ግን

የለን። ኣብዚ ናይ ቀረባ ማዓልታት ናይ ኣልኣሚን መሓመድስዒድ (በዓል ስልጣን ህግደፍ) ሕፍር ከይበለ

ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፣ ኣብ ዓለም ሰብኣዊ መሰል ዝኽበረላ እንኮ ሃገር

ኤርትራ ጥራሕ እያ ክብል ምግላጹ እዩ። እዚ ጥራሕ ግን ኣይኮነን፥ እዚ ጸረ ሕልንኡ ዝዛረብ ዝነበረ

ዝመስል ሓላፊ ህግደፍ፣ ኣብ ኤርትራ ለይቲ መጺኡ ዝኹሕኳሓካ የለን፣ ዘጓጥጠልካ የለን፥ ካብን ናብን

ክትከይድ መን ኢኻ ዝብለካ የለን - ካብዚ ዝዓቢ ናጽነትን ምሕላው ደሞክራሲያዊ መሰላትን የለን

እናበለ ካዕቦ ሓሶት ክሕሱ ከሎ ኤርትራ በታ ንሱ ዝነብረላ መዓቀኒ ደኣምበር በቲ ውጹዕ ህዝቢ

ኤርትራ ዝነብረላ ዘሎ መዓቀኒ ጌሩ ይዕቅና ከምዘይ ምህላዉ ርእሰ ግሉጽ እዩ

ናይ ሎሚ በዓል ናጽነት ከነኽብር ከለና ካብ ዝጸገቡ ዝጠመዩ፣ ካብ ዝመሃሩ ብረት ዝዓጠቑ፣ ካብ

ዝሰርሑ ዝእሰሩ፣ ካብ ብተስፋ ዝነብሩ ዝስደደ፣ ካብ ዝህብትሙ ዝደኽዩ፣ ካብ ሓሳቦም ዝገልጹ እቶም

ሓሲብኩም ኔርኩም ተባሂሎም ዝደሃሉ ዝበዝሑሉ ሃገር ሒዝና ነኽብሮ ምህላውና ዘሕዝን እዩ።

ሃገራዊ ናጽነት ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ንደሞክራስን ፍትሕን፣ ንብልጽግናን ንልዕልነት ሕግን ምዃኑ ስለ

ንፈልጥ ንኾርዓሉ እምበር ንጠዓሰሉ ጉዲይ ክኸውን ኣይግባእን። ይኹን ኣምበር እቲ ንላዕሊ መንጠሪ

ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ መድረኽ ሃገራዊ ነጻነት፣ ንገደል መጽደፊ ክኸውን ንዝተጠቕመሉ ስርዓት

ህግደፍ ጥራሕ ክንራገም ይግበኣና ጥራሕ ዘይኮነስ ቀልጢፉ ክእለ ህዝባዊ ቃልሲ ክጓሃሃር ይግባእ።

ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኮነን፣ ስርዓት ህግደፍ እናደኸመ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ድማ

ካብኡ ንላዕሊ ክዲኸሙ ክትርኢ ከለኻ ምስ ንቡር ናይ ቃልሲ ስነመጎት ስለ ዝገራጮ ይድንጽወካ።

እንታዩ ጉደ? ኢልካ ክትሓስብ ይገብረካ። ብርእይቶና እዚ ኣብ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ፕሮግራም

ተጠርኒፍና ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢና ንምውጋድ ንዝግበር ጻዕሪ ምትዕንቓፍ ግን ካብ ዘይብቕዓት ጥራሕ

እዩ ኢልካ ትራገመሉ ነገር ኣይኮነን። ካልእ ብልሓት ኣለዎ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ትዛረበሉ እውን

ኣይኮነን። የግዲስ ኣብ ቃልሲ ክሳብ ዝሃለና ሎሚ ዘይፈለጥናዮ ጽባሕ ምፍላጥና ስለ ዘይተርፍ ንስለቲ

ኩሉ ከፊሉ ሓንቲ ዘይረኸበ ውጹዕ ህዝብና በርቲዕካ ካብ ምስራሕ ካልእ መዋጽኦ የለን።

ኤርትራ ብናጽነታ ንዘላኣለም ትንበር

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ሎሚ ቅነ ክልተ ብዓበይቲ ሃይማኖታትና እስልምናን ክርስትናን ናብ ህዝቢ ዘቕረብዎ እምቢታ ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሙሉእ ሕብረተሰብ ዓለም ክስማዓልናን ብኡ ደረጃ ብውሽጥን ብደገን ዝተዋደደ ናይ እምቢታ መቓልሕ ኣቃሊሕና ሓንሳብን ንሓዋውሩን ህግደፍ ካብ ዝባን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርደሉ ኩነታት ክንፈጥር ኣለና።

Read more ...

More Articles ...