26
Mon, Oct

ጽሑፋት/ርእይቶ
Typography

ሰብ ኣይጽላእካ ዝበሃል ምስላ ኣሎ። እዚ ምስላ’ዚ ብሕማቕ ተግባራቱን ጠባያቱን ምስ ከባቢኡ ዘይቃዶ ባህርይ ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ናይቲ ዘለዎ ሕብረተሰብ ክሕወስ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ እሞ፡ ጥቕኡ ኮፍ ዝበለ ሰብ ቀልጢፉ ብድድ ክብል ከሎ፥ ሓቲቱ ዝምልሰሉ ክስእን ከሎ፥ ለሚኑ ዝቶኽበሉ ክስእን ከሎ፥ ጎፈ-ጎፍ ምስ ሰብ እንተተራኺቡ - ሰብ ክርሕቆ ከሎ ዝበሃል ምስላ’ዩ።

ሎሚ ከኣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ወዮ ከም ዕንልማዝን ከቢሩ ዝነበረ ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ፥ ኣባይቲ ዜጋታትና ካብ ስእሊ ጻድቃናት ንላዕሊ ስእሊ ናይዚ ንዛረበሉ ዘለና ፕረዚደንት በዚሑሉን ከቢሩሉን ኣብ ዝነበረ ሃገር፡ ሎሚ መዓስ’ኮን ይሞተልና ይኸውን ዝብል ጸሎትን ትጽቢትን ዝበዝሓሉ ህሞት በጺሕና ኣለና። እወ! ሕማቕ ዕድል ኮይኑ እምበር ካብ መዓስ እዩ ዝመውት ኢልና ሞቱ ምጽባይ፡ መዓስ እዩ ዝቕየር ኢልና ካብኡ ዝሓይሽ ካልእ ወዲ ሃገር/ጓል ሃገር ከነቋምት ምሓሸ ኔሩ። እሞ እንታይ ይገበር? ህዝቢ ኤርትራ መተካእታ ፕረሲደንት ከነናዲ ዕድል እንተዝረክብ፡ ይትረፍዶ ንምእንቲ ሃገሩ ዝተቓለሰ ነቶም ሃገር ከጥፍኡ ተበጊሶም ዝተማረኹ ወተሃደራት ጸላኢ እውን ሞት ኣይተተምነየን። ሓዳግን ለዋህን ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዳርጋ 30 ዓመታት ንክጭክን ኣብ ልዕሊኡ ዘይተሰርሐ ነገር የለን- ጨኪኑ ከኣ። ብዘይካ ውሑዳትን ውሱናትን ነባሕቲ ኮራኩር ህግደፍ፡ እቲ ካልእ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝወርድ ኩሉ ባህርያዊ ሓደጋታት ብሃንቀውታ ይጽበ ኣሎ።

እሞኸደኣ እቲ ብጅግንነቱ ዓለም ዘዛረበ ህዝቢ ኤርትራ፡ ይከኣሎ እናተባህለ ዝተደርፈሉ፡ ሓደ ንዓሰርተ ተባሂሉ ዝተነየተሉ፡ ሎሚ ፍርሒ ኣብ ኣንጉዑ ኣትይዎ ጭርኡ ደጒሉ ክኸይድ ክትርኢ ከለኻ ህዝብ’ዶ ክልተ ሻዕ ይረአ’ዩ ኢልካ ትሓዝን። ግን እዚ ግዝያዊ ናይ ስምዒት ትንታን ይኸውን እሞ ሓንሳብ ዝግ ኢልካ ኣብቲ ርጉእን ወድዓውን ጠመተ ምስ ኣተኻ፡ ለከ ሕማቕ ኣመራርሓ እምበር ሕማቕ ህዝቢ የለን ኣብ ምባል ትበጽሕ። እወ ህዝቢ ረብሓታቱ ከተርእዮ እንተኪኢልካን ሓቂ ሒዝካ ምእንትኡ ኣብ ጎድኑ እንተተሰሊፍካን ተኣምራት ክሰርሕ ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሕጂውን ህዝቢ ኤርትራ ኦሮማይ ኣይበለን። የግዳስ እቲ ኣብ ድኽነትን ዓጸቦን ማዕረ ክገብረና ዝደሊ ዘሎ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ ኣውራኡ ዝኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ክንዲ ክእለዩልና ትምኒትን ጸሎትን ጥራሕ ንኸውን ሕጂውን እቲ ትማል ተኣምራት ዝሰርሐ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ካልእ ከይተጸበየ ባዕሉ ክኣልዮም ክብገስ ይክእል’ዩ።

እወ ነዚ ህዝባዊ ዕማም ዝተበገሳ ውድባት ኣይወሓዳን ግን ኣይከኣላን። እቲ ጉዳይ ግን ኣብኡ ክድምደም ዝግበኦ ኣይኮነን። እቲ በብውልቀ ውድባትና ዘይከኣልናዮ ህዝባዊ ዕማም፡ ተባላሒትናን ተማላሊእናን ከነዐውቶ ስለ ዝቐልል ካብቲ ንዓመታት ዝለመድናዮ ኣሰራርሓ ወጺእና ኣብ ሓዲሽ ናይ ለውጢ ጎደና ንሓባራዊ ጸረ ህግደፋዊ ስራሓት ንበገስ።

ነስተውዕል! ህግደፍ ምጥርናፍን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘፍርሆ በብእዋኑ ሃሱሳቱ እናለኣኸ ብወገን፡ ብሃይማኖት ከምኡን ካልእ ኣብ ሕድሕድና ዘባልዕ ጉዳይ እናፈጠረ ናብ ንሱ ዝሰርዖ ኣጀንዳ ከህልኸና ይረአ ኣሎ። ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ግን በዚ ከይተሃመልና ኣንፈትና ከይሰሓትና ጸረ ህግደፍ ቃልስታትና ነሓይል።

ቃልሲ ውጹዓት ዘለዓለም ተዓዋታይ’ዩ

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና ወርሒ ሚያዝያ 2020