14
Wed, Nov

ጽሑፋት/ርእይቶ
Typography

ካብ ዘመን ጥሪ - ለካቲት 2018 ቅጺ. 4 . 7 

ቁጭ ብዩ የሰቀልኩትን ቆሜ ማውረዱን ኣቃተኝ”(/ኰለኔል ፍሥሓ ደስታ)

ፖለቲካውን ብረታውን ቃልስና ዝፈጠሮ ኣሉታዊ ተመኵሮን፡ ዽሕሪ ነጻነት ምርካብናውን ዘኸተሎ ጨካን ፋሺሽታዊ መግዛእቲ ብወዲ ሃገር ክንግምግም እንከሎና መሰረታዊ ጠንቁ ህዝብና ዋና ቀላሳይ ናይ ሰውርኡ ክኸውን ስለ ዘይተገብረ’ዩ፣ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ኣረኣእያ ወኒኑ ናይ መሪሕ ግደ ክጻወት ዝኽእል ሓያልን ብቑዕን ለባም መሪሕ ስለ ዝሰኣነ’ዩ። ንመዋእል ብመሪርን ነዊሕን ቃልሲ ዝላደየ ህዝቢ ፣ ሰፍ ዘይብል ሰብኣውን ንዋታውን ዋጋ ከፊሉ ዝረኸቦ ነጻነት ብፋሺሽታዊ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍን ተሓባበርቱን ተባሒቱ ፍትሕን ሰላምን ሓሪምዎ ዘስካሕክሕ ሂወት የሕልፍ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ መንገዲ ጥፍኣትን ምብትታንን ከየምርሕ ኣዝዩ ዘስግእ እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣስፊረዮ ዘለኹ ኣርእስቲ ከቐምጥ ከለኹ እቲ ኣብ መዋእል ፋሺሽታዊ ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ኩነታት ምስቲ ኣብ ኤርትራ ህዝብና ዝሓለፎን ዘሕልፎ ዘሎ ተመክሮ ተመሳሳሊ ባህሪያት ኣለዎ ንምባል ዝኣመተ እዩ።

ፋሺሽታዊ ደርጊ ንወድዓዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ማለት ነቲ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ዝነበረ ብተማሃሮን ሰራሕተኛታትን ገባርን ገለ ሰብ ጽሩራን ዝተላዕለ ናይ ለውጢ ናዕቢ ጨውዩ ናብ ስልጣን ሓዅሩ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ወታሃደር ጥራይ’ዩ ጥርኑፍን ውዱብን ዝነበረ፣ እቶም ነዚ ናይ ለውጢ ቃልሲ ንነዊሕ እዋን መሪሖም ናብዚ ደረጃዚ ዘብጽሕዎ ጉጅለታት ከም በዓል ኢህኣፓን ፣ ምኤሶን ካልኦትን ፡ ጥርኑፋትን ሓያላትን ኰይኖም ስለ ዘይጸንሑ ነቲ ለውጢ ናብ ህዝባዊ ዋንነት ከሳጋግርዎ ኣይከኣሉን። ብተወሳኺ ኣብ ነንሕድሕዶም ኣብ ግርጭት ተጸሚዶም ነቲ ህዝባዊ ባህጊ ክምልሱ ኣይበቕዑን።

ፋሺሽታዊ ደርግ መብዛሕትኡ ብወታሃደራት ዝቘመ ኰይኑ ነዚ ሃጓፍ’ዚ ተጠቒሙ ስልጣን ምስ ሓዘ ጊዝያዊ መንግስቲ ኢሉ ብምእዋጅ “ኢትዮጵያ ትቕደም” ዝብል ጭርሖ ኣምሪሑ ስልጣን በሓተ፤

መፈውንታ ናይ ቅንጸላ መደቡ ጅምር ከየበለ 60 ኣባላት መስፍናዊ ስርዓት ሃይለስላስሴ ብጃምላ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ረሺኑ ፣ ቅንይ ኢሉውን ንጀነራል ኣማን ዓንዶም ብምቕታል ዓለም ብፋሺሽታዊ ተግባራቱ ኣሰንበደ። ንስልጣነይ የስግኡኒ’ዮም ዝብሎም ባእታታት ጉጅለታት ምንቅስቓሳት ኩሎም ጸረ- ኣብዮት እናበለ ቅንጸላዊ ወፍሩ ቀጸሎ።

ነቲ ናይ ለውጢ መራሒ ዝዀነ ምሁርን ሰራሕተኛን ድማ ብስም “እድገት በሕብረት” (ብሓባር ንምዕባሌ) ዝብል መደብ “ዘመቻ”(ወፍሪ) ኣውጺኡ ፈቐዶ ክፍለ ሃገራት ፋሕ ኣበሎ። ፋሽሽታዊ መራሒ ደርግ ሻለቃ መንግስቱ ሃይለማርያም ስለያውን ጸጥታውን መሓውራቱ ኣደልዲሉ ብስም ሓድነት ኢትዮጵያ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ኣጥፈኤ። መሰል ዜጋታትን ብሄራትን ጨፍሊቑ ፣ ንሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ክድምስስ ወሰነ። ንምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግዳይ ናይ ውግእን ጥፍኣትን ክኸውን ገበረ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራውን ብዙሕ ግፍዒ ፈጸመ።

ኣባላት ደርግን ተሓባበርቶምን ከምታ እናጣቕዑን እናምለኽዎን እኳ ኣብ ስልጣን እንተምጽእዎ ከውርድዎ ግን ኣይከኣሉን። ብኣንጻሩ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዓላማ ዝተዓጥቁ ጀጋኑ ህዝባዊ ሰራዊት ህ.ው.ሓ.ትን ኢህደንን ኦህደድን ካልኦትን ብዓቢኡ ከኣ ሰውራ ኤርትራን ተሳዒሩ ፋሺሽታዊ መራሒ ደርግ መንግስቱ ሃይለማርያም ሃገር ጠንጢኑ ሃደመ።

እምበኣርከስ እቲ ምስ ኩነታትና ከዛምዶ ዝደለኹ ኣመጻጻኣ ፋሺሽታዊ መራሒ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ተሓባበርቱን ኣብ ውሽጢ ሰውራናን ዽሕሪ ነጻነትናን ዝተኸተሎ ኣገባብ እዩ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዋእል ቃልሲ ብሕቶ ነጻነት ተኸዊሉ ብእዋኑ ስለያውን ጸጥታውን መሓውራቱ እናደልደለ ብምኻድ ናይ ውድብ ሂወት ተቛጻጺሩ ንጀጋኑ ዜጋታት ዝተፈላለዩ ኣስማት እናጠመቐ ብስዉር እናኣግለለ መጺኡ ፡ ንተጋደልትን ሓፋሽ ዉድባትን ኣብ ሕድሕዶም ምትእምማን ከይህሉ ጌሩ። እቶም ዝተረፉ መሪሕነትውን ምእዙዛት ናቱ ኰይኖም ከምዝኸዱ ብምግባር ገባርን ሓዳግን ናይ ዉድብ ኰይኑ ገቢሉ ሃገር ኣትዩ።

መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ካድራቱን፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ንውድብ ተቛጻጺሩ ስልጣኑ ዘውሕሰሉ መንገዲ እናተኸተለ ክኸይድ ከሎ ስቕታ ብምምራጾም ናቱ ስልጣን ኣብ ምጥጣሕ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብሩ ኔሮም’ዮም። ሓደ ክቕንጸል ፡ ሓደ ክድስክል ወይ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ፣ ገሊኡ ድማ ነብሱ ቀቲሉ እናተባህለ ክጠፍእ ከሎ፡ ክሳብ ኣብ ነብሶም ትመጾም ሪዒሞም ክኸዱ መሪጺም። በብሓደ ከኣ ኣርኪባቶም። ካብኣቶም ሓሊፉ ድማ እነሆ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢኡ ይፍደዮ ኣሎ።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ስልጣን ምስ ሓዘ ሓሸወየ ናይ ዉድባት ኣየድልን ኢሉና፤ ጽንሕ ኢሉ ምጽልጻል ተጋደልቲ ዝብል መደብ ብምምጻእ ብዙሓት ኣፋንዩ ፣ ንተማሃሮ ዩኒቨርስትን ካልኦትን ድማ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል መደብ ኣውጺኡ ናብ ወታሃደራዊ ታዕልም ኣውሪድዎም። እዚ ኩሉ ግን ንምልካዊ ስልጣኑ ከይፈልጥዎን ከይምክትዎን ስለ ዝሰግኤን ስልጣኑ ከጣጥሕ ስለዝደለየን ጥራይ እዩ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ሓልዩ ኣይኮነን ፣ ክጻብኡኒ’ዮም የስጉኡኒ’ዮም ኢሉ ንዝጥምቶም ኣካላት ድማ ቀልጢፉ ክውግኖም ስለዝደለየ እዩ።

ኣረሜናዊ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደፍ. ነቶም ኣብ ቃልሲ ሰንኪሎም ዝኣተዉ ጀጋኑ ዜጋታትና ናብራ ክመሓየሸሎም ሰላማዊ ሰልፊ ስለዝገበሩ ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ወሲድሎም ከይኣክል ንሃገርና ምስ ጎረባብቲ ኣብ ኲናትን ህውከትን ጸሚድዋ፣ ነቶም ጀጋኑ ተባሂሎም ሰውራ መሪሖም ሃገር ዘረከቡ ህዝቢ ክብ ዝበለ ክብረትን ኣድናቖትን ዝሃቦም መራሕቲ ድማ ሕቶ ብምቕራቦም ዓፊኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒንዎም። ደርጊ ከኣ ልክዕ ከምኣ እዩ ጌሩ።

ኣብዘን ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝዀና ናይ ነጻነት መዋእል ህዝብና ኣብ ታሪኹ ሪኢዎም ተሞኪርዎን ዘይፈልጥ ሕሱም መግዛእታዊ ጭቆና ብወዲ ሃገር በጺሕዎ ፣ ሃገር ናይ ሓደ ገባርን ሓዳግን ጨካን ፋሽሽቲ ውልቀ-ሰብ ኰይና ትኸይድ ከምዘላ ከኣ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ዝዕዘቦ ዘሎ ሓቂ’ዩ።

ክቱር ስነ-ኣእምራዊ ኣምልኾ ተነቢርሉ ውሽጣዊ ባህሪያቱ ሓቢኡ ንጀጋኑ ተጋደልትን ሓፋሽ ዉድባትን ኣብ ዘይትግበር መብጻዓታት እናጠበረን እናታለለን ሃገር ዝኣተወ ጨካን መራሒ ሎሚ ብዘይካቶም ብረብሓን ድሕረትን ዝተገዝኡ ዜጋታት መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ ባህርያቱ ፈሊጥዎ እዩ።

ዝዀነ ምልካዊ ስርዓት ዘመድ ወይ ብቐረባ ዝፈትዎን ዘኽብሮን ሕ/ሰብ፡ ብሄር፡ ሃይማኖት ፡ ዓሌት ወዘተ... የብሉን። እኳ ድኣ ነዚ ፍልልያት’ዚ እናጋጨወን እናናኸሰን ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ እዩ ዝደሊ። ንኹሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቍጠባውን ትካላት ሃገር ኣብ ምሉእ ቍጽጽሩ ኣእትዩ ብስለያውን ጸጥታውን ወታሃደራውን መሓውራቱ ዝገዝእ ምልካዊ ስርዓት ኣሎ እንተተባሂሉ ህ.ግ.ደ.ፍ ህያው ኣብነት’ዩ።

እምበኣርከስ ባህርያት ደርግን ህ.ግ.ደ.ፍን ዕሉላት ፋሺሽታውያን መራሕቶምን ተማሳሳሊ’ዩ፤ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ደርግ ብህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ሓይሊ ተሳዒሩ። ህ.ግ.ደ.ፍን ጨካን መራሒኡ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ግን ገና እረግጹና ኣለዉ። እቲ ሽግሩ ድማ ናይ ባዕልና ዉሽጣዊ ድኽመት’ዩ ፣ ካብቲ መሪርን ነዊሕን ኣሉታዊ ተሞክሮና ተማሂርና ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ራኢ ዝውንን ሓያልን ለባምን መሪሕ ስለ ዘየጥረና እዩ።

ኢሰያስ ኣፈወርቅን ጉጅልኡን ሎሚ ካብ ስልጣኖም ንምውራድ ኣሸጊሩና ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናብ መንገዲ ጽንተትን ጥፍኣትን የምርሕዎ ምህላዎም ብተኸታታሊ ንዕዘቦ ዘሎና ሓቂ’ዩ።

ኣብዚ ፈታንን ወሳንን እዋን ስነ-ኣእምራዊ ብስለት ጌርና ፍልልያትና ንጎድኒ ገዲፍና በብፖለቲካዊ እምነታትና ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፍና ህዝብና ንምድሓን ቀዳምነት ንስራዕ፤ ነዚ ጨካን ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍን ተሓባበርቱን ሓቢርና ክንኣሊ እንተ ዘይተበጊስና ግን ኣብ መንገዲ ጥፍኣትን ምብትናንን ሃገርን ህዝብን ተዘዋዋሪ ተራ ኣለና ጥራሕ ዘይኮነስ ብታሪኽ ተሓተትና ምዃንና ክንግንዘብ ይግባእ።

እዚ ሓላፍነት’ዚ ንተቓወምቲ ውድባትን ዝተወደቡ ደለይቲ ፍትሕን ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። የግዳስ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብፍላይ ነቲ መብዛሕትኡ ኣጽቂጡ ተዓዛቢ ክኸውን ዝመረጸ እውን ዝብጸሖ እዩ። ስለዚ ብዘይውዓል ሕደር ጸረ ህግደፍ ንበገስ።

ታሪኻዊ ገበን ከይንፍጽም

ብሓድነትና ህዝብና ነድሕን

ንኹሎም ስውኣትና ክብርን ሞጎስን

ተስፋይ ክፍለ(ደላይ ፍትሒ)