22
Tue, May

ጽሑፋት/ርእይቶ
Typography

 

እዚ በብዓመቱ ዝኽበር ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣመሪካ ንመሰላተን ከውሕሳ ነቲ ዝወርደን ዝነበረ ደርባዉን ማሕበራውን ጸቕጥን ፍልልያትን እምቢ ብምባል ከቢድ ዋጋ ዝኸፈላሉ መዓልቲ ንምዝካርን ነቲ ክሳብ ሕጂ መሊኡ ዘይተፈትሐ ጭቖና ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብቀጻሊ ቃልስታት ንክፍታሕ ምጽዓርን እዩ።

እቲ 1909 ኣብ ኣመሪካ ዝጀመረ ናይ መሰልን ማዕርነትን ምንቅስቓስ ናይ ደቂ ኣንስትዮ በብዓመቱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተመሳሳሊ ምልዕዓላት ክግበር ድሕሪ ምጽናሕ 1945 ብሕቡራት መንግስታት መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ክኽበር ከምዘለዎ ብሕጊ ክጸድቕ ጌሩ እዩ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣብተን ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት እውን ከይተረፈ መሰልን ማዕርነትን ከምቲ ዝድለ ክኽበር ኣይተራየን። ኣብተን ዘይማዕበላ ሃገራት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ከም ናይ ሸቐት ኣቕሓ እንተደለኻ ተልዕለን እንተዘይደለኻ ተንብረን ኮይነን ይኸዳ ምህላወን እናሓዘንና ንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ። ማዕርነትን መሰለን ደቂ ኣንስትዮ መታን ክሕሎ ግን ደቂ ኣንስትዮ በይነን ብዝገብራኦ ቃልሲ ጥራሕ ክዕወት ዝኽእል ኣይኮነን። ደቂ ተባዕትዮ እውን ንቕሓቶም ኣበሪኾም መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ምኽባር ንረብሓኦምን ንረብሓ ስድራቤቶምን ሃገሮምን ምዃኑ ኣሚኖም ቀጻሊ ሓባራዊ ቃልሲ ከካይዱ ይጥለቡ።

ደቂ ኣንስትዮና ኣብ ውሽጢ ገዝአን ሕቖ ዝሰብር ናይ ገዛ ስራሕ እናሰርሓ ክንድቲ ዝግበአን ሞሳ ዘይረኽባ ምዃነን ጥራሕ ከይኣክል ካብ ገዛ ወጺአን ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተን ኣብ ስራሕ እንተተዋፊረን እውን ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ከምዘይክፈለን ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ሓቅዚ ኣብተን ጸረ ህዝቢ ዝኾኑ ስርዓታት ዝነገሱለን ሃገራትሲ ይትረፍ፡ ኣብተን ልዕልነት ሕጊ ኣረጋጊጽና ኢና ዝብላ ሃገራት ከይተረፈ እውን ገና መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ ውሑዳት ሰሙናት ኬሪ ግሬሲ (Carrie Gracie ) ዝተባህለት እንግሊዛዊት ጋዜጠኛ በቲ ኣብ ደሞዝ ዝግበር ጾታዊ ፍልልይ ኣማሪራ ካብ ትሰርሓሉ ዝነበረት ናይ ቢቢሲ ናይ ጋዜጠኛነት ስራሕ ከምዘቋረጸት ኣብ ሙሉእ ዓለም መዛረቢ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ። እዚ ዘርእየና ሓቂ እንተሎ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ሕጂውን እንተኾነ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ምዕቡላት ሃገራት እውን ማዕረቲ ዝዝመረሉ ኣብ ተግባር ዝውዕል ከምዘይኮነ እዩ ዘርእየና።

ብዙሓት ጸረ ደሞክራሲያዊ ስርዓታት ብመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝማጻደቑ ከምዘለዉ ንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ስርዓት ህግደፍ ብቐረባ ንፈልጦ እንተርኢና ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ካብ ኩሎም ዝሓለፉ ስርዓታት ንላዕሊ ኣብ እዋን ስርዓት ህግደፍ ዝመረረ እዋን የሕልፋ ከምዘለዋ ንርኢ ኣለና። እዚ ብኩሉ መዓቀኒታት ኣዚርካ ክረአ ዝከኣል እዩ። ኣብ ማሕበራዊ ኣብ ቁጠባዊ ከምኡውን ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ መሰለን ተሓልዩለን ይነብራ ኣለዋ ክበሃል ኣይከኣልን። ብመሰረቱ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ንላዕሊ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝያዳ ከፊእዎ ኣሎ እናበልና፡ ደቂ ኣንስትዮ በይነን ኣብ ዝሓሸ መነባብሮ ክነብራ ኢልካ ትጽበዮ ኣይኮነን። ስለዚ እምበኣር ሎሚ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ፡ ደቂ ኣንስትዮና ካብ ዘበነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንላዕሊ ከፊእወን ከምዘሎ ዘየማትእ ነገር እዩ። ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኮነን። ኣብ ርእሲቲ ብሰንኪ ሕሱም ስርዓት ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ሕሰም፡ ባህላውን ደርባውን ወጽዓታት ተደሚሩዎ ደቂ ኣንስትዮና ኣብ ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቐን ኣለዋ። እቲ ሻሕጣይ ስርዓት ግን ዝኾነ ናብኡ ገጹ ዝጥምት ሕቶታት መታን ክቕልብስ ኣብ መንጎ ክልተ ሰብ ሓዳር ዝኽሰት ጸገም እንተልዩ ሓላዪ ክመስል ንጓል ኣንስተይቲ ዝሓይሽ ዝመስል ሕግታት ተግባራዊ ክገብር ይፍትን ኣሎ። እዚውን እንተኮነ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሓዳራ ክትጸንዕ ዝገብር ዘይኮነስ ካብ ሓዳራ ክትፈላለ ከላ ንጓል ኣንስተይቲ ዝኽሕስ ሕጊ ዝመስል ከተኣታቱ ፈቲኑ ኣሎ።

ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ግን ቅድም ቀዳድም ሰብ ስለ ዝኾነት ጥራሕ ሰብኣዊ መሰላታ ክሕለወላ ይግባእ። ካብኡ ሓሊፉውን ደሞክራሲያዊ መሰላታ ተሓልዩላ ካብ ታሕቲ ክሳብ ዝለዓለ መንግስታዊ ጽፍሒ ተወዳዲራ ትረኽቦ ሓላፍነት ክህልዋ ይግባእ። እዚ ሕጂ ንሪኦ ዘለና ግን ፕረሲዳንት ኤርትራ እንተፈትዩ ዝህበካ እንተጸሊኡ ዝኸልኣካ ፖለቲካዊ ስልጣን ጥራሕዩ ዘሎ ኣብ ኤርትራ። ካብዚ ሓሊፉውን ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ምስቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋታ ኩሉ ዝከኣል ዘበለ እናገበረት እታ ቅያር ዘይብላ ሓንቲ ህይወታ ክትከፍል እውን ዘይበቐቐት ክነሳ ድሕሪ ነጻነት ግን ኣበይ ኣለኺ ዘይተባህለት ተረሲዓ ዝተረፈት ፍጥረት እያ ዝኾነት። ናይ ስርዓት ህግደፍ ማዕርነት እምበኣር ባይታ ክትዘብጥን ሞይትካ ትሕቲ ባይታ ክትሰፍርን እምበር ብህይወትካ መታን ክሓልፈልካ ማዕርነትካ ክሕለወልካ ማለት ዘበትዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ብዙሕ መዋእል ዝወሰደ ብረታዊ ቃልሲ ብዙሕ ካብቲ ድሑር ባህልታት ተናጊፉ እዩ ክበሃል ዝከኣል እኳ እንተኾነ መሊኡ ነጻ ዝኾነ ግን ኣይኮነን። ስለዚ ብሕጂ እውን ብዙሕ ዝጽበየና ባህላዊ ቃልስታት ከምዘሎ ምግንዛብ የድሊ። ባህላውን ቁጠባውን ጸገማት ደቂ ኣንስትዮ ክውገድ ግን ቅድም ቀዳድም ፖለቲካዊ ማሕንቖ ስርዓት ህግደፍ ክእለ ኣለዎ። ስርዓት ህግደፍ ከይተኣልየ ማሕበራዊ ይኹን ቁጠባዊ ርውየት ክርከብ ዝከኣል ኣይኮነን።

ጭሮሖታት ይጭራሕ መዛሙር ይዝመር ንሰማዒኡ ደስ ዘብል መደረታት እውን ይምደር ይኸውን። ኣብ ግብሪ ግን ደቂ ኣንስትዮና ወይ ገዝአን ዓጽየን ንብዓተን እናሓሰሳ ዝነብራ ወይውን ነጸለአን ኣጻዕድየን ዝልምና እየን ኮይነን ዘለዋ። እታ ብደም ጀጋኑ ዝመጸት ሃገር ዕረ ጥዒማቶ ኤርትራዊ ኩሉ ሃጽ ኢሉ ክጠፍእ ኣብ ዝፍትነሉ እዋን ሓደ ርብዒ ናይቶም ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ምዃንን ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ዝስደዱ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብቲ ዝተሰደዱሉ ሃገር ዝዛመድወን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝምርዓዉ ድማ ፍሉጥ እዩ። እተን ኣብ ዓዲ ዝተርፋ ደቂ ኣንስትዮ ግን ዝምርዓወን ስኢነን ናይ ወሊድ ዕድመአን ዝሓልፍ ምህላዉ ብዙሕ ዘይተዘርበሉ ሓደጋ ምዃኑ ምፍላጥ ይግባእ።  

ሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላት ደቂ ኣንስትዮ እምበኣር መሰልካ ኮይኑ ትረኽቦ እምበር ለሚንካ ትረኽቦ ምጽዋት ክኸውን ኣይግባእን። መሰልካ ረጊጹ ዝረብሕ ኣካል ክሳብ ዝሃለወ ድማ ኩሉ ግዜ መሰልካ ከም ማና ካብ ሰማይ ዱብ ክብለልካ ምጽባይ ኣይከኣልን፡ ተቓሊስካ ዝመጽእ እዩ። ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ዝብል ኣምር መስዋእቲ ስለ ዝተኸፍሎ እዩ ሙሉእ ብሙሉእ እኳ እንተዘይተዓወተ ግን ከም ኣገዳሲ ኣህጉራዊ ዛዕባ ኮይኑ ክለዓል ዝተገብረ። ጽንሕ ኢሉ ድማ ሚእቲ ዓመት ይገብር ኣብ ብሪጣንያ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ድምጺ ክህልወን ዝኸኣለ - ንሱውን ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ብማዕረ ዝተዋህበ መሰል ኣይነበረን። ብርግጽ ክንድዚ ዝኣክል ዓመታት ምእንቲ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላት ምቅላስ ኣይምተገበአን። ግን ከኣ ድርብ ወጽዓ ካብ ተባህለ እቲ ቃልሲ እውን ብኽንድኡ ክመርር ትጽበዮ ነገር እዩ። ሕጂ ግን ደቂ ኣንስትዮ በይንና ኣይኮንናን - ደሞክራሲያውያን ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋትና ኣብ ጎድንና ኣለዉና፡ ብጥሙር ሓባራዊ ቃልሲ ጉዕዞ ቃልስና ሓጺሩ ራህዋ ንረኽበሉ እዋን ነዊሕ ክኸውን ኣይኮነን ኢለን ፍናን ክስመዐን ይግባእ።

ደቂ ኣንስትዮና ንሃገራዊ ነጻነት ማዕረ ደቂ ተባዕትዮና መስዋእቲ ከፊለን ከብቅዓ ኣብ ፍረ ነጻነት ግን ከም ካልኣይ ዜጋ ክቑጸራ ኣይግባእን። መራሕቲ ሃገር ወሊደን ዘዕብያ ንሰን። ምሁራትን ተመራመርትን መልሚለን ኣብ ዝብጻሕ ዘብጽሓ ንሰን። ብድሕሪ እቲ ኩሉ ዕዉት ሰብኣይ - ንፍዕቲ ሰበይቲ ኣላ ከምዝበሃል ብዘይ ጓል ኣንስተይቲ ዝዕወት ሰብኣይ ይኹን ቃልሲ የለን። ህግደፍ ንመስዋእቲ ደቂ ኣንስትዮ ደኣ ከቋናጁ ይውዕል እምበር ካብ ዘለወኦ ሓሳረ መከራ ክወጻ ዝገብሮ ጻዕርታት የለን። እቲ ብስም ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዝፍለጥ ማሕበር እውን እንተኾነ መቓልሕ ስርዓት ህግደፍ ዝመልስን ንረብሓ እቲ ስርዓት ክሕሉ ዝተመስረተ ማሕበር እምበር ንረብሓ ጭቑናት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ተጽዕኖ መንግስቲ ነጻ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፍቀዶ ማሕበር ኣይኮነን። እቲ ማሕበር ልክዕ ከምቲ ካልእ ናይ ጭቆና ትካላት ናይቲ መንግስቲ ምስ ስርዓት ህግደፍ ተደምሲሱ ብሓድሽ ነጻን ደሞክራሲያውን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ክትካእ ዝግበኦ እዩ። ነጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ንጉድለታት መንግስቲ ዝቃወምን ዘቃልዕን ደኣ ክኸውን ይግባእ እምበር ንእከይ ተግባራት ናይ መንግስቲ ዝከላኸል ክኸውን ኣይግባእን።

ውድብና ኤስደለ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ሞጎሰን ዝረኽባሉ ካብ መንግስቲ ነጻ ዝኾነ ማሕበረን ተኺለን ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታተን ዘማሓይሻሉ፡ ካብ ድሕረትን ድንቁርናን ተናጊፈን ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ዝረኽባሉ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እውን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተን ተወዳዲረን ኣብ ምምራሕ ሃገር ዝሳተፋሉ ባይታ ንምጥጣሕ ወትሩ ከይተሓለለ ክሰርሕ እዩ።

ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮና ብቃልስና ክረጋገጽዩ

ዓወት ንዝኽሪ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና