21
Thu, Sep

ጽሑፋት/ርእይቶ
Typography

ብተስፋይ ክፍለ(ደላይ ፍትሒ)

ኣብ  ዝዀነ ሕብረተ ሰብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝኽሰት ኣሉታዊ ተሞክሮታት ሳዕቤናቱ ኣብ ህዝቢ ከከም ደረጂኡ ጽልኢ ዘይምትእምማንን ጥርጣሬታትን ይፈጥር ፣ ናብ ዝኸፍኤ ጎንጺውን የምርሕ። ምስ ብስለትን ደረጃ ንቕሓትን ናይቲ ሕ. ሰብ ዝኸይድ ኣምር’ዩ።

ኣብቲ ምዕራባውያን ንኣፍሪቃ ተሻምዮም ዝቘራረሱሉ መዋእል( The Scramble of Africa) ኣከናውና ናይቲ ህዝቢ ብመደብ ዘሪጎም ሓደ ባህልን ቋንቋን እምነትን ዘሎዎም ፈላልዮም ንሃገራት ኣፍሪቃ ቀሪጾመን። እዚ ድማ ነቲ ጎዛዚኻ ግዛእ መደባቶም ንምዕዋት ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ፤ ንዓመታት ድማ ሃብቲ ሃገርን ጉልበት ዜጋታትን እናመዝመዙ ምቹእ መነባብሮኦም ዘጣጥሕሉ ሃገሮም ዘማዕብልሉ ኣፍሪቃዊ ሕብረተሰብ ግን ኣብ ድሕረትን ድኽነትን ተደቚሱ ዝነብረሉ ኩነታት ፈጢሮም። ኣብ መንጎ’ቲ ህዝቢ ቀቢላዊ ዓሌታዊ ሃይማኖታዊ ፍልልይ እናገበሩ ሕድሕዱ ከምዘይተኣማመን ብዓይኒ ጥርጣሬታት ከምዝጠማመት ጌሮሞ። ኣብ 50ታት 60ታት ነጻነት ሂብናካ ብምባል ናይ ፖለቲካ ነጻነት መጽዊቶምሉ፤ ግን ድማ ብናቶም ኣገልገልቲ ዝዀኑ ደቂቲ ሃገር ዝምራሕ መንግስቲ ተኺሎም ናብ ዳግማይ መግዝኣቲ ኣእትዮሞ( Neo- Colonialism) ፣ ኣፍሪቃና ሰላምን ርግኣትን ዝሓረማ ብወተሃደራዊ ኩዴታ ክትሳቐ ተሓሚሳ ተሪፋ። እቲ ዘይምትእምማን ምጥርጣርን መሊሱ ቢኢሱ፡ ናብ ሕሱም ብንቛትን ምብላዕን ኣብጺሑ። ናይ ርዋንዳ ኣብ መንጎ ሁቱን ቱሲን ዝተራእየ ምቅትታል ዓቢ ምስክር’ዩ፤ ባዕዳውያን ኰነ ኢሎም ዝፈጠርዎ ጽልኢ ዝወለዶ እዩ። ናይ ካልኦት’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝተራእዩ ብዙሓት ኣብነታት ክጥቀሱ ይኽእሉ።

ኤርትራዊ ሕብረተሰብ’ውን ቀዲሙ ብገዛእትና ስዒቡ ድማ ብመራሕቲ ሰውራና ዝሰረጸ ዘይምትእምማን ምጥርጣር ኣብ ዉሽጥና ክሳብ ሕጂ የሳቕየና ምህላዉ ንመብዛሕትና ብሩህ’ዩ። ኣብ እዋን ፖለቲካዊ ቃልሲ ይኹን ኣብ ጊዜ ብረታዊ ሰውራና ንጸቢብ ቀቢላዊ ሃይማኖታዊ ኣውራጃዊ ዝምባሌታትና ተጠቒሞም ኣብ ሕድሕድና ኣባሊዖሙና፣ ኣብ ዘይንጻዋወረሉ ኩነታት ኣውዲቖሙና። ኣብ ገለ እዋን ክሳብ ናብ ሓዘኖም መርዐኦም ኣይትኺድዎም ዝብል መምሪሒ ካብ ዉሽጢ ሳሕል መጺኡ ህዝቢ ኣብ ዘይምትእምማን ኣውዲቕዎ ፣ ብኡ ደረጃውን ኣብ ዉሽጢ ሃገር ብዋህዮታቱ ጌሩ ህዝቢ ፈላሊይዎ ነቲ ክውገን ዝደለዮ ድማ ወጊንዎ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ክፉእ ተመክሮ ብቐሊሉ ዝሓዊ ቍስሊ ኣይኮነን። ናይ ግዳም ሓይሊ ወሲኹ ንሃገራዊ ሓይሊ (ጀብሃ) ወቒዑ ካብ መሬት ኤርትራ ኣውጺእዎ። ሕሱም ተመክሮ መሊሱ ናብ ምጥርጣር ዘእቱ።

ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ሃገር ተቘጻጺሩ ምስ ሓዘ ንህዝብና ኣብ ዘየድሊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ነቚትዎ ውጺኢቱ ሃገራዊ ዕንወትን ከቢድ መስዋእትን ኰይኑ። ኣብቲ እዋንቲ ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ውግእ ዳግማይ ኣየድልየናንዩ ብሰላም ንፍታሓዮ ዝኣክል ከፊልና ኢና እናበሉ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ኩሉ ዓይነት ጸለመን ጸርፍን ኣብ ልዕሊኦም ተኻይዱ፣ ከዳዓት ወያነ ሃደምቲ ወዘተ… እናተባህሉ ብዙሕ ተባህዲሎም ። ካብ ህዝቢ ከም ዝንጸሉ ተጌሩ ። ግን ከምቲ ምስላ ኣቦታትና ዝብሎ “ዘንጊ ሓቅስ ትቐጥን’በር ኣይትስበርን” ፡ እነሆ ባህሪያት ህ.ግ.ደ.ፍን. ተሓባአርቱን ኩሉ ፈሊጥዎ። ኣብ ዉሽጥና ግን ዓሚቝ ዘይምትእምማን ምጥርጣር ፈጢሩ። እዚ ኣተሃላልዋ’ዚ ክንቅይሮ ትብዓትን ነብሰ-ምትእምማንን ዝሓትትዩ። ኣብ ጊዜ ቃልሲ ብኸምዚ መልክዕ ስለ ዝሃነጾ ነቲ ዉድብ ዒም ዘለ ይተሓጎም ኰይንዎ እቲ ተባዕ ጅግና ሰራዊት ነጻነት ኣረኪቡ ተሰዊኡ፣ ሃገር ናይ ዉሑዳት በላዕቲ ሰብ ኰይና። ክቱር ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ነቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ሰራዊት ይኹን ህዝቢ ከምኡውን ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኣባልን ተሓባባርን ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓደ ኰይኑ ተቓውምኡ ከየስምዕ ኣብ ጎድኒ ደለይቲ ፍትሒ ከይስለፍ ጌርዎ ብዉሽጡ ከዕረምርምን ኣብ ናእሽቱ ነዳእቲታት ተመቓቒሉ ክኸይድ ኰይኑ።

ምጥርጣር ዓቢ ስነ-ኣእምራዊ ሕማም’ዩ፣ ነብሰ-ምትእምማን ምጥፋእዩ ኩሉ ጊዜ ተሓቢእካ ክትነብር እዚኦም እቲኦም እናበልካ ከተዕነኒ ዝገብረካ ትብዓት ዝኸልእ ከቢድ ጸገም’ዩ። ተጋግየ ክትብል ንነገራት ብቕጥዒ(Rational) ኴንካ ክትሪኢ ዝገትእ ባህሪ’ዩ።

ነዚ ተቓዋሚ ሓይልታት ሓሊኹ ሒዝዎ ዘሎ ሽግር’ውን ዘይምትእምማንን ምጥርጣርን ዝወለዶ ናይ ነዊሕ እዋን ኣሉታዊ ተሞክሮታትና ስንብራት’ዩ።

ኣብ ወርሒ የካቲት, 2015 ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤ.ስ.ደ.ለ.) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ዉድባዊ ጉባኤኡ ምክያድ ሓደ ኣገዳሲ መድረኽ ልዝብ ንኹሎም ዉድባትን ዓበይቲ ዓድን ምሁራትን መራሕቲ ሃይማኖት መንእሰያትን ዝዋስእሉ ሰሚናር ኣካይዱ። ንመጀመርያ ጊዜ ከምዚ ዓይነት ባህሊ ምክብባርን  ምጽውዋርን ጌርካ ሓቢርካ ሕጽረታትካ ኣሉታውን ኣውንታውን ጎድንታትካ ትመዝነሉን ካብኡ ተማሂርካ ንቕድሚት ብሓባር ተጠራኒፍካ ህዝብኻ ተድሕነሉን መንገዲ ምራኣይ ኣዝዩ ዝምጎስ ተብግሶ እዩ። ነቲ ግጉይን ነጻግን ዝዀነ ባህሊ ዘይምትእምማን ምጥርጣር ኣህሲሱ ፡ ባህሊ ምጽውዋር ምዝርራብ  ምክብባር ዝፈጥር ምዕቡል ኣሰራርሓ’ዩ።

እቲ ዘሕዝን ግን እቶም ገና ካብ ድሑር ሃይማኖታውን ጉጅላውን በለጻውን ትምክሕታውን ባህሪያት ዘይወጹ ኣካላት ኪዳን ንዕድመ ኤ.ስ.ደ.ለ. ነጺጎሞ። ናይ ዉድብ  ኩናማ መራሒ ስለ ዘሳተፍኩም ንሱ ኣብ ዘለዎ ኣይንሳተፍን ዝብል ዕባራ ምስምስ ብምግባር ተሓሲመሞ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን ንሰሚናር ከፍሽሉውን ጻዕርታት ኣካይዶም ። ኣብ ልዕሊ ዉድብ ኤ.ስ.ደ.ለ. ክቱር ጽልኢ ኣሕዲሮም ንኽበታትንዎ ፈተነታት ጌሮም። ሓደገኛ ምጥርናፋት እዩ ብምባልዉን ኣንጻሩ ተዋፊሮም። እንኮ ዕላምኦም ስልጣን ምብሓት’ዩ። ገናው’ን ኣብ ባይቶ ዕንክሊል የብሉና ኣለዉ።

እምበኣርከስ ሕጂውን ህላዌናን ቀጻልነት ልዑላዊት ሃገርናን ከነረጋግጽ ፣ ህዝቢ ከነድሕን ወላዲ ውላዱ ሓቚፉ ብሰላም ዝነብረላ ሃገር ክውንን ካብቲ ኣቲናዮ ዘሎና ዓዘቕቲ ምጥርጣር ዘይምትእምማን ብትብዓት ወጺእና ነብሰ- ምትእምማን ነጥሪ፡ ወነንቲ ነብስናን ኣእምሮናን ንኹን፣ ሕድሕድ እሂን ምሂን ንበል።

እቶም ክሳብ ሕጂ እምነትኩም ልብኹም ኩሉ ዓይነት ደገፋትኩም እናሃብኩም ንጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ተተይ ከተብልዎ ዝጸናሕኩም ኩሉ ኩነታት ህዝብኹም ተረዲእኩም ኣብ ጎኒ ደለይቲ ፍትሒ ክትስለፉ ነታሓሳስበኩም። እቲ ዉላዱ ዝስእን ዘሎ ወላዲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር የሕዝንኩም፣ ካብ ሕሉፍ ጌጋታትኩም ተማሃሩ። ኣብ ባህልና ዉራይ ክግበር እንከሎ ዝድረፍ ደርፊ ኣሎ  “ ኣንቲ ዉልዶ ጨዓየ ዝወለደስ እተሓጎስ ድኣየ” ይብሃል እሞ ኣንቱም ፈቐዶ ወጻኢ ውላድኩም ብሰላምን ክብርን እናዕቤኹም ተሓጒስኩም ትነብሩስ ነቲ ሓሲምዎ ዘሎ ህዝብና ከምዛ  ናትኩም ክረክብ ተጣበቕሉ።

ቂምን ቅርሕንትን ኣጥፊእና ሓወይ ሓፍተይ ይሕሸና፣ መቝሕ ዘይምትእምማን ምጥርጣር በቲኽና ነጠንክሮ ሓድነትና ነለልዮም ጸላእትና ሰላም ክነግስ ኣብ ሃገርና።

ውድቀት ንህ.ግ.ደ.ፍን ተሓባበርቱን
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ተስፋይ ክፍለ(ደላይ ፍትሒ)