14
Thu, Dec

ጽሑፋት/ርእይቶ
Typography

 

 

"ብሓድነትና ንድሕነት ህዝብናን ሃገርናን" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተጸወዐ ሰሚናር ናህዳ

ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞን ብደሆታቱን መጻኢ ዕድላቱን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ጽሑፍ

ብ ዮሃንስ ኣስመላሽ

 ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ውድብ ናህዳ

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ

22 ሓምለ 2017

ኣቐዲመ ሕውነታዊ ሰላምታይ እናኣቕረብኩ ኩላትና ተኣኪብና ኣብ ጉዳይ ሃገርና ሓቢርና ንኽንዝቲ  መድረኽ ዝኸፈትኩሙልና ኣባላት ውድብ ናህዳ ካብ ልቢ ከመስግነኩም እደሊ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ንዓና ንደንበ ተቓውሞን ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣርእስቲ፡ ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞን ብደሆታቱን መጻኢ ዕድላቱን ብዝብል ኣርእስቲ ሓሳብ ከቕርብ ንዝሃብኩሙኒ ዕድል ኣመስግን።

ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ርእስኻ ኣቕንዕ ኣቢልካ ንኽትዛረበሉ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ከምዘለና፡ ዓው ኢልና ንበሎ ኣይንበሎ ብዘየገድስ ንኹላትና ብውሽጥና ዝሳቕየና ምዃኑ እየ ዝኣምን። ኩልና ክብል ከለኹ ግን ነቶም ለውጢ ከነምጽእ እናደለና ለውጢ ከነምጽእ ዘይከኣልና እንተዘይኮይኑ፡ ነቶም ኮነ ኢሎም ዕንቅፋት ክፈጥሩ ዝደልዩ ኣካላት ብውሽጦም ዝስመዖም ዓወትን ታሕጓስን ምዃኑ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ዕላማ ናይ ሎሚ መኣከቢና ግን ናይቶም ብልቢ ለውጢ ከነምጽእ እንደሊ፡ ጸገምና ኣንቢብና መፍትሒ ንምርካብ ስለ ዝኾነ መወዳእትኡ ብብሩህ መጻኢ መደባት ሒዝና ክንወጽእ ዘለኒ ተስፋ ዓቢዩ።

 

ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞ

ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞን ብደሆታቱን መጻኢ ዕድላቱን ዝብል ኣርእስቲ ብጣዕሚ ኣገዳስን ሰፊሕን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብቐጻሊ ናይ ሓባር ምይይጥን ዘተታትን ዝምዕብል እምበር ሓደ ሰብ መደረ ሂቡ  ንክንደይ ዓመታት ከሳቕየና ንዝጸንሐ ሽግር ፍታሕ ኣቕሪቡ ክኸይድ ዝከኣል ኣይኮነን። የግዳስ ንቐጻሊ ክንጽመደሎም ዘለና ነጥብታት ኣለሊና ኣንፈትና ኣቀራሪብና ክንከይድ እንተኪኢልና ዓወት ናይዚ ሎሚ መዓልቲ ንውዕሎ መደብ ጌርካ ክውሰድ ዝከኣል እመስለኒ።

እሞ ከመይ ኣለና ኢልና እንተጀመርና

  1. ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ካብቲ ቀንዲ ክዋፈረሉ ዝግባእ መሬትን ህዝብን ኤርትራ ርሒቑ ካብ ጎረቤት ሃገር እናተበገሰ ዝሰርሕ ዘሎ ውድባት እዩ። እዚ ቀንዲ መግለጺ ናይ ሕመቕና እኳ እንተዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ንጥፈታትና ክፈጥሮ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ ግን ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን። ትርግታ ልቢ ናይቲ ቀንዲ ዝምልከቶ ህዝብኻ ብቐረባ እናሰማዕካ ትገብሮ ቃልስን ብመጠን ርሕቐትካ ቃልስኻ ጽልዋታቱ እናሰሓወ ክኸይድ ከሎን ሓደ ኣይኮነን።
  2. ብዝሒ ውድባትና ንሒዝናዮ ዘለና ፖለቲካዊ ፍልልያት ዘንጸባርቕ ኣይኮነን። ክንድዚ ውድባት ክበዝሓ ምዃነን ብሓደ ሸነኽ ናይ ኣተኣላልያ ግርጭታት ድኽነትና፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ናይ ክንመርሕ ጥራሕ ምድላይ ርእሰ-ሕብጠት (Ego) ሰፊሩና ዘሎ ሕማም ብሩህ መግለጺ እዩ`ምበር - ምኽንያታዊ ኣይኮነን።
  3. ብመልክዕ ውደባታት ክስራዓ እንተኾይነን እውን፡ ውድባትና ናይ ሃይማኖት ውድባት ኣለዋ። ብብሄራዊ ውደባ ዝተወደባ ኣለዋ። ሕብረብሄራዊ ውድባት እውን ኣለዋ። ኣብ ንቡር ኩነታት ኣብ መንጎ ሃይማኖታውያን ውድባት ጥቡቕን ጽቡቕን መንፈሳዊ ዝምድና ክህሉ፡ ኣብ መንጎ ብሄራውያን ውድባት እውን ንመበገሲ ዕላማታተን ዘንጸባርቕ ምትሕግጋዝ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ነዊሕ ዝጠመተ ናይ ሓባር ስትራተጂን ናይ ሓባር ስራሓትን ክህልወን ትጽበ። ኣብ መንጎ እቶም ሕብረብሄራዊ ውድባት - ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎቶም ናይ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ፍልልይ ዘይብሎም ውድባት ካብ ምቛም ስትራተጂያዊ ግንባር ጀሚርካ ክሳብ እውን ኣብ ምትሕንፋጽ ዝበጽሕ ዝምድና ክህልዎም ትጽበ። ኣተሃላልዋና ግን ንዕኡ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎቶም ዝሓሸ ዝምድና ክህልዎም ኢልካ ትጽበዮም ውድባት እቲ ዝሓርፈፈ ዝምድና ክህልዎም ክትርኢ ከለኻ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። እሞ ካብቲ ንኣምነሉ ኢልና ኣዊጅናዮ ዘለና ዕላማታት ንላዕሊ ካልእ ዝዓዘና ነገር ኣሎ ማለት እዩ ኢልካ ካብ ምሕሳብ ነጻ ዝገብረካ ኣይኮነን። ብዝሒ ውድባት ክሳብ ኩነታት ኣገዲዱወን ባዕለን ዝሽምረራ ክንጻወሮ ንኽእል ኩነታት ምዅነ ኔሩ። እቲ ክንጻወሮ ዘይግባኣና ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት እውን ከም ንቡር ክውሰድ ዘይግበኦ ነገር እንተልዩ ግን ዋላ ንብዛሕ ኣብቲ ከሰማምዓና ዝኽእል ነጥብታት ሓቢርና ክንሰርሕ ዘይምኽኣልና ጥራሕ እዩ።  

ሓቢርካ ምስራሕ ካልእሲ ይትረፈ ድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት ጥራሕ እውን እንተርኢና ብዙሕ ፈተነታት ተጌሩ እዩ። ገሊኡ ንቑሩብ እዋናት ተተይ እናበለ ከይዱ ዝፈሸለ ኮይኑ፡ ገሊኡ ድማ ናይቲ ኣዋጆም ቀለም ከይነቐጸ ንሓንቲ መዓልቲ እውን ናይ ሓባር ስራሕ ከይሰርሑ ዝፈሸሉ ኣለዉ። ንኣብነት፥-

  1. ድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት ኣብ 1993 ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ውድባት ማለት ኣብ መንጎ ደምሓኤ፡ ተሓኤ ማእከላይ መሪሕነት (ሳግም) ሰውራዊ ባይቶ ከምኡውን ተሓኤ ስሙር ውድብ፣ ኣብ ጀዳ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈረመ ኤርትራዊ ምሕዝነት ንሃገራዊ ቻርተር (ኤምሃቻ) ኔሩ። ገሌና ንኣዲስ ኣበባ ክሳብ ንምለስ ገሊኦም ንኣስመራ ኣትዮም። ግንባር ፈሺሉ።
  2. ደግሓኤ ዝበሃል ግንምባር ኣብ መንጎ ደምሓኤን ተሓኤ ማእከላይ መሪሕነት ሳግምን ህደምኤን ተጀሚሩ። ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ህደምኤ ስሒቡ። ኣብ መንጎ እቶም ብዙሕ ተስፋ ተነቢሩሎም ዝነበረ ውድባት ደምሓኤን ሳግምን ድማ ብዙሕ ሓርጎጽጎጻት ሓሊፉ ኣብ መጨረሽትኡ ከይተዓወተ ተሪፉ።
  3. ኣልተዳሙን ዝበሃል ግንባር ተፈጢሩ ኣብ መንጎ ናይ እስላም ውድባትን ፈደራልያን ተሓኤን። እዚ ግንባር እውን ከምቶም ካልኦት ብዙሕ ተዘሚሩሉ ቀስ ኢሉ ግን ህጣሙ ኣጥፊኡ።
  4. ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር (ኤደግ) ዝብል ግምባር ብኣርባዕተ ውድባት ተመስሪቱ። እተን ሰለስተ ሰሚረን። እቲ ግንባር ናይ ክልተ ውድባት ግንባር ኮይኑ ቀጺሉ። ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ንሱውን ዕጫ ናይቶም ቀዳሞት ኣርኪብዎ።
  5. ብ 2006 ሰለስተ ውድባት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝብል ውድብ ፈጢረን። በብተራ ነናብቲ ዝነበረኦ ተመሊሰን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብቲ ዝነበረኦ ንታሕቲ እውን ተዳቒቐን።
  6. ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብ2011 ተመስሪቱ። ኣብ ታሪክ ደንበ ተቓውሞ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ክበሃል ዝከኣል ተሞክሮ ዳርጋ ንኩሎም ደንበ ተቃውሞ ዝጠርነፈ ኮይኑ ኣብ ሙሉእ ዓለም ወካይሉ ዘቐመጠ ጽላል ኔሩ። ብግስ ከይበለ - እዚ ዘይበሃል ግርጭታት ኣሕሊፉ ትልኽ ክብል ድሕሪ ምጽናሕ በቲ ኩላትና ንፈልጦ ምኽንያት ንዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ደውታ ኣትዩ ኣሎ። ሕጂውን እንተኾነ ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣድካሚ ዘተታት ትንፋስ ክሰኵዕ ድዩ ወይ ብኡ ኣቢሉ ክጠፍእ ኣብ ሕቶ ዘሎዩ።
  7. ብ2005 ካብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ምሕዘነት ናብ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ዝበሃል ግንባር ዝማዕበለ እውን ጸኒሑዩ። ክሳብ ሕጂ ልሉይ ኣድማዒ ስራሕ ሰሪሑ እኳ እንተዘይተባህለ ክሳብ ሕጂ ግን ተተይ ይብል ኣሎ። ኪዳን ክሳብ ሕጂ ትንፋስ ቆጺሩ ክኸይድ ምዃኑ ምስቶም ካለኦት ግንባራት ኣወዳዲርና ክንመያየጠሉ ክሕግዘናዩ።

ካለኦት ኣብዚ ዘይተጠቕሱ ዝተፈላለዩ ግንባራትን ሓድነታትን ኔሮም እዮም። ኩሎም ብማዕረ ዝፈሸሉ ኢልካ ክዝረበሎም እኳ ኣንተዘይተኻእለ። ብመንገዲ ሓድነት ኣቢሎም ቆላሕታ ህዝቢ ክስሕቡ ዝኽእሉ ዘላቒ ሓድነታት ግን ዛጊት ዝተራእየ የለን። ኣብ ኩሎም እቶም ዝፈሸሉ ሓድነታት ክደጋገም ዝረአ ረቛሒ ግን ኣሎ። ኣካላዊ ሓድነታት ምስ ተረጋገጸ ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ኣብ ምርግጋጽ ብዙሕ ዘይንሰርሕ ምዃንና እዩ። ኣብ ሓደ ግንባር ወይ ኣብ ሓደ ውድብ ምምጻእ ሓደ ነገር እዩ። ናይ መጀመርታ እምበር ናይ መጨረሽታ ጌርካ ግን ክውሰድ ኣይግባእን። እቲ ሓደ ዝገብረካ ብዓቢኡ ናይ ኣረኣእያ ሓድነት እምበር ብሓደ ስለ ዝበላዕካን ብሓደ ስለ ዝሰተኻን ኣይኮነን።     

ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ግንባራት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን እዩ፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት ዓመታት ከኣ ከይፈሸለ ክሰርሕ ጸኒሑ (ዝሰሓቡ ውድባት እውን እንተለዉዎ)። ንፍተዎ ንጽላኣዮ ካብኡ ክንመሃሮ ዝግበኣና ነገር ኣሎ። ንምንታይከ እቶም ካልኦት ፈሺሎም ኪዳን ግን ከም ግንባር ኣይፈረሰን። ንኣባላት ኪዳን ዝጠምሮም ዝበለጸ ቻርተር ስለ ዘጽደቑ ድዮም? ወይስ እቶም ኣባላት ኪዳን ንዝፈረሙሉ ቻርተር እሙናት ስለ ዝኾኑ? ዶ ወይስ ኣብ ካልእ ግንባራት ዘይረኽቡዎ ኣብ ኪዳን ጥራሕ ዝረኽብዎ ረብሓታት ኣሎ ኢልካ ምሕታት ኣብ ቦትኡ እዩ። ከምኡ ኢሎም ዝሓቱን ዝምልሱን እውን ኣይተሳእኑን። ገለ ረብሓ ደኣ እንተልይዎም እምበር ንዝፈረሙሉ እሙናት ስለ ዝኮኑ ኣይኮኑን፡ ምናልባትውን እተን ብስም ኪዳን ዝረኽቡወን ማተርያላውን ፋይናንሳውን ረብሓታት ደው እንተዝብላ ኩሎም ነናብ ገዝኦም ምኸዱ ኢሎም ዝዛረቡ ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ሓቂ ንኣባላት ኪዳን ገዲፍና ዓው ኢልና ክንዛረበሉ ንኽእል ጉዳይ ግን ኣሎ። ኣብ ኪዳን ተጠርኒፎም ዘለዉ ውድባት ኣጸቢቑ ዘይቀራረብ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን፣ ኣሰራርሓን ዘለዎም ውድባት ስለ ዝኾኑ ካብቶም ካልኦት ዝፈሸሉ ግንባራት ንላዕሊ ክጠምሮም ዝኽእል ዝበለጸ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ስለ ዘለዎም ከምዘይኮነ ግን ብተኣማንነት ክንዛረብ ንኽእል ኢና። 

እቶም በብእዋኑ ዘጋጥሙና ብደሆታት ደኣ እንታይ እዮም ኢልና ምሕታት ከድሊ እዩ። እዞም ቀጺልና ከም ብደሆታት ክንገልጾም እንኽእል ነጥብታት ንኹሉም ውድባት ብማዕረ ዝብጸሖም እዩ እኳ እንተዘይበልና ካብዞም ኩሎም ንገልጾም ነገራት ኣነ ነጻ እየ ኢሉ ደፊሩ ዝዛረብ እንተልዩ ካብ ጌግኡ ክመሃር ዘይደሊ ኣካል ጥራሕ እዩ ምባል ይከኣል። 

  1. ኣብ ቀንዲ ውራይና ንውዕል የለናን። ተቓዋሚ ማለት ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ምቅዋም ማለት እምበር ቀንዲ ስራሕካ - ከማኻ ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢኻ ዝቃወም ዘሎ ኣካል ምቅዋም መለለዪ ተቃዋሚ ክኸውን ኣይግባእን። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ እምኒ ንዝድርቢ ከማኻ ተቓዋማይ ክትቃወሞ ከለኻ ነታ ትድርበ እምኒ ክትጎድም/ክትዝሕል ምግባራ ጥራሕዩ ውጽኢቱ።
  2. ብኽንድቲ ኣብ ሕድሕድና እንፈጥሮ ምትህልላኽን ምትዕንቓፍን፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ንፈጥሮ እፎይታ/ዕረፍቲ ምህላዉ ምዝንጋዕ ኣይግባእን።
  3. ኣብ ባይቶ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ ዘተ ተጸሚድና ጸኒሕና ኢና። ኣብቲ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝነበረ ናይ ዘተ ኣርእስትታት ብዘይካ ኣብ ሕድሕድና ዝነበረ ምትህልላኽ ብዛዕባ ህግደፍ ንሓንቲ መዓልቲ እኳ ኣልዒልና ኣይተዛረብናን። እዚ ንኽትዛረበሉ ዘሕፍር ተርእዮ እዩ። ነቲ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ደለይቲ ለውጥን ደለይቲ ፍትሕን ስም ዝመጣጠን ስራሓት እውን ኣይኮነን። ኣብዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዘተና፡ ተቓወምቲ ተኣኪብና ነየነይቲ ፖሊሲ ህግደፍ ኢና ተቓዊምና እንተበልና መልሲ የብልናን። እንታዩ ጉድና?
  4. ነዚ ዘለናዮ ሕማቕ ኣተሃላልዋ ደፊሩ ጽቡቕ ኢና ዘለና ዝብል ኣካል ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን እየ። ናይ ሓባር ጸገምና ኩላትና ብሓደ መረጼን ክንርእዮ ብዙሕ ንጽገመሉ ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ጸገምና ኣብቲ ዝተፈጥረ ጸገም ብጽሒትና ምልዓል ጥራሕ እዩ። ንኻለኦት ምውንጃል ጥራሕ እዩ ዝቐለና እምበር ኣብታ ዝተፈጥረት ጸገም ናተይ ተራ እዚኣ ኔራ ኢሉ ነገራት ከፋኹስ ተበግሶ ክወስድ ዝጸንሐ እንተልዩ ብጣዕሚ ውሑድዩ።

እቶም ዝሓለፉ ዝፈሸሉ ናይ ሓድነትን ምሕዝነትን ተበግሶታት እቶም ኣብ ነፍሲወከፍ ናይቲ ዝፈሸለ ምሕዝነታት ዝነበሩ ኣካላት ተኣኪቦም ገምጋም ጌሮም ስለ ዘይተፋነዉ ሕጂ ብደገ ኮይንና ሓላፍነት ናይቲ ዝነበረ ፍሽለታት ንሓደ ወይ ነቲ ካልእ ከተሰክም ካልእ ተወሳኺ ሽግር ዝፈጥር እምበር ፍታሕ ከምጽእ ስለ ዘይክእል፡ ብሓፈሽኡ ነቶም ጠንቂ ናይ ፍሽለታት ጥራሕ ርኢና ክንሓልፍ ዝሓይሽ እመስለኒ፥

ውድቀት ከጋጥም ከሎ ሽዑ ሽዑ ደው ኢልካ ካብቲ ጸገም ርሕቕ ኢልካ ምስ ነፍስኻ ከየጣበቕካ ክትግምግሞ እንተዘይክኢልካ መፍትሒ ኣይርከቦን። ዘይሰርሕ ኮይኑ እናረኣኻዮ ስቕ ኢልካ ብዝጀመርካዮ ምቕጻል ቆርበትካ ምልሕሓጽ ኣምበር ፋይዳ የብሉን። ፖለቲካዊ ውድባትና ድማ ኣብ ደንበ ተቃውሞ እንተወሓደ ሒዘነኦ ክኸዳ ዝጸንሓ ኣሰራርሓ ዘየኽስብ ምዃኑ እናረኣየኦ ን26 ዓመታት ከይቀየረኦ ክኸዳ ጸኒሐን እየን። እተን ድሒረን ዝተመስረታ ውድባት እውን ነቲ ትሒዘ ጸኒሓዊ ኣካይዳ ናይተን ቅድሚኤን ዝተመስረታ ውድባት ከምቲ ዘለዎ ቀዲሐን ደኣ ክኸዳ ተበገሳ እምበር ብዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ ኣብ ምንታዩ እቲ ሽግር ናይተን ቅድሜና ዝጸንሓ ውድባት ኢለን ንሽግራት ፍታሕ ክህብ ብዝኽእል መንገዲ ዝተበገሳ ኣይኮናን። ክሳብ ሕጂ ድማ ውድቀት ኣብ ልዕሊ ውድቀት ጥራሕ እናደመርና ክንከይድ ጸኒሕና። በዚ ዝኸሰበ ኣካል ኣንተልዩ ህግደፍ ጥራሕ`ዩ። ከምዚ ዘለናዮ ንቐጽል ማለት ከኣ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተልእኾ ጸላኢና ህግደፍ ምፍጻም ጥራሕ`ዩ ክኸውን ዝኽእል።

ዓበይቲ ጠንቅታት ናይ ፍሽለታትና እንታዮም

1. ማዕርነታዊ ተሳስትፎ ናይ መሻርኽቲ ኣካላት

ኣብ ዝበዝሑ ናይቶም ዝፈሸሉ ግንባራት ጉዳይ ማዕርነታዊ ተሳትፎ ሓደ ካብቲ ጅምር ከተብል ከለኻ ዘጋጥመካ ጸገም ኮይኑ፡ ጠንቂ ናይ ምፍንጫል ኮይኑ ከምዝጸንሐ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ኣመራርሓ ይኹን ኣብ ካልእ ጽፍሕታት ናይ ሓላፍነት ምምቅራሓት ሓደ ካብቲ ካልእ ሓለፋ ክወስድ ናይ ምድላይ ዝንባሌታት መሊኡዩ። እዚ ክሳብ ዘይጠፍአ ድማ ሰዓቱ ሓልዩ ዝትኮስ ነታጒ ምዃኑ ፍሉጥዩ።  ኣብ ኤሃባደለ እውን እንተኾነ ማዕርነታዊ ተሳትፎ ኣይነበሮን። ንውድብ ውድብ ዘብሎ መዓቀኒታት ኣብ ክንዲ ንገብር፡ መዓቀኒና (ማለት ታዕዪር) ናይ ውድባት ኣባላት ኪዳንን ካብ ኪዳን ወጻእን ዝብል ጥራሕ ከም መገምገሚ ክንጥቀም ጸኒሕና። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣባል ኪዳን ስለ ዝኾንካ ጥራሕ ሓለፋ ይወሃበካ ማለትዩ።

2. ክትዕብልል ጥራሕ ምድላይ - ዝምባሌታት

ኣብ ውሽጢ ሓደ ናይ ሓባር ሽርክና ናይ ሓባር ዕቤት ከተረጋግጽ እምበር ንመሻርኽትኻ ክትዕብልል ጥራሕ ትሓስብ እንተኮንካ ሽርክነትካ ዕምሪ ዝህልዎ ኣይከውንን። ካብኡ ዝኸፍአ ድማ ቅኑዕ ርእይቶ ንቕድሚት እናኣምጻእካ ብርእይቶኻ ክትመርሕ ኣብ ክንዲ ምፍታን ብኣካልን ብቑጽርን ዓብሊልካ ክትወጽእ ምድላይ ኩሉ ግዜ ንድሕሪት ክመልሰና ዝጸንሐ ኣሰራርሓ እዩ። ኣብ ተመኩሮ ናይ ምሕዝነታትና ድማ ካብቲ ኣብ ምጽዳቕ መደብ ዕዮታትና እነሕልፎ ግዜ፡ ኣብቲ መን ይምራሓና ዝብል ሕቶ እነጥፍኦ ግዜ ይበዝሕ። ካብዚ ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት ወዲእና ዝበቕዐ ይምራሓና ናብ ዝብል ዕግበት ክንበጽሕ እንተዘይክኢልና ሰላማዊ ናይ ስልጣን ምቅብባል ዝብልዎ እውን ከም ናይ ሓዋሩ ኣገዳሲ ውራይ ክንሕዞ ከጸግመና እዩ።  

3. ናይ ሓባር ወፍሪ ብልኣዊ ደረጃ እናረኣኻ ኣብ ውልቀ ውድባትካ ጥራሕ ምትኳር

ናይ ሓባር ወፍሪ ክብረትናዩ፡ ሓይልናዩ፡ ንዝተናወሐ ቃልሲ ዘሕጽር፡ ኣብ ሕድሕድና ዘሎ ጸጋታት ብዝግባእ ኣዋፊርና ዝያዳ ከነድምዕ ዝገብር ሜላ እዩ። ካብ ናይ ሓባር ወፍሪ ክትርሕቕ ምድላይ ስስዕትን ውልቀ ዝናን ናይ ምህራፍ ዝምባሌ ዘምጸኦ እዩ። ዘይሩ ዘይሩ ድማ ካብ ህዝባውነት እናረሓቐ ውልቃውነት ዘንግስ ኣካይዳ እዩ። ውልቃዊ ህቡብነት ከኣ ንሓባራዊ ስራሓት ክትክእ ዝኽእል ኣይኮነን።  ስለዚ ክንድቲ ዝሰጎምና እንተሰጎምና ኣብ ናይ ሓባር ስራሓት ከነተኩር እንተዘይክኢልና ጸላእቲ ኣብዚሓና ክንሳቐ ኢና።

4. ዝተራእየ ጉድለታት ኣብ ክንዲ ምምላእ፡ ነቓፊ ጥራሕ ንካ ምኻድ

ዝጎደለ ኣብ ክንዲ ትምልእ ንዘጉደለ ክትነቅፍ ጥራሕ ምውዓል ናይ በለጽ ስራሕ`ዩ። ኣካል ናይቲ ፍታሕ ክትከውን እንተደሊኻ ኣካል ናይቲ ሽግር ኩን ዝብል ኣዘራርባ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ካለኦት መሻርኽትኻ ንዘርኣይዎ ጉድለታት መዋራዘዪ ኣብ ክንዲ ትገብሮ ከም ጉድለትካ ርኢኻ መዋጸኦ ምፍጣር የድሊ። ንኻለኦት እና ኣነኣኣስና ንባዕልና ዝጎበዝና ኮይኑ ዝስመዓና እንተኾይኑ ኣይለበምናን። ዝደኸመ እናኣሳለና እምበር ንመሻርኽትና ኣውዲቕና እናሓለፍና ኣብ ንበጽሖ የብልናን። 

5. ጽቡቕ ናይ መሻርኽትኻ ከም ናትካ ጽቡቕ፡ ጉድለት ናይ መሻርኽትኻ ድማ ከም ናትካ ጉድለት ዘይምርኣይ።

ሕማቕ ልምዲ ኮይኑ ጽቡቕ ናይ መሻርኽትና ከም ናትና ጽቡቕ ክንርኢ ኣይጸናሕናን ጥራሕ ዘይኮነስ ንጽቡቕ ናይ ካልኦት ከነቋናጽብ ዝቐለና ኮይንና ኢና ጸኒሕና። ስለምንታይ ከምኡ ይምረጽ ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። ዝኾነ ውልቀሰብ ወይ ውድብ ካብ ካለኦት ጸብለል ኢሉ ክረአ እንተመሪጹ ስቕ ኢሎ ዝመጽእ ኣይኮነን። ጻዕሪ ይሓትት። ድኻም ይሓትት። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ካብ ዝለመድካዮ ዓንኬል ምውጻእ ይሓትት። እቲ ዝቐለለ ግዝያዊ  ሩፍታ ክህበካ ዝኽእል ብኾፍካ ንኻልኦት ኣናኣቋናጸብካ ካብታ ዘለኻያ ከይተንቀሳቐስካ ካብቶም ካልኦት ዝዓበኻ ኮይኑ ክስመዓካ እንተመሪጽናካ`ዩ። ስለዚ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ልፍንቲ ናይ ካልኦት ጽቡቕ ከተጋውሕ እንተመረጽካ እዩ ብኽንድኡ ደረጃ ካብቲ መላፍንትኻ እውን ናይ ምቅርራብ ተበግሶታት እትርኢ። ንመሻርኽትኻ ከተቋናጽብ እንተጀሚርካ ግን ናይ መወዳእታኻ መጀመርታ ምዃኑ ክሰሓት ኣይግባእን። ካብ ናይ መሻርኽትና ኣዎንታታት ናይ መሻርኽትና ኣሉታታት ምዝራብ ዝቐለና ኮይና ኢና ጸኒሕና። እዚ ሓማቕ ባህልዚ ቀታሊና ምዃንኑ ፈሊጥና ደው ከነብሎ ይግባእ። 

  ከካብ ዝለመድናዮ ሳንዱቕ (box) ወጺእና ክንሓስብ ኣለና ማለት እንታይ ማለት እዩ?

ኣብ ዝለመካዮ ምንባር ድኻም የብሉን። ኣብ ዝለመድካዮ ምንባር ዋላውን ጥዑም እንተዘይኮነ ስለዝለመድካዮ ጥራሕ ጥዑም ኮይኑ ይስመዓካ። ዘይጥዑም ክጥዕመካ ከሎ ድማ ጋዶ`ዩ። ካብ ዝለመድናዮ ሳንዱቅ ንውጻእ ማለት ንለወጥ ማለት እዩ። ንኻልእ ክትልውጥ ድማ መጀመርያ ንባዕልኻ ክትልወጥ ኣለካ። ክትልወጥ ክትደክም ወይ ክትባላሓት ኣለካ።  ድኻም ወይ ምብልሓት እንተዘየልዩ ለውጢ የለን። ኣብ ዝለመድካዮ ምንባር ለውጢ ዘምጽእ ኣይኮነን። ለውጢ እንተተደልዩ እምበኣር ዝጸንሓካ ኣካይዳ ክትቅይር ኣለካ ማለት እዩ።

ከም ተቓወምቲ ምቅላስናን ምድካምናን ኣይተረፈን። ግን ግዜና ኣብቲ ዝያዳ ከነተኵረሉ ዝግበኣና ነገራት ነውዕሎ ስለ ዘየለና ጥራሕ ብዙሕ ከነፍሪ ኣይከኣልናን። እዚ ብዘይምሕረት ክንበሃሃለሉ ዝግባእ ነገር እዩ። ኩሉ ግዜ ንምምሕያሽ ቦታ ኣሎ ይበሃልዩ (There is always room for improvement) ፡ ሕደግዶ ድኽመታትናን ውድቀታትናን ቁልጭ ኢሉ ደሚቑ እናረኣናዮስ እቲ ተዓጢቕና ተሸብሺብና ሰሪሕናዮ እሞ ዝተሓጎስናሉ ስራሓት እውን ሓደ መዓልቲ ጸኒሕካ ክትመዝኖ ከለኻ እዚኣስ ከምዚኣ ኔራ እንተትኸውን ምሓሸት ኔራ ምባልና ኣይተርፍን። ስለዚ ኩሉ ግዜ ንምምሕያሽ ሓንጎፋይ ኢልና ክንቅበል ከድልየና እዩ።

ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ

ሀ]  ህልዊ ኩነታት ኤሃባደለ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ኣብ ሃዋሳ ብዝተኻየደ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ ዝምስረት፡ እንሆ ልዕሊ 5 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ዝበዝሑ ካብ ፖለቲካዊ ውድባትና፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣገደስቲ ውልቀ ሰባትን ተጠሚሮም ዝፈጠርዎ ጽላል ድማ’ዩ።

ኣብ መስርሕ’ዚ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ጉዕዝኡ ግን መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ሃገራዊ ውራይ ኣብ ምስላጥ ካብ ዘሕለፎ ግዜ ንላዕሊ፡ ነንሓድሕዱ ኣብ ምክሳስ ዘሕለፎ ግዜ ይዓቢ። ድምር ናይ ሕመቓቱ ከኣ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ጥርኑፍ ቀጻልነቱ’ውን ምውሓስ ሲኢኑ፡ ኣብ ንቡር ዘይብሉ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ደውታን ኣትዩ ይርከብ። ናይ’ቲ ዓሚቝ ፖለቲካዊ ቅልውላዋቱ ወሳኒ ምኽንያት ድማ፡ ኣባል ፖለቲካዊ ውድባቱ ምዃኖም፡ ኩላትና ንሳማማዓሎም ሓቅታት እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኩሉ ነናቱ ገምጋማት ክህቦ ዝኽእል እኳ እንተኾነ ዘይሩ ዘይሩ ግን እቶም ከቢድ ናይ ብርሰት ሓደጋ  ኣንጸላልይዎም ዝርከቡ ህዝብታትና፡ ኣንቢሮምሉ ዝጸንሑ  ተስፋ ክሃፍፍን ደገፎም ክኸልእዎን፤ ንዝረኸቦም ናይ ደገፍቲ ገድላዊ ጸጋታት ክባኽን፤ ወዘተ’ዩ ኮይኑ። እነሆ ከኣ፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ተሞኩሮኡ፡ ኣብ መንጐ ሞትን ሕየትን ክሳሓግ፣ ዘይንቡር ፖለቲካዊ ሂወት ከሓልፍን፡ መእዝኑ ኣጥፊኡን ጸኒሑ ኣሎ።

ሀ) ኣብ ኤሃባደለ ኣትዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ደውታን፡ ጠንቁ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ጸገም ምዃኑ፤

ለ) ኤሃባደለ ነዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ቅልውላውን ደውታን ፈዊሱ፡ ናብ ዕውት 2 ሃገራዊ ጉባኤ ሓቢርና ንክንኣቱ፡  ፈለማ እቶም ጠንቂ’ቲ ኩሉ ጸገም ኮይኖም ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት ጸገሞም ክፈትሑ ይግባእ። ነዚ ጸገም’ዚ ንምፍታሕ ድማ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ናብ  ገምገማዊ  መድረኽ (ሰሚናር/ ኮንፈረንስ) ክኣትውን ክተኣራረሙን ክተሃናነጹን ይግባእ፡ ዝብል መሰረተ ሓሳብ ድሕሪ ነዊሕ ኣድካሚ ዘተታት ዝተሰማማዕናሉ ጉዳይ እዩ። ድሕርዚ ቀልጢፍና ናብ ሰሚናር ኣቲና ናብ ካልኣይ ጉባኤ ከሰጋግረና ዝኽእል መንገዲ ዘይምሓዝና ግን ዘዕግብ መግለጺ የብሉን። ንሒዝናዮ ዘለና ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ዕላማ እሙናት ዘይምዃን ወይ ልባውነት (seriousness) ዝጎድሎ ምዃኑ ዘመላኽት ጥራሕዩ።

እሞ እንታይ ይገበር?

ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ግድነታዎ መድረኻዊ ጠለብ እምበር ናይ ምርጫ ሕቶ ኣይኮነን። ወይ ሓቢርና ንዕወት ወይ በበይንና ፋሕ ኢልና ከም ዘለናዮ ኣብ ስደት ንበሊ። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኤርትራ ድማ ባህርያዊ ምዕባሌ ዘምጸኦ ኣሜን ኢልና ተቐቢልና ምኻድ እዩ። ናይ ተቓለስቲ ምርጫ እቲ ቐዳማይ ምርጫ እዩ። ንቓልሲ ዝመረጸ እንኮላይ ንሓድነት ክመርጽ ኣለዎ። ከመይሲ እቲ ሓደ ብዘይቲ ካልእ ንቕድሚት ክኸይድ ኣይክእልንዩ። ኣብ ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዘይ ናይ ተቓለስቲ ድርት ተፈጥሮኣዊ ባህርያዊ ምዕባሌኡ ሒዙ ክኸይድ ዝመርጽ ድማ ንተቓለስቲ ከይዓንቀፈ ጸግዑ ክሕዝ እዩ ዝምረጽ። ቃልሲ መሪጹ - ግን ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ዝኣበየ ወይ ከኣ ባህርያዊ ተፈጥሮኣዊ ለውጢ እናተጸበየ ግን ብስም ኣካል ደንበ ተቓውሞ እንተሰርሐ ኩሉም ዓንቀፍቲ እዮም። ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ከኣ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ምዃኖም ኣይተርፍን።  

ናይቶም ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መጋበርያ ህግደፍ ዝኾኑ ኣካላት ገዲፍና ኣብ ምርጫ ናይቶም ቃልሲ ዝመረጹ ኣካላት ክንኣትቱ፥

መጻኢ ዕድላትና እንታዩ?

 መጀመር ኣቲናዮ ዘለና ብጣዕሚ ዘስደምም ውድቀት ብሕመቕና ዝመጸ እምበር ካብ ላዕሊ ዱብ ዝበለና ዕዳ ኣይኮነን ኢልና ምጅማር ጽቡቕ እመስለኒ። ምኽንያቱ እዚ ዘለና ጸገም ካልኦት ዘምጽእዎ እዩ ኢልና እንተጀሚርና እቶም ዘምጽእዎ ባዕሎም ክሳዕ ዝወስድዎ መፍትሒ ዝበሃል ነገር ኣይርከብንዩ። ብሕመቕና ዝመጸ እዩ ኢልና እንተጀሚርና ግን ብመንፍዓትና ክቕየር ከምዝኽእል ኣሚንና ንምዕራዩ ክንብገስ ንኽእል ኢና። ካብኡ ቀጺልና ንዘለናዮ ሕማቕ ኩነታት ኣጸቢቕና ክንጸልኦን ክንፍንፍኖን ክንክእል ኣለና። ዘለናዮ ኩነታት እንተዘይጸሊእናዮ ካብኡ ክንርሕቕ ኣይንኽእልን ኢና። ካብ ዝለመድናዮ ሳንዱቕ ወጺእና ንሕሰብ ዝብል ኣዘራርባ ልሙድዩ። እቲ ሽግር ካብኡ ክንወጽእ ዘይምኽኣልናዩ። ካብኡ ክንወጽእ ዘይምኽኣልና ድማ ዘለናዮ ሕመቕ ስለዝለመድናዮ እዩ። ሕመቕ ከምሽሙ ሕማቕ እኳ እንተኾነ ይልመድዩ። እቲ ዝኸፍኤ ነገር ድማ ኣብ ሕመቕ ምህላውና ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕመቕና ምልማድና እዩ። ደንበ ተቓውሞ ሕመቕ ለሚድና ኣለና። ስለዚ ካብዚ ሕመቅና ክንወጽእ መጀመርታ ንዘለናዮ ሕመቕ ክንጸልኦ ኣለና። ምስ ጸላእናዮ ጥራሕ ኢና ካብኡ ክንወጽእ ንፍትን። ካብዚ ዘለናዮ ሕመቕ እንተዘይወጺእና ግን ንሕና ንህዝቢ ኤርትራ ጾር እምበር ፍታሕ ኣይኮንናን።

ኣብ መንጎ ኣባላት ባይቶ ዝኸይድ ዘሎ ንሸሞተ ኣዋርሕ ዝወደአ ነዊሕ ዘተ ብቑምነገሩ እንተነውሐ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ሰዓታት ክውዳእ ዝነበሮ እዩ። ንምንታይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ወዲኡ እንተኢልና ግን ህዝብና ኣትይዎ ዘሎ ናይ ኣፈርክቡ ኩነታት (sense of urgency الشعور بالإلحاح) ስለ ዘይተሰቆረና ጥራሕዩ። ባሕሪ ዝውሕጦም ዘሎ፡ ምድረበዳ ዝበልዖም ዘሎ፡ ስደት ዘብልዮም ዘሎ ወገናትና ንዛረበሉ እምበር ንነብሮ የለናን። ዝፈትዋ ሃገሩ ዓባይ ማእሰርቲ ዝኾነቶ፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ባርነት ክነብር ዝኾነ፡ ወሊዱ ከይሓቁፍ፡ ሰሪሑ ከይብልጽግ፡ ተማሂሩ ከይፈልጥ፡ ሓሪሱ ከይበልዕ መሬቱ እናተመንጠለ፡ መጽለሊ ኣባይቱ እናፈረሰ ኣብ ፍጹም ደልሃመት ኣትዩ ዘሎ ህዝብና ብዛዕብኡ ንዛረብ ንኸውን እምበር ኣብቲ ንሱ ዝነብሮ ዘሎ ኩነታት ንነብር የለናን። ስለዚ ዘተና ይትረፍዶ ንሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ንሸሞንተ ዓመታት እውን እንተተናወሐ ንደንበ ተቓውሞ ዘሕምሞ ምዃኑ ምልክት ኣይንርእን ኣለና። ብኩሉንትናና ኩነታት ናይ ህዝቢ እንተዘይተላቢስና ለውጢ ከነምጽእ ማለት ዘበትዩ። ከምዚ ዘለናዮ ካባና ካብ ደንበ ተቓውሞ እቶም ሃገርና ዘይትብጸሖም ናይ ወጻኢ ሃገራት ጋዜጠኛታትን ዝሕሽሉ ኩነታት ኣሎ። ንሳቶም እንተወሓደ ብዝተፈላለዩ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ንዓለም የቃልሑ ኣለዉ።

እንታዩ ጉድና ኢልካ ክትሓስብ ከለኻ ካብቲ ዲፕሎማሲያዊ ወይ ቀለዓለማዊ ዘረባታት ወጺእካ ከምቲ ዘለዎ ብጻልጥኡ ከነቐምጦ ዝግባእ ነገር ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ገምጋም ሓደ ኮንካ ኣብ ፍታሕ ክትፈላለ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝኸፍኤ ከኣ ካብ ግጉይ ገምጋም ግጉይ ፍታሕ ከተምጽእ ምፍታን እዩ። ገምጋምና ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ኩላትና ወይ መብዛሕትና ኣብ ወረቐት ነቐምጦ ብዙሕ ዝፈላልየና ኣይከውንን። እንተቲ በብእዋኑ ካብ ዝተፈለለዩ ወገናትና በጨቕ ዝብል ርእይቶታት ግን ዓዲ ዘእቱ ኣይኮነን። ካልእ ናይ ገሌና ውሽጣዊ እምነታት ድማ ኣጸቢቑ ዝፍለ እዩ። ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኣካል ክርስትያን እዩሞ ንሕና ኣስላም ተራና ናብ ስልጣን ንኽንመጽእ ሕጂ ንጠናኸር እንተኾይኑ፡ እታ ሃገር ኣይ ናይ ኣስላም ኣይ ናይ ክርስትያን ኮይና ክትባድም እያ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ናይ ከበሳ እዩሞ ሕጂ ተራና ናይ መታሕት ንግበሮ እንተኾይኑ እቲ ምርጫ፡ መታሕት ይኹን ከበሳ ንነበርቱ እሾኽ ኮይኑ ክባድም ጥራሕዩ ዝኸውን። ወይውን ብኣንጻሩ ኣስላም ይኹን መታሕት እንታይ ኣፍሊጥዎም፡ ንሕና ክርስትያንን ከበሳን ንሕና ዝበልናዮም እቶም ካልኦት ተቐቢሎም ይኺዱ እንተኮይኑ እቲ ምርጫ፡ መሰሉ ዝተነፍገ ደቂሱ ሰለ ዘይሓድር ነቲ ከሳፍሕ ዝደሊ መኾርመዪ እውን ዝስእነሉ ኩነታት እዩ ዝፈጥር።

ጻዕርናን ቃልስናን ዕዉት ክኸውን ዝኽእል ከበሳን መታሕትን፡ ኣስላምን ክርስትያንን፡ ኩለን ብሄራትናን፡ ብሰላምን ብማዕርነትን ከንብረና ዝኽእል ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ቻርተር ጥራሕ ዘይኮነስ ብልቢ ኣብ ማዕርነት ዝተሰረተ ሓድነት ክንገብር እንተጽዒርና ጥራሕዩ። ይትረፍዶ ኣብ ደንበ ተቓውሞስ መንግስቲ ሒዝካውን ክትዕብልል እንተጀሚርካ ናይ መወዳእታኻ መጀመርታ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ።  

ብርግጽ ፈሺልና ኢና፡ ግን ሕጂውን መሬት ኣይዓረበን ዝሓለፈ ሓርፋፍ ተሞኩሮ ከም ትምህርቲ ንውሰዶ። ኣብ ዝሓለፈ መስርሕ ቃልሲ ዝተባኣስናዮም ዘቐየሙና-ዘቐየምናዮም ዘሕረቑና-ዘሕረቕናዮም ተቓለስቲ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ መንጎና ዓይኒ ብንዓይኒ፡ ኣፍንጫ ብኣፍንጫ ሕነ ክንፈዲ እንተጀሚርና መወዳእታ የብሉን፡  ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብዙሕ ከተማታት ናይ ኣውሮጳ ዓንዩ፡ ህዝቢ ብሚልዮናት ሃሊቑዩ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፓርታይድ ወይ እቲ ዓሌታዊ መንግስቲ ምስ ተገርሰሰ፡ ንኹሎም እቶም ገበነኛታት ቀቲልካ ወይ ኣሲርካ ዝውዳእ ኣይነበረን። ታሪኽ ከምዝምህረና ግን - ኣብ ልዕሊ እከይ ተግባራት ናይ ብዙሓት ገበነኛታት፡ ናይ ሰላምን ፍቕርን ተኽሊ ገዲፎም ዝኸዱ ሰብ ታሪኽ እውን ይፍጠሩዮም። ስንኻ እናሓርቀምካ ኣብ ቂምን ቅርሕንትን ትውዕል እንተዄንካ ቅድሚ ነቲ ክትጎድኦ ዝደለኻ ሰብ ምጉዳእካ፡ ድቃስ ስኢንካ ንነብስኻ ሽሕ ግዜ ምጉዳእካ ኣይተርፍን። እቲ ፈውሲ ከምቲ ናይ ኣውሮጳን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተማሃርናዮ እቲ ዝበለጸ ሕነ ምፍዳይ - ይቕረ ምባል እዩ ኢልካ ናይ ሓባር መጻኢ ዕድልካ ብሩህ ክኾነልካ ምጽዓር ጥራሕ እዩ ዝምረጽ። ሕነ ክትፈዲ እንተመሪጽካ ከም ሰብካ ኢኻ፡ ይቕረ ክትብል እንተመሪጽካ ግን ካብ ከባቢኻ ጸብለል ዝበልካ ኢኻ - ዝብል ምስላ እውን ኣሎ። ስለዚ ኣነስ ካብ መን ንኢሰ ኢልካ ስንኻ ምንካስ ካብ ሰብካ ዝዓበካ እመስለካ እምበር ትሕቲኦም ኢኻ።  

ሓደ ሓደ ግዜ ክፈላልየና ኣይግባእን ኢልካ ብልቢ ኣሚንካ ዝሓዝካዮ ነገር እቲ መሻርኽትኻ ካበይ ተበጊሱ ብዘየገድስ ክቃወመካ ትሰምዖ። ኣብ ከምኡ ዝበለ ኩነታት መብዛሕትኡ ግዜ ንምንታዩ እዚ ሰብዚ ዘይርደኣኒ ኢልና ኢና ንጭነቕ እምበር፡ ንምንታይ እየ ከረድኦ ዘይክእል ዘለኹ ኢልና ንነብስና ኣይንሓትትን ኢና። ንምንታይ እየ ከረድኦ ዘይክእል ዘለኹ ኢልና ክንሓስብ እንተንጅምር፡ ነቶም መሻርኽትና ወይ መዛትይትና ከነረድእ ምእንቲ - ኣጸቢቕና ኣንቢብና ኣጽኒዕና ተማሂርና፡ ናይ ምዕጋብ ዓቕምታትና ወሲኽና በቒዕና ክንርከብ ምኾንና ኔርና። ስለዚ ኩሉ ግዜ ኣብ ክንዲ ንኻለኦት ንምንታይ ዘይርድኡና ኢልና ንግረም፡ ኣነኸ ንምንታይ እየ ከዕግብ ዘይክእል ዘለኹ ምባል ኣገዳሲ እመስለኒ።

ጌጋኻን ፍሽለትካን ምቕባል ክብረት ኣምበር ውርደት ከምዘይኮነ ብዙሓት ምሁራት ምሂሮሙናዮም።  ሄንሪ ፎርድ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ናይ መጀመርታ ፎርድ መኪና ዝሰርሐዩ። ፍሽለትሲ - ዝያዳ በሊሕካ እንደገና ንኽትጅምር ዕድል ይኸፍተልካዩ ይብል።  እዚ ግን ስቕ ኢሉ ዝመጽእ ዘይኮነስ ካብ ውድቀትካ ክትመሃር ድሉው እንተዄንካ ጥራሕዩ። ብዛዕባዚ ሮበርት ኤፍ ከነዲ ክዛረብ ከሎ፡ “እቶም ዓቢ ውድቀት ወይ ፍሽለት ክገጥሙ ዝኽእሉ ጥራሕዮም ዓቢ ዓወት ከረጋግጹ ዝኽእሉ”- ይብል። ብኻልእ ኣዘራርባ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ፈቲንና ኢና ኣይተዓወትናን ኢልና ተስፋ ምቚራጽ እንተልዩ ነዚ ደንበ ተቓውሞ ከየጻበብካ ገገዛኻ ምኻድዩ ዝሓይሽ። ግን ከኣ ብውድቀታትና ከይተዳሃልና እኳ ደኣስ እናተማሃርና እንተኼድና ዝበለጸ ዓወት ከነረጋግጽ ከም እንኽእል ኣሚንና ምቕጻል የድሊ። ካብ ካብ ዓወታትካ ንላዕሊ ካብ ውድቀታትካ ዝያዳ ክትመሃር ከምእትኽእል ብዙሓት ሊቃውንቲ ይዛረቡሉዮም። ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ሊቃውንቲ ቶማስ ኤድሰን ነዚ ሕጂ ረኪብናዮ ዘለና ብርሃን (light bulbs) ክምህዝ ከሎ 1000 ግዜ ምስ ፈተነ እዩ ተዓዊቱ። ሓደ ግዜ ሓደ ጋዜጠኛ 1000 ግዜ ምፍሻልካ ከመይ ይስማዓካ ኢሉ ሓተቶሞ፡ ቶማስ ኤዲሰን ድማ “ኣነ 1000 ግዜ ኣይፈሸልኩን 1000 ግዜ ፈቲነ እየ መብራህቲ ዝሰራሕኩ” ኢሉ መለሰሉ ይበሃል።

ንሕና ከኣ ድሕሪ ናይ ብዙሕ ዓመታት ፍሽለታት ወይ ፈተነታት ሕጂ ንህዝብና ከምዛ ናይ ቶማስ ኤዲሰን ብርሃን ክትህብ ትኽእል ስጉምቲ ክንስጉም ኣብ ኢድናዩ። ዓቕምናዩ። ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ክብሪ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ልዕሊ ውልቃዊ ክብርናን ውድባትናን ጌርና ክንርኢ ኣብ ዝጀመርናሉ ሰዓት ኩሉ ቀሊል ክኸውን እዩ። ስለዚ ብርእሰ-ሕብጠት ከይተነፋሕና - ርእስና ኣድንን ኣቢልና ኣብተን ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተሰማማዕናለን መሰረታውያን ነገራት ናይ ሓባር ስራሕ እንተጀሚርና መንፈስ ናይ ተቓለስትን ውጹዕ ህዝብናን ከነሓድስ ንኽእል ኢና። ካብዚ ወጻኢ ካልእ ጥዑይ መማረጺ የለን። እተን ሕጂ ከሰማምዓና እንጥለበለን ዘለና ነጥብታት ድማ እዘን ዝስዕባየን።

  1. ንስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ምእላይ  
  2. ብሓጺር ግዝያዊ መንግስቲ ኣቢልካ ኩሉ ዝሳተፈሉ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራት
  3. ሃገራዊ ቻርተር ኣጽዲቕካ ድማ ኣብ ወሳንነት ናይ ህዝብን ልዕልነት ሕግን እሙን ኴንካ፡ ብህዝባዊ ምርጫ ህዝባዊ መንግስቲ ምምስራት፡

ነዞም ሰለስተ ዓበይቲ ሸቶታትን ዕላማታትን ዓው ኢሉ ኣይፋሉን ወይ የለኹሉን ዝብል ፖለቲካዊ ውድብ ዘሎ ኣይመስለንን። ነቲ ንብሎ እሙናት እንተኮይንና ድማ ካብዚ ንላዕሊ ህዝብና ከይከዓበና ከሎ እታ ሃገር እውን ጨሪሻ ከይባደመት ከላ ከነርክባ እንተኮይንና ሓባራዊ ህጹጽ ሓድነታዊ መስርሕ ክጅመር ንጽባሕ ዘይበሃሎ ዕማም እዩ።  እዚ ኣብ ኢድና ዘሎ ጸጋን ብዓቅምና ክንገብሮ እንኽእል ዕማም እዩ። ይከኣልዩ።

ካልእ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ኣትኩሮ ዘይገበርናሉ ጸጋታት ኣሎ። ናይ ኤርትራውያን ምሁራትን ጋዜጠኛታትን ተራ ከምቲ ዝግባእ ክንጥቀመሉ ኣይከኣልናን። ክንዛተ ውዒልና በብዝመስለና ናብ ህዝቢ ከነቃልሕ ኢና ንስማዕ እምበር ኣብ ዝወዓልናዮ ኣኼባታት መንጎኛታት ተረኺቦም ካብ ኩሎም ተዛተይቲ ወገናት ነጻ ኮይኖም ከይወሰኹ ከየጕደሉ ንህዝቢ ክሕብሩ እንተዝኽእሉ ህዝቢ ካብ ምድንጋር ምደሓነ ተዛተይቲ ድማ ካብ ወትሩ ንላዕሊ ጥንቅቕ ምበሉ። ምሁራትና ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሮም ዝግበኦም ክብሪ ኣይረኸቡን ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ጥርጡራትን ተበለጽትን እናተቖጽሩ ብመደብ ካብ ፖለቲካዊ ውድድር ተገሊሎም ኣብ ተክኒካውን ሞያውን ተግባራት ጥራሕ ከምዝነጥፉ እናተግበረ ጸኒሑዩ። እቲ ሽዑ ዝተኣታተወ ነውሪ ክሳብ ሕጂ ኣሰሩ ኣይጠፍአን። ሕጂውን እንተኾነ ውድባትና ናይ ምሁራት ድኽነተን ክፍውሳሉ ዘኽእለን ኣካይዳ ክምህዛ ይግባእ። ይኹን እምበር ምሁራት ክንብል ከለና  ብደረጃ ህዝባዊ ወገንነቶም ማለትና እምበር ብኣካድያሚ ብቕዓቶም ጥራሕ ንመዝኖም ክኾኑ ኣይግባእን። (ጸረ ህዝቢ ዝኾኑ ምሁራት እውን ይሳቕዩና ስለ ዘለዉ)። ብዓቕምና ክንግበሮ ዘይከኣልና በብዝኸድናዮ ኣብ መንደቕ ተጋጪና ኣብ ንምለሰሉ እዋን ከኣ ሓገዝ ምሕታት ነውሪ ኣይኮነን - ልቦና እዩ። ተቓለስቲ ኢና ማለት ኩሉ ፍልጠት ጸንቂቕና ዝወነንና ማለት ስለ ዘይኮነ ንድኽመታትና ክንስዕር ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ሓገዛት ከይሓፈርና ምሕታት ንልመድ።      

ብተወሳኺ ከኣ፡ ኣብ ኢድ ዘሎ ወርቂ- ጨርቂ ከምዝበሃል ብዙሕ ግዜ ጎሲናዮ ንሓልፍ እቲ ዝግበኦ ክብሪ ዘይንህቦ ናይዚ ተዓቚብናሉ ዘለና ሃገር ናይ ፈተወቲ ኩሉ መዳያዊ ደገፋት ኣሎ።  እቲ ካልእ ገዲፍና እቲ ንረኽቦ ዘለና ምኽሪ ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን። እዚ ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ ንጽዕረሉ ዘለና ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝወደአ ዘተ እውን እንተኾነ ኣንቱም የኽፋኣልኩም ኣሎ ልቢ ግበሩ ምስ በሉና ኢና ጀሚርናዮ። ንዝተለገሰልካ ኩሉ ጽቡቕ ነገር ዝግበኦ ክብሪ እናሃብካ ክትጥቀመሉ እንተኺኢልካ እዩ እቲ ዝልግስ እውን ደስ ኢልዎ ክውስኽ ዝኽእል። ዘይንቡር ክንገብር ከለና ዓገብ ዝብሉን፡ ሓቢርና ምእንቲ ክንሰርሕ ይሓይሽ ዝብልዎ ምኽሪ ዝህቡን ምርካብና ዓቢ ሓገዝ ጌርና ክንቅበሎ ዝግባእ እመስለኒ። ሓንቲ ክሪስተር ሆርትማን ዝተባህለት ናይ ካደት ተመሃሪት፡ ኣብ ኣመሪካ ነፋሪት ምብራር ክትመሃር ከላ - “መቸስ ካብ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኬድካ ክትጋገ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ኮንካ ክትጋገ ይሓይሽ - ዝእርመካ እኳ ትረክብ”  ኢላ ይባሃል። ንሕና እውን እዚ ዝወሃበና ዘሎ ምኽሪ ናብ ጸርፊ ከይተቀየረ መሬት ከይዓረበና ከሎ፡ ኩልና ብሓደ ተኣኪብና ህዝብና ነድሕን።

ኩልና ብሓባር ክንእከብ ዝበለጸ እዩ ኢልና ዘድሊ ግዜን ጻዕርታትን ክንከፍለሉ ጸኒሕናን ኣለናን ኢና። ድሕሪ ሕጂ እውን እንተኾነ ተሪፉ ኣሎ ንብሉ ኩሉ ጸንቂቕና ክንከዶ ከምዘለና እምነተይ እዩ። ይኹን እምበር ኩልና ኣብ ሓደ ጽላል ክንጥርነፍን ንመጠርነፊና ዕላማ ከነተግብርን እንተዘይክኢልና ካልእ ኩሉ መቃለሲ ኣገባባት ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን። ካልእ እንተተረፈ እቶም ዝቀራረቡን ዝተኣማመኑን ተዛሪቡ ዘስምዕ ሰሪሑ ዘድምዕ ውድብ ወይ ግንባር ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም ክሰርሑውን ኣለዎም።

አቐንየለይ

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ