27
Mon, Mar

ጽሑፋት/ርእይቶ
Typography
  • ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ደቡብ ሱዳን ናዕቢ ተላዒሉ ብዙሓት ዝሞቱን ዝቘሰሉን ከምዘለዎም ብማዕከናት ዜና ቢቢሲ ተወርዩ። እዚ ናዕቢ’ዚ ኣብ መንጎ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መራሕን ተቓዋምን ዝተኸሰተ ዘይምርድዳኣ ምዃኑ ይንገር። መራሒ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንሓደ በዓል ስልጣን ማቻር ዝብሃል ብኢደ- ወነኑ ካብ ስልጣን ኣውሪዱ ብታባን ዝብሃል ምትኩኣኡ ዝፈጠሮ ሽግርን ንነዊሕ እዋን ኣብ መንጎ ክልተ ቀቢላታት ዝጸንሔ ዘይምትእምማን ምዃኑ ይንገር። ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ነዊሕን ብዉሽጣዊ ህልኽ ዝሓለፈን ቃልሲ ነጻነቱ ከም ህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንዱም ኣረጋጊጹ ። እንተዀነ ግን ኣብ ክንዲ ንመንገዲ ምዕባሌ ዝጥምት ከይተበገሰ ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር ብምእታው ሕድሕዱ ክዋጋእ ኰይኑ። ሕቶ ለባምን ብቑዕን መሪሕ ዘይምህላው ዝፈጠሮ ዘሎ ሽግርዩ። እዚ’ኮ ብመሰረቱ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትእን ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ከቢድ ጸገም እዩ።  

  • ዕሉል ዲክታተራዊ መራሒ ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ ወዲ 92 ዓመት ዕድመ ስልጣን ንኻልእ ከረክብ ተባሂሉ ኣንጻሩ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ፤ ይኹን’ምበር እዚ ካብታ ንዘርኣዊ ልዕልነት ዝውክል ስርዓት ስሚዝ ናይ ቀደም ሮደሽያ ስዒሩ ሃገር ካብ ዝግብት ኩሉ ትካላት መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ብምግባር ብዓሌታዉን ቀቢላውን ፍልልይ ንተቓወምቲ ብምእሳርን ምብራርን ምቕታልን ገባርን ሓዳግን ኰይኑ ገና ኣይወርድን እየ ኣለኹ ብምባል ፈኸርኡ ኣስሚዑ። ደገፍቱ’ውን ናብ ሰልፊ ወጺኦም ኣሎና ምሳኻ ኢሎሞ። ገለ ናይ ተቓወምቲ መራሕቲ ድማ ክእሰሩ ኣዚዙ። ዚምባብወ ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ዝደኸየት ሃገርያ ኢሉ ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ። ካብዚ ክንምሃሮ ዝግባእ እምበኣር ሕጂውን ሕቶ መሪሕ(Leadership) ኣብ ሓንቲ ሃገር ክሳብ ክንደይ  ኣገዳስን ወሳንን ምዅኑ’ዩ። ፋሺሽታዊ ህግደፍን ሮበርት ሙጋበን ተመሳሳሊ ባህርያት ኣለዎም። ኣብ ድሕረትን ቀቢላዊ ፍልልያትን ዝተሞርኮሰ ብሓይሊ ዝተታሕዘ ስልጣን ውጽኢቱ ዉድቀት ጥራይ ምዃኑ ናይ ፋሺሽታዊ ህግደፍን ናይ ሮበርት ሙጋበ ስርዓታት ልሉይ ኣብነትዩ። ካብዚ እንታይ ንምሃር። ካብዚ ንማሃሮ ነገር እንተሃለወ ብቑዕ መሪሕ ውድብ ዘይረኸበ ህዝቢ መላገጺ ሕሱማት ገዛእቲ ኰይኑ ንድኽነትን ዉርደትን ብርሰትን ዝጻጣሕ ምዃኑ’ዩ።
     
  • ኣብ ቡሩንዲ ዘይብቑዕ ኣመራርሓን ኣብ ድሕረት ዝተሰረተ ፍልልይን ዝወለዶ ህልኽ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ሰብኣዊ ግህሰት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ይፍጸም ኣሎ ብምባል ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ስክፍተኦም ገሊጾም ክብል ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ። ናይቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ፓርቲ ናይ መእሰያት ክንፊ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብጠቕላላ ኣብ ሓንቲ ጓል 8 ዓመት ድማ ብፍላይ ብሓይሊ ብምግሳስ ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ጌሩ። እዚውን ካብቲ መጋበርያ ህግደፍ ዝዀኑ መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮና ኣብ ሳዋ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታታት ዝፍጽምዎ ግፍዒ ፈሊኻ ዝረኤ ኣይኮነን። ብልሹው ስርዓት ብልሹው ትካላትን ብልሹው ስራሓትን ጥራይ’ዩ ዝገብር። ባህርያት እምባገነናዊ ፋሺሽታዊ መራሒ ህግደፍ ምንዝርናን ዕመጽን ስኽራንን’ዩ፤ ኩሎም ሰዓብቱ ድማ ኣሰሩ ይኽተሉ።

ሕቶ መሪሕ (Leadership) እንታይ ማለትዩ፤

ደርባዊ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ ግህሰትን ጭኮናን ዘስካሕከሖ ሕ.ሰብና ብእዋኑ ኣብ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሱ ለባምን ብቑዕን ደሞክራሲያዊ መሪሕ ስለ ዘይረኸበ ገና ድሕሪ ነጻነትውን ኣብ ትሕቲ ናይ ወዲ ሃገር ሕሱም መግዛቲ ክወድቕ ባህሪያዊ’ዩ። ካብ መግዛእቲ ናብ ዝኸፍኤ መግዛእቲ ተሰጋጊሩ።

ሎሚ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ምንታይ ዓይነት ኩነታት ወዲቑ ምህላዉ ንዝዀነ ኤርትራዊ ዜጋ ሓቤሬታ ዘድልዮ ኣይኮነን። ከም ህዝብን ሃገርን ናብ መንገዲ ጥፍእት የምርሕ ኣሎ።

ብኣንጻሩ መብዛሕትኡ ብስም ተቓወምቲ ዝዋሳእ ሓይልታት ኣብ ጉጅለታት ተበታቲኑ ኣብ ክንዲ ህዝብን ሃገርን ከድሕን ዝጠራነፍ ሕድሕዱ ክካሰስ በበይኑ ክጓዓዝ ንእሽቶ ስራሕ ጸረ ጨካን ጉጅለ ህግደፍ ከካይድ ኣይከኣለን።

እቲ ምቅዋም ህዝቢ ንምድሓን ዘይኮነስ ብኣቋራጭ ስልጣን ንምሓዝ’ዩ። ንስልጣን ምውድዳር ነውሪ ኣይኮነን ፣ ባህሪ ናይ ፖለቲካዊ ዉድድር’ዩ፤ ስልጣን ግን ካብ ህዝቢ እዩ ዝርከብ።

እምበኣርከስ ለባምን ብቑዕን መሪሕ ክበሃል እንከሎ ሕብረተሰብኣዊ መልክዕና ብጉቡእ ዝፈልጥ፣ ደረጃ ምዕባሌናን ንቕሓትናን ዝርዳእ ንፍልልያትና ወይ ዘይመሰረታዊ ግርጭታትና ብደሞክራሲያዊ መንገዲ ዝኣሊ፣ ሕቶ ሰብኣውን ብሄራውን ደሞክራሲያውን መሰላት ቀዳምነት ዝሰርዕ፣ ኩሉ ወዲ ሃገር ብማዕረ መሰሉ ተኸቢርሉ ብሰላም ክነብር ዘኽእሎ ኩነታት ክፈጥር ዝቃለስ፣ ዓብላልን ተዓብላልን ዘይብሉ ጥዑይ ሕ.ሰብ ንምህናጽ ዝቃለስ፣ ኩሉ ዜጋ ነብሰ-ምትእምማንን ብቕዓትን ወኒኑ መሰሉ ባዕሉ ዝውስነሉ ደረጃ ንቕሓት ክውንን ዝጽዕር(Empowerment)፣ ብወሳኒ ተርኡ ህዝባዊ ወሳንነትን ረብሓን ዘቐድም። ብህዝባዊ ቅዋምን ሕግን ተማእዚዙ ዝኸይድ።

መብዛሕትና ብጹሑፋትና ብመደረታትና እዚ ኩሉ ኢና ንብል፤ ብተግባር ግን ሓቢርና ክንሰርሕ ተኸባቢርና ክንከይድ ኣይበቓዕናን። ኣብ ምክሳስን ሕድሕድ ምቅንጻላትን ጊዜና ነባኽን። እቶም ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝተባህሉ ረቛሒታት ስለ ዘየማላእና’ዩ። ገና ናይ ነዊሕ ጠመተን ግሉጽነትን  ዘለዎ ሓያል ኣመራርሓ ስለ ዘይወነና ኢና።

ሃገራት ኣፍሪቃ ነጻነተን ካብ ዝረኽባ ዳርጋ 70 ዓመት ኰይኑ ፣ እንተዀነ ግን ክሳብ ሕጂ ግዳይ ድሕረትን ዉሽጣዊ ግርጭትን ብምዃን ካብቲ ነጻነተን ዝረኸባሉ መዋእል ብኹሉ መዐቀኒታት ዝረኤ ኣውንታዊ ምዕባሌ ኣየርኣያን እንተበልና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ በዓል ሙጋበ ከም ኣብነት እዩ።

ከምኣተን ኰና ከይንተርፍ ሃብታም ተሞክሮ ቃልስናን ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ሕሱም ስቓይን መምሃሪ ጌርና ጥዑይን ምዕቡልን ባህሊ ምጽውዋር ምክብባር ነዘውትር ፣ ሃገርን ህዝብን ከነድሕን ።

ዓወት ንዉጽዕ ህዝብና

ዕንወት ንኹሎም ጸላእትና

ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና

ሓምለ 30, 2016

ተስፋይ ክፍለ(ደላይ ፍትሒ)