14
Wed, Nov

ካብ ዘመን ጥሪ - ለካቲት 2018 ቅጺ. 4 . 7 

ቁጭ ብዩ የሰቀልኩትን ቆሜ ማውረዱን ኣቃተኝ”(/ኰለኔል ፍሥሓ ደስታ)

ፖለቲካውን ብረታውን ቃልስና ዝፈጠሮ ኣሉታዊ ተመኵሮን፡ ዽሕሪ ነጻነት ምርካብናውን ዘኸተሎ ጨካን ፋሺሽታዊ መግዛእቲ ብወዲ ሃገር ክንግምግም እንከሎና መሰረታዊ ጠንቁ ህዝብና ዋና ቀላሳይ ናይ ሰውርኡ ክኸውን ስለ ዘይተገብረ’ዩ፣ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ኣረኣእያ ወኒኑ ናይ መሪሕ ግደ ክጻወት ዝኽእል ሓያልን ብቑዕን ለባም መሪሕ ስለ ዝሰኣነ’ዩ። ንመዋእል ብመሪርን ነዊሕን ቃልሲ ዝላደየ ህዝቢ ፣ ሰፍ ዘይብል ሰብኣውን ንዋታውን ዋጋ ከፊሉ ዝረኸቦ ነጻነት ብፋሺሽታዊ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍን ተሓባበርቱን ተባሒቱ ፍትሕን ሰላምን ሓሪምዎ ዘስካሕክሕ ሂወት የሕልፍ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ መንገዲ ጥፍኣትን ምብትታንን ከየምርሕ ኣዝዩ ዘስግእ እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣስፊረዮ ዘለኹ ኣርእስቲ ከቐምጥ ከለኹ እቲ ኣብ መዋእል ፋሺሽታዊ ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ኩነታት ምስቲ ኣብ ኤርትራ ህዝብና ዝሓለፎን ዘሕልፎ ዘሎ ተመክሮ ተመሳሳሊ ባህሪያት ኣለዎ ንምባል ዝኣመተ እዩ።

ፋሺሽታዊ ደርጊ ንወድዓዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ማለት ነቲ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ዝነበረ ብተማሃሮን ሰራሕተኛታትን ገባርን ገለ ሰብ ጽሩራን ዝተላዕለ ናይ ለውጢ ናዕቢ ጨውዩ ናብ ስልጣን ሓዅሩ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ወታሃደር ጥራይ’ዩ ጥርኑፍን ውዱብን ዝነበረ፣ እቶም ነዚ ናይ ለውጢ ቃልሲ ንነዊሕ እዋን መሪሖም ናብዚ ደረጃዚ ዘብጽሕዎ ጉጅለታት ከም በዓል ኢህኣፓን ፣ ምኤሶን ካልኦትን ፡ ጥርኑፋትን ሓያላትን ኰይኖም ስለ ዘይጸንሑ ነቲ ለውጢ ናብ ህዝባዊ ዋንነት ከሳጋግርዎ ኣይከኣሉን። ብተወሳኺ ኣብ ነንሕድሕዶም ኣብ ግርጭት ተጸሚዶም ነቲ ህዝባዊ ባህጊ ክምልሱ ኣይበቕዑን።

ፋሺሽታዊ ደርግ መብዛሕትኡ ብወታሃደራት ዝቘመ ኰይኑ ነዚ ሃጓፍ’ዚ ተጠቒሙ ስልጣን ምስ ሓዘ ጊዝያዊ መንግስቲ ኢሉ ብምእዋጅ “ኢትዮጵያ ትቕደም” ዝብል ጭርሖ ኣምሪሑ ስልጣን በሓተ፤

መፈውንታ ናይ ቅንጸላ መደቡ ጅምር ከየበለ 60 ኣባላት መስፍናዊ ስርዓት ሃይለስላስሴ ብጃምላ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ረሺኑ ፣ ቅንይ ኢሉውን ንጀነራል ኣማን ዓንዶም ብምቕታል ዓለም ብፋሺሽታዊ ተግባራቱ ኣሰንበደ። ንስልጣነይ የስግኡኒ’ዮም ዝብሎም ባእታታት ጉጅለታት ምንቅስቓሳት ኩሎም ጸረ- ኣብዮት እናበለ ቅንጸላዊ ወፍሩ ቀጸሎ።

ነቲ ናይ ለውጢ መራሒ ዝዀነ ምሁርን ሰራሕተኛን ድማ ብስም “እድገት በሕብረት” (ብሓባር ንምዕባሌ) ዝብል መደብ “ዘመቻ”(ወፍሪ) ኣውጺኡ ፈቐዶ ክፍለ ሃገራት ፋሕ ኣበሎ። ፋሽሽታዊ መራሒ ደርግ ሻለቃ መንግስቱ ሃይለማርያም ስለያውን ጸጥታውን መሓውራቱ ኣደልዲሉ ብስም ሓድነት ኢትዮጵያ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ኣጥፈኤ። መሰል ዜጋታትን ብሄራትን ጨፍሊቑ ፣ ንሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ክድምስስ ወሰነ። ንምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግዳይ ናይ ውግእን ጥፍኣትን ክኸውን ገበረ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራውን ብዙሕ ግፍዒ ፈጸመ።

ኣባላት ደርግን ተሓባበርቶምን ከምታ እናጣቕዑን እናምለኽዎን እኳ ኣብ ስልጣን እንተምጽእዎ ከውርድዎ ግን ኣይከኣሉን። ብኣንጻሩ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዓላማ ዝተዓጥቁ ጀጋኑ ህዝባዊ ሰራዊት ህ.ው.ሓ.ትን ኢህደንን ኦህደድን ካልኦትን ብዓቢኡ ከኣ ሰውራ ኤርትራን ተሳዒሩ ፋሺሽታዊ መራሒ ደርግ መንግስቱ ሃይለማርያም ሃገር ጠንጢኑ ሃደመ።

እምበኣርከስ እቲ ምስ ኩነታትና ከዛምዶ ዝደለኹ ኣመጻጻኣ ፋሺሽታዊ መራሒ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ተሓባበርቱን ኣብ ውሽጢ ሰውራናን ዽሕሪ ነጻነትናን ዝተኸተሎ ኣገባብ እዩ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዋእል ቃልሲ ብሕቶ ነጻነት ተኸዊሉ ብእዋኑ ስለያውን ጸጥታውን መሓውራቱ እናደልደለ ብምኻድ ናይ ውድብ ሂወት ተቛጻጺሩ ንጀጋኑ ዜጋታት ዝተፈላለዩ ኣስማት እናጠመቐ ብስዉር እናኣግለለ መጺኡ ፡ ንተጋደልትን ሓፋሽ ዉድባትን ኣብ ሕድሕዶም ምትእምማን ከይህሉ ጌሩ። እቶም ዝተረፉ መሪሕነትውን ምእዙዛት ናቱ ኰይኖም ከምዝኸዱ ብምግባር ገባርን ሓዳግን ናይ ዉድብ ኰይኑ ገቢሉ ሃገር ኣትዩ።

መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ካድራቱን፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ንውድብ ተቛጻጺሩ ስልጣኑ ዘውሕሰሉ መንገዲ እናተኸተለ ክኸይድ ከሎ ስቕታ ብምምራጾም ናቱ ስልጣን ኣብ ምጥጣሕ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብሩ ኔሮም’ዮም። ሓደ ክቕንጸል ፡ ሓደ ክድስክል ወይ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ፣ ገሊኡ ድማ ነብሱ ቀቲሉ እናተባህለ ክጠፍእ ከሎ፡ ክሳብ ኣብ ነብሶም ትመጾም ሪዒሞም ክኸዱ መሪጺም። በብሓደ ከኣ ኣርኪባቶም። ካብኣቶም ሓሊፉ ድማ እነሆ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢኡ ይፍደዮ ኣሎ።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ስልጣን ምስ ሓዘ ሓሸወየ ናይ ዉድባት ኣየድልን ኢሉና፤ ጽንሕ ኢሉ ምጽልጻል ተጋደልቲ ዝብል መደብ ብምምጻእ ብዙሓት ኣፋንዩ ፣ ንተማሃሮ ዩኒቨርስትን ካልኦትን ድማ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል መደብ ኣውጺኡ ናብ ወታሃደራዊ ታዕልም ኣውሪድዎም። እዚ ኩሉ ግን ንምልካዊ ስልጣኑ ከይፈልጥዎን ከይምክትዎን ስለ ዝሰግኤን ስልጣኑ ከጣጥሕ ስለዝደለየን ጥራይ እዩ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ሓልዩ ኣይኮነን ፣ ክጻብኡኒ’ዮም የስጉኡኒ’ዮም ኢሉ ንዝጥምቶም ኣካላት ድማ ቀልጢፉ ክውግኖም ስለዝደለየ እዩ።

ኣረሜናዊ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደፍ. ነቶም ኣብ ቃልሲ ሰንኪሎም ዝኣተዉ ጀጋኑ ዜጋታትና ናብራ ክመሓየሸሎም ሰላማዊ ሰልፊ ስለዝገበሩ ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ወሲድሎም ከይኣክል ንሃገርና ምስ ጎረባብቲ ኣብ ኲናትን ህውከትን ጸሚድዋ፣ ነቶም ጀጋኑ ተባሂሎም ሰውራ መሪሖም ሃገር ዘረከቡ ህዝቢ ክብ ዝበለ ክብረትን ኣድናቖትን ዝሃቦም መራሕቲ ድማ ሕቶ ብምቕራቦም ዓፊኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒንዎም። ደርጊ ከኣ ልክዕ ከምኣ እዩ ጌሩ።

ኣብዘን ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝዀና ናይ ነጻነት መዋእል ህዝብና ኣብ ታሪኹ ሪኢዎም ተሞኪርዎን ዘይፈልጥ ሕሱም መግዛእታዊ ጭቆና ብወዲ ሃገር በጺሕዎ ፣ ሃገር ናይ ሓደ ገባርን ሓዳግን ጨካን ፋሽሽቲ ውልቀ-ሰብ ኰይና ትኸይድ ከምዘላ ከኣ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ዝዕዘቦ ዘሎ ሓቂ’ዩ።

ክቱር ስነ-ኣእምራዊ ኣምልኾ ተነቢርሉ ውሽጣዊ ባህሪያቱ ሓቢኡ ንጀጋኑ ተጋደልትን ሓፋሽ ዉድባትን ኣብ ዘይትግበር መብጻዓታት እናጠበረን እናታለለን ሃገር ዝኣተወ ጨካን መራሒ ሎሚ ብዘይካቶም ብረብሓን ድሕረትን ዝተገዝኡ ዜጋታት መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ ባህርያቱ ፈሊጥዎ እዩ።

ዝዀነ ምልካዊ ስርዓት ዘመድ ወይ ብቐረባ ዝፈትዎን ዘኽብሮን ሕ/ሰብ፡ ብሄር፡ ሃይማኖት ፡ ዓሌት ወዘተ... የብሉን። እኳ ድኣ ነዚ ፍልልያት’ዚ እናጋጨወን እናናኸሰን ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ እዩ ዝደሊ። ንኹሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቍጠባውን ትካላት ሃገር ኣብ ምሉእ ቍጽጽሩ ኣእትዩ ብስለያውን ጸጥታውን ወታሃደራውን መሓውራቱ ዝገዝእ ምልካዊ ስርዓት ኣሎ እንተተባሂሉ ህ.ግ.ደ.ፍ ህያው ኣብነት’ዩ።

እምበኣርከስ ባህርያት ደርግን ህ.ግ.ደ.ፍን ዕሉላት ፋሺሽታውያን መራሕቶምን ተማሳሳሊ’ዩ፤ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ደርግ ብህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ሓይሊ ተሳዒሩ። ህ.ግ.ደ.ፍን ጨካን መራሒኡ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ግን ገና እረግጹና ኣለዉ። እቲ ሽግሩ ድማ ናይ ባዕልና ዉሽጣዊ ድኽመት’ዩ ፣ ካብቲ መሪርን ነዊሕን ኣሉታዊ ተሞክሮና ተማሂርና ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ራኢ ዝውንን ሓያልን ለባምን መሪሕ ስለ ዘየጥረና እዩ።

ኢሰያስ ኣፈወርቅን ጉጅልኡን ሎሚ ካብ ስልጣኖም ንምውራድ ኣሸጊሩና ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናብ መንገዲ ጽንተትን ጥፍኣትን የምርሕዎ ምህላዎም ብተኸታታሊ ንዕዘቦ ዘሎና ሓቂ’ዩ።

ኣብዚ ፈታንን ወሳንን እዋን ስነ-ኣእምራዊ ብስለት ጌርና ፍልልያትና ንጎድኒ ገዲፍና በብፖለቲካዊ እምነታትና ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፍና ህዝብና ንምድሓን ቀዳምነት ንስራዕ፤ ነዚ ጨካን ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍን ተሓባበርቱን ሓቢርና ክንኣሊ እንተ ዘይተበጊስና ግን ኣብ መንገዲ ጥፍኣትን ምብትናንን ሃገርን ህዝብን ተዘዋዋሪ ተራ ኣለና ጥራሕ ዘይኮነስ ብታሪኽ ተሓተትና ምዃንና ክንግንዘብ ይግባእ።

እዚ ሓላፍነት’ዚ ንተቓወምቲ ውድባትን ዝተወደቡ ደለይቲ ፍትሕን ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። የግዳስ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብፍላይ ነቲ መብዛሕትኡ ኣጽቂጡ ተዓዛቢ ክኸውን ዝመረጸ እውን ዝብጸሖ እዩ። ስለዚ ብዘይውዓል ሕደር ጸረ ህግደፍ ንበገስ።

ታሪኻዊ ገበን ከይንፍጽም

ብሓድነትና ህዝብና ነድሕን

ንኹሎም ስውኣትና ክብርን ሞጎስን

ተስፋይ ክፍለ(ደላይ ፍትሒ)

ካብ ዘመን ጥሪ - ለካቲት 2018 ቅጺ. 4 . 7

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ከምዝተራእየ ሓባሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ጠንቂ ናይቲ ቅልውላው እቲ ገዛኢ ፓርቲ ዉሽጡ ገናጺሉ ካብቲ ባዕሉ ንውሽጡ ዝነቐፎ ንላዕሊ ሕጂ ክንውስኸሉ ንኽእል የለን። ብዝተፈላለየ ቃላት ተጠላቒና ኢና ጸኒሕና ኢሉ ነብሱ ፈቲሹ ፍታሕ ኢሉ ዝርእዮ ዘበለ ኣብ ምትግባር ተዋፊሩ ኣሎ። ንዓና ንኤርትራውያን ከም ኣብነት ክንርእዮን ክንጠቕሶን ዝግበኣና እውን እዚ ኮይኑ እስመዓና። ኣብ ኢትዮጵያ ተጠላቒና ጸኒሕና ኢልካ እሱራት ትፈትሕ፡ ርእይቶ ህዝቢ ሰሚዕካ ነብስኻ ተመዓራሪ። ኣብ ኤርትራ ከኣ ተጠላቒና እንተኢልካ ንማእሰርትን ንሕልፈትን ትፍረድ። ኣብ ኢትዮጵያ ደሞክራሲያዊ መድረኻትና ጸቢቡ ንተቃወምቲ ከምቲ ዝግባእ ኣይነተኣናግድን ኣለና ኢሎም ምስ ተቓወምቲ ምምኻርን ዝያዳ ባይታ ክህልዎምን ይግበር፥ ኣብ ኤርትራ ድማ ብዘይካ ናይ ህዝባዊ ግንባር ካልእ ፖለቲካ ኣሎ ኢሉ ዝኣምን እንተልዩ ኣብዛ ዘለናያ ዓለም ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ዓለም ክነብር ኣለዎ ይበሃል። ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ኣውያቱ እንተኣስሚዑ (ብሕማቕ ኣጋጣሚ ዝበርስ ንብረትን ዝሓልፍ ህይወትን ገዲፍካ) እቲ ገዛኢ ፓርቲ ንህዝቢ ይቕረ በለልና በዲልናካ ኢና ክብል ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወጺኡ ይቕሬታ ይሓትት። ኣብ ኤርትራ ድማ ይትረፍዶ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ይውረድ ምባልሲ ናብራ ከቢሩና እንተበለ እውን ኣብ ኣፍደገ ገዛኹምዶ በጊዕ ዘይሓረድናልኩም ደሊኹም እዩ ይበሃል። ነገሩ ኣብ ውድድር እውን ዝቐርብ ኣይኮነን።

ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ካለኦት ጎረባብትና ይትረፍዶ ፖለቲካዊ ተሳትፎ  ምጽባብን ርእይቶኻ ናይ ምግላጽ ነጻነት ተነፊጉካስ፡ ባኒ ከቢራትና ኢልካ ኣብ ጎደናታት ወጺእካ ተቓውሞኻ ምስማዕ ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ግን ባኒ እንተኸበረ ይኹን ሰብ እንተሓሰረ  ኣብ ጎደናታት ወጺእካ ኣቤት ምባል ተሳኢኑ ኣሎ። ብርግጽ! ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ሓደ-ክልተ ሰባት ኣብ ፈይስቡክን ኣብ ፓልቶክን ጎሮሮኦም ክሳብ ዝልሕትት - ንሕና ኤርትራውያን ፈራሓትን ጃጀውትን ኢና ኢሎም ክምድሩ ዝሓድሩ ዘይኮነስ፡ ኤርትራውያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ጅግንነትና ዘመስከርና ኢና። የግድስ ጀጋኑ ክንከውን ዝገበረና ናይ ብረታዊ ቃልሲ ኩነታት ኔሩ፡ ሕጂ ከኣ ከምዚ ዘለናዮ ክንከውን ዝገብረ ናይ ልዕሊ 26 ዓመታት ናይ ህግደፍ ኣረሜናውን ተባላሓትን ትካል ኣሎ።  ህግደፋዊ ትካል ይትረፍዶ ቀደም ብሓያሉስ ሕጂ ተዳኺሙ እናሃለወ እውን ጽቡቕ ክሰርሕ ደኣዩ ዘይክእል እምበር ንሕማቕሲ ደቂሱ ዝሓድር ኣይኮነን። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ነቲ በብእዋኑ ሰማይ ዝድይብ ዘሎ መነባብሮ ኤርትራውያን መንቀሊ ዕግርግር ከይከውን ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂውን ኣተኩሮኡ ናብ ደገ ጌሩ ካብዚ ናትና ዝኸፍእ እውን ኣሎ ኢሉ ነቲ ናቱ ኣዝዩ ክፉእ መነባብሮ ርዒሙ ክነብር ይገብር ኣሎ። እዚ ጥራሕ ግን ኣይኮነን፡ እቲ ሰራም ህግደፍ ኣብ ሕድሕድና ሰላምን ቅሳነትን ከይንረክብ ወግሐ ጸብሐ ዝተፈላለየ ኣጀንዳ እናፈጠረ ኣብቲ ንሱ ክንውዕሎ ዝደልየና ክንውዕል ይገብር ኣሎ። ሰራምን ፈላላዪን መልእኽትታት ህግደፍ በቶም ብኸብዶም ዝተሸጡ ኮሮኹሩን በቶም ብድንቁርና ዝተበልዑ የዋሃትን ኣቢሉዩ ኣብ መላእ ህዝብና ዝላባዕ ዘሎ።

ህግደፍ ኩሉ መደረኡ ወያነ እናበለ ኣብ መንጎ ውድባት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላምን ቅሳነትን ከይነግስ ካብ ዝሰርሕ ዓመታት ኣቊጺሩ ኣሎ። እዚውን ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ድሌት ህዝቢ ከይነማልእ ጸላእቲ ዓንቂጾሙና ንምባል ክጥዕሞ እንተዘይኮይኑ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝህድድ ፖለቲካዊ ይኹን ወተሃደራዊ ኩነታት ስለ ዘሎ ኣይኮነን። ወዮ ደኣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ዝበሎ ሎሚ ክኽሕዶ ኣይእግሞን እዩ እምበር፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ኩነታት ከነብጽሖ ኢና ዝበለ ሰብኣይ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ብዶብ ኣሳቢቡ ኣሻሓት ኣሓትናን ኣሕዋትናን ከጥፍእ ኣይምተገበአን። ግን ከኣ ባህርያቱ እዩ`ሞ ኣይገርመናን ከኣ። እቲ ዝገርም ግና እቲ በብእዋኑ ብዘረባ ናይቲ ፈጣጥ ሓሶት ዝምድር መራሒ ክታለል ዝነብር ህዝብና እዩ። ኣብ ወውሻጥኡ ዘይተበደለ ኤርትራዊ ዘየለ እንከሎ ህዝብና ክሳብ ክንድዚ ተዓዚሙ ክነብር ምዃኑ እዩ። እዚ ግን ተሰሪሑሉ እዩ።  እቲ ቀስ እናበለ ክተኣታቶ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ውድባዊ ባህሊ ህግደፍ፡ ቀስ ብቐስ ናብ ሙሉእ ሃገር ልሒሙ ሕጂ ሃገርና ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ውድቀት ክትወርድ ጌርዋ ኣሎ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣዕናዊ ወፍሪ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብዓይኒ ምሕረት ዘይረኣየ ንኻለኦት ህዝብታት ሰናይ ክትምነ ኢልካ ትጽበዮ ኣይኮነን።   

እዚ ሕጂ ህግደፍን መሻርኽቱን ተታሓሒዞሞ ዘለዉ ጸረ ኢትዮጵያ ወፍሪ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ህዝቢ ተግባራት እዩ። ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ምዃን ልክዕ ከምቲ ህዝባውነት ደረት  የብሉን። እቲ ፍልልይ ውልቃውን ጉጅላውን መበገሲ ዝገብር ሓይሊ ንዘላቒ ረብሓታት ህዝብታት እናረገጸ ዝኸይድ ምዃኑ እዩ። ህግደፍ ከኣ ልክዕ ከምኡ እዩ ዝገብር ዘሎ። ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ቅሳነት ክሰኣን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘይቅሳነት ኣጋኒኑ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መልእኽትታት ከሕልፍ ምጽንሑ እዩ። ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ሕማቕ ናይ ጎረቤት ኣይምነን እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ሕማቕ እንተኣጋጢሙ ንኤርትራ ብዝኾነ መለክዒ ጽቡቕ ዝህብ ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ብዓቢኡ ህዝባዊ እምበር ወተሃደራዊ ኣይኮነን። ኣብ ወተሃደራዊ ግጥሚያ ኣቲኻ ኣብ ውሽጢ እቲ ዘጥቅዓካ ዘሎ ሓይሊ ሕንፍሽፍሽ እንተተፈጢሩ ንረብሓኻ ክትጥቀመሉ ትኽእል ትኸውን። ካብኡ ሓሊፍካ እውን ተባላሒትካ ወተሃደራዊ ሕንፍሽፍሽ ጸላኢኻ ክትኣልም እንተሓደርካ እውን ትምስገነሉ እምበር ዘውቅሰካ ኣይከውንን። ህዝቢ ከም ህዝቢ ከተናኽስ እንተፈቲንካ ግን መዘዙ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኤርትራን ዘለዉ ስርዓታት እንተስ ጽቡቕ እንተስ ሕማቕ ታሪኽ ገዲፎም ክሓልፉ እዮም። ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ግን ዘለኣለም ነበርቲ እዮም። ተጓራቢትና ምንባርና ዘይተርፈና ጥዕናና ዝሃስን ዕምርና ዘሕጽርን መረረ ካብ ምንዛሕን ተንኮል ካብ ምእላም ተገላጊልና ፍቕርን ሕውነትን ዘንግስን፡ ናብራና ዘመሓይሽን ዕርቅን ሰላምን ዘንግስን እንተሰራሕና እዩ እቲ ታሪኽ እውን እንተኾነ ብዓይኒ ምሕረት ዝርእየና።  

ኤስደለ ኣብ ኢትዮጵያ ተከሲቱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዘይምርግጋእ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ግቡእ መፍትሒ ተረኺቡሉ ህዝብታት ኢትዮጵያ ተሳንዮምን ተፋቒሮምን ኣብ ጎደና ሰላምን ብልጽግናን ክምርሹ መትከላዊ እምንትኡ ምዃኑ ክገልጽ እደሊ። ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘሎ ናይ ውጹዓት ኩሉ መዳያዊ ጠለባት ካብቲ ንሕና ከም ተቓለስቲ ሒዝናዮ ዘለና ጠለባት ፈሊና ስለ ዘይንርእዮ ድማ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብዕግበት ተበጊሱሉ ዘሎ ጠለባት ህዝቡ ከማልእን ተግባራዊ ክገብርን ዘለና እምነት ንገልጽ። ናይ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣሉታ ዝጸሉ ስለ ዝኾነ ኣይንደልዮን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣይንሓልሞን እውን። ወዮ ደኣ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ክንበጽሕ ኣይከኣልናን እምበር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግር ሓው ዝኾነ ህዝቢ እንታይ ክንሕግዝ ኢልና ንውከሶ እዋን ክኸውን እዩ ዝግባእ ኔሩ።

ሰላምን ቅሳነትን ንኹሎም ጎረባብትን ውጹዓት ህዝብታት ዓለምን  

ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ቃልሲ ሓድሽ ኣቀራርባን፣ መንፈስን፣ ከም ዘድልዮ ዝተረድአ ማሕበርና፣ ክንዕወት ክንተኣማመን እውን ከምዘድየና ንፈልጥ። ክንተኣማመን ከኣ ብተግብር ብሓደ ምስራሕን ምስምማዕን ከምዘድየና ንቕበል። ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ንሰማምዕ ከምቲ ናይ እንግሊዝኛ “ለት’ስ ኣግሪ” (Let’s agree) ማለት ኣይኮነን። እንታይደኣ “ኣነ ዝረቦ ዘለኹ ስምዓዮ፡ ንስኻ ትዛረቦ ዘለኻ ከኣ ክሰምዓካ” ማለት እዩ

Read more ...

ክቡራት ተኸታተልቲ መድረኻዊ ኣርእስትታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ነቲ ብምኽንያት ጽንብል በዓል ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ግንቦት 24 2017 ኣብ መድረኽ ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ዘመሓላለፍክዎ መልእኽቲ፣ ጉዳይና ምእንቲ ዘኽሙ (Momentum) ከየጥፍእ ክብል 2ይ ክፋል ኣተሓሒዘ ክሰደልኩም ግድን ኮይኑ ኣሎ። ኣብ መልእኽተይ ኣተኩሮ ዝገበርክሉ ጉዳይ ዘተ ፖቲካዊ ውድባት ሃገራዊ ባይቶ’ዩ ነይሩ።

Read more ...

ካብ ዘመን ጥሪ - ለካቲት 2018 ቅጺ. 4 . 7 

እዚ በብዓመቱ ዝኽበር ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣመሪካ ንመሰላተን ከውሕሳ ነቲ ዝወርደን ዝነበረ ደርባዉን ማሕበራውን ጸቕጥን ፍልልያትን እምቢ ብምባል ከቢድ ዋጋ ዝኸፈላሉ መዓልቲ ንምዝካርን ነቲ ክሳብ ሕጂ መሊኡ ዘይተፈትሐ ጭቖና ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብቀጻሊ ቃልስታት ንክፍታሕ ምጽዓርን እዩ።

Read more ...

 

"ብሓድነትና ንድሕነት ህዝብናን ሃገርናን" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተጸወዐ ሰሚናር ናህዳ

ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞን ብደሆታቱን መጻኢ ዕድላቱን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ጽሑፍ

ብ ዮሃንስ ኣስመላሽ

 ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ውድብ ናህዳ

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ

22 ሓምለ 2017

ኣቐዲመ ሕውነታዊ ሰላምታይ እናኣቕረብኩ ኩላትና ተኣኪብና ኣብ ጉዳይ ሃገርና ሓቢርና ንኽንዝቲ  መድረኽ ዝኸፈትኩሙልና ኣባላት ውድብ ናህዳ ካብ ልቢ ከመስግነኩም እደሊ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ንዓና ንደንበ ተቓውሞን ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣርእስቲ፡ ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞን ብደሆታቱን መጻኢ ዕድላቱን ብዝብል ኣርእስቲ ሓሳብ ከቕርብ ንዝሃብኩሙኒ ዕድል ኣመስግን።

 

Read more ...

More Articles ...