መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ከምዝብሃል እነሆ ኣረጊት ዓመት ሓሊፉ ብሓድሽ ዓመት ክትካእ ባህሪያዊ’ዩሞ ፣ 2020 ዓ.ም. ድማ ናብ 2021 ዓ.ም. ዝሰጋገረሉ እዋን ኣቲና ንርከብ።
ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ኣብ ትሕቲ ጨካን መግዛእቲ ፋሺሽታዊ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. መሪርን ሕሱምን ህይወት ከተሕልፍ ኣደዳ ስቓይን መከራን ስደትን ብርሰትን ኮይንካ ሰላም ዝተሓረምካ ሕ/ሰብ ኢኻ። ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዋጋ ከፊልካ ዘምጻእካዮ ነጻነት ናብ ሕሱም ባርነት ተለዊጡ ዓመት መጸ መነባብሮኻ እናኸፍኤ ወሎዶታትካ እናጸነተ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ተሓሪምካ ህላወኻ ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝወድቀሉ ህሞት ተሳጢሕካ ትርከብ።
ኣብ ልዕሊ ዘላታ ተወሰኸታ ከም ዝብሃል ድማ እነሆ ዓመተ 2020 ኣብ ዓለምና ተራእዩ ዘይፈልጥ ሕማም ኮሮና ዝብሃል ናይ ሚልዮናት ህይወት ክቐዝፍ ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ንህዝብና ምስቲ ዘለዎ ድኽነትን ክፉእ መነባብሮን ዝኾነ ዓይነት ቀረብ መድሃኒት ዘይርከቦ ሂወትን ተወሳኺ ንሞትን ብርሰትን ህዝብና ዘቀላጥፍ፣ ንፋሺሽታዊ ዕላማ ጉጅለ ህግደፍ ዘማልእ ሕማቕ ተርእዮ እዩ።
ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራሲያዊ ለውጥን ድማ ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ባህርያት ፋሺሽታዊ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብንጹር ተራእዩ’ዩ፤ ብስም ሰላም ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተዋፈረሉ ህዝብና ዘይፈልጦ ምስጢራዊ እከይ ውዕል እነሆ ሎሚ ተጋሂዱ፣ ልኡላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእቱ ንዕዘብ ኣሎና።
እቲ ብስቱር ምስ ኣቢይ ኣሕመድ እናተራኸቡ ዝውጥንዎ ዝነበሩ ናይ ኲናት ዕላማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ወያነን ተጀሚሩ ልዕሊ 40 መዓልታት ጌሩ። ፋሺሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ብምሉእ ሓይሉ ተሳቲፉ ንህዝብና ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ መንእሰያትና የጽንት ኣሎ።
ህዝቢ ኤርትራ ተገዲዱ ኣብ ዘይምልከቶን ዘይሕጋውን ኲናት ምእታው ሓዲሽ ኣይኮነን፣ እዚ ሕጂ ንህዝቢ ትግራይ ንምጽናት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምሉእ ምክልኻል ሓይሊ ኤርትራን ዝተረፈ ተካኢ ወለዶን ኮነ ኢሉ ከጽንት ዝዓለመ’ዩ፤ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ህላወኦም ንምድምሳስ ዝተወሰነ ፋሺሽታዊ መደብዩ፣ ኣዝዩ ድቃስ ዝኸልእን ዘታሓሳስብን እዩ።
እምበኣርከስ ክቡር ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ሓይልታትን ኩሉ ደላይ ፍትሕን እዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሓደጋ ብዕቱብ ተመልኪትና ኩሉ ሓዲግና ብሓድነት ክንምክቶን ክንገጥሞን ውዓል ሕደር ዝበሃለሉ ሰዓት ኣይኮነን ፤ ክቡር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘለኻዮ ሃለዋት ኣዝዩ ጽንኩርን ሕማቕን ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ ኣብዛ እዋን’ዚኣ ግን ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ተሰሊፍካ ንፋሺሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ክትጉሕፍ ህዝብን ሃገርን ከተድሕን ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣሎካ፡ ኣጆኻ ትባዕ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ተቓወምቲ ሓይልታትን ኣብ ጎናኻ ኣሎ።
ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከብ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ እዚ ንኣትዎ ዘሎና ሓዲሽ ዓመት 2021 ዓ.ም.ፈ ካብቲ ንዓመታት ዝሓለፍናዮ ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ዝሓረሞ ሂወት ክቕየረልና፡ ዋናታት ሃገርና ኮይንና ዓዲ ሕግን ፍትሕን ጌርና ቀጻሊ ወለዶ ኣብ ሰላምን ቅሳነትን ፍቕርን ስኒትን ዝሰፈኖ ሂወት ክነብር ውድብና ኤስደለ ሰናይ ትምኒቱ ክገልጽ እደሊ።
ብተወሳኺ ኣዚ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ለበዳ ኮሮና መድሃኒት ተረኺብዎ 2021 ዓ.ም. ናብ ንቡር ሂወት ንኣትወሉ ዓመት ክገብረልና እውን ንምነ።
ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና
ዕንወት ንጸላእትና ህግደፍን ተሓባበርቱን
ዘላቒ ሰላምን ራህዋን ንህዝብና
ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና
ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ኤስደለ