25
Tue, Apr

ዜና
Typography

 

ዜና

ጀጋኑ ዕጡቓት ናይ ፕሮፓጋንዳን ውደባን አሃዱታት ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደ.ም.ሳ.ኤ)ን ኤርትራዊ ስምርት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤ.ስ.ደ.ለ)ን፡ ካብ ዕለት22-24/10/2016 አብ ዝገብርዎ ሓባራዊ ወፍሪ፡ ዕዉት ናይ ምንቅቓሓን ውደባን ዕማሞም ብምስልሳል ብሰላም ናብ ቦታኦም ተመሊሶም። ዕጡቓት ናይ ፕሮፓጋንዳን ውደባን አሃዱታት ደ.ም.ሳ.ኤን ኤ.ስ.ደ.ለን ኣብ ዝገበርዎ ዕዉት ወፍሪ፡ አብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ምምሕዳር ዕንደሊን ንኡስ ዞባ ሰንዓፈን ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባታት አካይዶም፡፡ ካብ ህዝቢ ንዝቐረበሎም ሕቶታት’ውን ግቡእ መልሲ ሂቦም።

ዕጡቓት ናይ ፕሮፓጋንዳን ውደባን አሃዱታት ደ.ም.ሳ.ኤን ኤ.ስ.ደ.ለን ብተወሳኺ፡ “መጽዋዕታ ኤስደለን ደምሳኤን ንደለይቲ ደሞክራሲያዊ ለውጥን ፍትሕን ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንውጹዕ ህዝብና፣ ናብ ውጹዓት ኣባላት ምክልኻል ሃገርን ምልሻን ዘትኮረ ናይ ቃልሲ ጻውዒት ዝሓዘለ ወረቐት ዘርጊሖም።

ዕጡቓት ናይ ፕሮፓጋንዳን ውደባን ኣሃዱታትና ወሲኽዕም ከምዝሓበርዎ፡ ደምሳኤ፡ ነቲ ብ25-29/ 09/ 2009 ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ዲዖት “ይኣክል መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ!” ክብሉ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ደቂ ብሄረ-ሳሆ ንዝፈጸሞ ጭፍጨፋን ዝተኸፍለ መስዋእትን ኣመልኪቱ፡ ጀጋኑ ስዉኣት ዲዖት ን7ይ ዓመት ብምዝካር፡ ብደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ(ደምሳኤ)፡ ንዝኽሪ 7ይ ዓመት ስውኣት ድዖት ኣመልኪቱ ዘውጽኦ ውድባዊ መግለጺ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ውድባዊ መግለጺ ናብ ህዝቢ ዘርጊሖም።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ አብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተዘርገሐ መግለጺታት ንምርኣይ፡ ኣብ መርበባት ሓበሬታ www.mirad.net   or     www.zemen.org ተወከስ።

               ሓባራዊ ሽማግለ፡ ዜናን ባህልን ደምሳኤን ኤስደለን

           26/10/2016