10
Mon, Dec

ግጥሚ
Typography

ዘመን

. . . . . . . . . . . . . . . . . . . . . .. . . . . .. . . . . . .. . . . . . . . . . . . . . . . . . . . . . . . .. . . . . .. . . . . . .. . . . . . . . . . . . . . . . . . . . . . . . .. . . . . .. . . . . . .. . .

ብ›ጴጥሮስ ተኽሉ፡ (ሓላዪ) 24/07/2014

ኣንታ ደራሲ ጸሓፊ ወራቂ

እቲ ቃላትካ ይበልጽ ካብ ኣልማዝ ካብ ወርቂ

ሰነድ ኢኻ፣ መጽሓፍ፡ ናይ ታሪኽ ብራና

ኩሉ ኣዋህሊልካ ትሕብር ህዝብና፡

    ተኣምር ትነግር መስተንክር ትሕብር

    ብርሃን’ዩ ጽሑፍካ ድቁስ ዘበራብር

    ሰነዳትካ ክገናጽል ብደሓር ክርኢ

    ብቅያ መጽናዕትኻ መንፈሰይ ይረዊ፡

ዘስምረሉ’ሎ ዘድምቆ ብምግራም

ሃብታም ተሞክሮኡ ዝሕብር ምእራም

ሓንሳብ ሓንሳብ ክርናዕ ይዓጽፍ

ተመሊሰ ይደግሞ ከጽፍፍ፡

    ኣብ ጎኒ መዳቅሶይ ኣብ ጥቃ ትርኣሰይ

    ተጎዝጒዘያ ይሓድር ከርዊ መንፈሰይ

    ደቂሰ ዝቕጽል ብሕልመይ ዝሪኦ

    ቦቊሉ ይሓድር እቲ ዘመን ዝዘርኦ፡

ኣብ ተመዛዝ ኣየንብረካ ኣብ እንዳ መጻሕፍቲ

መታን ከይትርሳዕ ከም መዘክር ሕዛእቲ

ይዂልኮለካ’በር ከም ልፋፈ ጽድቂ

መግቢ ሂወተይ ስለዝኾንካ ስንቂ-ሓቂ፡

    ከንብበካየ ደጊመ ደጋጊመ

    ዘመን ስለዝኾንካ ናይ ድሕነተይ ዕድመ

    ዘመን ንህዝብና ብብቕዓቱ ዝልለ

    የአንግደናሎ ስምረታዊ ሓይሊ ኤ.ስ.ደ.ለ.።