13
Wed, Nov

ርእሰ-ዓንቀጽ
Typography

ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ካብ ዝድምሰስ ካብ 1991 ጀሚርና ክሳብ ሕጂ ዓመት መጸ ነጻነት ኤርትራ ነኽብር ኣለና። ሳላቲ እኩብ ድምር ናይቶም ኩሎም ህይወቶም ዝበጀዉ ኣሻሓት ስዉኣትናን ጻዕሪ`ቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ነኣሽቱን ዓበይትን፡ ሰብኡትን ኣንስትን ዝመጸ ዓወት ስለ ዝኾነ ነጻነት ክቡር`ዩ፡ ብኽብሪ ክዝከር እውን ኣለዎ። እወ ነጻነት ዝድለ ካብ ባርነት ተላቒቕካ፡ ወፊርካ ብሰላም ክትምለስ፡ ሰሪሕካ ክትብልጽግ፡ ተማሂርካ ክትብርኽ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሸለብ ገለብ ከይበልካ ክትነብርን መጻኢ ዕድልካ ባዕልኻ ክትውስንን መታን`ዩ ሰፍ ዘይብል ክቡር መስዋእቲ ዝተኸፍለ።

እንተኾነ ግን ብሰንኪ`ቲ ብዘይካ ሕማቕ ጽቡቕ ዘይዘርእ ስርዓት ህግደፍ፡ ብስም ነጻነት እናኣታለለ ካብ ናይ ሕጂ ነጻነት እቲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝሓለፍናዮ ሕሱም እዋን ከምዝሓይሽ ስለ ዝገበሮ ብኡ ደረጃ ትርጉም ነጻነት ኣናሓሰረ ክመጽእ ኮይኑ`ሎ። ወድ`ሰብ ሓንሳብ ወይ ክልተሳዕ ወይውን ንዝተወሰነ ግዜ ከተታትሎ ትክእል ትኸውን፡ ዘለኣለም እናተታለለ ክነብር ዝኽእል ህዝቢ ግን የለን። ርእሰ ፋሽሽቲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ ካለኦት ገስገስቲ ይኹን ዓፈንቲ መንቅስቓሳት ዓለም ተመኩሮታት ሓዋዊሱ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ከኣ ብዝግባእ ኣጽኒዑ ብዘኻዕበቶ ናይ ምፍልላይ ሜላታት እነሆ ክሳብ ሕጂ ንስልጣኑ ብዙሕ ክህድድ ዝኽእል ሓያል ተወዳዳሪ ከምዘይርከብ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

ገለ ካብቲ ቀንዲ ሜላታቱ ከኣ መተካእትኡ ክኾኑ ዝኽእሉ ብቑዓት ዜጋታት ምእሳርን ምቕንጻልን፡ ወይውን ጸላእቲ ኣናፈጠርካ ህዝቢ ብኡ ጅሆ ተታሒዙ ክነብር ምግባር ወይውን ህዝቢ ካብቲ ዘለዎ ሕማቕ ኩነታት ወጻኢ ዘሎ ካልእ ኩሉ መማረጺታት ዝኸፍአ ምዃኑ እናገለጽካ በቲ ዘለዎ ክፉእ መነባብሮ ርዒሙ ክነብር ዝኣመሰሉ ጸረ ፍትሕን ጸረ ደሞክራስን ዓፈንቲ ሜላታት እዮም። ኢሰያስ ኣፈወርቅን ንሱ ዝመርሖ ህግደፍን እምበኣር ቅኑዓት ስለ ዝኾኑ ዘይኮነስ ቅኑዓት እናኣጥፍኡ፥ ህዝቢ ስለ ዝፈተዎም ዘይኮነስ ህዝቢ ስለዝፈርሖም፥ ፍትሒ ስለ ዘንገሱ ዘይኮነስ ሕጊ ረጊጾም ባዕላቶም ንግሆ ንግሆ ንዖኦም ዘገልግል ሕጊ እናውጽኡ ልዕሊ ሕጊ ኮይኖም ክኸዱ ስለ ዝጸንሑ፥ እኩይ ሸርሕታቶም ውሑድ ህዝብና ኣብ ብዙሕ ክፈላለ ክገብሩ ስለ ዝጸንሑ እዮም።

ተመኩሮን ሳይንስን ከምዝምህረና ግን ዝኾነ ውደባ ውሱን ዕድመ እዩ ዘለዎ። ድሕሪኡ ወይ ክሕደስ ኣለዎ ወይ ክመውት ኣለዎ። ህግደፍ ድማ ከም ውድብ መጠን ዕጭኡ ካብዚ ዝፍለ ክኸውን ስለ ዘይክእል ወይ ክሕደስ ኔርዎ ወይ ክመውት ኣለዎ። እንተኾነ ግን ህግደፍ ናይ ምሕዳስ ዕድሉ ብዙሕ ግዜ ሓሺሽዎዩ፡ ሓንቲ ተሪፋ ዘላ ዕድሉ ካልእ ሓጥያት ከይወሰኸ ስልጣኑ ንህዝቢ ምርካብ ጥራሕ`ዩ። ህግደፍ ክመውት ኣለዎ ማለት ኩሎም ኣባላት ህግደፍ ክሞቱ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። የግዳስ እቲ ናይ ጭቖና መሳርሒ ዝኾነ ትካል ክፈርስ ኣለዎ ማለት እዩ። መብዛሕትኡ ኣባል ህግደፍ ኮይኑ ዝጸንሐ ዜጋ፡ ቕኑዕ ኣረኣእያ እውን ተሰኪሙ ክኸይድ ስለ ዝኽእል ነቲ ግጉይ ኣረኣእይኡ ፈሊኻ ምውቃዕ እምበር ነቲ ግጉይ ኣረኣእያ ተሰኪሙ ዝጸንሐ ኣካሉ ምቕታል ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣካል ወዲ ሰብ ልክዕ ከምቲ ግጉይ ኣረኣእያ ክስከም ዝኽእል ሓጋዚ እንተረኺቡ ቅኑዕ ኣረኣእያ ተሰኪሙ ክኸይድ ከምዝኽእል እውን ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ግጉይ ኣረኣእያን ንዕኡ ዝስከም ኣካልን ብሓደ ክጽረጉ ዝድለየሉ ሳሕቲ እዋን ግን ኣሎ። ንሱ ከኣ ካብ ንጉጉይ ኣረኣእያይ ለቒቐ ዝኸይድ ምስ ግጉይ ኣረኣእያይ ክጠፍእ ይሕሸኒ ዝብል ምርጫ ዝወስድ ሰብ እንተተረኺቡ ጥራሕዩ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብቲ ትምክሕታዊ ተመኩሮኡ ተበጊስካ ክረአ ከሎ መራሒ ናይታ ከምዚ ዝበለ ምርጫ ክትወስድ እትኽእል ጋንታ ክኸውን ከምዝኽእል ምግማት ኣየጸግምን።

እወ! ሎምን ትማልን ሓደ ኣይኮናን፡ ሓደ ኮይነን እውን ኣይፈልጣን። እንተኾነ ናይ ሎምዘመን ሎምን ትማልን ኣጸቢቐን ኣናተፈላለያ ይመጻ ኣለዋ። ጽባሕ ከኣ ካብ ሎሚ ኣጸቢቓ ከምትፈለ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ህግደፍ ንዓመታት ዝዘርኦ ፍርሒ ይቕንጠጥ ኣሎ። ተዓዛቢ ኮይኑ ዝጸንሐ ዜጋ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ንጡፍ ፖለቲካዊ ተራ ክጻወት ጀሚሩ ኣሎ። ንዓመታት ዓቢጥዎ ዝጸንሐ መረረ ነቲጉ - ይኣክል - ክብል ጀሚሩ ኣሎ። ከመይ ዘይኣክል? ዝወለዳ ኣዴታት መኺነን፡ መርዓ ደቀን ክርእያ ዝተተምነያ ስድራቤታት ብመርድእ ደቀን ተዓዚመን፡ ደቅና ኣኺሎም ኢልካ ምሕጓስ ተሪፉ ደቅና ኣኺሎም ኢልካ ምሽቑራር በዚሑ። ኮታ ሰብኣዊ ክብረት ዝበሃል ጠፊኡ ሰብ ከም መሸጣ ኣቕሓ፥ መንግስቲ ከም ድላዩ ዝገብሮ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፥ ሎሚ ይኣክል ዘይተባህለ መኣስ ክበሃል።

እወ ሕጂውን ይኣክል! ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰያትና ዝተቖርኑሉ ሃገራዊ ባርነት- ይኣክል። ጸላእቲ ኣለዉና ኣናበልካ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ድፋዓት ጥራሕ ክበሊ ምግባር - ይኣክል! ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ተሳኒኻን ተማላሊእካን ክንበር እናተኻእለ ንህዝቢ ኣብ ናይ ጽልኢ ከባባ ኣእቲኻ ናይ ደገ እምበር ናይ ውሽጢ ጸላኢ ከምዘርኢ ምግባር -ይኣክል። ሕገ-መንግስቲ ደርቢኻ ሕጊ ኣልቦ ምንጋስ- ይኣክል! ልዕሊ ኩሉ ድማ ብሉኣላውነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምጥላዕ -ይኣክል! ብሰንኪ ህግደፍ ዝወረደና ኩሉ ሕሰም- ይኣክል። እዚ ኩሉ ናይ ይኣክል ጭሮሖናን ነድርናን ግን ህግደፍ ብገለ መታለሊ ጽገናታቱ ከይጉዕጽጾ ኣብኡ ጥራሕ ክድረት የብሉን። መጨረሽትኡ ህግደፍ - ስልጣንካ ግደፍ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ - ቀልጢፍካ እንተጠፋእካ ድንቂ፡ ጥራሕዩ ከበሃል ዘለዎ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ - ክቡራት መንእሰያት ኤርትራ !!

ህግደፍ ቀንዲ ዝልለየሉ መሳርሒ ምትላል ጥራሕዩ። ህግደፍ ዝደኸመ እንተደኸመ ናይ ምትላል ዓቕምታቱ ስለ ዘይደክም ነዚ ሕጂ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓል ንምብርዓን ደቂሱ ክሓድር እዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት`ዩ። ብዘይፍላጥ ኣገልገልቲ ሸርሒ ህግደፍ ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ኣለና። ናይ ህግደፍ ሸርሕታት ካብ በቶም ቀንዲ ካድራቱ ንላዕሊ በቶም ገርሂ ልቦም ኤርትራውያን ኣቢሉ ዝውርወር ስለ ዝበዝሕ ካብዚ`ውን ክንጥንቀቕ ኣለና። ንኣብነት ኣውራጃውነት እናኣላዓዓልካ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ዝኣቱ ዘሎ ፍልልያት ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን፡ ጌጋዩ። ሃይማኖት መሳርሒ ፖለቲካዊ እምነትካ ምግባሩ እውን ካልእ ዝጸንሐ ግን ከኣ ዝዓቢ ዘሎ ሓደገኛ ጉዕዞ`ዩ። ካልእ ኣብዚ እዋን እዚ ዝንብድበድ ዘሎ ሓደገኛ መፈላለዪ ነጥቢ ከኣ ኣብ መንጎ ነባራት ተቓለስትን ሓድሽ ህዝባዊ ምልዕዓላትን እናበልካ ኣይትልገቡና ዝዓይነቱ ኣካይዳ፡ ሓይሊ ዝበታትን ብስም ፍትሒ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ፍትሒ ተበግሶታት ብእዋኑ ክእረም ኣለዎ። እዚ ናይቶም ዘይስሩዓት ሰለይቲ ዝበሃሉ ዓይነት ወፍሪ`ዩ። ውድባት ሓንቲ ኣየፍረያን ኢልካ ንዐአን ኣዋሲንካ ዝግበር ቃልሲ ንሕጂ ዓቕሚ ደለይቲ ለውጢ ዝሽምርር፡ ንሓዋሩ ድማ ናይ ህግደፍ ኣሉታዊ ታሪኽ ዝደግም`ዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ነባራት ተቓለስቲ ነዚ ሕጂ ዝጓሃሃር ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓላት ከም ተመላላእን ተወሳኺ እንግድዓ ዝፈጥረሎምን እምበር ከም ተወዳዳሪ ርእዮም ክስከፉሉ ኣይግባእን። ናይ ሎሚ ቁምነገር- ይዕበ ይንኣስ ናይ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ዓቕምታት ጠራኒፍና ረሲኑ ዘሎ ቁጠዐ ህዝቢ ከይዘሓለ ሓመድ ድበ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ምቅልጣፍ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ደላይ ለውጢ ድማ በዚ ብግዳም ዝረስን ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓላት ሞራል ሰኒቑ ኣብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ወሳኒ ተርኡ ክጻወት ሎሚ`ዩ እዋኑ ንብል።

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና

ኤርትራ ብነጻነታ ንዘለኣለም ትንበር

ሰላምን ሕውነትን ምስ ኩሎም ፈተውትን ጎረባብትን ሃገራት

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤስደለ

24 ግንቦት 2019