23
Mon, Jul

ርእሰ-ዓንቀጽ
Typography

 

ካብ ዘመን ጥሪ - ለካቲት 2018 ቅጺ. 4 . 7 

ደጊም እንታይ`ዩ ጉድና? ብልሓቱ ጠፊኡና ኢልና እንተጀመርና ዘክፍእ ኣይኮነን። ብርግጽ ብልሓቱ ጠፊኡና እምበር ጸረ ስርዓት ህግደፍ ንቃለስ ኣለና ኢሉ ዝተላዕለ ደንበ ተቓውሞ ንሓደ መዓልቲ እውን ህግደፍ ከም መዛረቢ ኣጀንዳኡ ኮይኑ ዘይውዕል እንተኮይኑ - እንታዩ ብልሓቱ ምባል እኳ እናዋሓደ!! ናይ ደቓይቕ ኣጀንዳ ሰሙናት ካብ ኣዛረበና፡ ናይ መዓልታት ኣጀንዳ ዓመታት ካብ ኣሳሓሓበና፡ ኣብ መወዳእትኡ ከይተሰማማዕና ብቖጸራ ካብ ተፈላለና፡ እንታዩ ብልሓቱ - እንታዩ ወሪዱና? ምባል እኳ እናዋሓደና።

ሃገርና ኤርትራ ኣብ ውሽጣን ኣብ ከባቢኣን መሬት ዕንቊ እናኾነት ከላ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ተበጊሰ ዝበለ ተቓውሞ ነብሱ እውን ከድሕን ዘይክእል እንተኮይኑን፡ ካብ ጸረ ህግደፍ ተቓውሞኡ ኣብ ሕድሕዱ ዘሎ ተቓውሞ ዝዓቢ እንተኮይኑ፡ እንታዩ ጉድና ምባል እውን እናወሓደና።

መቸስ ንኹሉ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ሓደ ዘንቢል ኣእቲኻ ምጉሓፉ እውን ፍትሓዊ ኣይኮነን።  ብኸምዚ ዝተገልጸ ኣካይዳ ልቦም ዝሓበጠን ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ባህርያዊ መልክዑ ኣይሓዘን ኢሎም ኣውያቶም ዘስምዑን ደለይቲ ፍትሒ እውን ኣለውና። ብመሰረቱ እውን እንተኾነ ተቓወምቲ ሓሚቖም ኢልካ ቃልሲ ደው ኣይተብልን። ንዝሓመቑ ብንፉዓት ትቕይር። ንዝደኸሙ ብሓድሽ ደም ትትክእ እምበር ኣይነፋዕናን ኢልካ ቃልሲ ደው ምባል ከም መማረጺ እውን ክቐርብ ዝግባእ ኣይኮነን። እዚ ሕጂ ኣብ መላእ ደንበ ተቓውሞ ተገቲሩ ዝርእየና ዘሎ ዓቢ ሕቶ ግን ከኣ ክንምልሶ ድፍረት ዘይረኸብናሉ ሓደ ነገር ኣሎ። እወ ሓድነት ሓይሊ እዩ። ብሓደ ምስራሕ ንነዊሕ የሕጽሮ፡ ንከቢድ እውን የቕልሎ እዩ። እዚ ግን ተሳኒኻ ክትከይድ እንተኺኢልካ ጥራሕ እዩ ክዕወት ዝኽእል። ብሓንሳብ ምኻድና ብዘይካ ቆየቛን ሕድሕድ ምቅይያምን ካልእ እንረኽበሉ ፋይዳ እንተዘየልዩ፡ ቀዳዊኻ ሞትን ቀታሊኻ መርዓን እውን ኣሎ ከምዝበሃል ነቲ ዘይንደልዮ ንመርጸሉ ኩነታት ከጋጥም ይኽእል እዩ።

ኤስደለ ካሳብ ሕጂውን እንተኾነ ባይቶና ህይወት ለቢሱ ኣብ ምዳቕ ስርዓት ህግደፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ድሕሪኡን ሰላማውን ደሞክራሲያውን መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ምምስራት ኣዎንታዊ እጃም ክህልዎ ብልቢ ዝኣምነሉን ንምዕዋቱ ብተግባር ክሰርሓሉ ዝጸንሐን ህዝባውን ደሞክራሲያውን ፕሮጀክት ምዃኑ እዩ ዝኣምን። እንተኾነ ግን ላዕለዎት መራሕቲ ኤስደለ ኣብ ዕንክሊል ሃገራዊ ባይቶ ተጸሚዶም ጻማ ጻዕርታቱ ንውድባዊ ዕቤቱን ስፍሓቱን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ኮይኑ ክቕጽል ምርጫ ናይ ኣባላቱ ከምዘይኮነ በብእዋኑ መተሓሳሰቢታትን ለበዋታትን  ናይ ኣባላቱ ክሰምዕ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ድሕሪ ኣድካሚ ዘተታት 18 ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ መሰማምዒ ሰነዳት 4 ነሓሰ 2017 ዘተ ኣስታራ ምስምሞዖምን በቲ ቀጺሉ ዝተኻየደ ዘተ ሽረ 20 ጥቅምቲ 2017 ሓሊፉ ናብ ዘተ ኣዲስ ኣበባ ዝማዕበለ ናይ 22 ለካቲት ጋዜጣዊ መግለጺ ምስምሞዖም ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ጌርካ ክውሰድ ዝከኣል እዩ። እዚ ተበጺሑ ዘሎ ናብ 2ይ ጉባኤ ናይ ምብጻሕ ኣንፈት ውሕስነት ዝህልዎ ግን ናይ ኩሉ ኣባል ባይቶ ንጡፍን ጥቡቕን ምክትታል እንተተጌርዎ እምበር ዝተወሰኑ መራሕቲ ውድባት ዘንብርዎን ዘልዕልዎን ጉዳይ ጥራሕ ኮይኑ ክተርፍ ኣይግባእን። 18 ፖለቲካዊ ውድባት ነቲ በጺሖሞ ዘለዉ ስምምዓት ኩሉ ኣባል ባይቶ ክዓግበሉ ኣብ ምግባር እውን ቀሊል ዘይኮነ ስራሕ ይጽበዮም ከምዘሎ ምግንዛብ የድሊ። ኣብዚ ኩሉ ዝሓለፈ ሸንኮለል ካብ መጀመርትኡ ዘይተሳተፉን ኣብ መንጎ ዘቋረጹን ኣባላት ባይቶ ስለ ዘለዉና ንቕድሚት ዝጽበየና 2ይ ጉባኤ ከምቲ ሽሙ ሃገራዊ መልክዕ ክሕዝ እንተኮይኑ እዛ ተመዚዛ ዘላ ሓዳስ ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ነዞም ዝተጠቕሱ ዓበይቲ ዕማማት ብናይ ግዜ ገደብ ዝዕቀን መደባት ሒዛ ክትብገስ ከምዘለዋ እውን ከየተሓሳሰብና ኣይንሓልፍን።

ካብ ሕጂ ንኔው ካብ ናይ መሳቱ ቃልሲ ወጺእና ንቕድሚት ዝውጥጥ ሓይሊ እንተዘይፈጢርና እናተሓናኾልና ክንነበር እምበር ቅዱስ ቅንኢ ሓዲሩና ካብ ድቃስና ክንበራበር ኣይንኽእልን ኢና ክንብል እውን ጸኒሕና ኢና። ንዕኡ ዝመጣጠን ስራሕ ግን ኣይሰራሕናን። እዚ ሕጂ ደንበ ተቓውሞ ብሓፈሽኡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ድማ ብፍላይ ኣብ ቅልውላው ዝጸንሓሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኩሉ ካብ ነብሱ ኣርሒቑ ነቲ ካልእ ዝሓምየሉ ኩነታት ስለ ዝጸንሐ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ስትራተጂካዊ ዕማም ኣብ ምሓዝ ቀሊል ዘይኮነ ሕጽረታት ከምዝጸንሓና ምጥቃስ ዝግባእ ይመስለና። ገለ ካብቶም ብኣጋ ክምለሱ ዝግበኦም ዝነበረ ሕቶታት ንምጥቃስ ዝኣክል፥

  • 1) ባይቶ ናይ መቃለሲ ባይታ ኣይኮነን ዝብሉ ሓይልታት ርእይቶኦም ቅኑዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ድዮም ባይቶ ህይወት ከምዘይህልዎ ክገብሩ ጸኒሖም?
  • 2) እቶም ባይቶ ዘይሰርሕ ፕሮጀክት ምዃኑ ኣመስኪሩ እናሃለወ ንህዝቢ ኣብ ዘይጭበጥ ተስፋ ክነብር እናገበሩ ድዮም ግዜኦም ከጥፍኡ ጸኒሖም?
  • 3) ባይቶ ኣገዳሲ ረቛሒ ዓወት ህዝብና እናሃለወ ድዩ ብሰንኪ ብቑዕ ኣመራርሓ ይትረፍዶ ንህዝብስ ንነብሱ እውን ከድሕን ዘይከኣለ ኮይኑ ዝጸንሐ?
  • 4) ብዘይካ ሃገራዊ ባይቶ ካልእ ቅኑዕ መማረጺ ስለ ዝተሳእነ ድዩ ኩሉ ንያትን ንዋትን ግዜን ተቓለስቲ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ኣኼባታት ክንእለኽ ኮይንና ዝጸናሕና?

እዚኦምን ምናልባት ካልእ ስትራተጂካዊ ሕቶታትን ክምልስ ዝኽእል ተባዕ ስትራተጂካዊ  ውሳኔታት ግዜ ከይወሰድካ ክምለስ ዝነበሮን ዘልውዎን እዩ። እዚ ብመራሕቲ ውድባት ጥራሕ ኣዎንታዊ ወይ ብቑዕ መልሲ ክወሃቦ ይኽእል እዩ ኢልና ኣይንኣምንን ኢና። ከምኡ ኔሩ እንተዝኸውን ንብዙሕ ዓመታት ክንሳሓግ ኣይምጸናሕናን ኔርና። እዚ ሕቶ`ዚ ብቐንዱ ህዝባዊ ሕቶ ስለ ዝኾነ እቶም ኣማዕድዮም ንጉዳይ ሃገሮም ከምዘይናቶም ርእዮም ብማዕዶ ክዕዘቡ ዝጸንሑ ይኹኑ፡ እቶም ዘለናዮ ሕማቕ ኩነታት እናኣሕመሞም ግን ከኣ ንጡፍ ፖለቲካዊ ምውሳእ ዘይጸንሖም ወገን ህዝቢ ዝኾኑ ምሁራትን ተመራመርትን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ጻውዒት ህዝቢ ሰሚዖም ክትንስኡ ይግባእ። መሬት ምስ ወግሐ ኣለናልካ ምባል ናይ ተበለጽቲ ስራሕ እዩ። ካብዚ ዘለናዮ ዓዘቕቲ ከውጽኣና ዝኽእል ምኽርን ተግባርን ምሃብ ግን ውልቓዊ ረብሓ እኳ እንተዘይተረኽቦ እንተወሓደ ብኣዎንታዊ ታሪኽ ክትዝከር ስለ ዝገብር፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዓቕምታትኩም ክትገብሩ ጻውዒትናን ምሕጽንታናን ነቕርበልኩም። 

ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ንለዓል

ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኤስደለ