22
Wed, Nov

ርእሰ-ዓንቀጽ
Typography

 

ጭቖና ክሳብ ዘሎ ቃልሲ ጸረ ጭቆና ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ቃልሲ ንፍትሕን ደሞክራስን ከኣ መጀመርታ እምበር መወዳእታ የብሉን። ይትረፍዶ ኣብ ከም ሃገርና ኤርትራ ዝበለ ጨና ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ዝጠፍኣሉ ኩነታትሲ ይትረፍ ኣብቶም ንኣማእታት ዓመታት መስርሕ ፍትሓውነትን ደሞክራሲያውነትን ኣታኣታቲና ኢና ዝብሉ ሃገራት እውን እንተኾነ ፍትሕን ደሞክራስን ክዓሙቕን ክሰፍሕን ንምግባር ቃልሲ ኣየዕርፍን።

ቃልሲ ንፍትሕን ደሞክራስን ልክዕ ከምዝኾነ ካለኦት ባእታታት ናይ ምዕባሌ በይኑ ተነጺሉ ዝዓቢ ነገር ዘይኮነስ ምስቲ ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካውን ምዕባለን ንቕሓትን ናይቶም መራሕትን ተጠቀምትን ናይቲ ኣምር ተዛሚዱ ዝኸይድ እዩ። ኣብ ሃገርና ንምንታዩ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ጸረ ደሞክራስን ጸረ ሰብኣዊ መሰልን በደልን ግፍዕን ዝፍጸም እንተኢልና፡ ድሑርን ጸረ-ደክራስያዊ ባህርያት ናይቶም በትሪ ስልጣን ዓቲሮም ዘለዉ መራሕቲ ብሓደ ሸነኽ፡ ክንድዚ ዝኣክል በደልን ግፍዕን ንዝፍጽም ስርዓት ንምስዓር ህዝቢ ኣብ ከባቢኻ ንከተዕስል ዘኽእል ጥበብ ዘይምህላው ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ዝረአ ዘሎ ጸገም ናይ ደለይቲ ፍትሒ እዩ። ኣብ ከም ሃገርና ዝኣመሰለ ኩነታት ክልቲኡ ጫፋት ክሳብቲ ሕሱም ደረጅኡ ዝተመጠጠ ምዃኑ ኩላትና ንሓዝነሉ ነገር እዩ። እቲ ስርዓት ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለምና ውሑዳት ጥራሕ ዝወዳደርዎ ጨካን ስርዓት ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ እብ ደንበ ተቓውሞና ዘሎ ብፍላይ ከኣ ቀዳምነታት ኣብ ምስራዕ ዘሎ ድኽመት ዘሕንኽ`ዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ክልተ ንወጽዓ ናይ ህዝብና ዘናውሕ ኣበሳታት ክሳብ መዓስዩ ከምዚሉ ክቕጽል እንተኢልና ግን፡ እዚውን ከምኩሉ ካልእ ስነሞገታዊ ምዕባለ መዓልቱ ቆጺሩ ዝሓልፍ እምበር ነባሪ ኣይኮነን።

ገመድ ኣብታ ዝላሕለሐት ትብተኽ፡ ዝተነፍሐውን ኣብቲ ዝረቐቐ እዩ ዝትኮስ። ዝምድና ህዝብናን ህግደፍን ድማ ካብ ማዓልቲ ናብ ማዓልቲ እናላሕለሐን እናረቐቐን ይኸይድ ስለ ዘሎ እቲ ክሳብ ሕጂ ዕቑር ሓይሊ ናይ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ኮይኑ ዘሎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጽባሕ ንግሆ ውዑይ ወቓዒ ሓይሊን ኣካል ኣምሳል ናይቲ ጉልባቡ ቀሊዑ ዝቃለስ ዘሎ ደንበ ተቓዋምን ምዃኑ ኣይተርፍን እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ባህርያቱ ክቕይር ይኽእልዶ?

ኣብ ታሪኽ ፍትሓውን ደሞክራሲያውን ቃልሲ ከም ናይ ኤርትራ ዝበለ ጨካንን ኣብ ማእለያ ዘይብሉ ገበናት ዝተጨማለቐ ስርዓት፡ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስያውን ባህርያቱን ምቕያር ማለት ነብሰ ቅትለት ስለ ዝኾነ ተሳዒሩ ኣብ ልዕሊ መቓብሩ  ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክትከል ይከኣል። ከም ኣብነት ንፋሺሽታዊ ስርዓት ደርጊ ስዒሩ ደሞክራሲይዊ ስርዓት ዝተኸለ ኢህወደግ ክጥቀስ ይከኣል። ወይውን ብደለይቲ ፍትሒ ተዓብሊሉን ተንበርኪኹን፡ ብጽቡቕ ድሌት ናይቶም ዝዓብለሉ ደለይቲ ፍትሒ ምሕረት ተጌሩሉ ይቕረ ይቕረ ተባሂሉ ስርዓት መንጢልካ ሰብኣዊ መሰሉ ግን ከይቀንጠጥካ ከም ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝበለ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ካብዚ ወጻኢ ግን ብውሽጢ ከምድላዩ ዘገላብጦ ሃብቲ እንተረኸበን ብደገውን ቁሩብ ትንፋስ ክህቦ ዝኽእል ዲፕሎማሲያዊ ማዓጹ እንተተኸፍተሉን ከደናግር እምበር ንህዝቢ ከዕግብ ዝኽእል መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን። መሰረታዊ ለውጢ ማለት ድማ ንልዕልነት ሕጊ ምርዓም ማለት ስለ ዝኸውን፡ ነቲ ከንበርክኽ እምበር ክንብርከኽ ዘይለመደ ስርዓት ዝወሓጠሉ ኣይኮነን። ስለዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ ደሞክራሲያዊ ባህርያት ለቢሱ ንሕጊ ተገዛኢ ክኽውን ዘይሕሰብዩ። ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ሕጊ ዝረግጽ ስርዓት ክሳብ ዝሃለወ ድማ ልዕልነት ሕጊ ንምንጋስ ዝካየድ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። ቃልሲ ንፍትሕን ደሞክራስን ድማ ናይ ቦታ ድሩትነት የብሉን። ትንቀሳቐሰሉ ዝሰፍሐ ቦታ ክህልወካን ብዙሓት መሓዙት ሃገራት ክህልዉኻን ኣዝዩ ሓጋዚ እኳ እንተኾነ እቲ ወሳኒ ግን ህዝባዊ መትከል ሒዝካ ሓቦን ተወፋይነትን ተዓጢቕካ ምቕጻል ጥራሕዩ።

ስርዓት ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክተዓረቕ ይኽእልዶ?

እዚ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዘሎ ኣይሰላም ኣይኲናት ንኽልቲኡ ህዝብታት ኢትዮ-ኤርትራ ጥዑም ኣይኮነን። ኣብ ኣተሓሕዛ ናይ ክልቲኡ መንግስታት ግን ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ኣለዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ህዝባዊ ባህርያቱ ተበጊሱ ንደንበ ተቓውሞና ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት የዕቁብ ኣሎ፡ ንመንእሰያት ናይ ትምህርቲ ዕድል ይፈጥር ኣሎ፡ ህዝቢ ንህዝቢ ዝብል ተበግሶታት እናወሰደ ነቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ ንቡር ዝምድና ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ንምቅልጣፍ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ግን ብኣንጻሩ እቲ ዘሎ ናይ ተሓላሎ ሕሱም ኩነታት መቐነዪ ስልጣኑ ይገብሮ ኣሎ። ንህዝቢ ኤርትራ ዘይሓለየ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክሓሊ እዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ግን ከኣ እታ ናይ ምቕናይ ዕድል ኣብ ሕቶ ኣብ ትኣትወሉ እዋን ብዱዕ ባህርያቱ ውሒጡ ንዕርቂ ክልምን ከምዝኽእል ግን ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ። ኣብ ከም ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ኣሻሓት መንእሰያት ዝቐዘፈ ኲናት ግን ዝምድና ምምሕያሽ ኢድካ ዘርጊሕካ ጥራሕ ዝርከብ ኣይኮነን። እንግሊዛውያን ክምስሉ ከለዉ “fool me once shame on you, fool me twice shame on me” ሓርፋፍ ትርጉሙ፥ ሓንሳብ እንተኣዓሺኻኒ ንዓኻ ውርደት፡ ክልተ ሻዕ እንተኣዓሺኻኒ ግን ንዓይ ውርደት፡ ንማለትዩ። ስርዓት ህግደፍ ንኹሎም ጎረባብቲ ሃገራት እናሓለፈ ኣዓሽይዎምዩ። ክሳብ ሕጂ ዝተካየደ ንህግደፍ ውርደትዩ። ካላኣይ ዙር ከዓሽዎም እንተጀሚሩ ግን ነቶም ዝዕሸዉ ዘለዉ ውርደትዩ። ስርዓት ኢህወደግ ብህግደፍ ክልተሳዕ ክዕሾ ፍቓደኛ ክኽውን ዝግመት ኣይኮነን። እቲ ከምኡ ንምባል ዘድፍርን ዘተኣማምንን ሓቂ ድማ ኢህወደግ ተኣኪቡ ስለ ዝውስን ስርዓት ህግደፍ ግን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝሓለሞ ጥራሕ ስለ ዘተግብር እዩ።

ኩነታት እንተተቐያየረ መጻኢ ዕድል ደንበ ተቓውሞ እንታይ ክኸውን`ዩ

ልዕል ኢሉ ከምዝተገልጸ ኩነታት ክመቻቻኣልካ ከሎ ቃልስኻ ክትርንዕ ዓቢ ሓገዝ ከምዝገብር ፍሉጥዩ። ጽንኩር ኩነታት ከጋጥም ከሎ ገለ ተስፋ ቆሪጹ በቲ ማዕበል ተገፊዑ ካብቲ ሓዲድ ክእለ ከሎ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ጽንኩር ኩነታት ዝወለዶ ጅግና ይፍጠር። ናይ ጽባሕ ቃልሲ ብናይ ጽባሕ ሓንጎልን ኣተሓሳስባን ኢኻ ትገጥሞ። ብመሰረቱ ግን ደንበ ተቓውሞ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ካብ ዝለመዶ ናይ ሕድሕድ ሕልኮታት ወጺኡ ንሓቢርካ ምስራሕ ድልውነቱ ከረጋግጽ ኣለዎ ምባል ኣብ ላዓቱዩ። እዚ እውን ዕድላቱ ዕጹው ኣይኮነን። ከመይሲ ተቓላሳይ ካብ ብዓወቱ ብውድቀቱ እዩ ዝያዳ ዝመሃር። ደንበ ተቓውሞ ድማ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ንሓቢርካ ምስራሕ ቁሩብነቱ ዘርእየሉ ዘሎ ኩነታት ኣናበርሀ ይመጽእ ኣሎ። እምበኣርከስ ተበግሶን ጻዕርታትን ደንበ ተቓውሞ ንስለ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ናህሪ ምቕጻል ዝብል እምነት መበገሲ ምግባር እምበር፡ ክልተ መንግስታት ይዕረቑዶ ኣይዕረቑን ካብ ዝብል መበገሲ ክኸውን ኣይግባእን። ደንበ ተቓውሞ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ጽቡቕ ዝምድናታት ከሎ እውን ኔሩዩ። ክልተ ሃገራት ዝምድናታተን ኣማሓይሸን ደንበ ተቓውሞ ዕድሉ ክጽልመትዩ ዝብል ጭብጢ ዘይብሉ ተራ ግምታት ኮይኑ፡ ኣብ ኢድና ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ብኣዎንታ ርኢና ከነደንፍዖ ጥራሕ እዩ ዝግባእ። እቲ ጭቡጥ ኩነታት ከኣ ንዳርጋ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዘጽልል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ካብቲ ኣትይዎ ዝጸንሐ ደውታ ወጺኡ ውዑይ ፖለቲካዊ ቃልስታቱ ከካይድን ህዝቢ ኣብ ዙርያኡ ከዓስልን መታን ክኽእል፡ ዓቢ መንጠሪ ክኸውን ዝኽእል መድረኽ ፈጢረን ምህላወን እዩ። ናይ 20 ጥቅምቲ ሰሚናር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዝተነብረሉ ተስፋ እሙን ክኸውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ደገፍ ክፍለዮ ኣይግባእን።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ንቡር ቦትኡ ንምምላስ ክንቃለስ ኢና

ዓወት ንሰሚናር ኤሃባደለ

ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኤስደለ

16/10/17