14
Thu, Dec

ርእሰ-ዓንቀጽ
Typography

 

ሰሉስ 12 ሓምለ 1994 ኣብ ልዕሊ ኣካለ-ስንኩላን ማይሓባር፡ ፋሽስታዊ ረመጽ መንግስቲ ህግደፍ ዝተኸዓወላ ዕለት’ያ። ካብ ርእሰ-ፋሽስቲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብዝተዋህበ ቀጥታዊ መምርሒ፡ ነቶም ህያው ሓወልቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብና ዝኾኑ ሓርበኛታት፡ ነታ ዝተረፈት ፍርቂ ኣካሎም፡ ብናይ ጠያይቲ ኣድራጋ ዝተጨፍጨፉላ ጸላም ዕለት። እዚ ኣረሜናዊ ፍጻመ’ዚ ከኣ፡ ወግዓዊ ናጽነት ኤርትራ ቀዳማይ ዓመቱ ኣብ ዝበሓተሉ ረፍዲ ዝተፈጸመ’ዩ።

እቲ ብቃልስን መስዋእትን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ደቁን፡ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ስርዓት ህግደፍ፤ እቲ ብስም ስውኣት፣ ስንኩላንን ስድራ ቤት ስውኣትን ዝነግድ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ፤ እቲ ብጊሓቱ ሓምለ 1994፡ ንዕሸል ናጽነትና ክበሃል ዝተነስነሰ ናይ ፈንጠዝያ ሰቲ ከይነቐጸ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣራዊታዊ ጃምላዊ ጭፍጨፋ ክፍጽም እንከሎ፡ ዕላማን ትርጉምን ነይርዎ። ጨካን ውልቀ-መላኺ ኢሰያስን ስርዓቱ መንግስቲ ህግደፍን፡ ንዝኾነ ይኹን ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ዘይጻወር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብጭካነ ዝዓጽድ ጸረ-ህዝቢ፣ ጸረ ሰላም፣ ጸረ ደሞክራስን ጸረ-ልምዓትን ምዃኑ ንምርኣይ’ዩ ነይሩ። ገና ብጊሓቱን (ብ1994)፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብሓሶት ዝሽሕጠሎም ቅርሲ ሓርነታዊ ቃልስና ዝኾኑ ኣካለ-ስንኩላንን ክፍጽሞ እንከሎ ከኣ፡ መንግስቲ ህግሓኤ/ህግደፍ፡ ዝዓበደ ፋሽስቲ፡ ፍጹም ናይ ዕንወትን ብርሰትን መንግስቲ ምዃኑ ዘርእይ’ዩ ነይሩ። ነቲ፡ ነዚ ንዝረኣየን ንዝሰምዐን ህዝቢ ከኣ፡ ”ኣንጊሁ ዝነቀወ ዝብእስ፡ ነይሕድረኒ’’ ዘብል’ዩ ነይሩ። ነቶም ስምዒቶም ብሰላማዊ ሰልፊ ንምግላጽ መሰረታዊ መሰሎም ዝተጠቕሙ፡ ሓርበኛታት ኣካለ-ስንኩላን ብምጭፍጫፎም ጥራሕ ዝሕጸር ኣይነበረን። ናብ’ቶም ዝተረፉ ምልዮናት ህዝብታት ኤርትራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ’ውን ነይርዎ። ’’እዚ መንግስቲ፡ ንስንኩላን’ኳ ዘይመሓረስ፡………….” ኣቢሉ፡ ንህዝብታትና ርእሶም ደፊኡ፤ ክሳዶም ኣድኒኑን፤ ኣፎም ለጒሙን፡ ብጭካነ ዝጋረፍ ስርዓት ምዃኑ፡ ኣጃጁዩ ንክገዝኦም ዝዓለመን መልእኽቲ’ዩ ነይርዎ። እነሆ ከኣ፡ ነዚ ነውሪ’ዚ ክገብር ዝዓረቦ፡ ዕሉል ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣግሂዱ።

ፋስሽታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ እዚ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ድቃስ ዝኸልእ፡ ኣንጊሁ ዝነቀወ ዝብኢ ምዃኑ ዘግሃደ ኣራዊታዊ ፍጻመ’ዚ፡ ኣብ ሎም ( ሓምለ 2017) ኮይንና ኢና ንዝክሮ ዘሎና። ድሕሪ 23 ዓመታት፡ ህዝብታትና ናይ ሰብ ክብሮም ተቐንጢጡ፤ ከም ብሕታዊ ንብረት ኢሰያስን ስርዓቱን ተቖጺሮምን ሓሲሮምን፤ ምፍጣሮም ክሳብ ዝጸልኡ ገይሩ ዝገዝእ ፋሽስታዊ ስርዓት ምዃኑ ተጋሂዱ። ንሃብትን ጥሪትን ሃገር ገቢቱ፡ ህዝብታትና ብናይ ድኽነትን ዓጸቦን ኩርማጅ ዝግረፉላን ዝማስኑላን፡ ካብ ህልዊ ንታሕቲ ሂወት/ናብራ ከሕልፉ ይርከቡ። ዘዝቦቖሉ መንእሰያት፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብባርነት ዝግዝኡላ፤ ኩሎም መጻኢ ዕድላቶም ዝተኾልፉላ፤ ሸኾና ሕብረተሰብ ዝተመናናሃላ ሃገር ኮይና። ብዙሑነታዊ ብሄራዊ ህላወን መንነትን ህዝብታትና ዝኸሓደን፡ ብህግደፋዊ ጭርሖ ‘’ሓደ ህዝቢ - ሓደ ልቢ’’ ጥፍኣትን ዕንወትን ተበይንሎም፡ ቀጻልነቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቐላን፡ ህንጸት ኤርትራዊ ሃገርነት ዝተኾልፋ ሃገር ኮይና ኣላ። እታ ሕመረት ሕብረተሰብ ዝኾነት ስድራቤት’ኳ ከይተረፈ፡ ዝዓነወትሉ ሕሱም እዋን ኮይኑ። ብውሽጢ - ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና፤ ብግዳም ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣሕዋት ጎረባብቲ ህዝብታትን ሃገራትን ብዝጻሕተሮም ኲናትን ወራርን፡ ሰብኣውን ነገራውን ሃብቲ ሃገርና፡ ክህንኮቱን ክዓንውን ኮይኖም። ብድምር ከኣ፡ ከቢድ  ህግደፋዊ ብርሰትን ምርማስን፡ ኣፎም ከፊቶም ክውሕጥዎ ዘንባህቕውሉ ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ። ኣማን ብኣማን ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ካብ’ቲ ኣንጊሁ ዝነቀወ ዝብኢ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍእ ጸላኢ ከምዘይብሎም፡ ጋህዲ ኮይኑ ይርከብ።

ሎሚ፡ ንሓምለ 12 (መዓልቲ ጭፍጨፋ ኣካለ-ስንኩላን ደቂ ህዝቢ ኤርትራ) ክንዝክር እንከለና፡ ስርዓት ህግደፍ ኣንጊሁ ዝነቀወ ዝብኢ ምዃኑ፡ ንምዝኽኻር ጥራሕ ኣይኮነን። እዚ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ፡ ኣንጊሁ በዚ ዝሓሰመ ነውርን ፋሺስታዊ ተግባርን ክዓጽድ ዝጀመረ መንግስቲ ህግሓኤ/ህግደፍ፡ (ካብ ሽዕኡ ጀሚሩ)፡ “ጽባሕ ይሕሾ ይኸውን” ዘይበሃል ደመኛ ጸላኢ፡  ይተሓሓዞም ምንባሩ ንምግንዛብን፡ ተሞኩሮ ንምቕሳምን፡ ንምዝኽኻርን’ዩ። እቶም ክሳብ ሕጂ ዝሰዓቡ፡ ልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ስልጣን ዕድሜኡ ዘግሃድዎ ሓቂ’ውን ንሱ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ካብ ዝጸንሖን ዘለዎን ክቱር ንዕቀት ተበጊሱ፡ ሃገር ብዘይቅዋምን ቅዋማዊ ስርዓትን ክመርሕ ጸኒሑን ኣሎን። ንህዝብታትና፡ ናይ ሰብ ክብሮም ገፊፉ፣ ኣሕሲሩን ኣዋሪዱን፤ ባዕዳውያን ገዛእቲ ይፍጽምዎ ካብ ዝነበሩ ነውርታት ብዝኸፍእ ክገርፎም ይርከብ። ንቡር ብዘይብሉ፡ ከም ብሕታዊ ጥሪቱን ንብረቱን ገይሩ ብምርኣይ፡ ብሕሱም ፖለቲካዊ ዓፈናን ድኽነትን ኣዋሪዱ ክገዝእ ጸኒሑን ኣሎን። ውህሉል ናይ ልዕሊ 26 ዓመታት ፋሺስታዊ መግዛእቱ ከኣ፡ ድኽነትን ዓጸቦን ወሲኹሎም፡ ክሳብ ምብታን ስድራቤት ዘስዓበ ስደትን ብርሰትን ኣኸቲሉ እነሆ።

ማዕረ ማዕሪኡ ክኣ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ህዝብታትና፡ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ተሞኩሮኦም ብዝሃቦም ትምህርቲ፡ ንሃገርና ኤርትራ፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍእ ደመኛ ጸላኢ ከምዘይብላ ዝተገንዘቡሉ እዋን’ዩ። ህዝብታትና፡ ካብ’ዚ ቅኑዕ ተረድኦ’ዚ ተበጊሶም፡ ንስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ኣብ ሓያል ምርብራብ ይርከቡ። ምስ’ቲ ኩሉ ቁጠዐኦም፣ተቓውሞኦምን ናይ ለውጢ ባህጎምን ግን፡ ንናይ ቃልሲ ቅሩብነቶምን ናይ ለውጢ ባህጎምን ዝምጥን ብቑዕ መሪሕ ውድብ ኣይረኸቡን። ንወሳኒ ዓቕምን ግደን ሓፋሽ ዝኣምን፤ ንንቑሕን ወሳንን ተሳትፎኦም ዘተኣናግድ፤ ዱልዱል ሰውራዊ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ ብዘይምርካቦም፡ ናብ’ቲ ዝብህግዎ ናይ ለውጢ ጥርዚ ክበጽሑ ኣይከኣሉን። ብሰንኪ’ዚ ሓቂ’ዚ ከኣ፡ ደንበ ተቓውሞና ማእዝኑ ኣጥፊኡ ኣብ ቀንፈዘው ይዓርቦ ኣሎ። ህዝብታትና፡ ኣብ ልዕሊ ደንበ ተቓውሞኦም ዝነበሮም ተስፋ የንቆልቁል ኣሎ። ካብ ፍኑው ተቓውሞ ንላዕሊ ከኣ ክብርኽ ኣይከኣለን። እዚ ክውንነት’ዚ ድማ፡ ዕድመ’ቲ ደመኛ ጸላኢ ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንምንዋሕ’ዩ ዘገልግል ዘሎ። ኣብ’ዚ፡ ሓሳረ-መከራ ህዝብና ሱር ሰዲዱ፡ ከቢድ ናይ ምርማስን ብርሰትን ሓደጋ ኣንጸላልዩሉ ዘሎ እዋን፡ ናይ መሪሕ ውድብ ሕቶ፡ ብቑዕ ምላሽ ይጠልብ ኣሎ። ሕጂ’ውን ካብ ትማል ንላዕሊ፡ ህዝብታትና ኣሚኖም ናብ ውራይ ሃገር ዝልእክዎ ብቑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ ይጠልቡ ኣለዉ።

ውድብና ኤስደለ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብግቡእ ብምርዳእ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰት ንምድሓን ብሓደ ወገን፤ ንብሩህ መጻኢ ዝኸውን ዱልዱል መሰረት ንምንባር ከኣ በቲ ካልእ ወገን፡ ብናይ “ኣፍ-ኣርክቡ” ናህርን ተወፋይነትን ክንቃለስ ንጥለብ ምህላውና ብምስትውዓል ብጽንዓት ክቃለስ ይርከብ። “ተዛሪቡ ዘስምዕ - ሰሪሑ ዘድምዕ”፡ ብቑዕ መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ንምዕኳኽ ዝካየድ ቃልሲ፡ ናይ ዕማማቱ ቀዳምነት ገይሩ ክረባረብ ይርከብ። ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ንክውገድ፤ ወጽዓ ህዝብታትና ንከብቅዕ፤ ሓምለ 12 ዝተጨፍጨፉ ስንኩላትናን ብዘይምቁራጽ ዝሃልቁ፣ ዝስወሩን ዝበሳበሱን ዘለዉ ህዝብታትናን ንክድበሱ፤ ምዩቕ ከይበልና እንነብረላ ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክዉን ንምግባር፡ ብሕታዊ መንገዱ ንሱ’ዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ኤስደለ

ሓምለ 2017