22
Wed, Feb

ርእሰ-ዓንቀጽ
Typography

ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት 13 ሕዳር 1991፡

ኣዋጅ ሃገራዊ ዕንወትን ብርሰትን’ዩ!

13 ሕዳር 1991፡ እቲ ንዘዝጠጠዐ መንእሰይ ኤርትራ ዝርምስ፤ ንሃገርና ኤርትራ ናብ ደልሃመት ቀይርዋ ዝርከብ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተኣወጀላ ሕማቕ ዕለት’ያ። ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስርዓት ህግደፍ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ናይ ዕንወትን ብርሰትን ኣዋጅ ምዃኑ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ምስክርነት ዘየድልዮ፡ ንፋስ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ። እዚ ኣዋጅ’ዚ ክለዓል እንከሎ፡ ብቐጥታ ምስኡ ዝለዓሉ ናይ ዕንወት ትካላት’ውን ኣለዉ። ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ሜዳ ሳዋ፣ ወትሃደራዊ ትካላት፡ ውትህድርናን ወትሃደራዊ ሕግን፣ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎን ጊላዊ ናይ መንእሰያት ጉልባታዊ መግዛእትን፣ ናይ ዂናትን ወራርን ፖሊሲታት’ቲ ስርዓት፣ ኣብ ኩሎም’ቶም መንግስቲ ህግደፍ ዝኣጎዶም ናይ ዂናትን ወራርን እቶን፡ ብስም “ዋርሳይ”፡ ከም ቀሰም ዝሳወር ሂወት መንእሰያትን ሓዊ ዝበልዖ ጸጋታት ሃገርን፣ ----- ሓቢሮም ክለዓሉ ናይ ግድን’ዩ።

ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ማለት፡ ፋሺስታዊ ኣዋጅ መንግስቲ ህግደፍ ኮይኑ፡ ንዘዝቦቖለ መንእሰይ ኤርትራ እናሓፈሰ፡ ከምቲ ኣራዊት መራሕቲ ናይ’ቲ ስርዓት ደጋጊሞም ብቓሎም ዘግህድዎ፡ ኣብ’ቲ “melting-pot (መምከኺ ቁራዕ)” ኣናበሉ ዝንየቱሉ ሜዳ ሳዋ እናጠጠቐ፡ ፋሽስታዊ ናይ ማህበራዊ ምህንድስና ተግባር ዝፍጽመሉ ኣዋጅ’ዩ። ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስርዓት ህግደፍ፡ ንዘዝቦቖሉ መንእሰያት ኤርትራ፡ ወለዶታት እናተተኻኽኡን እናተወራረሱን ክፍጽምዎ ንዝግባእ ሃገራዊ ግስጋሰ ንምኹላፍን ንምብርዓን ክብል ዝተሃንደሰ ኣዋጅ’ውን’ዩ። ነቲ መተካእታ ዘይርከቦ ማህበራዊ ሃይሊ መንእሰይ ብምርማስ፡ ሸኾና ሕ/ሰብን ስድራ-ቤታትን ክዘርግን ክመናንህን ክብል ዝተኣወጀ፣ ክትግበር ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ኣዋጅ’ዩ።

እዚ ፋሽስታዊ ኣዋጅ’ዚ፡ ምስ ሜዳ-ሳዋ፣ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ፣ ውትህድርና፡ ዂናትን ወራርን ኣተኣሳሲርካ ጥራሕ’ውን ዝሕጸር ኣይኮነን። ኣብ’ዞም ሕሱማት ጸረ-ሰብኣውነት ትካላት’ዚኣቶም፡ ነቲ መላግቦ ሕ/ሰብ ዝኾነ መንእሰይ፡ ንያቱ ኣዕሪቡ፣ ሞራሉን መጻኢኡን ኣጸልሚቱን እንተዘይወዲኡዎ፡ ዘይተኣደነ ቁጽሪ ዘለወን ቤት-ማእሰርቲታትን ብደም ንጹሃት ዝጨቀዉ ጨፍጨፍቲ መርመርትን’ውን’ዮም ዝበራረዩሉ። እዚ ዝተዋደደ፡ ነቲ መተካእታ ዘይርከቦ ዓቕሚ መንእሰያት ዝርምስ ፋሽስታዊ ፖሊሲ’ዚ ከኣ፡ ዕላማ ነይርዎን ኣለዎን። ቀንዲ ዕላምኡ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሃገርና ከኣ ብፍላይ፡ ንቡር ናይ ሰብ ባህርያት ከጥፍኡ፤ ንነውርን ዘይንቡርን እንስሳዊ ባህርያት ንክለምዱን ዓሊሙ ዘካይዶ እኩይ ተግባር ምዃኑ’ውን’ዩ። ወለዲ፡ ወሊዶምን ጨቐቕ ኢሎም ኣዕብዮምን፡ መንግስቲ ንሓላሉ ዝወስዶም ኣጓብዝን ጎራዙትን ምርካብ (ኣሕሊፍካ ምሃብ)፡ ከም ንቡር ዝወስዱ ስድራ-ቤታት ንክፈጥር’ዩ። መንእሰያት ሃገርና ድማ፡ ነታ ነብሶም ይኹን ንመጻኢ ዕድሎም ዘይእውዱ፡ ስርዓት ህግደፍ ንሓላሉ ንክወስዶምን ከም ተዛራቢ ኣቕሓ ንቡር ብዘይብሉ ንክግልገለሎምን ዓሊሙ ዝቐየሶ ኣዋጅን ዝፍጽሞ ዘሎ ፋሽስታዊ ተግባርን’ዩ። ነዚ ዘይንቡር’ዚ’ውን ክለምድዎ ዓሊሙ’ዩ ክሰርሕ ጸኒሑን ዘሎን።

ጸር-ህዝቢ፣ ጸረ-ሰላምን ጸረ-ልምዓትን ስርዓት ህግደፍ፡ ብሰንኪ’ዚ ክትግብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ፋሽስታዊ ናይ ናይ ዕንወት ኣዋጅ’ዚ፡ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ ናይ ስልጣን ዕድሚኡ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ሓደጋታት ኣስዒቡ ምህላዉ፡ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ክረኣይ እንከሎ፡ ምስክርነት ዘድልዮ ኣይመስለናን። ንኩሉ መጻኢ ዕድላት መንእሰያት ሃገርና ኣጸልሚቱ፤ ንዘዝቦቖሉ መንእሰያትና፡ ኣይ ካብ ሓዳር = ኣይ ካብ ትምህርቲ ገይርዎም፤ ካብ ኩሎም ስልጣነታት፣ ስልጡን ዘመናዊ ኣተሓሳስባን ምዕባለን ኮሊፉ፤ ብድኽነትን ቀቢጸ-ተስፋነትን ኣብ ቀንፈዘው ክዓርቦም ዝገብር ዘሎ ገበነኛ ስርዓት’ዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ እነሆ፡ ስደት፣ ምዝንባልን ዓቕሊ-ጽበትን ኣብ መንእሰያትና ክነግስ ገይሩ ኣሎ። ሂወት መንእሰያትና፣ ስድራ-ቤታቶምን ሂወት ወለዶምን ብሕሱም ናይ ድኽነትን ውርደትን ሓለንጊ ኣብ ክግረፉሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ኩነታት ክወድቁ ከኣ ገይሩ እነሆ። ድምር’ዞም ኩሎም ሓሳረ-መከራ’ዚኣቶም ከኣ መንእሰያትና፡ ዓሰርተ ሞት ብዝፈራረቖ ሕሱም ስደት፡ ኣግሮም ናብ ዝመርሖም ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡን ዛሕ-ዛሕ ኢሎም ክዝረዉን ይርከቡ። ንሃገርና ኤርትራ ዘኽፍላ ዘሎ መሪር ዋጋ ከኣ፡ ህላወን ቀጻልነትን ሃገርናን ህዝብናን ከቢድ ናይ ብርሰት ሓደጋ ንከንጸላልዎም ገይሩ ኣሎ።

ስለዚ፡ ነዚ ህግደፋዊ ናይ ዕንወትን ብርሰትን ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት’ዚ ክንዝክር እንከለና፡ ንሃገርና ኤርትራ ከመይ ዝኣመሰለ ጸላኢ’ዩ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ደመኛ ጸላኢ’ዚ፡ በዚ ኣዋጅ’ዚ ኣቢሉ ይፍጽሞም ብዘሎ ገበናት ጥራሕ ዝሕጸር’ውን ኣይኮነን። ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ዜጋታትናን ብሄራዊ ህዝብታትናን ኣህሲሩን ኣዋሪዱን ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት’ዩ። ብሓለንጊ ድኽነትን ዓጸቦን ዝጋረፍ ዘሎ ገበነኛ ስርዓት’ዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት ብዝብገስ፡ ብዘይተሳትፎ ህዝብን ብዘይ ምርጫን፣ ብዘይቅዋምን ቅዋማዊ ትካላትን፣ ልዕልና ሕጊ ሓሪሙ ዝነብር ዘሎ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ልምዓትን ድሑር ስርዓት’ዩ። ህልም ዝበለ ገባቲ ስርዓት ከም ምዃኑ መጠን፡ ሞቱን ሕየቱን ኣብ ኲናትን ወራርን’ዩ ዝስረት። ኣብዚ፡ ካብ ህዝቢ ተሓጢጡ ተነጺሉሉ ዘሎ እዋን ከኣ እነሆ፡ ናብ ተራ ግብረ-ሽበራዊ ስርዓት ተሰጋጊሩ፡ ዞባዊ ሰላም ክህውኽ፣ ልኡላዊ ክብረት ህዝብን ሃገርን እሕሲሩን ኣዋሪዱን፡ ብተራ ዓስቢ እናተቖጸረ ክራይ ብምምእራር ዝነብር ዘሎ ስርዓት’ዩ።

ስለዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣማራጺ ዘይብሉ መንገዲ፡ እንኮ ጥራሕ’ዩ። ከም ህዝብን ሃገርን ንክብህልውን ንክንቅጽልን፡ ኩሉ ዓቕምታትናን ክእለታትናን ጠሚርና ምቅላስ። ጸረ-ሰብኣዊ ፍጡር ስርዓት ህግደፍ፡ ከይቀደመና ንክንቅድሞ’ዩ መድረኽ ዝጠልበና ዘሎ። ንሱ ንክቕድመናን፡ ህዝብን ሃገርን ተተርኢሱ ንክወድቕን’ዩ ዝንህር ዘሎ። ንሕና ከኣ ካብ’ቲ ናቱ ናህሪ ብዝተዓጻጸፍ፡ ምዑትን ዘይህለልን ቃልሲ ከነካይድን፡ ንሃገርና ካብ መንጋጋ ዝብኢ ስርዓት ህግደፍ ኣውጺእና፡ ከም ህዝቢ ንክንቅጽልን’ዩ። ንጽባሕ ከይተጸበና፡ ሎምን ሕጅን ብምብጋስ፡ ምዩቕ ከይበልና እንነብረሉ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምርግጋጽ ምቅላስ’ዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ኤስደለ

13 ሕዳር 2016