22
Wed, Nov

ርእሰ-ዓንቀጽ
Typography

 

 zemen

ባሕቲ መስከረም ማለት ንህዝቢ ኤርትራ፡ መዓልቲ እምቢታ ውጹዓት ህዝብታት ኣንጻር መግዛእቲ’ያ። ባሕቲ መስከረም ማለት፡ መግዛእቲ ዝመረሮም ውጹዓት፡ ሰብኣዊ ክብረቶምን መሰል-ርእሰ-ውሳንኔኦምን ንዝጨፍለቑ ገዛእቲ፡ በቲ ዝስቆሮም ናይ ቃልሲ ኣንፈት ንምድርዓሞምን ናይ ሓርነት ሰንደቕ ንምትካልን፡ መሳርዕ ሰውራ ዝተበጎሱላ ክብርቲ ዕለት’ያ። ባሕቲ መስከረም ማለት፡ ደላይ ናጽነት ህዝብና፡ ናይ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓትን ፖለቲካዊ ሓርነትን ጽምኡ ንምርዋይ፡ እቲ ሓርነታዊ ሰውራ ዝሓተቶ ዋጋ ንምኽፋል ድልውነቱ ዘረጋገጸላ ዕለት’ያ። ውድብና ኤስደለ፡ ነዛ ክብርቲ ዕለት’ዚኣ ብክብ ዝበለ ድምቀት ከኽብራ እንከሎ ከኣ፡ ካብ’ዚ ሓቀኛ ትርጉማ’ዚ ተበጊሱ’ዩ። ብድምቀት ንስለ ምኽባራ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ሓርነታዊ ተልእኮን ዕላማታትን ባሕቲ መስከረም ምዕዋቶምን ዘይምዕዋቶምን ዝግምግመላ፤ ንዘጋጥሙ ድኽመታትን መንቀሊኦምን ዘለልየላ፤ ንዝተረኽቡ ዓወታት ድማ ብምዕቃብ ንሕኑን ቀጻሊ ቃልሲ ቃልኪዳኑ ዘሕድሰላ ዕለት’ውን’ያ።

ሎሚ ንባሕቲ መስከረም፡ ንመበል 55 ዓመት ከነኽብራ እንኮሎና’ምባእር፡ ካብ’ዚ ቁምነገር’ዚ ብምብጋስ’ዩ። ኣብ’ዛ ክብርቲ ዕለት’ዚኣ፡ ዕጥቃዊ ሓርነታዊ ንቕሎ ደላይ ፍትሒ ህዝብና፡ ‘’እወ’’ ንባዕዳዊ ምግዛእታዊ ስርዓት ኣወጊዱ፡ ልኡላውነት ነጻ ኤርትራ ክውን ገይሩ’ዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ብግንቦት 24/1991 ግዝያዊ ልዕልነት ዝረኸበ ኤርትራዊ ውድብ ህግሓኤ/ህግደፍ ዝተኸሎ ስርዓት፡ ወራስ-ዓራት ናይ’ቶም ከይተሓለልና ዝተቓለስናዮም ባዕዳውያን ገዛእቲ ኮይኑ። ሰብኣዊ ክብረት ዜጋታትና ኣሕሲሩን ኣዋሪዱን ዝገዝእ፤ ናይ’ቲ ደላይ ፍትሒ ህዝብና፡ ናይ ሰላም፡ ናይ ደሞክራስን ልምዓትን ባህግታት ዝኾለፈ መንግስቲ ተኺሉ። ብዋጋ ውርደት፡ ሓሳረ-መከራን ዓጸቦን ምብትታንን ሚልዮናት ህዝብታትና፡ ዕማኾ ዘይመልኡ ውሑዳት ገዛእቲ ዝዕንዱሩላን ዝግዕዝዩላን ሃገር ገይርዋ ኣሎ። እንሆ ከኣ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ናጽነት፡ ንቡር ብዘይብሉ ፋሽስታዊ ኩርማጅ ክገርፎምን ክጭፍጭፎምን ሃገር ከዕንውን ይርከቡ። እቶም ሕሱማት ባዕዳውያን ገዛእቲ ይገብርዎ ካብ ዝጸንሑ ነውርታት ዝሓስም በደል ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክፍጽም ጸኒሑን ኣሎን። እኩብ ድምር ናይ’ቶም ክፍጽሞም ዝጸንሐ በደላት ከኣ (ኣብ’ዚ እዋን’ዚ)፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ክሳሓጉን፡ ከም ህዝብን ሃገርን ህላወኦምን ቀጻልነቶምን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክወድቕን፡ ብርሰት ከንጸላልዎምን ዝገበረ ሕሱም ጸላኢ ምዃኑ ኣግሂዱ ኣሎ። በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ እቲ መግዛእታዊ ስርዓት ህግደፍ ዝመረሮ ደላይ ሓርነት ዘይሕለሎ ምልዮናት ህዝብና፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍእ ጸላኢ ከምዘይብሉ ምግንዛቡ፡ ብመሪር ናይ ቃልሲ ቁጥዐ ኣቢሉ ከኣ፡ ሰውርኡ ዝሓቶ ዋጋ ንምኽፋል ድልውነቱ ዘረጋገጸሉ እዋን’ዩ።

ካብ ተመክሮ ቃልስና ግቡእ ትምህርቲ ንምውሳድ፡ ንከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃገራዊ በዓል ከነኽብር እንኮሎና’ምባኣር፡ ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ክሕተትን መልሲ ክንረኽበሉን ግድን’ዩ። ብ1961 ዝተገብረ ዕጥቃዊ ሓርነታዊ ንቕሎን ዝተኻየደ ዘይሕለል ጸረ-መግዛእታዊ ቃልስን፡ ስለምንታይ’ዩ ብልዕልነት ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣራዊት ውድብን መንግስትን ተዛዚሙ? ዝብል’ዩ። ሓጺር መልሱ ከኣ እቲ ስውራ፡ ትሕዝኦም ዘይጸበቑ ውድባትን ሕሱማት መራሕትን ገቢቶም ሒዞሞ ብምጽንሖም’ዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ሰውራ ብብቑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ ክምራሕ ብዘይምጽንሑ ምኽንያት’ያ። ነዚ ክሳዳዊ ሕቶ መሪሕ ውዱብ ዘይመለሰ ሰውራ መጨረሽኡ ንሱ ስለዝኸውን’ዩ። ስለ’ዚ’ምባኣር፡ ኣብ ሎሚ ኮይንና፡ ነዚ ክቡር በዓል ባሕቲ መስከረም ከነክብር እንከሎና፡ ነቲ ማእዝንን ተልእኮን ሓርነታዊ ሰውራና ዘስሓተ ብኩራት ብቑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ ናይ ምምላስ ክሳዳዊ ዕማም ተግባራዊ ንምግባር፡ ታሪኽን ተሞክሮን ሰውራና ዝህበና ሕድሪ ምዃኑ ብምስትብሃል’ዩ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ እቲ ኣብ መንጐ ምልዮናት ደለይቲ ፍትሒ ህዝብታትናን ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ዘሎ ግርጭት ተባሊሑ’ዩ። ህዝብታትና፡ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ኣርዑት ስርዓት ህግደፍ ተሓሪሞሞ ኣለዉ። ሓርነታዊ ሰውርኦም ዝሓቶ ዋጋ ብምኽፋል፡ ፖለቲካዊ ሓርነቶም ንከረጋግጹ ዘለዎም ድልውነት ሰማይ ዓሪጉ እነሆ። እንተኾነ ግን ልቦም ዝመልኣሎም፤ ኣብ ዝለኣኽዎ ሃገራዊ ውራይ ዝውዕል፤ ንንቑሕን ወሳንን ተሳትፎኦም ዘተኣናግድ፤ ብቅኑዕ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ መስመር፣ ስጡም ውደባን ብብቑዕ/ውፉይ መሪሕነትን ናይ ዝተሃንጸ መሪሕ ውድብ ብኩራት፡ ሕጂ’ውን ንቃልስና ከሳቕዮ ይርከብ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰት ንምድሓን፡ ኣንጻር’ቲ ደመኛ ጸለኢ ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ክሰምር ዝግብኦ መሳርዕ ደምበ ተቓውሞና፡ ኣብ ክንዲ ዝሰምር እናሓደረ ክዝረግ ይርከብ። ቁጥዐ ደላይ ለውጢ ህዝብና ብብቅዓት ዝመርሖ ስኢኑ፡ ፍኑው ማዕበላዊ ተቓውምኡ ከስምዕ ይርከብ። ህላወን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምርግጋጽ ክግበር ዝግብኦ ጥሙርን ንቑሑን ቃልሲ በቲ ሓደ ወገን፤ ፋሽስታዊ ዕንወት ስርዓት ህግደፍ ድማ በቲ ካልእ ወገን፡ ቀራና ሰሪሖም ኣብ ዘንባህቑሉ ኩነታት ኮይንና ኢና ነዛ ናይ ሎም-ዘበን ባሕቲ መስከረም እነክብራ ዘሎና።

ውድብና ኤስደለ፡ ነዚ ወድዓዊ ክውንነት’ዚ ብግቡእ ገምጊሙ፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣንጸላልዩ ዘሎ ፋሽስታዊ ናይ ብርሰት መዓት ንምብርዓንን፡ ህላወን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምውሓስን ብሓደ ወገን፤ ጥሙር ዓቕሚ ሓፋሽን ደምበ ተቓውሞናን ኣብ ናይ ‘’ኣፍ ኣርክቡ’’ ዕማም ክውዕሉ ክሰርሕ’ዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ዘላቂ ረብሓ ሓፋሽ ህዝብታት ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘገልግል፡ ብቑዕ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ ክውን ንምግባር ኣብ ዝካየድ ዘይሕለል ቃልሲ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ክገብር’ዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ኤስደለ

1 መስከረም 2016