31
Sat, Oct

ምእንቲ ልኡላውነት ሃገርናን ክብርን መሰልን ህዝብናን ዝተበገሰ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እነሆ 59 ዓመታት ኣቑጺሩ። ብሰንኪ ሕመቕናን ዘይብቕዓትናን ካብ ዝግቦኦ ንላዕሊ ግዜ ዝወሰደን ኣሻሓት መስዋእቲ ዘኽፈለናን እኳ እንተኾነ ሃገራዊ ናጽነትና ግን ድሕሪ 30 መረርቲ ዓመታት ተረጋጊጹ እዩ። ሓደ ምዕራፍ ኣኽቲሙ ናብቲ ካላኣይ ምዕራፍ ጉዕዞ ደሞክራስን ምዕብልናን ሀ ! ኢልና ካብ ንጅምር ድማ እነሆ ማዕረቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝወሰደልና ግዜ ክመዓራረ ሓደ ዓመት ጥራሕ ተሪፍዎ ኣሎ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ኣእሙሮ ኩሉ ኤርትራዊ ዝነበረ ትጽቢትን ኣብ ግብሪ ዝተራእየ ክውንነትን ግን ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ኣለዎ። ንምንጽጻሩ ዝኣክል ከኣ ገለ ምባል ዝከኣል ይመስለና።

  • ድሕሪ ናጽነት ባህርያዊ ሞት እምበር፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ኣብ ባሕርን ጣሕርን መስዋእቲ ክበዝሕ ኣይተጸበናን።

  • ድሕሪ ናጽነት ዝተሰደደ ክምለስ እምበር፡ ነቶም ኣቐዲሞም ዝተሰደዱ ከነርክቦም ኣይተመነናን።

  • ድሕሪ ናጽነት ዝወለድናዮም ሓቚፍና ከነዕብዮም ዘዕበናዮም ከኣ ክናብዩና እምበር፡ መንግስቲ ካብ ሕቚፎና መንጢሉ ንሳዋ ወሲዱ ከዕርቦም ኣይተጸበናን፡

  • ጭዋ ባህሊ ህዝብና መሰረት ዝገበረ ቀጻሊ ሓባራዊ ምዕባለ ከነረጋግጽ እምበር፡ ማሕበራዊ ፈትልና ተበታቲኹ ኣብ ሕድሕድና ክንበላላዕን ክንካሰስን ኣይተጸበናን።

  • ብትምህርቲ ማዕቢልና ሃገርና ክንሃንጽ እምበር፡ እታ እንኮ ዩኒቨርሲቲና ተዓጽያ ክትዓኑ፡ ጎደናታት ከተማታትና’ውን ክባድም ኣይተጸበናን

  • ብሉጽ ኤርትራዊ ሓንጎል ተዋዳዲሩ ስልጣን ክሕዝ እሞ እንተማእሚኡና ክቕጽል እንተዘይዓጂቡና ከኣ ብድሌና ንቅይሮ መራሒ ከነምጽእ እምበር፡ ኣብ ልዕሌና ተወጢሑ ከም ናይ መሸጣ እቕሓ ከምድላዩ ዝገብረና መራሒ ከነምጽእ ኢልና ኣይተቓለስናን።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን እዚ ኩሉ እናረኣና ካብ ምሕዛን ንላዕሊ ነቲ ስርዓት ንምእላይ ዝገበርናዮ ዓቢ ነገር ስለ ዘየለ ጥራሕ እዩ። ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኮነን፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ማእለያ ዘይብሉ ኣበሳ ዘውረደ ስርዓት ገና “ንሕና ንሱ - ንሱ ንሕና” ዝብሉ ዝኑባት ምህላዎም እዩ። ግን ከኣ እዚ ብጣዕሚ ዘሕዝን እኳ እንተኾነ ካብ ጎይቶትኩም ነጻ ኮይንኩም ኣለኹም ተባሂሎም ነጻ ዝተለቐቁ ጊሎት (ባራዩ) ካልእ ዓለም ስለ ዘይፈልጡ ብድሌቶም ናብ ጎይቶቶም ዝምለሱ እውን ከምዝነበሩ ብታሪኽ ስለ ንፈልጥ ብዙሕ ዝገርመና ኣይኮነን። የግዳስ ነዞም ሰብ “ንሕና-ንሱ” ኤርትራ ካልእ ዝሓሸ ሰብ ከምዘለዋ ከነርእዮም እንተኺኢልና ዝሓለፈ ጉዕዞኦም ከጣዕሶም ከምዝኽእል ምሕሳብ ጥራሕ እዩ ዝሓይሽ።

ስደትናን መከራናን ክንድዚ ክሓስምን ክነውሕን ዝገበሮ ቀንዲ ምኽንያት ንሕና ስለ ዝሓመቕና ኢና ኢልና እንተተበጊስና ሽግርና ኣብ ምፍታሕ ኣዎንታዊ ተራ ክህልዎ እዩ። ከመይ’ሲ ካብ ሰማይ ዝወረደ እዩ ወይ ናይ ዕድል ነገር እዩ ኢልና እንተሓሲብና ዝሓሸ ዕድል ክሳብ ዝወርደልና ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ምጽባይ ጥራሕ’ዩ ዝኸውን ምርጫና። እዚ ኣቲናዮ ዘለና ኩነታት ብሕመቕና ዝመጸ እዩ፡ ብመንፍዓትና ከኣ ክቕየር ይኽእል እዩ ኢልና መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ካብ ምብጋስ ወጻኢ ካልእ ዝሓይሽ መማረጺ የለን። ንሕና ሃገራዊ በዓላትና ኣብ ስደት ከነሕልፎ ዝተፈረድና ኣይኮንናን። ስደትና ሓጺሩ ፍትሓውን ደሞክርሲያውን መንግስቲ ክንሃንጽ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሓድነት ጉዕዞ ተጠናኺሩ ክቕጽል ኣለዎ - ንዕኡ ዝግባእ ኩሉ ጻዕርታት ክንከፍል እውን ድልዋት ኢና።

 

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

ሓደ መስከረም ዘለኣለም ከቢራ ትንበር

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤስደለ

ባሕቲ መስከረም 2020

ህግደፍ ቀንዲ ዝልለየሉ መሳርሒ ምትላል ጥራሕዩ። ህግደፍ ዝደኸመ እንተደኸመ ናይ ምትላል ዓቕምታቱ ስለ ዘይደክም ነዚ ሕጂ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓል ንምብርዓን ደቂሱ ክሓድር እዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት`ዩ። ብዘይፍላጥ ኣገልገልቲ ሸርሒ ህግደፍ ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ኣለና። ናይ ህግደፍ ሸርሕታት ካብ በቶም ቀንዲ ካድራቱ ንላዕሊ በቶም ገርሂ ልቦም ኤርትራውያን ኣቢሉ ዝውርወር ስለ ዝበዝሕ ካብዚ`ውን ክንጥንቀቕ ኣለና።

Read more ...

ናይ ደቓይቕ ኣጀንዳ ሰሙናት ካብ ኣዛረበና፡ ናይ መዓልታት ኣጀንዳ ዓመታት ካብ ኣሳሓሓበና፡ ኣብ መወዳእትኡ ከይተሰማማዕና ብቖጸራ ካብ ተፈላለና፡ እንታዩ ብልሓቱ - እንታዩ ወሪዱና?

Read more ...

ጭቖና ክሳብ ዘሎ ቃልሲ ጸረ ጭቆና ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ቃልሲ ንፍትሕን ደሞክራስን ከኣ መጀመርታ እምበር መወዳእታ የብሉን። ይትረፍዶ ኣብ ከም ሃገርና ኤርትራ ዝበለ ጨና ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ዝጠፍኣሉ ኩነታትሲ ይትረፍ ኣብቶም ንኣማእታት ዓመታት መስርሕ ፍትሓውነትን ደሞክራሲያውነትን ኣታኣታቲና ኢና ዝብሉ ሃገራት እውን እንተኾነ ፍትሕን ደሞክራስን ክዓሙቕን ክሰፍሕን ንምግባር ቃልሲ ኣየዕርፍን

Read more ...

More Articles ...