19
Thu, Oct

ቃለ-መሕተት
Typography

ኣቦ መንበር ኤስድለ፣ ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ፍሉይ መለለዪ ውድብ ኤስደለ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዝነበረን  ውድባት ኣብ ሓደ እናተጠምራን እናሰመራን ናይ ዝመጻ ልዕሊ ሸውዓት ውድባት ስምረት ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ኣቶ ዮሃንስ ነዚ ዝገለጸ፣ ምስ ቲቪ ቴምፖ ኣፍሪክ ኣብ ዝገበሮ ቃለ ምልልስ ኮይኑ፣ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ደምበ ተቓውሞ፣ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኤስደለን ስፊሕ መብሪሂ ኣብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ እዩ። ብዘይካዚ ኣቶ ዮሃንስ ሕጂውን ብሓባር ክሰርሓ ቅሩባት ምስ ዝኾና ውድባት ፍልልያት እናጽበብካ ውህደት ምፍጣርን ክደፍእሉ ምዃኖም ኣረጋጊጹ። ደምበ ተቓውሞ ብምፍንጫልን ምብትታንን ውድባት ዝፍለጥ እኳ እንተነበረ ውድብ ኤስደለ ግን በኣንጻሩ፣ ኣብ ምጥርናፍ ኣድሂቡ ይሰርሕ ምንባሩ እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብነታዊ ተግባር ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ንዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ስዕብ ቪድዮ ጠዊቕኩም ተኸታተሉ።