14
Thu, Dec

ቃለ-መሕተት
Typography

ቃለ-መሕትት ምስ ተጋ/ዮሃንስ ኣስመላሽ

ኣቦ-ወንበር ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

መጽሔትን መርበብ ሓበሬታን ዘመን (ወግዓዊ ልሳናት ኤስደለ)፡ ንውጻኢት 2ይ ስ/ ኣ/ማ/ሽማግለ ኤስደለ ምኽንያት ብምግባር፡ ምስ ኣቦ-ወንበር ኤስደለ - ተጋ/ዮሃንስ ኣስመላሽ ዝተገብረ ቃለ-መሕትት፡-

 

ዘመን፤- ሓፈሻዊ መእተዊ መታን ክኾነና፡ ኣብ ከባቢ ክፍላ መጋቢት 2016 ዝተዛዘመ 2ይ ስ/ኣ/ማ/ሽ ኤስደለ ዝተኻየደሉ ውድባዊ፣ ሃገራዊ፣ ከባብያውን ዓለማውን ኩነታት ዶ ክትሕብረና?

ተጋ/ዮሃንስ፤- ውድብና ሓሙሽተ ውድባት ኣስሚሩ ኤስደለ ተባሂሉ ካብ ዝምስረት ድሮ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዳርጋ ኮይኑ ኣሎ። ኣረኣእያ ኣባላቱን ተወፋይነቶምን ንምድልዳል ዝተፈላለዩ ዓበይትን ነኣሽቱን ሰሚናራት እናገበረ ውድባዊ ዓቕሙ ኣዕብዩ፡ ዘተኣማምን ሓይሊ ናይ ደንበ-ተቓውሞ ኮይኑ ኣሎ ክበሃል ይከኣል።

ሃገርና ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 25 ሕሱም ናይ ነጻነት ዓመታት፡ ቁጠባ ሃገርና መሬት ዘቢጡ፤ ፖለቲካ ሃገርና ብቶታሊታርያዊ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ተባሒቱ፤ ማሕበራዊ ፈትሊ (social fabric) ህዝብና ተበጣጢሱ ብናይ ኢሰያስን ኣተሓሳስብኡን መልክዕ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ብናይ ሳዋ ኣተሓሳስባ ተባዒጡ ተሰንኪቱ ክወጽእ እሞ፡ ካብ መሬት ከይበረኽካ ብድኽነትን ብጸበባን ማዕረ ኮንካ ክትከይድ ዝገብር ጨካን ኣካይዳ ተረሚሳ ጸኒሓ ኣላ። ከም’ዚ ዝበለ ዘይጥዑም ኩነታት ንሃገርና፡ ኣብ ዓለም ሓንቲ ከም ናይ ስደተኛታት ምንጪ ኮይና ክትፍለጥ ኮይና ከምዘላን ናይዚ ኩሉ ሓላፍነት ዝስከም ከኣ ስርዓት ህግደፍ ጥራሕ ምዃኑ ርኢና ኣለና።  

ከባቢና ብዝምልከት ድማ፡- ብስርዓት ህግደፍ ዘይተተንከፈ ናይ ቀረባ ጎረቤት ከምዘየለ ድሕሪ ምርኣይ፡ ምስ ጅቡትን ኢትዮጵያን ገና ኣይሰላም ኣይ ኲናት ዝዓይነቱ ኩነታት ከምዘሎ፤ ምስ ሱዳን ልቢ-ዝልቦም እናተፋለጡ እንተወሓደ ተዛማዲ ሰላም ክበሃል ዝከኣል ከምዘለዎምን እዚ ዝፈጠሮ ኩነታት ድማ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ከም ድላዩ ዝዕንድረሉ ኩነታት ተፈጢሩ ምህላዉ ርኢና። ስግር ኢልና እውን ግብጺ ምስ ማያት ኒል ዝተኣሳሰር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዋ “ታሪኻዊ ጽልኢ” ምስ ስርዓት ህግደፍ ቀሪባ ክትሰርሕ  ጌርዋ ምህላዉ። ስዑዲ ዓረብ ከኣ እቲ ጸረ ሑሲን ከተካይዶ ዝጸንሐት ኲናት ምስ ጻዕጸዐ ንወደብ ዓሰብ ተኻርያ ንግዚኡ ስርዓት ህግደፍ ትንፋስ ክረኽበሉ ዝኽእል ዓስቢ ረኺቡ ምህላዉ እውን ካብ ዝረኣናዮ ጉዳይ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ንህዝባዊ ረብሓ እዩ ዘይጎየየ እምበር፡ ንጉጅላዊ ረብሕኡ ግን ሕልንኡ ክሸይጥ ድሕር ዝብል ስርዓት ከምዘይኮነ ታሪኽ ምሂሩና ኣሎ።

ዓለማዊ ኩነታት ብዝምልከት ከኣ፦ ዓለምና ዋላ’ኳ እቶም ብ BRICS ዝፍለጡ ሃገራት (ብራዚል፡ ራሽያ፡ህንዲ፡ቻይና ከምኡውን ደቡብ ኣፍሪቃ) ነቲ ብኒዮ-ሊበራሊዝም ዝፍለጥ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ስርዓት ኣመሪካ ብሒትዎ ዝጸንሐ ዓለም መማረጺ ንምፍጣር ይጽዕሩ እኳ እንተለዉ ግን ገና ኣመሪካ እንኮ ዓብላሊ ዓለማዊ ሓይሉ ዘረጋግጸሉ ኩነታት ምህላው እውን ርኢና። ኤርትራ ሃገርና ኣብ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ስለ እትርከብ ነዚ ዓለማዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ማያት ንምቁጽጻር ኩሉ ግዜ ናይ ርእሰ-ሓያላን ውድድር ይኹን ቆላሕታ ዘይፍለዮ ከባቢ ምኳኑ እውን ምዝንጋዕ ከምዘይግባእ ርኢና። ስለዚ ዓለም ንቓልስና ብፍትሓውነቱ ደረጃ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ከባቢ መን’ዩ ረብሓታቶም ክህለወሎም ዝኽእል ብዝብል ዝጥምትዎ ምዃኑ እውን ምርኣይ ኣገዳሲ ምዃኑ። ሓደ መርኣያ ናይዚ ጉዳይ ድማ ነቲ ብጸረ-ሰብኣውነቱን ጸረ-ደሞክራሲያውነቱን ዝተፈልጠ ስርዓት ህግደፍ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ 200 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክህብዎ ኣብ ልዕሊ ምውሳኖም፡ ኣብ ልዕሊኡ ተወሲኑ ዝነበረ እገዳ ንምልዓል ላዕልን ታሕትን ይብሉ ምህላዎም እዩ። እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ብ200 ሚልዮን ዶላር ባህርያቱ ቀይሩ ሰናይ ምምሕዳር ኣተኣታትዩ መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ብሰላም ክነብሩ ከፍቅድ ዘይሕሰብ ነገር እዩ። በዘን ተጌረናሉ ዘለዋ መብጸዓ እቲ ዝለመዶ ጥራሕ እዩ ክገብር ዝኽእል - ናይ ጭቆና ማሓውራቱ ዝያዳ ከደልድለሉን ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ማሕፉዳ ከሕብጠሉን ጥራሕ’ዩ ዝኽእል እምበር ናብ ህዝባዊ ረብሓ ጥብ ትብል ሳንቲም ክትህሉ ኣይኮነትን።   

ዘመን፤-  2ይ ስ/ ኣ/ማ/ሽ ኤስደለ ዝተኻየደሉ ፍሉይ ኩነታት ( ኣብ ኩነታት ህዝቢ፣ ጸላእን ደንበ-ተቓውሞናን) እንተሃልዩ ዶ ክትገልጸልና? ዝተገብረሉ ገምጋም ከ? ከመይ ዝኣመሰሉ ውሳኔታት ከ ኣሕሊፍኩምሉ?

ተጋ/ዮሃንስ፤-2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ኤስደለ ዝተኻየደሉ ፍሉይ ኩነታት ብዙሓት ነገራት እኳ ኣንተለዉ እቶም ቀንዲ ቀንዲ ጥራሕ ንምጥቃስ ብኩነታት ህዝብና ክንጅምር። ህዝብና ኣብ እዋን መግዛእቲ እውን ከይተረፈ ርእይዎ ዘይፈልጥ ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ዓሚቕ ቅልውላው ኣትዩሉ ኣብ ዘሎ ኩነታት ምህላዉ እዩ። ኣብ ፖለቲካ ስርዓት ህግደፍ ዝሓዞን ዘረምሰሶን ኩሉ እናፈሸሎ ክሰርሕን ክፍንጥሕን ጸኒሑ። ባዕሉ ርእሰ-ብሄር ኢሰያስ ኣፈወርቂ እውን እንተኾነ ብዘይካ እንዳ ኮርያ ዕዉት ፕሮጀክት የለን ኢሉ’ዩ። ዝሕግግ ዝፍጽም ዝፈርድ ህዝባዊ ትካላት ኣብ ዘይብላ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኩሉ ከከም ዝመስሎን ከከም ዝጥዕሞን ሕግታት እናኣውጸአን እናፈረደን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኢና ንርከብ ዘለና።  ጥቕልል ኣቢልካ ክረኤ ከሎ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ምኳኑ ተሪፉ ህዝቢ ናይ መንግስቲ ኮይኑ ከም ዝኾነ ናይ ሸቐጥ ኣቕሓ ሓሲሩን ተዋሪዱን ምህላዉ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጩራ ናይ ፍትሒ ኣብ ዘይብሉ ሃገር እታ ሓንቲ መማረጺት ካብዚ ዝኸፍእ የለን ኢሉ እግሩ ናብ ዝመርሖን ዕድሉ ናብ ዘውደቖን ምኻድ እዩ። ሓንሳብ ክብ ሓንሳብ ለጠቕ ብዝብል ብዝሒ እንተወሓደ ኣብ ወርሒ ክልተ ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ካብኡ ንላዕሊ ከኣ ናብ ሱዳን ይኣትዉ ኣለዉ። ሃገር ትጸንት ኣላ። ካብዚ ንላዕሊ ኣፈርክቡ የለን።

ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ብዝምልከት ከኣ፡ ሕቶ ምትእምማን ኣዝዩ መሬት ዘቢጡ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ብዓይኒ ጥርጣረን ጽልእን ኣምበር ምክብባርን ምድምማጽን ዝተሳእነሉ እዋን ኢና ዘለና። ብርእይቶይ ብፍላጥ ይኩን ብዘይፍላጥ ኩሉ እቲ ናይ ውድቀት መንገዲ ተፈቲኑ ኣይተዓወተን። ካብዚ ወሪድናዮ ዘለና ንታሕቲ ክንወርድ ዝከኣል ኣይኮነን። ሕጂ ኩልና ብሓባር ክንነብር ዝተዓደልና ምዃንና ፈሊጥና ምንባር- ምንባሩ ንሰላማውን ትስፉውን መነባብሮ ኣፍደገ ዝኸፍት ጉዕዞ ምቕያስ እዩ ዘድልየና። እቶም ብሓንሳብ ክንነብር ዝተረገምና እምበር ዝተዓደልና ኣይኮንናን ኢሎም ዝሓስቡ ኣካላት ድሕረታት እናጻሕተሩ ብወገን ብሃይማኖት ከምኡውን ብሓሶት ነገር ክውልዑ ክቕጽሉ ምዃኖም ዘይተርፍ እዩ። ግን ኣብ ዝኾነ ሃገር - ኤርትራ ወሲኽካ፡ ካብቶም ጸየቕቲ እቶም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ይበዝሑ። ስለዚ ብሓደ ክልተ ዘረግቲ ከይተሰናበድና ምእንቲ ሓድነትን ድሕነትን ሃገር በርቲዕና ምስራሕ ተስፋ ክንቆርጸሉ ዝግባእ ኣይኮነን።

መን፤- ብዛዕባ ንኤሃባደለ ኣጋጢምዎ ዘሎ ደውታን ጠንቅታቱን ዶ ክትገልጸልና? ዳግም ሂወት ዘሪኡ ዝቕጽለሉ ኩነታት ንምፍጣር ዘሎ ዕድል ከ?

ተጋ/ዮሃንስ፤-  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ ዝብገስ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ በብእዋኑ ብዙሕ ዕንቅፋታት ከጋጥምዎ እኳ እንተጸንሑ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብዚ ሕጂ ኣትይዎ ዘሎ ደውታ ዘብጸሐ፡ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተበገሰ ሰነድ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ሰነድ ብዙሕ ተባሂሉ እዩ። ሕጂ ምድጋሙ ዝያዳ ምቁሳል ከይኮነና። ኣግላሊ ሰነድ እዩ ይተኣረም ኢልና ዝሰምዓና ሰብ ኣይረኸብናን። ዓመት ሙሉእ ኣብ ናይ ወረቐት ኲናት ሓሊፍናዮ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ 5ተ መጋቢት ዝተገብረ ናይ ገለ ኣባላት ባይቶ ሰሚናር ተሳማሚዑሉ ዘለዉ ሰነድ ቅድሚ ዓመት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከምኡ ዝኣመሰለ ሰነድ ኣበጊሳ ኔራ እንተትኸውን ኣብዚ ኩሉ ሽግር ኣይምወደቕናን ኔርና። እቲ ክሳብ ሕጂ መልሲ ዘይረኸብኩሉ ሕቶ ግን - ስለምንታይ ኩሉ ግዜ ምስ መንደቕ ምስ ተራጸምና ጥራሕ መንገዲ ምቕያር ንመርጽ? ዝብል`ዩ። ኣብ ቃልሲ ክሳብ ዝሃለና ኣብ ምሕደራን ኣፈታትሓ ግርጭትን ዘሎ ኣተሓሳስባና ከነመሓይሽ ጽቡቕ እመስለኒ። ግን ዝኾነ ሰብ ካብ ሒዝዎ ዘሎ ሓላፍነት ንላዕሊ እቲ ተሰኪምዎ ዝጸንሐ ናይ ታሪኽ ጾር (historical baggage) ዝኸብዶ እንተኾይኑ ግልል ኢሉ ንኻለኦት ዕድል እንተዝህብ ጉዕዞ ምቐለለ እመስለኒ። ግን ከኣ ሕጂውን እቶም ዝበደልናን ዝተበደልናን ሓንቲ ሃገር እያ ዘላትና። ብሕመቕና ዝተፈጥረ ሽግር ብመንፈዓትና ክድምሰስ ስለ ዝኽእል ከኣ ተስፋ ንቖርጸሉ ነገር ኣይኮነን።  ስለ ዝኮነ ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ማኣከላይ ሽማግለ ገምጋምና እውን ኤስደለ ንሓድነት ደንበ ተቓውሞ ክኽፈል ዘለዎ ኩሉ ክኸፍል ድሉው ምዃኑ እዩ ኣስሚሩሉ ሓሊፉ። ኣብ ታሪኽ ኤሃባደለ እውን ውድብና ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ክገብር ጸኒሑ እዩ። ሕጂውን እንተኾነ ካብዚ ኣቲናዮ ዘለና ደውታ ከውጽእ ኢልና ዝረኣናዮ ኣገባብ መርገጽና ኣነጺርና ኣለና። ኩልና ካብቲ ዝሓለፈ ዓመትን ዝያዳን ዝወደኤ ምስሕሓብን ጠንቅታቱን ወጺእና ኩላትና ናብ ናይ ሓባር ሰሚናር እንኣትወሉ መንገዲ ክንፈጥር ኣለና። ኣብቲ ንኹሉ ዘተኣናግድ ሰሚናር ኩሉ ብሓብር ንከይንሰርሕ ከጸግመና ዝጸንሐ ፍልልያት ኣሊና ኣብ ሓደ ዝተወደበ - ናብ ጉባኤ ንኣትወሉ ቀጥዕታት ምድላው የድልየና ኢና ንብል ዘለና። ኩሉ ዓቕምና ኣብ ክንዲ ኣብ ሕድሕድና ዝቐንዕ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ክቐንዕ ናይ ሕጂ ቀንዲ ጻውዒትናዩ። ሕጂ ናብ ሰሚናር ዘእቱ ሓደ ንኹላትና ዝውክል ሽማግለ ይወጽእ። በዚ ኣቢልካ ባይቶ እንደገና ህይወት ዝለብሰሉ ዕድላት ዕጹው ንገብሮ ኣይኮነን።

ዘመን፤- ኤሃባደለን ካልኦት ካብኡ ወጻኢ ዝርከቡ ዓቕምታት ደምበ-ተቓውሞን፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ንምዕሳል ተባሂሎም ዝተፈላለየ ተበግሶታት ክግበሩ ንርእይ ኣለና፡፡ እዞም ተበግሶታት እዚኣቶም፡ ንጥምረት ሃገራዊ ዓቕምታት ብዘገልግል ንምምእዛኑ፡ 2ይ ስ/ኣ/ማ/ሽ እንታይ ዝረኣዮ መፍትሒ ኣሎ?

ተጋ/ዮሃንስ፤- እቶም ዝረኣዩ ዘለዉ ተበግሶታት ዕላምኦም ቅኑዕ እዩ ኢልካ ክረኤ ዝከኣል እመስለኒ። እንተኾነ እቶም ተበግሶታት ቁጽሮም በዚሑ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ነንሕድሕዶም ስሩዕ ርኽኽብ ስለ ዘይብሎም እቲ ሓደ ዝበጽሖ ደረጃ ነቲ ካልእ ዘካፍል ኣይኮነን። ስለዚ ካብ ሓደ ተበግሶ ጸኒሕካ ናብቲ ካልእ ተበግሶ ክትሰጋገር ከለካ ነቲ ኣቐዲምካ ዝወዳእካዮ ኣርእስትታት ከም ብሓድሽ ትዛራረበሉ እሞ ግደ ድኻም ጥራሕ ኮንካ ትተርፍ። ስለዚ እቶም ብገንዘብ ክሕግዙ ዝኽእሉ ብገንዘብ እቶም ብሓሳብ ክሕግዙ ዝኽእሉ ብሓሳብ እናተሓጋገዙ ኩሎም ብሓደ እንተዝወፍሩ ጻዕርና ምቐለለ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ማእከላይ ሽማግለና እውን ኣንተኾነ እቶም ንምጥርናፍ ተበግሶ ትወስዱ ዘለኩም ከምቶም ፖለቲካዊ ውድባት ፋሕ ኣይትበሉ ዓቕምታትኩም ኣወሃህዱ ክብል እዩ ተላብዩን ኣተሓሳሲቡን። 

ዘመን፤- ኤስደለ፡ ምስ ገሊኡ ውድባት ኤርትራ ዘለዎ ፍሉይ ዝምድና እንተሃልዩ ዶ ክትገልጸልና? መሰረታዊ መበገስን ዕላማን ናይቲ ዝምድናታት ከ?

ተጋ/ዮሃንስ፤- ኤስደለ ንኩሎም ውድባት ዝግበኦም ክብሪ ይህቦም እዩ።ክብሪ ከይሃብካ ክብሪ ኣይትረክብን ኢኻ። ስለዚ ንሕና እውን ዝግበኣና ክብሪ ክንረክብ እንተኮይንና ንኻለኦት ክብሪ ክንህብ ኣንተኺኢልና ጥራሕ እዩ። ኩሉ ዘኽበርካዮ ክብሪ ይመልሰልካ ማለት ግን ኣይኮነን። ስለዚ ንምጽላምና ዝተዓጥቁ እንተልዮም እውን “ንሱ ኮይኑ እቲ ዓቕሞም” ኢልና ንሓልፎ እምበር ሕነ ክንፈዲ ኢልና ኣይንህቅንን ኢና። ስለዚ ምስ ኩሉ ጸረ ህግደፍ ዝኾነ ሓይሊ ዓቕምና ኣዋሃሂድና ክንሰርሕ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይነእትዎ መድረኻዊ ዕላማናዩ። ኲኖ እዚ ናይ ቀረባ ዕማም ምሳና ሓቢሮም ምስ ዝኸዱ ውድባት ድማ ጥብቕ ዝበለ ዝምድናታት ክንገብር ናይ ግድን እዩ ዝኸውን። እዚ ተሃዊኽካ ዝግበር ኣይኮነን። ስርሕ ፍንጥሕ ከኣ ንዓና ይኹን ንህዝብና ጽቡቕ ስለ ዘይኮነ ርግእ ኢልና ክንሕዞ መዲብና ኣለና።

ዘመን፤- ማ/ሽማግለ ኤስደለ፡ ክሳብ’ቲ ዝቕጽል ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ንክፍጽሞም ዝሓዞም ቀንዲ ዕማማት እንታይ ኣለዉ? ነዞም ዕማማት እዚኣቶም ንምዕዋት ኣብ ዝግበር ንጥፈታት፡ ናብ ኣባላትን ህዝብን ከተመሓላልፎ እትደልይ መልእኽቲ እንታይ እዩ?

ተጋ/ዮሃንስ፤- ቅድም ቀዳድም ንውሽጥኻ ምርኣይ ስለ ዝሓይሽ፡ ውሽጥና ገምጊምና ጉድለታትናን ድኽመታትናን ኣሪምና ሓያል ጎድንታትና ድማ ኣጠናኺርና ወጺእና ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ። ልዕሊ ኩሉ ኮሚታዊ ኣሰራርሓ ዝምዕብለሉ ኣሰራርሓ ዝያዳ ኣተኩሮ ዝገበርናሉ ጉዳይ እዩ። ሰብኣዊ ዓቕምና ንምሕያል ንኣመራርሓን ንሓደስትን ዝኸውን ቀጻልነት ዘለዎ ስልጠና (ዓቕምና ብዝፈቐዶ) ክንገብር መደብና`ዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ደውታ ወጺኡ ግቡእ ናይ ቃልሲ ተርኡ ክጻወት ሕጂውን ከም ትማሊ ተጊህና ክንሰርሕ ተዳሊና ኣለና። እነሆኳ ምስ ብዙሓት ውድባት እናተራኸብና ናይ ሓሳብ ምቅርራብ ንገብር ኣለና። እቲ ክሳብ ሕጂ ብትሕተ ባይታዊ መንገዲ ሰለይ ክብል ዝጸንሐ ወተሃደራውን ጸጥታውን ዓቕምና ክጉልብት ሓደ ካብቲ ቀንዲ ውሳኔና እውን እዩ። እዚ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ደገፍ ዝሓትት ዓቢ ፕሮጀክት እዩ። ቃልሲ ምእንቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብቲ ባህርያዊ ቦትኡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክጉሃሃር ኩሉ ዝከኣለና ክንገብር ኢና። ስለዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣእዛን ዜጋታትና ክድወል እንደልዮ ናይ ቃልሲ ጻውዒት - “እንታይ ኢና ንጽበ ዘለና፡ ካብዚ ንላዕሊ ውርደት ኣንታይ ኣሎ?!” ኢልና ነቲ ዘይተርፍ ዓወት ምቅልጣፍ ንህዝብና ከነላዓዕል ኢና።  ብዘይካዚ ልዑል ኣተኩሮ ዝሃብናዮ ጉዳይ ስደተኛታት ብሓፈሻ፡ ጉዳይ መንእሰያትን ደቀንስትዮን ከኣ ብፍላይ እዩ። ኣብ ከባቢ ሃገራት ይኹን ኣብ ርሑቕ ተሰዲዶም ዘለዉ ዜጋታትና በብእዋኑ ዘጋጥሞም ጸገማት ንዝምልከቶም ብስሩዕ እናሓበርናን ኣቤት እናበልናን መነባብሮኦም ክመሓየሽ ክንጽዕር ኢና። መንእሰያትና ስደት ዘላቂ ፍታሕ ከምዘየምጽእ ፈሊጦም ኣብ መሳርዕ ደለይቲ ለውጢ ተሰሊፎም ሓድሽ ኣተሓሳስባን ዉዑይ ድርኪትን ክፈጥሩ ጻውዒትና ነቕርብ ኣለና። ወነንቲ እምበር ተዓዘብቲ ናይቲ ጽባሕ ዝፍጠር ለውጢ ክኾኑ ኣይግባእን። ደቂ ኣንስትዮና እውን እንተኾነ ብኩራተን ንደንበ ሰውራና ከም ዘዕበሮ ፈሊጠን ንቕድሚት ክመጻ ነተባብዐን። እዚ ናይ ተባዕትዮ ክለብ ጥራሕ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ደንበ ተቓውሞ ብተሳትፎኤን ከሃብትሞኦ ድሌትናን ዕላማናን እዩ። “ብዘይ ተሳትፎ ጓል ኣንስተይቲ ዝዕወት ቃልሲ የለን” ምባል ንስለ ቀለዓለም ዘይኮነስ ብመትከል እንቃለሰሉ ጉዳይ እዩ። እዚ ግን ብዘይ ሙሉእ ድሌት ደቂ ኣንስትዮና ክዕወት ስለዘይክእል ትማል ኣብ ነጻነታዊ ቃልሲ ዝነበረ ጅግንነተን ሕጂ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ክደግመኦ ጻውዒትናዩ። ውድብና ንደቀንስትዮ ዝግበኤን ክብርን ቦታን ክህበን ሓደ ካብቲ መለለያኡን መፈተኒኡን ክኸውን እዩ።

ዘመን፤- በዚ ኣጋጣሚ፡ ዝተረፈ እትብሎ፡ ከተመሓላልፎ እትደልይ መልእኽቲ ይኹን ጻውዒት እንተሃልዩ?

ተጋ/ዮሃንስ፥ ኤርትራና ካብ መንጋጋ ባዕዳዊ መግዛእቲ ወጺኣ ኣብ ትሕቲ ጫማ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ክትደሃኽ ካብ ትጅምር ድሮ 25 ዓመት መሊኡዋ እንሆ። ኣዚ ተኣንጎት ተሸብሸብ ዝበሃሎ ዘሎ ውራይ በቶም ክዳኖም ኣጽርዮም ካብ ርሑቕ ዝመጹ ነገድቲ (ንግደት) ደሚቑ ክውዕል ብዙሕ ወፍሪ ዝግበረሉ ዘሎ እዩ። እንተ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ግን 25 ዓመታት ሰብኣዊ ክብሩ ተጋሂሱ ናብራ ጎይታን ጊላን ኮይኑ ዝሓለፈለን ዓመታት እምበር፡ ናይ ሓርነት ንፋስ እናኣተንፈሰ ጎይታ ሃገሩን መንግስቱን ኮይኑ ዝሓለፈን ዓመታት ኣይኮናን። ኣማእታት መንእሰያት ኣብ ባሕሪ እናሃለቑን ኣብ ምድረበዳ ብኣጻምእ እናዓረቡን እቲ ወሰን ወሰን ክብል ዝጸንሐ ህልቂት ዜጋታትና ሎሚ ኣብ ማኣከል ኣስመራ ብኣልማማ ብጥይት ክኹስተሩ እናረኣኻን እናሰማዕካን፡ ብሳዕሲዒትን ብዳንኬራን ክበዓል ዝግባእ ኣይኮነን። የግዳስ ጸረ ሰብኣውን ጸረ ደሞክራሲያውን ባህርያት ህግደፍ ዘቃልዕ ሰላማዊ ሰልፍታትን፡ “እንታይ ይገበር?” ዝብል ዓሚቕ ዘተታት ዝካየደሉ ዓበይቲ ሰሚናራትን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ክግበር ዝግባእ እመስለኒ። ነዚ ንምግባር ድማ በብኸባቢኡ ተጠርኒፎም ዝጸንሑ ደለይቲ ለውጢ ተበግሶታት ክወስዱ ይግባእ እብል።

ዘመን፡- የቐንየልና።

ተጋ/ዮሃንስ፦ ኣነ’ውን የቐንየለይ።