19
Thu, Oct

ኤርትራ ብ24 ግንቦት 1991 ሃገራዊ ናጽነት ክሳብ ትጓናጸፍ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ጸረ-ተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ፡ ነዊሕን መሪርን ህዝባዊ ቃልሲ ተካይዱላ፡ ዘይተኣደነ ከቢድ ናይ ህይወት፡ ሞራልን ንብረትን መስዋእቲ ተኸፊሉላ’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምን ስርዓት ብዘይምንባሩ ፡ ህዝብና መሰሉን ክብሩን ብቕልጽሙ ንምምንዛዕ ዝተናወሐ ፍትሓዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ግድን’ዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ብስሙር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ተደምሲሱ፡ ሃገራዊ ናጽነት ክውን ኮይኑ። ግንቦት 1991 ብቕልጽም ማዕበል ሰውራ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ናጽነት ዝመንዛዕናላ ታሪኻዊት ዓመት ጥራይ ኣይኮነትን ነይራ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተተኽለ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ፡ ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን መሰል ርእሰ-ውሳኔኡን ብጽኑዕ ዝኣምን ስርዓት’ዩ ተመስሪቱ። እዚ ክውንነት’ዚ ነቲ ብቕልጽም ዝመንዛዕናዮ ሃገራዊ ናጽነት፡ ብህዝባዊ ወኸሳ (ረፈረንደም) ሕጋዊ መዕለቢ ንኽንገብረሉ ምቹእ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ፈጢሩ’ዩ። ብሚያዝያ 1993 ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ወኸሳ (ረፈረንደም) ከኣ፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ነዊሕ ቃልስን ዝተኸፍለ መስዋእትን ዘንጸባርቕ 99.8% “እወ ንሃገራዊ ነጻነት!” ብምድማጽ ግንቦት 1993 ልኡላዊት ናጻ ኤርትራ ብወግዒ ተበሲሩ።

Read more ...

ኤስደለ፡ ዉጽኢት ናይ’ቲ ደሞክራስያዊ ጠለብ ህዝብታትና ዝኾነ ሕቶ ሓድነትን ስምረትን’ዩ። ሓሙሽተ ኣሕዋት ውድባት ኤርትራ፡ ነቲ ወትሩ ዉዕዉዕ ዝኾነ ናይ ሓድነት ሕቶ ግቡእ ኣድህቦ ብምሃብ፡ ብዝወሰድዎ ናይ ስምረት ተበግሶ፡ ዝተፈጥረ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ውድብ’ዩ።

Read more ...