እዋናዊ ትሕዝቶ ብትግርኛ
ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ግሃድኤ) ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ ዕለት 16 ክሳብ 18 ጥቅምቲ 2020 ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ’ዚ ኣብ መጀመርታ ርብዒ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ንምክያዱ ተመዲቡ’ኳ እንተነበረ፣ ብስንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ክሮና (ኮቪድ 19) ክካየድ ኣይተኻእለን።
ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣብ ምጅማር ኣኼብኡ ጸብጻባት ስክረታርያ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ተኸታታልን ተቖጻጻርን ኣካልን ሰሚዑ። ስራሓት ኣብያተ ጽሕፈታት ፈጻሚ ኣካል ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣኼበኛታት በቢመዳያቱ ተኻትዖም፡ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ዉድብና ብወድዕነት መዚኖም። ከምኡ’ዉን ኣብ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ዘትኮረ ብሃናጺ ክትዓትን፡ ብግሉጽነትን ብነቐፈታን ርእሰ ነቐፈታን፡ ሓያልን ድኹሙን ጎድንታት ናይቲ ዝተኻየደ ዕዮ ብግቡእ ገምጊሙ። ኣብ መላእ ኩርነዓት ዓለም ተዘርጊሑ ዝርከብ መሰረታት ግሃድኤ ብዲሞክራስያዊ ማእከልነት ተማእዚዙ፡ ከይተሓለለን ልዑል ሃገራዊ ንቕሓት ወኒኑ ሃገራዊ መስመር ዉድቡ ንምዕዋት ዘካየዶን ዘካይዶ ዘሎን ቃልሲ፣ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ መጒሱ። እቶም ዝቐረቡ ጸብጻባት ዝተፈላለዩ ትካላት ውድብ ድሕሪ ዓሚቊ ክትዕን ወድዓዊ ገምጋማትን፣ ውሳኔታትን ለበዋታትን ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣመልኪቱ ዝተፈጸሙ ስራሓትን ዝተራእዮ ሕጽረታትን ብግቡእ ድሕሪ ምግምጋም 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣጽዲቕዎ። ካብዚ ብምንቃል ድማ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ፣ስርዒታዊ ዲሲፒሊን ብዘይትንክፍ፣ ውድባዊ ኣካላት ብግቡእ ንምንጥጣፍ ዝዓለመን፣ ንሓባራዊ ስራሓትና ብዘዕዝዝን፣ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት እነካይዶ ዕማማት ክብ ንምባልን፣ ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሓን ብዓቢ ደረጃ ክንግልገለሉ ተዳላይነቱ ዕዙዝ ምዃኑ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ንኹሎም ሓለፍቲ ትካላት ብዕቱብነት ክሰርሕሉ ተማሕጺኑ።
ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ምሕደራ ምልካዊ ጉጅለ ህግዲፍ ተረምሳ ትነብር ዘላ ሃገር ብምዃና፡ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝብና ኣብ ኩሉ መዳያት መሰላቱ ተነፊግዎ ኣሰቃቒ ህይወት የሕልፍ ምህላዉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ልዑላዉነት ሃገርና ንዋጋ ዕዳጋ ዘሳጥሕ ድጉል ዕላማ ሒዙ ይጓዓዝ ምህላዉ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ይርከብ። ወግሐ ጸብሐ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዉግእ ንምጽሕታር ዝፍጽሞ ዘሎ ወስታታት ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ከቢድ ጉድኣት ከስዕብ ምኳኑ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣሚቱ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1998 ዓ.ም. ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ዘሕዝንን ዘይርሳዕ ኣሉታዊ ስምብራት ዝሓደገን ተመኩሮ ስለ ዝኾነ፣ ሕጂ’ውን ህዝብና እንደገና ናብ ዉግእ ንኸይሽመም፡ ማሕበረ ሰብ ዓለምን፡ ሕቡራት መንግስታትን፡ ሓድነት ኣፍሪቃን፡ ሕብረት ኤዉሮጳን፡ ከምኡ’ውን ሰላምን ርግኣትን ዘገድሶም መንግስታትን ኣብ ልዕሊ ገባቲ ጉጅለ ህግዲፍ ኣድላዪ ጸቕጢ ክገብሩ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ተማሕጺኑ። ከምኡ’ዉን ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከኣ ብሓፈሻ፣ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ህግዲፍ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ናብራን ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ሰፍ ዘይብል ግህሰት መሰላትን፡ ግቡእ ኣቕልቦን ቆላሕታን ክወሃቦ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ።
ህዝቢ ኤርትራ፣ ምስፍሕፋሕ ፋይረስ ክሮና ንምግጣም ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ ገባቲ ስርዓት ነቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ክንዲ ዝጽዕር፣ ንህዝብና ኣብ ፍጹም ከበባ ኣእቲዩ ኣብ ከቢድ ዓጸቦ ከም ዝወድቕ ገይርዎ ምህላዉ፣ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ብኣትክሮ መዚኑ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 30 ዓመታት ዘርኣዮ ምምሕዳራዊ ፍሽለትን ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ማሕበራውን፣ ምጣነ-ሃብታውን፣ ፖለቲካውን መዳያት ዝተራእዩ ጸገማት ንህዝብና ከቢድ ጸገማት ኣውሪሶም ይርከቡ። ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ንኣብነት ዝተፈጥረ ብርሰትን ምስፍሕፋሕ ድኽነትን ከይኣክል፡ መንእሰያትና ሃገሮም ራሕሪሖም እግሮም ናብ ዝመርሖም ክስደዱ ምግዳዶም፣ ኮነ ኢልካ በዚ ኣሬሜናዊ ስርዓት ዝፍጸም ዘሎ ሓደገኛ ናይ ምጽናት ስትራተጂ ምዃኑ ዳርጋ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ህዝብን ሃገርን ካብዚ ኣዕናዊ መርሆ ንምድሓን፡ ኩሎም ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለዉጥን ፍትሕን፡ ዓቕምታቶም ኣስሚሮም ነዚ ስርዓት ንምእላይ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ከኻዕብቱ ማእከላይ ባይቶ ኣዘኻኺሩ። መሰረታዊ ለዉጢ ኣብ ሃገርና ክዉን ንምግባርን፡ ነዚ ገባቲ ጉጅለ ኣሊኻ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ብልጽግትን ሃገር ንክንሃንጽ ኩሎም ሃገራውያን ብዕቱብነት ክቃለሱ ንጽባሕ ዘይበሃል ዕማም ምዃኑ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣረጋጊጹ።
መነባብሮ ህዝብና ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ዝበኣሰ ይሰጋገር እናሃለወ፣ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ሽፋን “ስምምዕ ስላም” እቲ ዘይብሩሁን ኣጠራጣሪ ዝምድናታቱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይቕጽሎ ኣሎ። ካብ’ቲ ኣዚዩ ኣሻቓሊ ዝኾነ ጉዳያት ከኣ፣ ውልቀ መላኺ ኤርትራ ወግሐ ጸብሐ ውዲታዊ መርሆኡ ዘንጻባርቕ፣ ንልዑላውነት ሃገርና ዝፈታተንን፣ ነቲ ምእንቲ ናጽነትን ሃገራዊ ክብርን ብህዝብና ዝተኸፍለ ሰፍ ዘይብል ግቡእ ገዝሚ ዘናሽው መግለጺታት ከቃልሕን ኣነዋሪ መርገጻት ክውሰድን ተራእዩ። እዚ’ውን ጥራሕ ኣይኮነን። እዚ ገባቲ ጉጅለ’ዚ ኣብዚ ውሽጢ 30 ዓመታት እቲ ዝተሓተ ሰብኣዊ መሰላት ግሂሱ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታትና ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ዳጒኑ፣ ንመንእሰያትና ኣብ ገደብ ኣልቦ ዕስክርና ስለ ዝሸመሞም፣ ብዙሓት ካብኣቶም ናብ ስደት ከምርሑ ተገዲዶም ኢዮም። ሕቶ ሓርነትን፣ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ግዝኣተ ሕግን፣ ምርግጋጽ ርግኣትን፣ ምቕራብ መሰረታዊ ኣገልግሎትን፣ ምርግጋጽ ምጣነ-ሃብታዊ ዕብየትን፣ ካብ’ቶም ብደረጃ መንግስታትን ሃገራትን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስርዑ`ኳ እንተኾኑ፣ ኣብ ኤርትራ ግን ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ፣ እዞም መሰራታውያን መሰላት ምርኻብ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣረጋጊጹ።
ኩነታት ኤርትራዊ ተቓውሞ ደምበ ብዝምልከት 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ሃገራዊ ሓላፍነትን ናይ ምርድዳእን መንፈስን ሰፊኑ ምህላዉን፣ ናይ ሓባራዊ ስራሓትን ብምክያድ ሃገራዊ ዕዮ ተቓውሞ ንምብራኽ ብዙሕ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ ብምግንዛብ መጒሱ።
ግሃድኤ ምስ ዝተፈላለዩ መሓዙት ኤርትራዊ ውድባት ዘካየዶም ዘተታትን ውጽኢታቶምን ብዑምቀት መዚኑ። ዝተኻየዱ ዘተታት ዕዙዝ ኣገዳስነት ከም ዘለዎም ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ቃልሲ ዝተራእዮ ፍሹላት ተመክሮታት ንኸይድገሙ ብደቂቚ ክግምገሙ ከም ዝግባእ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ርእዩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ፣ ህልዊን መጻእን ሃገርናን ህዝብናን ተሳጢሑሉ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ንምብዳህ፣ ንሓባራዊ ሃገራዊ ዕዮ ንምዕዛዝ ዘኽእሉ ኣገባባት ንምርካብ ክብላሓቱ ጸዊዑ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ግሃድኤ ካብኡ ዝጥለብ ንምምላእ ድሉው ከም ዘሎ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ህዝብና ንዓሰርታት ዓመታት ዘማዕድዎ ለውጢ ክውን ንምግባር፣ ብፍላይ ድማ እዚ ዘለናዮ እዋን ካብ’ቶም ዝሓለፉ መድረኻት ዝሓሹ ዕድላት ተኸሲቶም ብምህላዎም ብግቡእ ንክንጥቀመሎም፡ ዝካየድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ዓይነታዊ ዝላ ንምርግጋጽ ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታት ኤርትራ ዓቕምታቶም ብሓባር ጸሚዶም ክቃለሱ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ጸዊዑ።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ (ኤሃባደለ)፡ ኣብ ትሕቲኡ ብርክት ዝበላ ዉድባትን ሰልፍታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ወከልቲ ማሕበረ-ኮማትን ዝጠርነፈ ሃገራዊ ጽላል ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ዉሽጢ እዚ ሃገራዊ ዓዉዲ ዝካየድ ምቕርራብ፡ ናብ ሓድነት ዘምርሕ ደራኺ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝሓዘ ምዃኑ ብምእማን፡ ምርባሕ ዉድባትን ሰልፍታትን ወጊድካ፡ ሓያልን ጥርኑፍን ደምበ ተቓዉሞ ዘዉሕስ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ግሃድኤ፡ ካብ’ዚ እምንቶ ዝተበገሰ ወድዓዊን ሃናጽን ስነ-ሓሳብ፡ ናይ ዘተ ሽማግለ ኣቑሙ ምስ ዝተፋላለያ ዉድባትን ሰልፍታትን ሰፊሕ ዘተ ንምክያድ ቀጻሊ ተበግሶታት ክገብር ጸንሑን ኣሎን፡፡ እታ ነዚ ዕማም‘ዚ ዝተመዘዘት ሽማግለ ዘተ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ኣዎንታዊ ዉጽኢት ምዃኑ ድሕሪ ምግምጋሙ፡ ማእከላይ ባይቶ ነቲ ሽማግለ ዘተ ዘረጋገጸቶ ዉጽኢት ኣሞጊሱ። ሕቶ ሓድነት ብዝምልከት ከኣ፡ ማእከላይ ባይቶ፡ ብዓብይ ተገዳስነትን ዑምቆትን ተማይጡ፡ ናብ ተግባራዊ መደብ ዕዮ ዘምረሐ ድልዱል ባይታ ዘጣጥሕ ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ዉሳኔታት ኣጽድቁ።
3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ነቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝረአ ዘሎ ቅልዉላዉን ዘይቅሱን ሃዋሁን ብተጋዳስነት ድሕሪ ምርኣይ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብኡ ሰፊኑ ዘሎ ዝተፈላለየ ዉጥናትን ንሱ ዘስዕቦ ቁሩቁሳትን፣ ከም ውጽኢቱ ከኣ ዝርአ ጽልዋ ጂዮ ፖለቲካ (Geo-political Influence)፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሃገራዊ ልዑላውነትናን ከሕድሮ ዝኽእል ኣሉታዊ ተጽዕኖታትን፡ ማእከላይ ባይቶ ዘለዎ ስክፍታን ክኽሰቱ ዝኽእሉ ምናልባታትን ኣቐሚጡ ብዓብይ ኣትኩሮን ወድዕነትን ነቲ ንሃገርና ከቢቡዋ ዝርከብ ኩነታት ገምጊሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅሉዉላዉን፡ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን እንዳ በረኸ ዝኸይድ ዘሎ ምትፍናን፣ ንኢትዮጵያውን ዝምልከት ውሽጣዊ ጉዳዮም ክንሱ፡ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ምትእትታዉ ብዝሰፍሐ ኣካላት ህዝብና ዝኹነን ምዃኑ፡ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣስሚሩሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን ጻዕሪ ናይ ኩሎም ኣህዛብ ኢትዮጵያ ዝሓትት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንሕና’ውን ከም ጎረቤት ሓው ህዝቢ፣ ኩሎም ኣካላት ኢትዮጵያ ሓድነቶም ንምዕቋብን ፍልልያቶም ብመሰረት ዝተሰማምዕሉ ሕገ-መንግስቲ ንኽፈትሕዎ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ። ኣብዚ ኩነታት’ዚ ክንጠቕሶ እንደሊ ጉዳይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ንመሰል ህዝቦምን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገሮም ንምርግጋጽ ክቃለሱ ዝርከቡ ተጋደልቲ፡ ግዳይ ግብረ ሽበራ ኣካላት ጸጥታ ህግደፍ ንኸይኮኑን፣ ኣብ ልዕልኦም ዝኾነ ጉድኣት ንከይፍጸምን፡ ማእከላይ ባይቶ፡ ንዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ምሕጽንትኡ ኣመሓላሊፉ።
ብዛዕባ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ብዝምልከት 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታትን ብናህሪ ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልናታትን ገምጊሙ። ሱዳን ካብ’ዚ ዘለዎ ቅልዉላዉ ተናጊፉ፣ ሰላምን ስኒትን ዝሰፈናን ሓድነታ ዝሓለወትን መሰል ዜጋታት እተኽብርን ሃገር ኮይና ክትቅጽል፣ ኣብ ዞናና ርግኣትን ሰላምን ንኽሰፍን ዓቢ ግደ ኣለዎ ክብል ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ እምነቱ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምስራቕ ሱዳን ሰፊኑ ዘሎ ወጥርን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘጋጠመ ረጽምን ኣመልኪቱ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣዚዩ ከም ዘግሃዮ ብምግላጽ፣ ካብዚ ኩነታት’ዚ ንምውጻእ ኩሎም ተቐናቐንቲ ኣካላት ነቲ ኩነታት ብልቦናን ብልዝብን ክኣልይዎ ጸዊዑ። ዝተፈላለዩ ደቂ ምስራቕ ሱዳንን ካልኦት ብቐረባ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ኣካላትን ብተደጋጋሚ ይሕብርዎ ከም ዝጸንሑ፣ ገባቲ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጉጅለታት ምስራቕ ሱዳን ኣእዳዉ ኣእትዩ ግርጭታቶም ኣብ ምብላሕ ግደ ኣለዎ ዝብል ሓያል ምልክታት ከም ዘሎ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣዘኻኺሩ። በዚ እከይ ተግባር ኣቢሉ ርግኣትን ሰላምን ሱዳን ንምዝራግ ዝሓለነ ኢዩ ክብል ወሰኸ። ካብዚ ተረድኦ’ዚ ብምብጋስ፣ ኩሎም ፖለቲካውን ህዝባውን መራሕቲ ናይቲ ስተራቲጂካዊ ድሕሪ ባይታ ኤርትራ ዝኾነን ምስ ህዝቡ ድማ ዝተኣታተወ ዝምድና ዘለና ምስራቕ ሱዳን ነቲ ሰፊኑ ዘሎ ቅልውላው ብዘተን ንኹሉ ብዘዕግብ ኣገባብን ክፈትሕዎ ማእከላይ ባይቶ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ። ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ብሓፈሻ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከኣ ብፍላይ፣ ኣካል ናይቲ ዝኸይድ ዘሎ ግርጭታታት ኢዩም ዝብል ናይ ጸለመ ወፈራ ብገለ ኣካላት ሱዳን ክስንዘር ምርኣይና ኣዚዩ ዘገርም ምዃኑ ብምግላጽ፣ እቶም ኣቐዲሙ ብሰንኪ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ቀጺሉ’ውን ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ህግዲፍ ዝተሰደዱ ኤርትራውያንን፣ ኣብ ሱዳን ንዓመታት ክነጥፉ ዝጸንሑ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሓው ህዝቢ ሱዳን ፈጺሞም ኢድ ኣእታውነት ከም ዘይነበሮምን ሕጂ`ውን ክምዘይብሎምን ታሪኽ ዝምስክሮ ዘየካትዕ ሓቂ ኢዩ። ህዝቢ ሱዳን ማሕበራዊ ዝምድናታቱ ዓቂቡ ሃገራዊ ሓድነቱ ከውሕስ ናይ ዘልኣለም ምንዮት ኤርትራውያን ከም ዝኮነ ማእከላይ ባይቶ ኣረጋጊጹ።
ሃገር ሱዳን ዓሰርተታት ኣሻሓት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዘዕቆበ ጎረቤት ሃገር ከም ምዃኑ መጠን፡ ሕጂ’ውን ብቐጻሊ ብሰንክ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎን ዝጸንሐን ከቢድ ፖለቲካዊ ሽግራት፡ ሃገሮም ራሕሪሖም ዶብ ክሰግሩ ዝግደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፡ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ተሓልዩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ንኸይወርድ፡ ማእከላይ ባይቶ ንሰበ ስልጣን ሱዳንን ንዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ምሕጽንታኡ ኣመሓላሊፉ።
ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ዓሚቚ ዘተ ኣካይዱ። ሱዳንን ኢትዮጵያን የመንን ኣብ ሃገሮም ስደተኛታትና ኣዕቂቦም፣ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካላትን ሃገራትን ምስ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘርኣይዎ ምድንጋጽ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ክብ ዝበለ ምስጋና ብምቕራብ፣ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ትካላትን ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ፍሉይ ጠመተን ኣድላዩ ምትሕብባርን ክገብሩ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ተሪር ምሕጽንታ ኣመሓላሊፉ። ሰበ ስልጣን ሊብያ። ነቶም ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብሰንኪ ኣስገርቲ ዶብ ንሓደጋ ዝሳጠሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህይወቶም ንምድሓንን ጉዳዮም ብመሰረት ኣዳማሳዊ ሕግታትን ስምምዓትን ግቡእ ፍታሕ ንክግበረሉን፣ ጉዳዮም ናብ ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ትካላት ንከመሓላልፉ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ምሕጽንትኡ ኣቅሪቡ።
ዞባዊ ኣህጉራውን ኩነታት ብግቡእ ድሕሪ ምምዛን፣ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ የመንን ሊብያን ዝካየድ ዘሎ ብረታዊ ጎንጺ ኣዚዩ ዘሕዝን ምዃኑ ብምግላጽ፣ እቶም ተገራጨውቲ ኣካላት ፍልልያቶም ብልዝብን ብሰላማዊ ኣገባብን ክፈትሕዎ ጸዊዑ።
3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ፣ ነቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን ዝነብር ህዝብናን፣ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታትን፣ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን፣ ናይ ጸጥታ ኣካላትን ኣብ ዝተፈላለየ መንግስታዊ ትካላት ዝሰርሑን፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓንን ንዝተረጋገጹ ሃገራዊ መኽስባትና፣ ብፍላይ ድማ እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእቲይዎ ዘሎ ሃገራዊ ልዑላውነትና ንምዕቋብን ክበገሱ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ፣
3ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ መደምደምታ ኣኼብኡ መድረኻዊ መደብ-ዕዮ ድሕሪ ምጽዳቕ፣ ስክረታርያ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ክልተ ኣባላት ተኸታታልን ተቑጻጻርን ኣካልን ብምምራጽ ኣኼብኡ ብክብ ዝበለ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዛዚሙ።
“ድሕነት ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ኩሉ” !
ዓወት ንፍታሓዊ ቃልሲ ህዝብና
ውድቀት ንምልካዊ ጉጅለ ህግዲፍ
ዝኽርን ክብርን ንስዋእትና !
ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
19/10/2020
ንኡስ መደረን፣ ዝርርብን፣ ሓሳባትን ኣብ ከቢድ ጉዳይ ገበን፡ ሓላፍነት፡
ተሓታትነትን፣ ዕርቅን ኣብ ኤርትራ
ብዶር. ቴድሮስ ኣማኑኤል ገብረልዑል
መስከረም 2020
ገበትቲ ወይ ውልቀ-መለኽቲ ባዕሎም ብዝፈጥርዎ ርእሰ-ኣዕናዊ ጐነጻት ኰነ ብፍኑው
ህዝባዊ ናዕብን ውዱብ ሓይልታትን ተደፊኦም ምውዳቖም ዘይተርፍ ሓቂ ኢዩ። ክወድቁ
እንከለዉ ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሃገራዊ ውድቀትን፣ ዕንወትን ሓዲጎም እዮም ዝጠፍኡ። ነዚ
ዘጠዓዕሙን፣ ዘመቻችኡን ኩነታት ንምጥቃስ፡-
ሀ/ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንህዝባዊ ተቓውሞ ክነጥፍን ከመርሕን ዝኽእል ውድብ ተቓወምቲ
ሓይልታት ኣብ ዘይብሉ ኩነታት፤
ለ/ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መደብን ኣገባብ ቃልስን ስምምዕን ምርድዳእን ኣብ ዘይብሉ ግዜ፤
ሐ/ ናይ ህዝባዊ “ኣይፋል” ብሃልትን ህዝባዊ ተቓውሞ ናይ ምግባር ልምምድን
ባህልን ኣብ ዘይብሉ ኩነታት፤
መ/ ከምኡ’ውን፡ ኣጽዋር ወይ ነፍጢ ኣብ ኢድ ብዙሓት ኣብ ዝርከበሉ ከም ናይ
ሎሚ ኤርትራ ኢዩ።
ሃገርና፡ ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዓበይቲ ፈተነታትን፣
ብድሆታትን ከምዘጋጥማ ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ካብ’ዚ ብድሆታት
ድማ፡ ናይ ሃይማኖታትን፡ ብሔራትን ናይ ፖለቲካ ብዙሕነትን ዝሓቘፈት፣
ብሕጊ እትምሓደርን ሰላምን ስኒትን ዝሰፈናን ሃገር ምህናጽ ጥራሕ ዘይኰነስ፤
ነቲ ከመጽና ዝኽእል ሃገራዊ ውድቀትን ዕንወትን ኣቐዲምና ከይተፈጥረ እንከሎ
ንምውጋዱ ምኽኣል ኢዩ።
ድሕሪ ውድቀት ገበትቲ ስርዓታት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ጽልእን ሕድሕድ
ምፍርራሕን ወይ ምጥርጣርን ዝተመርኰሰ ናይ ፖለቲካ ምንቅስቓሳት ኣብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ
ሱር ሰዲዱ ይጸንሕ’ሞ፣ ነቲ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ወይ ዛዕባ ወኒኑ ዕንወት፡ ውድቀትን ናይ
ሓድሕድ ምቅትታልን ከስዕብ ይርአ ኢዩ። ካብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ናይ ዕንወት መንገዲ ክንእለ
እንተደኣ ኴይና፣ ንሰላም ዝዓለመ፡ ኣብ ስምምዕን ምክእኣልን ዝተመርኰሰት ሃገር ንምህናጽ፣
ሎሚ ጌና ብእዋኑ እንከሎ ካብ ሕራቕንን፡ ቁጠዓን ርሒቕና ብጥንቃቐ ክንግምጎምን መልሲ
ክንረኽበሉን ዝግባእ ዓበይቲ ሕቶታት ኣሎ።
እዚ’ውን፡ ብዛዕባ በደልን፡ ገበንን፡ ሓላፍነትን፣ ተሓታትነትን፣ ዝምልከት ሕቶታት
ክንዛረበሉ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብዝተኻእለ መጠን፡ ንብዙሓት ብሕልፊ’ኳ ነቶም ብዙሕ
ዝተበደሉ፡ ዝተቐጥቀጡን ዝተገፍዑን ዜጋታት ዘዕግብ፣ ኣብ ሕጋውን ናይ ሞራላዊ ፍትሕን
ዝተመርኰሰ ሃገራዊ ስምምዕ ምግባር ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ካብ ሃገራውን ሕብረተ-
ሰብኣውን ውድቀትን ዕንወትን ከውጽኣና ዝኽእል መንገዲ ዕርቅን ስኒትን ጌና ብእዋኑ ምንዳይ
የድሊ። (1)
ሓደ ካብ’ቲ ብእዋኑ መልሲ ክርከበሉ ዘለዎ ከቢድን ኣገዳስን ሕቶ፡ ነቶም በዚ ስርዓት
ንነዊሕ ዘመናት ዝተበደሉን፡ ዝተቐትሉን፡ ዝተገፍዑን፣ ዝተሳቐዩን ወገናት ናይ ሕልናን
ሞራልን ፍትሒ ምሃብ ጥራይ ኣይኰነን። እንታይ’ደኣ፡ ስቅያቶም ብምርዳእን ድሌታቶም
ብምኽባርን ብዝተኻእለ መጠን ብብዙሓት ተቐባልነት ዘለዎን ንመብዛሕትኦም ዘዕግብን
ሕጋዊ መንገዲ ፍትሒ ምንዳይን ምርካብን ኢዩ።
በቲ ሓደ ሸነኽ፡ እቶም ነዚ ግፍዕታትን፡ በደላትን ገበናትን፣ ዘተግበሩን፣ ንኽትግበር
ዝኣዘዙን ወገናትና ዝገበርዎ ግፍዕን ገበንን መብዛሕቱ ግዜ ብዘይምርሳዕ፣ ብዝገበርዎ እከይ
ግብሪ ተጣዒሶም ጌጋታቶም ብምቕባል ምስ ህዝቦምን ሕልንኦምን ክዕረቑ የድሊ። በቲ ካልእ
ሸነኽ ከኣ፡ ይቕሬታ ክሓትሉ ዘኽእል መድረኽ ንኽግበረሎም ዘኽእል ምቹእ ኩነታት
ብምፍጣር መንገዲ ዘላቒ ፍትሕን ሰላምን ምንዳይ የድሊ። ሃገራዊ ሓላፍነትና፡ ነቶም ብስርዓት
ህግደፍ ዝተቐትሉ፡ ዝተበደሉን ዝተገፍዑን ስቃይን ቃንዛን ምርዳእን ብዝተኻእለ መጠን
ፍትሒ ምሃብን ምኽሓስን ጥራይ ኣይኰነን። ነቶም ሰብኣውን ሕልናውን ሓላፍነቶም
ብምርሳዕ፡ ነቲ እኩይ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝቢ ንክፍጸም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን
ኣጣሚሮምን ኣፎም ዓቢሶምን ዝዕዘቡ ዝነበሩን ዘለዉን ሰባት’ውን የጠቓልል። ብዙሓት
ካብኣ’ቶም እውን፡ ትማሊ ህዝቢ ብዕልልታን፣ ብእምብልታን ተቐቢሉ ዕዉር ተኣማንነትን
ዓቢ ትጽቢትን ዘንበረሎምን ኰስኲሱ ዘዕበዮምን ተጋደልቲ ደቁ ኢዮም። እዞም ኤርትራ ነጻ
ሃገር ንኽትከውን ብዙሕ ኣበርክቶ ዝገበሩን መስዋእቲ ዝኸፈሉን ብስዉኣቶምን ብውድቦምን
ብዙሕ ዝሕበኑ ጀጋኑ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ሎሚ ኣብ ውድቦም ዝመስረቶ መንግስታዊ ስርዓት
ኣብ ልዕሊኦም፡ ኣብ ልዕሊ ደቆም፡ ኣብ ልዕሊ ብጾቶም ኰነ ኣብ ልዕሊ ዝተቓለስሉ ህዝቦም
ዝፍጽሞ ግፍዒ፡ ማእሰርትን መቕተልትን ካብ ምክልኻል ተቖጢቦም ይርከቡ።
ነዚ ኣብ ኤርትራ ወዲቑ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት’ሲ መን’ዩ ተሓታቲ? መን’ዩኸ ሓላፍነት
ዝወስድ ዝብል ከቢድ ሕቶ ብጥንቃቐን፡ ብህድኣትን፣ ብዘይ ቂምን ሕርቃንን ምርኣዩ ኣገዳሲ
ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ነፍስወከፍ ሰብ ብውልቁ ደረጃ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ክብል፡ ነዚ ሎሚ
ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካውን፡ ሕብረተ-ሰብኣውን ባህላውን ግፍዕታትን፣ ጭካኔታትን ዝገብርናዮ
ኣስተዋጽኦ ንውሽጥና ብምብርባር ሕልናና ብምፍታሽን ገምጋም ምግባር ከድልየና ኢዩ። “እቲ
ካባኻትኩም ሓጥያት ዘይብሉ፡ ቅድሚ ኵሉ እምኒ ይደርቢ” (2) ዝብል ኣስተምህሮ ጐይታና
ኢየሱስ ክርስቶስ ከም መበገሲ ምውሳድ ጠቓሚ’ዩ። እቲ ዕማም ወይ ዕላማ፡ ነቶም ዝተበደሉ
ምኽሓስ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቶም በደልቲ’ውን ብምእራምንን ብምጽጋንን፡ ንሕብረተ-ሰብና
ምድሓንን ምሕዋይን ኢዩ።
ኣብ ሃገርና ሰላም ዝሰፈኖ ናይ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ብሔር፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ቅዋማትን
ብዙሕነት ዘማእከለ ሕብረተ ሰብን፣ ስርዓትን ክምስረትን ክትግበርን እንተደኣኰይኑ፤ ካብ
ምትፍናን ዝርሓቐ፡ ናይ ምቅርራብ፡ ምርድዳእን ሕድገታትን፣ ህዝባውን ሃገራውን ናይ ዕርቅን
ሰላምን ዘተ ክጅመር ወሳኒ ኢዩ። መበገሲ ጅማሮ ነዚ ናይ ሰላምን ዕርቅን ዘተ፡ ነቶም ትማሊ
ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ሎሚ’ውን በቲ ንነዊሕ ዘመን ስልጣን ብሒቱ ዝቕጽል ዘሎ
ህዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ደሞክራስን ኤርትራን፣ ከምኡ’ውን፡ ካልኦት ኣብ ሃገርና ዝተራእዩ
ፖለቲካዊ ሓይልታትን ውድባትን ዝተበደሉን ዝተግፍዑን ወገናትና ንድሕሪት ተመሊሱ ዝርኢ
ኣዕጋብን ኣሕዋይን ፍትሒ ምሃብ ኣብ ሃገርና ሰላም ንኽመጽእን ቐጺሉ ድማ ዘለኣለማዊ
ንምግባርን ወሳኒ’ዩ። ብሕልፊ’ኳ ነቶም ብሃይማኖቶም፡ ቀቢልኦም፡ መበቆሎምን፣
ኣውራጃኦምን ኰነ ፖለቲካዊ ኣቛሞመን መርገጻቶምን መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ዝበጽሖም
ናይ ሕልና እሱራት ይምልከት።
ይኹን እምበር እቶም ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብ ቍጥዐን ሕርቃንን ዝነቐለ ኣብ ናይ ሕነ-ምፍዳይ
ተግባራት ከይጽመዱ፣ ኣብ ናይ ውልቃውን ሕብረተ-ሰብኣውን ዕንወት መጻወድያ ከይወድቁ
ኣዝዩ ጥንቃቐ የድሊ። ከምኡ’ውን፡ እቶም ደገፍትን ሰዓብትን ንምድላብን፣ ንምጥርናፍ ብምባል
ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝርከብ ኣሉታዊ ፍርሕታትን ምጥርጣርን ብምቕስቃስ፡ ኣብ መንጐ
ሃይማኖታትን ዓሌታትን ጐንጽታት ብምውላዕ፡ ባህላዊ ትምክሕትታትን ንኻልኦት ናይ
ምንእኣስን ምንዓቕን ባህርያት ተዕጢቖም ዝቕስቅሱን “ክተት ከይትዝመት፡ ጽናዕ ከይትምናዕ”
እናበሉ ሕብረተ-ሰብኣዊ ምትፍናን ዝፈጥሩ ውልቀ-ሰባት፣ ኣብ ሓላፍነት ዝተመርኰሰ ናይ
ብዙሕነት ሰላም ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ጻዕርታት ኣወንታዊ ተራ ኣይክህልዎምን ኢዩ። ስለ’ዚ
እውን፡ ብዙሕ ኣድህቦን ጊዜን ምሃቦም ኣየድልን።
ብዛዕባ ገበን (ወንጀል) ሓላፍነትን ተሓታትነትን ዘሎና ኣርኣእያ ሓባራውን ብዙሓት
እንሰማምዓሉን እነካይዶ ዘተን ዝርርብን ካብ ታሪኽን ልምድታትን ከም ናትና ዝኣመሰለ
ሽግራት ዘሕለፉ ህዝብታትን ሃገራትን ምምሃር ከድሊ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ መንጐ ገበንን
ሓላፍነትን ዘሎ ዝምድናን ፍልልያትን ብምርማርን ብምብራህን “ኣይኸማን (Eichmann) ኣብ
እየሩሳሌም ጸብጻብ ኣብ ምቍንጻብ (ምንእኣስ) ግብረ እከይ” (3) “Hannah Arendt:
Eichmann in Jerusalem – A Report on the Banility of Evil” ዝብል ቅድሚ 70
ዓመት ዝተሓትመ ብፈላስፋ ወይዘሮ ሃና አርንደት ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ከም መበገሲ ምንባብ
ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ ግዜ ናዚ ጀርመን ንብምልዮናት ዝቝጸሩ ኣይሁዳውያን
ብጅምላ እንዳሓፈሰ ኣብ መጽነትን መቕተልን መዳጐኒታት ብምቕያድ ዝመርሐን ዘካየደን
ሓላፊ ለ/ኮ ኣይኽማን ኣብ ናይ ኢየሩሳሌም ቤት ፍርዲ ዝቐረበሉ ክስታትን መልስታቱን ዝገልጽ
ጸብጻብ ኢዩ፤፤
ወይዘሮ ሃና ኣብ መንጐ ገበንን ሓለፍትን ሓደ ኣገዳሲ ፍልልይ ምህላዉ ይጠቕሳ። ገበን
ከም ስነ-ሓሳብ፡ ወይ ኣምር (concept) ሞራላዊ ኰነ ሕጋዊ ብይኑ ንተግባራት ሓደ/ሓንቲ
ውልቀ ሰብ ነጺሉ ዝምርምርን ዘመልክትን ኢዩ። ክሲ ገበን ኣብ ጭብጢ ዝተመርኰሰ ሕጊ
ዘማእክል፡ ተሓታትነት ውልቀ-ሰብ ዘመልክት ጥራሕ ኢዩ (4) (Collectiv Responsibiliy
pp 43-44 and Organized Guilt and Universal Responsibility) ። ገበን ንሓደ
ጕጅለ ኰነ ንሓደ ሕብረተ-ሰብ ብጃምላ ምስ’ቲ ዝተፈጸመ እከይ ግብሪ ብምትሕሓዝ፣
ብምዝማድን ብምጥባቕን ብሓባር ንኹሉ ወይ ንብዙሓት ትርጉሙ የጥፍእ። ኩሉ ሰብ ብሓባር
ገበነኛ’ዩ ምባል፡ ገበነኛ የለን ከምምባል ኢዩ ዝቝጸር። ገበን ከም ሓላፍነት ኣይኰነን። ሓላፍነት
ናይ ብዙሓት ናይ ሓባር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገበን ግን፡ ኵሉ ግዜ ንውልቃዊ ግብሪ ተኸሳሲ
ዝምልከት ኢዩ። እዚ ማለት እውን፡ ሓደ ወይ ሓንቲ ሰብ ብዝገበርዎ ስራሕ ናይ ሞራል
ሓላፍነት ጥራሕ ዘይኰነስ ንዝተገብረ ገበን ሕጋዊ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ብፍርዲ የረጋግጽ።
ከም ኩሉ ገባቲ ስርዓት፡ ንሃገርና ብሓይሊ ነፍጢ ተቖጻጺሩ ዘሎ ጃንዳ ህግደፍ’ውን፡
ኣብ’ቲ እከይን ኣረሜናውን ተግባራቱ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ብትእዛዝ ኰነ ብተጽዕኖ፣
ብምፍርራሕ ኰነ ብምድፍፋእ፣ ገሊኦም ድማ፡ ብገዛእ ድልየቶም ወይ ብገዛእ ፍቓዶም ተሳትፎ
ክህልዎም ይጽዕር። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኣረሜናዊ ተግባራቱ ናይ ብዙሕ ህዝቢ ወይ ናይ
ሓፋሽ ተሳትፎ ክሕልዎ ንምግባር ይሰርሕ። እዚ’ውን ንብዙሓት ሰባት ኣብ ዘይደልይዎን
ዘይኣወይ ናይ ምንሉን መጻወድያ ሰበብ ምእታው ዘላቒ ረብሓ ኣለዎ ካብ ዝብል ተንኰለኛ
ኣተሓሳስባ ዝተበገሰ ኢዩ። በቲ ሓደ ወገን ብዘይድሌቱ ኣብ ዓመጽን ቅትለትን ኢዱ
ዝተጨማለቐ ውልቀ-ሰብ ነቲ ስርዓት ፍጹም ተኣማንነቱ ዘረጋግጸሉ ተግባር ስለዝመስሎ ኢዩ።
በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ ውልቀ-ሰብ ካብ ጭቆና ኣምሊጡ፡ ተሰዲዱ፡ ብትብዓት ንዝፈልጦ
ግፍዕታት እቲ ስርዓት ነጊሩን ኣጋሊጹን ንፍትሒ ምስ ዝቃለስ፡ ስሙ ንምጽላም ንዘረባኡ
ሰማዒ እዝኒ ከይርከብ ንምግባር ይጠቕመኒ ኢዩ ኢሉ ስለዝገምገመ ኢዩ። ብሓጺሩ ንምጽሟቕ
“ኣብ’ታ መዓልቲ ሓቂ፡ ፍትሕን ፍርድን ኩሉ ገበነኛ እንተዘይኰይኑስ፣ ገበነኛ እውን
ኣይክህልውን ወይ ኣይክርከብን እዩ” ዝብል ናይ እኩያት ኣተሓሳስባ ኢዩ።
ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኵሉ ግፍዕን ቅትለትን ተሓታቲ ሓደ እንኮ ሰብ። ማለት
ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ጥራሕ ምግባር ወይ ኣብ’ቲ ሃገር ናይ መላኺ ውልቀ-ሰብ መንግስቲ
ኢዩ ዘሎ ዝብል ሓሳብ ናይ ብዙሓት ርእይቶ ኢዩ። ብሕልፊ’ኳ፡ ናይ’ቶም ትማሊ ናይ’ዚ
መንግስቲ ደገፍትን ሰበስልጣናትን ዝነበሩ ሎሚ ኢዶም ሓጺቦም “ሰይጣን መንጠለና እምበር፡
ኣይሃብናዮን ስልጣን” ዝብሉ ሰባት ርእይቶ ኢዩ። እዚ መርገጽ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ንምልዕዓል
ንመጻኢ ለውጢ ንምቅልጣፍ ምቹእ ኩነታት’ውን ይፈጥር ይኸውን። እቲ ገበንን ሓላፍነትን
ኣብ ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቅን ኣብ ዙርያኡን ዘለዉ ውሱናት ተሓባበርቱ ምድራቱ ንዝመጽእን
ንእንደልዮን ናይ ሓቂ፡ ዕርቅን ሰላምን ሃገራዊ ምይይጥ ዕዉት ንክኸውን ዘጥዓዕም ኩነታትን
መንገድን ክፈጥር ይኽእል። ንብዙሓት ነዚ ስርዓት ብዝተፈላለየ ኣብ ስልጣን ዘምጽኡን
ዘጽንሑን ሰባት ግን ካብ ናይ ሕሊና ተሓታትነት ወጻኢ ወይ ንላዕሊ ነጻ ስለዝገብሮም ኢዩ።
ይኹን’ምበር፡ ኩሉ ዲክታቶርያውን ገባትን ስርዓት ኣብ ሃዋህው ኣይኰነን ዝምስረት።
ውልቀ-ምልክነት ሱር ንኽሰድድ፡ ንኽጥጥዕን ንኽዕምብብን ዘድልይዎ ፍሉይ ሕብረተ-
ሰብኣውን፡ ታሪኻውን፣ ስነ-ኣሙራውን ኩነታት እውን ወሳኒ ኢዩ። ገባቲ ስርዓት ንኽነግስን
ክህነጽን ካብ ዝገብሮ ሓደ ዋና ምኽንያት፡ መብዛሕቱ ሰብ ስቕ ብምባሉ ምስ’ቲ ስርዓት ዘርእዮ
ዘይቅኑዕ ምትሕብባር ኢዩ። እዚ ማለት’ውን፡ እቶም ከይዓወሩ፡ መታን ከይርእዩ ናብ ካልእ
ገጾም ዝጥምቱ፣ እቶም ንዝርኣይዎ ከስተውዕልሉ ዘይደልዩ፣ እቶም እናሰሞዑ ክነሶም፡ ኣውያት
ህዝቦም ከይሰምዕ ኣእዛኖም ዝጸመመ ፣ እቶም ዘይዓባሳት ግን ከኣ ቃንዛ ህዝቦም ዘይነግሩን
ዘይዛረቡን ብዙሓት ሰባት ኢዮም። ኤርትራውያን ንነዊሕ ዘበን፡ “ንዝተሾመ ተኸተሎ፡
ንዝተሳዕረ ተሰበሎ” ብዝብል ያታዊ ብሂል፤ ንውልቀ-መላኺ ኤርትራ ብዕዉር እምነት
ክኽተልዎን ከመጕስዎን ጥራይ ዘይኰነስ፤ እቲ ስርዓት ንዝኣሰሮምን ዝበደሎምን ሰባት እውን
ክስበልዎም፤ ናይ’ቲ ስርዓት ግፍዕታትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ብዝተፈላለየ ምኽንያት
ሸለል ክብልዎን ክጸርዎን ተራእዮም ኢዮም። ሃገር ኤርትራ ድሕነታን ህላዌኣን ኣብ ሓደጋ
ከውድቑ ዝደልዩ ናይ ግዳምን ናይ ውሽጥን ሓይልታት ተጻብኦ ብዙሕ ኢዩ ዝብል ምኽንያት
ቀንዲ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ገባቲ ስርዓት ውዒሉ ሓዲሩ ግፍዕታቱ ኣብ ህዝቢ ብምሉኡ
ስለዘስፋሕፍሕ፡ ካብኡ ዝተርፍ ወይ ዘምልጥ የለን። እቶም ስቕ ብምባል፡ ብምውዳስን
ብምትሕብባርን ካብ ጩግራፍ ጨቋኒ መንግስቲ ከድሕኑ ዝሓስቡ ሰባት’ውን “ዕገብ ዘይብል
ንጎይታኡ ሽግር ይዀውን ምሳኡ” ከምዝብሃል ካብ መቕዘፍቲ ኣየምልጡን ኢዮም።
ኣብ ሃገር ኤርትራ ንዝተፈጸመ ኩሉ ወይ መብዛሕትኡ ገበናትን መቕተልትን ብኢሳያስ
ኣፍወርቅን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ሰባትን ባዕሎም ብኢዶም ዝፈጸምዎ ኣይኰነን። እቶም
ንግብረ-እከይ ዝኣልሙን፡ ዝእዝዙን ዝብይኑን ሰባት፡ ካብ’ቶም ዘተግብርዎን ዝፈጸምዎን ሰባት
ዝተፈለዩ፡ ሓደ ሓደ ግዜ እውን ርሕቀት ዘለዎም ሰባት ኢዮም። ስለዝዀነ’ውን፡ ክሲ ኣብ
ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ፡ ብዘየጠራጥር ጭብጥን ምስክርነትን ንገበነኛታት መሚኻ
ፍትሓዊ ብይን ምሃብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኰነን። ልክዕ ኢዩ፡ መራሕቲ
ሃገር ብምሉኡ ናይ ሓባር ኣዘዝቲ ሓላፍነት ስለዘለዎም፡ ሓላፍነቶም ብምርሳዕ ክኽሰሱን ኣብ
ፍርዲ ምቕራብምን ዘይተርፍ ኢዩ። እዚ ምስ ዝኸውን፡ ናይ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሓላፍነትን
ገበንን ዘቃልዑ ምስክርነትን መርትዖን ካብ ምስጢር ዝፈልጡ ሰባት ከምዝመጽእ ዘየጠራጥር
ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ እዚ ስርዓት ብፍኑው ህዝባዊ ናዕቢ እንተተዓልዩ መራሕቲ ህግደፍ
ብቝጡዕ ጭፍራ ኣብ ጐደናታት ብገመድ ተንጠጢሎም ከምዝሕነቑ ኣየጠራጥርን። እቶም
ነዚ ገባቲ ስርዓት ብሓላፍነትን ብእምነትን ዘገልግልዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ሎሚ ግን ኣብ ስደት
ዑቕባ ሓቲቶም ዝነብሩ ዘለዉ መጋበርያታቱ፣ ብዝገበርዎ በደል ዘይጕህዩን ዘይጥዓሱን፣
ንዝፈልጥዎ ምስጢራት’ውን ንህዝቢ ዘይምግላጾምን ዘገርም ነገር ኢዩ። ውሑዳት ሰባት ጥራይ
ኢዮም ብገበን እንተተኸሲሶም ኣብ ሓራ ሃገር፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝምስረት ሕጋዊ ቤት ፍርዲ
ክቐርቡ ድልዋት ምዃኖም ዝገልጹ (5) ።
ኣብ ሃገርና፡ ዘበነ ሕገ-ኣልቦነት ሓሊፉ፡ ነጻን ፍትሓውን ቤት ፍርዲ ክሳብ ዝምስረት ነዊሕ
ግዜ ምውሳዱ ኣይተርፍን ኢዩ። ክሳብ’ዚ ግዜ’ዚ ዝመጽእ ግን፡ ኣፍካ ለኵትካ ትም ምባል
ምምራጽ እንደልዮን እንጽበዮን ናይ ሰላምን ዕርቅን መስርሕ ዘዳናጒ ዕንቅፋት ክኸውን
ይኽእል። ምኽንያቱ’ውን፡ ጕዕዞ ሃገራዊ ዘተ ንሓቂ፡ ንዕርቅን ሰላምን ብዓወት ክዛዘም እንተደኣ
ኰይኑ፣ ይብዛሕ ይውሓድ፡ ይዕበ ይንኣስ ኵሉ ሰብ ሓላፍነቱ ምቕባል የድሊ።
እንተበዲሉ’ውን፡ ብዝተኻእለ መጠን ነቶም ዝተገፍዑ፡ ብህይወት ምስ ዘይህልዉ፡ ንቤተ-
ሰቦም ይቕሬታ ምሕታት ወሳኒ ኢዩ። ሓላፍነት ምቕባል እንተውሓደ ናይ ሞራልን ሕልናን
ተሓታትነት ምቕባል ኢዩ።
ሓላፍነትና ምስ እንቕበል ጥራሕ ኢና ነቶም ዝተበደሉን ዝተገፍዑን ኣሕዋትናን ኣሓትናን
ፍትሒ እነረጋግጸሎም። ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ንኹሉ’ቲ ዝፈልጥዎ ዝተፈጸመ
ገበናት ብምምዝጋብን ሰነዳት ንዓለምለኻዊ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ከፍልጡ ዓብዪ
ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎም (6) ኩሉ እንፈልጦ ጭብጥታት ብምእካብን ብምምዝጋብን ጥራሕ
ኢና ነቶም ዝተበደሉን፡ ዝተገፍዑን ዝተቐትሉን ወገናትና ብምዝካር ዝሓለፈን ዘሎን ናይ
ሰብኣዊ መሰላት ግህሰታት ክንፈትሕ እንኽእልን ከይድገም እንከላኸልን። እቶም ምስጢር
ዝፈልጡ ሰባት ምስ ዝምስክሩ ጥራሕ ኢና ንመጻኢ ህይወትና ካብ ናይ ዝሓለፈ ግፍዕታት
ብፍትሒ እንፍውሶን ንሃገርና እውን ብዘይ ጐነጽን ዕንወትን ኣብ ናይ ሰላምን ደሞክራስን
ጐደና ከነሰጋግራ እንኽእል።
ገባቲ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዘመን ህግሓኤ ጀሚሩ ዝጥቀመሉ ፍሉይ ኣገባብ ስርሑን
ባህርይኡን ኩሉ ብምስጢር ካብ ኣፍ ናብ ኣፍ፡ ካብ ላዕለዋይ ኣዛዚ ናብ ታሕተዋይ ኣተግብር
ብዘይ ሕቶ፣ ብዘይምጥርጣር ትእዛዝ ክትፍጽምን ከተፈጽምን ይጽበ (7) ። ልክዕ ከም’ቲ እሱር
ሰብ መኽሰሲኡን መእሰሪኡን ዘይፈልጦ፡ እቲ ኣሳርን ትእዛዝ ኣተግባርን’ውን መዳጐኒ እሱር
ካብ ምጥርጣር ሓሊፉ ዝፈልጦ የብሉን። “ምስጢር ክትፈልጥ ህርድግ ኣይትበል” ዝብል
መትከል ኣሰራርሓ’ቲ ገባቲ ጉጅለ ኰይኑ፣ ብዛዕባ እሱር ሓውኻ፡ ሓፍትኻ፡ ኣቦኻ፡ ኣዴኻን
ብጻይካን “ኣይትንገር፡ ኣይትሕተትን ኣይተጻርን” መርሖኦም ኢዩ። ከም ኣብ መጽሓፍ ፍራንዝ
ካፍካ (Franz Kafka – The Trial) ዝተባህለ ደራሲ ዝዛረበሉ ፍትሒ ኣልቦ ስርዓት እንዳ
ህግደፍ’ውን ሓደ ሰብ ምስ ዝእሰር ህላዌኡ ኣብ’ዛ ዓለም ከምዘይነበረ፡ ታሪኹ ክሕከኽ፡ ኩሉ
ዝረስዖ ዋላ ሓደ ዘይዝክሮም ፍጡር ንምንግባር ጻዕሪ የካይዱ (8) ። ስለዝዀነ’ውን፡ ሓቀኛ
ፍትሕን ዕርቅን ዘናዲ ዝርርብን ምይይጥን ብዛዕባ ገበን፣ ተሓታትነትን ሓላፍነትን ምክያድ
ኣዝዩ ኣሸጋሪ ምዃኑ ኣይክተርፎን ኢዩ።
እቶም ነሕዋቶም ዝኣስሩ፡ ዘጋፍዑ፡ ዝቕጥቕጡን ዝቐትሉን እውን ባዕዳውያን ዘይኰኑስ
ኤርትራውያን ከማና ኢዮም። ሓቀኛ ስሞም ንኸይፍለጥ ዝተኣልመ ተንኰል ይመስል ምሉእ
ኣስማቶም ዘይፍለጥ፣ ብኣናሻውን ኣቖናጺባን ብሳጓ ዝጽውዑ ወይ ከኣ ወዲ እከለ፡ ወዲ ጓል
እከለ ጥራሕ ተባሂሎም ዝፍለጡ መራሕቲ ጋንታ፡ ኣዘዝቲ ሓይሊ፡ ሓለፍትን መርመርትን
ውልቀሰባት ኢዮም። ብዙሓት ካብ’ቶም ነቲ ንግብረ-እከይን ኣረሜናዊ ትእዛዝን ብከተግብርዎ
ይኽእሉ ኢዮም ተባሂሎም ተመምዮም ዝተመርጹ እኳ እንተዀኑ፤ ኣብ ትሕት’ቲ ስርዓት ክሳብ
ዝሃለዉ፤ ብዘይካ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ምፍጻም ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ የብሎምን።
መብዛሕትኦም ኣማራጺ ዘይብሎም ንትእዛዝ ተራ ኣፈጸምትን ኣተግበርትን ደኣ’ምበር ነዚ
ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን እከይ ስራሕን ገበንን ተሓተትን ሓላፍነት ተቐበልትን ከምዘይኰኑ
ምጥባቖም ኣይተርፍን ኢዩ። ተግባራቶም ካብ ጸቕጥን ንህይወቶም ፍርሕን ስግኣትን ዝመጸ
እምበር ካብ እምነት ከምዘይኰነ ምግላጾም’ውን ኣይተርፍን። ብዙሓት ካብ’ዞም ናይ ትማሊ
ቀጥቀጥን ኣሰርትን ሰበ-ስልጣናትን ናይ ጸጥታ ሓለፍትን ሎሚ ድሃዮም ኣብ ዘይፍለጠሉ ቦታ
ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ። ገሊኦም ተቐቲሎም፡ ገሊኦም ሰብ ኣብ ዘይርእዮም ምስጢራዊ
ቤት ማእሰርቲ ተሰዊሮም፤ እቶም ሰብ ዕጫ’ውን ናብ ስደት ኣምሊጦም ኣብ ሐደ ዘመን
ገፋዕትን ተገፋዕትን ኰይኖም ይርኣዩ።
እቶም ብዘይበደል ዝተኣስሩን ክሳብ ኣካላቶም ዝለምስ ዝተቐጥቀጡን ገሊኦም
ነባር/ገዳይም ተጋደልቲ፣ ገሊኦም ዓበይቲ ኣቦታትን ኣዴታትን፤ ገሊኦም ኣዝመድን ኣሕዋትን
ነዞም ኣተግበርቲ ትእዛዝ ዝዀኑ ሰባት’ከ ከመይ ኮን ይርእይዎም ይኾኑ? እቶም ምቕጥቃጥን
ቅንጸላን ዝፈጸሙ መራሕቲ ጕጅለ፡ ኣዘዝቲ ጋንታ ሓለፍቲ ሰበ-ስልጣን’ከ ከም ኣካል ናይ’ቲ
ገባቲ ስርዓት ብምርኣይ ብገበን ተሓታትነት ምግባር ይግብኦም ይብሉ’ዶ ይዀኑ። ወይስ እቶም
ትእዛዝ ኣተግበርቲ ኢና ኔርና ዝብሉ’ኸ ብተግባራቶም ብምጥዓስ፡ ዝፈልጥዎ ምስጢር ኩሉ
ብምንጋርን ብምንሳሕን ንዝሓትዎ ይቕሬታ ምእንቲ ሃገራዊ ዕርቅን ሰላምን ከም ኣዕጋቢ
ይቕበልዎ ይዀኑ። ሓደ ንኣብነት ንምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራ ዒሮ ሓላዋይ
ዝነበረ ሓደ ሰብ ኣብ ስደት ኣብ ዝገበሮ ነዊሕ ቃለ-መሓትት ዘስካሕክሕን ዘሕዝንን በደላት
ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ሰበ--ስልጣን ነበር ወይ ጕጅለ 15 ተባሂሎም ዝፍለጡ ምግላጹን ንዓለም
ምፍላጡን ይዝከር። እሱ’ውን እንተዀነ፡ እቲ ዋና ምኽንያት መስደዲኡ እቶም እሱራት
በብሓደ ምስ ዓረፉ ብዛዕብኦም ምስጢር ዝፈልጥ ኩሉ ሰብ’ውን ኣብ መጻኢ ንኸይምስክር
ብምባል ከምዝቕተሉ ስለዝተረድኦ ኢዩ። ነዚ ስርዓት ብትግሃትን ብምሉእ ልቦምን ዘገልገልዎ
ተራ ወተሃደራት’ውን ከይተረፉ ዝፈልጥዎ ምስጢር ንኸይወጽእ በቲ ስርዓት ምቕንጻሎም
ዘይተርፍ ኢዩ።
ኩነታት ተቐይሩ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዘመሓድር ፍትሓዊ ስርዓት እንተተመስረተ እውን፡
እቶም ብገበን ተኸሲሶም ብጭብጢ ብዝተረጋገጸ ኣገባብ ብይን ወይ መቕጻዕቲ ዝቕበሉ ሰበ-
ስልጣን ህግደፍ ብቝጽሮም ብዙሓት ኣይክዀኑን ኢዮም። ይኹን እምበር ነዚ ኣብ ኤርትራ
ብብሕቱ ናይ መንግስቲ ስልጣን ወኒኑ ንምሉእ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ከምጥሪት ዝውንን
ዝዕብልልን ጉጅለ ህግደፍ ዝፈጠሩን ሱር ክሰድድ ኣበርክቶ ዝገበሩን ሰባት ብናይ ፖለቲካን
ሞራልን ሓላፍነት ምርሳዕ ዝሕተቱን ብዙሓት ኢዮም። እዚ ነቶም ናይ ፖለቲካን ሰብኣውን
ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ብዝገበርዎ ጌጋታትን ጕድለታትን ዝሕተቱ እንተዀነ ግን ብጭብቲ
ዝተመስከረ ገበን ዘይገበሩ ሰባት ይምልከት። ንኣብነት ንምጥቃስ፡ ንመንግስቲ ህግደፍ
ወግዓውን ተግባራውን ኰነ ዘይንጡፍ ሓገዝ ዘበርክቱ ሰባት ኢዮም። እዚኣቶም’ውን፡
ንመንግስቲ ኢሳያስ ብገንዘብ፡ ብሞራልን ብፕሮፓጋንዳን ዝደገፉን፤ ግፍዕታት ክፍጸም፡ ደቂ
ሰብ ብዘይ ፍርዲ ክቕየዱ፡ ከም ኣሓ ክዝርዑ፡ ክቕንጸሉ፡ ጥሪቶም ክዝመታን ኣባይቶም ክፈርስን
ዓገብ ዘይበሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝነብሩ ሰባት እውን የጠቓልል።
ናይ ፖለቲካን ናይ ሞራልን ሓላፍነትን ተሓታትነትን ሰባት ባዕሎም ብኢዶም ጌጋ ንዝገበሩ
ጥራይ ኣይኰነን ዝምልከትን ዘመላኽትን። ዓገብ ካብ ምባል ኣፎም ካብ ዝለኵቱ፣ ስጉምቲ
ካብ ምውሳድ ዝለመሱን ዝተቖጠቡን ሰባት’ውን ይምልከት ኢዩ። በዚ ኣርኣእያ ኩሎም ነባር
ተጋደልቲ ህግሓኤ፣ በቲ ንሳቶም ዝመስረትዎ፡ ዝተቓለስሉን ዝሕበንሉን ውድብ ሎሚ ህግደፍ
ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገዛኢ ጕጅለ ንዝገበሮ ገበናት ሕጋዊ ተሓታትነት እኳ እንተዘይሃለዎም፡
ንህዝቦም ካብ ውድቦም ንዝወርዶም ግፍዕታት ክከላኸሉ ብዘይምኽኣሎም፡ ነቲ ገባቲ
ኣሰራርሓ ኣብ ግዜኡ ስለዘይኣለይዎን ዘየወገድዎን ናይ ፖለቲካን ሞራልን ተሓታትነት ውን
ኣለዎም ክብሃል ይኽእል።
ናይ ፖለቲካን ሞራልን ሓላፍነት ባዕሎም ገበን ንዝገበሩ ሰባት ጥራይ ኣይኰነን
ዝተሓላለፍን ዝምልከትን። ምስ’ቶም ገበርትን ኣተግበርትን ገበን’ውን ብድሌቶም ክሓክዎ ወይ
ከጥፍእዎ ዘይክእሉ ምትእስሳርን ዝምድናን ኢዩ። እዚ’ውን፡ ነቲ ስርዓት ዝዕብልሉን ዝውንኑን
ሰባት ካብ ብሄሮምን ባህሎምን ምስዝዀኑ ኢዩ። በዚ ኣዘራርባ’ዚ፡ እቶም ኣንጻር ስርዓት
ህግደፍ ደው ዝበሉ፣ ንዘመናት ብወግዒ ዝተቓለሱን እንተዀነ ግን ንናይ ብሄር፡ ቋንቋ፡
ሃይማኖትን ጾታን መሰረት ብምግባር ዝቃለሱን ስቃዮም ዝገልጹን ሰባት ስምዒት-ኣልቦ
ብምዃን “ግፍዒ ንዅሉ ብማዕረን ሓባርን ኢዩ ዘጥቅዖ” ብምባል ናይ ካልኦት ቃንዛን ኣውያትን
ንምስማዕ ምስ ዘይደልዩን ዘይክእሉን ኢዩ።
“ካልኦት” ወገናትና ንዘልዕልዎን ንዝጠልብዎን ቅቡል ሕቶታትን ድልየታትን ጽን ኢልካ
ምስማዕን ምርዳእን መበቆሉ እዚ ገዛኢ ጃንዳ ብትግርኛ ተዛረብቲ ዝዕብለልን ዝዳለውን
ብምዃኑ ዝተፈጥረ ናይ ቀልቢ ወይ ሕልና ቅልውላው ኣይኰነን። ከምኡ’ውን ብዙሓት ኣብ
ስደት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ትግርኛ ተዛረብቲ ኤርትራውያንን ደቆምን ሕጂ’ውን ነቲ ስርዓት
ደገፎም ኣየቋረጹን። ይኹን እምበር ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ባህልታት፡ ብሂላት፡ ቅጥዐ-
ምግባርን ስርዓታትን ትግርኛ ተዛረብቲ ኤርትራውያን ብመደብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ
ዕንወት፡ ኣብ ታሪኾም ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ’ውን ምርዳእ የድሊ። ናይ ጉጅለ ህግደፍ ቀንዲ
ዕላማ’ውን ኣብ መንጐ ትግርኛ ተዛረብቲ ሃገር ኤርትራን ሃገር ኢትዮጵያን ምርሕሓቕ፡ ጽልእን
ዘለኣለማዊ ነቓዕን ብምፍጣር ሕውነቶምን ምሕዝነቶምን ንምብታን ኰነ ተባሂሉ ዝተኣልመ
ውዲት ኢዩ። ትግርኛ ተዛረበቲ ኤርትራውያን፡ ከም ኩሎም ብሔራት ኤርትራ ንናጽነት ሃገሮም
ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጥራሕ ዘይኰኑስ፣ ናይ ጃንዳ ህግደፍ ተበደልቲ፡ ተጐዳእትን
ተጠቓዕትን ምዃኖም ንጹር ኢዩ።
ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታውን ብሔራውን መንነት ዝወርድ ጭፍለቓን ጭቆናን ብዘይገደብ
ምስ ዝቕጽል ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ብሔራትን ሓድሕዳዊ ምጥርጣር፡ ምርሕሓቕን
ምትፍናንን ከስዕብ ባህርያዊ ኢዩ። እዚ’ውን ኣብ ድሕረ ውድቀት ገባቲ ስርዓት ኣብ
ሃይማኖትን ብሔርን ዝተመስረተ ጐንጽታት ከም ዝጔልሕ ይገብር። ብሕልፊ’ኳ፡ ኣብ መንጐ
ዕጡቓት ዝኸይድ ጐንጺ ነቶም ኣብ ልዝብ፡ ምክእኣል፡ ዕርቅን ሰላምን ዘናድዩ ሓይልታት
የልግሶም፡ ቦታ’ውን ኣይህቦምን። ስለ’ዚ እውን፡ ጌና ሎሚ ብእዋኑ ብዙሕነት ዝሓቝፍን
ዘተባብዕን ሃገራዊ ዘተ ሰላምን ስኒትን ውዕል ምግባር ኣድላዪ ይኸውን። ካብ’ቲ ሓፈሻዊ
ስምምዕን ውዕልን ዘድልዮ ቀንዲ ጉዳይ ሕቶ ዋንነት መሬት ዝምልከት ኢዩ። ብሕልፊ’ኳ
ንዘመናት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክወራረስ ዝጸንሐ ናይ ዓድታት፡ ናይ ቀቢላታት ኰነ ናይ
ውልቀ-ሰባት፡ መንግስቲ ብሓይሊ ዝወረሶን ዝጐበጦን መሬት ናብ ዋናታቱ ምምላስን
ንዋናታቱ ዘላቒ ውሕስነት ምሃብን የድሊ። ነዚ ንምትግባር ግን፡ ኣብ ዓሚቝ መጽናዕቲ
ዝተመርኰሰ ናይ መሬት ሕግታትን ኣገባብ ኣሰራርሓን ምሕጋግ ብቐዳምነት ናይ ግድን ኢዩ።
ኣብ መንጐ ብሔራትና ኣብ ስኒትን ሰላምን ዝተመስረተ ናይ ብሓባር ምንባር ድልየቶም
ንምብርታዕ ሚዛናውን ማዕርነታውን “ማሕበራዊ ውዕል” ወይ ስምምዕ የድሊ። እዚ
“ማሕበራዊ ውዕል” ውን፡ በቲ ሓደ ወገን ንዝተገብረ በደል ዝእርም ክኸውን እንከሎ፣ በቲ
ካልእ ሸነኹ ከኣ፡ ኩሉ ውልቀ-ሰብ ዘርኡ ብዘየገድስ ኣብ ሃገሩ ሕጋዊ ድሌቱ ንኽማላእ ኣብ
ዝመረጾ ንኽነብር ማዕረ ዕድል ክህልዎ ዘረጋግጽ ኢዩ።
እዚ ብዙሕ ዋጋን መስዋእትን ዝተኸፈለሉ ናይ ናጽነት ቃልሲ፡ ሕልሙ፡ ድልየቱን
ዕላምኡን ብዙሕነት ዘማእከለ፣ ማዕርነት ብሔራት ሃይማኖታትን ባህልታትን ዘረጋግጽ ናይ
ሓባር ሃገር ንምፍጣር ኢዩ። መበገሲ ወይ መበቆል እዚ ድሌት’ውን እቲ ኣውሮጳውያን ገዛእቲ
ብዘይ ሓልዮት ብሔራትን ቋንቋታትን ከምዝደለይዎ ብርሳስን፣ ብብርዕን ዝሓንጸጽዎን ዶብ
ውሽጢ ኰይኖም ዘሕልፍዎ ናይ ሓባር ታሪኽን ናይ ሓባር ናይ መግዛእቲ ተመኵሮን ኢዩ።
እዚ ኤርትራ ከምዝደለዮ ንበይኑ ዝውንን ዝገዝእን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ዝኽተሎ
ዘሎ ናይ ሃገር ህንጻ መንገድን ሓፈሻዊ ስልትን ዕማምን ግን፡ ካብ ድሌት መብዛሕትኡ
ህዝቢዝርሓቐን ዝጻረርን ኢዩ። ህግደፍ ነዚ ሓድሽ ፈተነ ማሕበራዊ ህንደሳ ንብዙሓት ሰባት
ንኽስሕበሉን፡ ክእክበሉን ክስዕቦን ናይ ፕሮፓጋንዳ ጭርሖ’ውን “ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ”
ብዝብል ኣጠቓሊልዎ ይርከብ። ዕላማ ናይ’ዚ ፈተነ ማሕበራዊ ህንደሳ’ውን ብዙሕነት ብኹሉ
መልክዓቱን ዓይነታቱን ደምሲስካ፡ ሓድሽ ኣሃዳዊ ስርዓት ካብ መሰረቱ ምንዳቕን ምቛምን
ኢዩ። መሪሕነት ህግደፍ ብዙሕነት ሃገር ኤርትራ ከም መሰረታውን ቅርጻውን ድኽመት ሃገር
ገይሮም ስለዝቖጸርዎ “ንሽሕ ፈልጺ፡ መእሰሪኡ ልሕጺ” ከምዝበሃል ብሓይሊ
ማሕበራዊጥምረት፡ ባህላዊ ምውህሃድን ምትሕንፋጽን፤ እቲ ዝተወርሰ ቅርጺ ሃገርን
ስምዒታትን ደምሲስካን ኣዕኒኻን ብሓድሽ ሃገራዊ ቅርጽን ሓድሽ ሃገራዊ ስምዒትን ምህናጽ
ኢዩ።
ነዚ ዕላማ ንምትግባር’ውን፡ ኣብ ብዙሓት ብሔራት፡ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዝመጹ
መንእሰያት ጌና ምሉእ ሰብእነት ከይበጽሑ፡ ኣብ ሳዋ ሕብረተ-ሰብኣዊ “ቤት መጥሓን” ኣእቲኻ
ብምድቋስ ሓድሽ ኤርትራውን ሓዳስ ኤርትራን ንምፍጣር ኢዩ። እዚ ሓድሽ ኤርትራዊ’ውን፡
ነቲ ንናጽነቱ ዘጓናጸፎ ውድብ ህግሓኤ ወራሲ ወይ ተካኢ ዝዀነ ህግደፍ፡ ዘልኣለማዊ መጐስን
ክብርን ዝህብ፣ ናይ ሃይማኖትን ብሔርን መንነት ዘይብሉን ዘይፈልጥን፣ ናይ ውልቁ ታሪኻዊ
ምስትውዓል ኰነ፡ ናይ ሓሳብ ናጽነት ዘይፈልጥ፣ ንቡር ህይወቱ ንኸካይድን ከከም ዓቕሙ
ንብረትን ሃብትን ክድልብን ዘይፍቀደሉ፣ ብሓጺሩ፡ ህይወቱ ብምልኡ ከም ዘመናዊ ባርያ ወይ
ጊላ ብነጻ ከገልግል ቍሩብ ዝዀነ ዜጋ ንምፍጣር ኢዩ። ብሓጺሩ መራሕቲ ህግደፍ፡ እቲ ኣብ
ቃልሲ ነጻነት ኣዎንታውን ኣድማዕን ኢሎም ዝኣመንሉ፡ ኣብ ፍጹም ቍጽጽርን ዓብላልነትን
ንእሽቶይ ይኹን ዓብዪ፡ ፍልልይ ርእይቶ ዘይጻወር ኣሰራርሓ ውድቦም ኣብ ሕብረተ-ሰብ
ኤርትራ ብመላኡ ምድጋም ኢዩ።
እዚ ብኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ግፍዕን ጭፍጨፋን ናይ ገለ
ድኹማት ወይ ናይ ውልቀ-ሰባት ጌጋ ኣሰራርሓን ተግባርን ኣይኰነን። ሓድሽ ሃገር ሓድሽ ሰብ
ንምህናጽ ተሓሲብሉ ኰነ ተባሂሉ ዝተማህዘ ቅዋማዊ መርሃ-ግብሪ ወይ ስትራተጂ መንግስቲ
ህግደፍ ኢዩ። ዕላማኡ’ውን፡ ነቲ ኣረጊት፡ ጥንታውን ዘይምዕቡልን እትብሎ ስርዓት ኣብሪስካን
ደምሲስካን ብሓድሽን እዋናውን ስርዓት ምትካእ ኢዩ። እዚ ኣሰራርሓ ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ ኣብ
ሶቭየት ሕብረት ጆዘፍ ስታሊን፣ ኣብ ካምቦድያ፡ ፖልፖት ዝተጠቕምሉ ኣሰራርሓ ኢዩ። ገዛኢ
ጕጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቅርጻዊ ዓመጽ ምክያድ ከም ኣዝዩ ኣድላዪነት ዘለዎ ጥራሕ
ዘይኰነስ፣ ንዝሓዝዎ ናይ ሃገር ምህናጽ ውጥን ወይ ፕሮጀክት ከም ፍጹም ወሳኒ ገይሮም
ኢዮም ዝርእይዎ። ነዚ ምስ ዝርድኣናን ምስ እነስተውዕለሉን ጥራሕ ኢዩ ነዛ ካብ ነባር
ተጋደልትን ሓርበኛታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ትርጉም ዘይብሉ ጭቆናን
መቕተልትን ጠንቁ ቍሩብ ክርድኣና ዝኽእል። ኤርትራውያን ነዚ ሒዞሞ ዘለዉ ናይ ጥፍኣትን
ጥቕዓትን ዘልኣለማዊ ዕንክሊል በቲኾም ብምቝራጽ፣ ካብ ጉዕዞ ነፍሰ ዕንወት ከንሳሕቡ ምስ
ዝደልዩ፡ ንናቶም ጥቕሚ ክብሉን ንጥቕሚ መጻኢ ወለዶታት ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ
ብምሉኡ ብምሕሳብ፣ ብሓባር ክወስድዎ ዘለዎም ኣድለይቲ ስጕምትታት ኣለዉ። ብሕልፊ’ኳ
እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር፣ ኣብ ዓድታት ሰላም፡ ደሞክራስን ፍትሕን ዝነበሩ ሰባት ናይ
ሰላምን ዕርቅን ዘርኢ ብምትካል፡ መንገዲ ሰላምን ዕርቅን ብምጽራግን ብምንዳይን መጻኢ
ወለዶታት ብስኒትን ቅሳነትን ዝነብርሉ ኣተሓሳስባ ምፍጣር ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎም። ኣብ
መንጐ ብሔራትን ሃይማኖታትን ናይ ፖለቲካ ብዙሕነት ዝሓቘፈ ኣብ ሰላም፡ ስኒትን ዕርቅን
ዝተመስረተ ሕብረተ-ሰብ ንምህናጽ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ብህጹጽ ምእላዩ ኣድላይን ወሳንን
ኢዩ።
እግረ-ጽሑፍ /
1. “ኣርሜናውነት ኵናት፡ ወይስ ናብ ሰላም ዘምጽእ መንገዲ” ኣብ ዓዋተ. ኮም ብቴድሮስ ኣማኒኤል
ገብረልዑል ጥሪ 2009፤The Barbarism of War Or a Peaceful Exit Option? Jan
06, 2009 by Tedros A. Ghebrelul Awate.com
2. መጽሓፍ ቅዱስ ወንጌል ዮውሃንስ ምዕራፍ 8፡7፤
3. ሃና ኣርንደት፡ “ኣይኽማን ኣብ ኢየሩሳሌም፡ ምንእኣስ ግብረ እከይ” ፐንጒን 2006፤ Hannah
Arendt: Eichmann in Jerusalem – A Report on the Banility of Evil (Penguim
Classic 2006)
4. ሃና ኣርንደት፡ ኣብ ላዕለዋይ ጽሑፍ ገጽ 250-51 እቲ ማንታ ዝተኣሳሰረ ኣተሓሳስባ ገበንን
ሓላፍነትን ዝምድንኡን ፍልልዩን ምብራህ ቀንዲ ጕዳይ ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ነዚ ሕቶ “ሓባራዊ
ሓላፍነት” ኣብ ዝብል ጽሑፍ፡ ገጽ 43-44፤ ከምኡ’ውን፡ “ዝተወደበ ገበንን ዓለም-ለኻዊ
ሓላፍነትን” 1948 ገሊጸንኦ ኢየን። Collective Responsibiliy pp 43-44 and
Organized Guilt and Universal Responsibility (1948)
5. ጋዜጣዊ ጸብጻብ ኣኼባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ምስ
ኣባል መሪሕነት ውድብ መስፍን ሓጐስ፡ ሓርነት. ኦርግ 28 ሕዳር 2012 ኣቶ መስፍን ሓጐስ
መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንነዊሕ ግዜ ዘገልገለ ከም ምዃኑ ኣብ 1973- 74 ኣብ’ቲ ውድብ ኣብ
ዝተፈጥረ ሓያል ናይ ደሞክራሲ ተቓውሞ ኣብ ምድምሳስ ኣስተዋጽኦ እንተሃለዎ ኣይገርምን
ኢዩ። እቲ ብዮውሃንስ ስብሃቱ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ኣፍወርቂ ተኽሉን ካልኦትን ዝምራሕ
ብጸላእቱ ብኣስተናዓቒ ስም “መንካዕ” ተባሂሉ እተሰየመ ኢዩ። መራሕቱ እውን ብጉጅለ
ኢሳያስ 1975 ከምዝተቐትሉ ይንገር።
6. ንሕሳብ ሰብኣዊ መሰል ዝምርምር ብሕቡራት መንግስታት ዝተመስረተ ኩሉ ዓይነት ግህሰት
ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጽ ጽሑፍ ክሳብ 31 ጥሪ 2015 ክእክብ ጸኒሑ ኢዩ።
7. ዝከረ ልቦና ኣብ ኣዝማሪኖ.ኮም “ኤርትራዊ ስቕ በሃልነት እሱራት ብዘይ ኣሰር ክስወሩ ከለዉ
21 ግንቦት 2014፤ Zekere Lebona: Eritrean Quitness and the Disposing of
Victims without a Trace 2014-05-21 Asmarino.com
8. ፍራንዝ ካይኻ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘለዎ ጽሓፋይ ወዲ ቸኮዝላቫክያ ኢዩ። ኣብ ማእሰርቲ (The
Trial) ኣብ ዝብል መጽሓፉ ሕልሚ መሰል ጭንቀት ኣብ ማሕዩር ሕገ-ኣልቦ ገባቲ ስርዓት
ዝርከቡ እሱራት ዘሕልፍዎ ትርጕም ኣልቦነት ይገልጽ። ብእንግሊዘኛ ከም’ዚ ዓይነት ኵነታት
ካፍኻይፍ ተባሂሉ ይፍለጥ። Franz Kafka – The Trial
ምእንቲ ልኡላውነት ሃገርናን ክብርን መሰልን ህዝብናን ዝተበገሰ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እነሆ 59 ዓመታት ኣቑጺሩ። ብሰንኪ ሕመቕናን ዘይብቕዓትናን ካብ ዝግቦኦ ንላዕሊ ግዜ ዝወሰደን ኣሻሓት መስዋእቲ ዘኽፈለናን እኳ እንተኾነ ሃገራዊ ናጽነትና ግን ድሕሪ 30 መረርቲ ዓመታት ተረጋጊጹ እዩ። ሓደ ምዕራፍ ኣኽቲሙ ናብቲ ካላኣይ ምዕራፍ ጉዕዞ ደሞክራስን ምዕብልናን ሀ ! ኢልና ካብ ንጅምር ድማ እነሆ ማዕረቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝወሰደልና ግዜ ክመዓራረ ሓደ ዓመት ጥራሕ ተሪፍዎ ኣሎ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ኣእሙሮ ኩሉ ኤርትራዊ ዝነበረ ትጽቢትን ኣብ ግብሪ ዝተራእየ ክውንነትን ግን ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ኣለዎ። ንምንጽጻሩ ዝኣክል ከኣ ገለ ምባል ዝከኣል ይመስለና።
-
ድሕሪ ናጽነት ባህርያዊ ሞት እምበር፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ኣብ ባሕርን ጣሕርን መስዋእቲ ክበዝሕ ኣይተጸበናን።
-
ድሕሪ ናጽነት ዝተሰደደ ክምለስ እምበር፡ ነቶም ኣቐዲሞም ዝተሰደዱ ከነርክቦም ኣይተመነናን።
-
ድሕሪ ናጽነት ዝወለድናዮም ሓቚፍና ከነዕብዮም ዘዕበናዮም ከኣ ክናብዩና እምበር፡ መንግስቲ ካብ ሕቚፎና መንጢሉ ንሳዋ ወሲዱ ከዕርቦም ኣይተጸበናን፡
-
ጭዋ ባህሊ ህዝብና መሰረት ዝገበረ ቀጻሊ ሓባራዊ ምዕባለ ከነረጋግጽ እምበር፡ ማሕበራዊ ፈትልና ተበታቲኹ ኣብ ሕድሕድና ክንበላላዕን ክንካሰስን ኣይተጸበናን።
-
ብትምህርቲ ማዕቢልና ሃገርና ክንሃንጽ እምበር፡ እታ እንኮ ዩኒቨርሲቲና ተዓጽያ ክትዓኑ፡ ጎደናታት ከተማታትና’ውን ክባድም ኣይተጸበናን
-
ብሉጽ ኤርትራዊ ሓንጎል ተዋዳዲሩ ስልጣን ክሕዝ እሞ እንተማእሚኡና ክቕጽል እንተዘይዓጂቡና ከኣ ብድሌና ክንቅይሮ መራሒ ከነምጽእ እምበር፡ ኣብ ልዕሌና ተወጢሑ ከም ናይ መሸጣ እቕሓ ከምድላዩ ዝገብረና መራሒ ከነምጽእ ኢልና ኣይተቓለስናን።
እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን እዚ ኩሉ እናረኣና ካብ ምሕዛን ንላዕሊ ነቲ ስርዓት ንምእላይ ዝገበርናዮ ዓቢ ነገር ስለ ዘየለ ጥራሕ እዩ። ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኮነን፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ማእለያ ዘይብሉ ኣበሳ ዘውረደ ስርዓት ገና “ንሕና ንሱ - ንሱ ንሕና” ዝብሉ ዝኑባት ምህላዎም እዩ። ግን ከኣ እዚ ብጣዕሚ ዘሕዝን እኳ እንተኾነ ካብ ጎይቶትኩም ነጻ ኮይንኩም ኣለኹም ተባሂሎም ነጻ ዝተለቐቁ ጊሎት (ባራዩ) ካልእ ዓለም ስለ ዘይፈልጡ ብድሌቶም ናብ ጎይቶቶም ዝምለሱ እውን ከምዝነበሩ ብታሪኽ ስለ ንፈልጥ ብዙሕ ዝገርመና ኣይኮነን። የግዳስ ነዞም ሰብ “ንሕና-ንሱ” ኤርትራ ካልእ ዝሓሸ ሰብ ከምዘለዋ ከነርእዮም እንተኺኢልና ዝሓለፈ ጉዕዞኦም ከጣዕሶም ከምዝኽእል ምሕሳብ ጥራሕ እዩ ዝሓይሽ።
ስደትናን መከራናን ክንድዚ ክሓስምን ክነውሕን ዝገበሮ ቀንዲ ምኽንያት ንሕና ስለ ዝሓመቕና ኢና ኢልና እንተተበጊስና ሽግርና ኣብ ምፍታሕ ኣዎንታዊ ተራ ክህልዎ እዩ። ከመይ’ሲ ካብ ሰማይ ዝወረደ እዩ ወይ ናይ ዕድል ነገር እዩ ኢልና እንተሓሲብና ዝሓሸ ዕድል ክሳብ ዝወርደልና ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ምጽባይ ጥራሕ’ዩ ዝኸውን ምርጫና። እዚ ኣቲናዮ ዘለና ኩነታት ብሕመቕና ዝመጸ እዩ፡ ብመንፍዓትና ከኣ ክቕየር ይኽእል እዩ ኢልና መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ካብ ምብጋስ ወጻኢ ካልእ ዝሓይሽ መማረጺ የለን። ንሕና ሃገራዊ በዓላትና ኣብ ስደት ከነሕልፎ ዝተፈረድና ኣይኮንናን። ስደትና ሓጺሩ ፍትሓውን ደሞክርሲያውን መንግስቲ ክንሃንጽ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሓድነት ጉዕዞ ተጠናኺሩ ክቕጽል ኣለዎ - ንዕኡ ዝግባእ ኩሉ ጻዕርታት ክንከፍል እውን ድልዋት ኢና።
ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና
ሓደ መስከረም ዘለኣለም ከቢራ ትንበር
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤስደለ
ባሕቲ መስከረም 2020