Press Release
Typography

 

ጋዘጣዊ መግለጺ

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣወሃሃዲ ሽማግለ
ናይ ሓባር ፖለቲካ ንጥፈታት ኣበጊሱ

17 መስከረም 2020

ኣብ 24 ሰነ 2020 ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ምታቶም ኣወሃሂዶም ክሰርሑ ናይ ሓባር መግለጺ ምውጸኦም ዝዝክር እዩ ንምትግባር ከኣ ኣብ ብዙሕ ኣገዳሲ መዳያት፣ ከም ዲፕሎማሲ፣ ሚዲያን ናይ ህዝቢ ምልዕዓልን ዝኣምሰሉ ስርሖም ጀሚሮም ይርክቡ። እቶም ፖለቲካ ሓይልታት ድማ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒን እዮ። ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ውሕደት ስራሕ ዋና መሪሕ፡ (1) ናይ ኤርትራ ላውነትን ናጽነትን ምሕላው፣ (2) ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ብናይ ህዝቢ ሓይሊ ምስዓር፣ (3) ኣብ ኤርትራ ብዙሐ-ሰልፋዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምስግጋር፣ ክምኡውን (4) ላውነት ናይ ሕጊ ብምባል ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ናጻነቱን መሰላቱን ምርግጋጽ እዩ።

በቲ ናይ ሓባር መግለጺ መሰረት፣ ኣብ 9 ሐምለ 2020 ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዓሰርተሓደ ኣባላት ሓዘ ኣዋሃሃዲ ሽማግለ መስሪቶም። እዚ ሽማግለኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ለውጢ ንምምጻእ ሓባራዊ መርሓ ግብሪ ንምድላውን ንምትግባርን ዝዓለመ እዩ። ናይዚ ሽማግለ ኣባላት ድማ፡ / መሓመድ በሽር (ኣቦ-መንበር) ኣድያም ተፈራ (ምክትል ኣደ-መንበር) ብሉጽ ኢያሱ (ጸሓፊ) ኢድሪስ ሑመድ (ጸሓፊ) ኣብርሃም ኢያሱ፣ ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ፣ ማሕሙድ መሓመድ ዓሊ፣ መንግስትኣብ ኣስመሮም፣ ሱሌማን ሰዲግ፣ ለሰንበት ተኽላይን ዮሴፍ ኣስገዶምን እዮም።

ኣብ 22 ነሐሰ 2020 ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ነዞም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዘለዉ ሰለስተ ሓይሊ ዕማማት ብምቛም ስርሑ ጀሚሩ ይርከብ።

ዲፕሎማሲ፡- እዚ ሓይሊ ዕማም እዚ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ናይ ሓባር ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ንምትግባር ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ እዩ። ምምሕዳሩ ከኣ ሃይለማርያም ተስፋይ ዝምራሕ፣ አቤል ሃይለ ሓፊ ኮይኑ ብዓለምለኸ ደረጃ ከኣ ወከልቱ ኣብ ሓሙሽ ዞባዊ ቤት ጽሕፈታት ዘዋፈረ ቅርጻ ኣለዎ። እዚኣቶም ከኣ ብብርሃነ ደበሱ ዝምራሕ-ናይ አፍሪቃ /ጽ፣ ብወልደየሱስ ዓማርንጽገየውሃንስ ኪዳነን ዝምራሕ-ናይ አውሮ /ጽ፣ ብሓሰን አል-አሳድ ዝምራሕ-ናይ ማእከላይ ምብራቕ/ኣስያ /ጽ፣ ብዶ/ ተሾመ ብርሃነመስቀልን ብኪዳነ ተስፋገብርኤልን ዝምራሕ-ናይ ሰሜን አሜሪካ /ጽ፣ ከምኡውን ተዓረ ሃይለን ያሲን አብርሃምን ዝምራሕ-አውስትራሊያ/ኒውዚላንድ / ይህልዎ፡፡ ናይዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ሓላፍነት ከኣ (1) ንናይ ህዝብና ሰብኣዊ መሰላት ምጥባቕ፣ (2) ነቲ ናይ ዲሞክራሲ ቃልስና ብዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ድጋፍ ምርካብ፣ ከምኡውን (3) ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ምምጻእ ሾቶና ድሚት ምስጓም እዩ።

ሚድያ፡- እዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓባራዊ ናይ ሚዲያ ስራሓት ምውህሃድን ምክያድን ሓላፍነት ኣለዎ። ናይ ሚድያ ሓይሊ ዕማም ብሓናን መሓመድ ሳልሕ ዝምራሕ፣ ተኽሉ (ቶማስ) ገብረየሱስ ጸሓፊ፣ ኣባላቱ ድማ፡ ዓብዱላ ዑመር፣ ደበሳይ በየነ፣ ድራር ማንታይ፣ ሃብቶም ብርሃነ፣ ከዋኒ ገብረስላሴ ስዩም፣ መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ መሓመድ ብርሃን ብላታን ወልዱ ነጋሲን እዩም። እዚ ሓይሊ ዕማምኣብኩሉ ናይ ሚድያ መድረኻት፣ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከምኡውን ካልኦት ወም ዓለምለኻውያን ሚድያን፡ ብምውህሃድን ስራሕ ኣብ ምቅልጣፍን ይነጥፍ። ተሓባቢርካ ክስራሕ ዘለዎ ላማ ድማ፣ (1) ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዘይሕጋውን፣ ዘይሞራላውን ዘይፍትሓውን ምዃኑ ምግላጽ፣ (2) ንኤርትራውያን ኣብ ሃገሮምን ኣብወጻእን ዘጋጥሞም ዘሎ ስቅያት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ማሕበራውን ኤኮኖምያውን ፖለቲካውን ፍሽለታት ምዃኑ ምጕላሕ፣ ከምኡውን (3) ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንምስዓር ከኣ ናይ ተቃውሞ ሓይልታት ቃልስን ዓቅሚታት ምትብባዕ እዩ።

ህዝባዊ ምልዕዓል፡- እዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓበራዊ ናይ ህዝቢ ምውዳብን ምስራዕን ሓላፍነት ዘለዎ እዩ። ብብርሃነ ገብረክርስቶስ ዝምራሕ፣ ግርማይ ተኪእ ጸሓፊ ኮይኑ፣ ኣባላቱ ከኣ ኣብርሃም ተስፋግዮርጊስ፣ አስገደት ተስፋዮሃንስ፣ ባህታ ተስፋማርያም፣ ደስበለ ገብረህይወት፣ ኢዮብ የማነ ወልደገብርኤል፣ ገብረህይወት መለስ፣ ሓየሎም ዳንኤልን ትዕበ ተኪ እዮም። ናይዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ሽቶታት ድማ፡ (1) ናይ ኤርትራ ስርዓት መግዛእቲ ብምቅዋም ብሓድነት ደው ብምባል (ኣብ ውሽ ኣብ ወጻእን) ንህዝቢ ኤርትራ ምልዕዓል፣ (2) ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ (ጥታውን ዘይቀጥታውን) መንገዲታት ተጽዕኖ ንምግባር ናይ ፖለቲካ ስጉምቲታት ምውሳድ፣ ከምኡውን (3) ቀጻሊ ናይ ፖለቲካውን ማሕበራውን ስራሓት ብምውህሃድ ናይ ኤርትራ ላውነትን ናይ ህዝባ ሓድነትን ምዕቃብ ይኸውን

ንናይ ፖለቲካ ሓይልታት ውህደት ስራሕ ንምሕያል ብጸጥታ፣ ብፋይናንሳዊ ጉዳይን ብእስትራተጂያዊ ውጥንን ተወሳኺ ሓይሊ ዕማማት ብምቛም ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ስሩሑ ጽል እዩ። እዚ ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣቦ-መንበራት ላዕለዋይ ተኸታታልነት ዝሰርሕ ኣዋሃሃዲ ሽማግለ’ዚ ነቲ ኣቦ-መንበራት ዝዋሃቦ ቀጻሊ መምሪሕታትን ሓገዛትን ምስጋኑኡ የቅርብ።

/ መሓመድ በሺር

ኣወሃሃዲ ሽማግለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ