እዋናዊ ትሕዝቶ ብትግርኛ
ዓቢ ኤርትራዊ ጋዘጠኛን ሓርበኛ ተቓላስን ኣቶ ብርሃነ ወልደገብሪኤል ብዝሓደሮ ከቢድ ሕማም ብሰኑይ ዕለት 26/10/2020 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና።
እቶ ብርሃነ ወልደገብሪኤል (ብብርሃነ ሱዳን ናው ዝፍለጥ) ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ደኺመ ከይበለ ንነዊሕ ዓመታት ክቃለስ ዝጸንሐን፣ ሓደ ካብ’ቶም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩን ሃገራውያን ሓርበኛታት ኢዩ። ሞት ከምዚ ዓይነት ውፉይን ሓላይ ህዝብን ምሁር ኣካል፣ ንቤተ ሰቡ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኤርትራ ብሓፈሻ ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ዓቢ ክሳራ ኢዩ።
ሃገራዊ ተራ ሓርበኛ ብርሃነ ወልደገብሪኤል ኣብ ካርቱም ንስደተኛታት ብምጥባቕ ዝፈለመ ኾይኑ፡ ኣብቲ ከም ሳጓኡ ዝፍለጠሉ Sudan Now ዝብሃል ዓቢ መጽሔት ፍሉጥ ዓምደኛ ብምዃን ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝጀመሮ እዩ።
ብሞያ ጋዜጠኛ ዳኣ ይኹን እምበር ዕድሚኡ ምሉእ ደኺመ ዘይብል ተቓላሳይን ተጣባቓይ ሰብኣዊ መሰላትን'ውን እዩ ኔሩ።
ነፍስሔር ብርሃነ ወልደገብሪኤል፡ ንምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝዓለመ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት 2020 ኣብ ከተማ ሎንዶን ክካየድ ዝተሓስበ፡ ድሒሩ ግን ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19 ብቨርቹዋል ርክብ ዝተሰላሰለ ዋዕላ ኣብ ምዕዋቱ ኣድማዒ ግደ ከም ዝነበሮ ኣብ መዛግብ ታሪኽ ህዝብና ንዘልኣለም ተዘኪሩ ክነብር ኢዩ።
ክቡር ሓውና ብርሃነ ኣብዚ ተሃዋሲ መድረኽ’ዚ ብሞት ክፍለየና ንሃገርና ኤርትራ ብቐሊሉ ዘይትካእ ዓቢ ክሳራ ኢዩ። ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሰሎም ዕላማታት ንምዕዋት ቃልስና ቀጻሊ ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ኣምላኽ ነፍሱ ይምሓር፡ ንስድራቤቱን ኩሎም ብጾቱን ፈተውቱን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃበና።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
30 ጥቅምቲ 2020
ደምዳሚ መግለጺ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤስደለ) 23 ጥቅምቲ 2020
ካብ ዕለት 14-15 ጥቅምቲ 2020 ሻሙናይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ኤስደለ ተኻይዱ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ለውጥን ኣብ ሙሉእ ዓለም ወሪዱ ዘሎ ተላባዒ ሕማምን ነቲ ኣኼባ ከምልሙድ ብኣካልን ኣብ ዕለቱን ከይካየድ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘሕደረ እኳ እንተኾነ ሰብና ዘበን ዘምጸኦ ሓዲሽ ተክኖሎጂ ክለማመድ ዘኽኣለ ኣጋጣሚ እውን ኔሩ ክበሃል ይከኣል።
ህዝባዊ ጻውዒት
ኣቲናዮ ዘለና ህሞት ብሰንኪ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ከሻቕለና ዝጸንሐ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስእነት ፍትሕን ልዕልነት ሕግን፡ ዝኸኣለ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍኣላ፡ ጠዋሪ ዝደልዩ ሽማግለታትን መዓንጣ ዘይቆጸሩ ቆልዑን ዝበዝሕዋ ሃገር ኮይና ጸኒሓ እያ። ሕጂ ከኣ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ንባዕላ እታ ሃገርን ልዑላውነትናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትዉሉ ኩነታት ኣቲና ምህላውና ኣስሚሩሉ። በዚ ኣጋጣሚ መንግስቲ ህግደፍ ነቲ ከም ናይ ሸቐጥ ኣቕሓ ከንብሮን ክሰቕሎን ንዝውዕል ዘሎ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ፡ ክብርና ናብ ንቡር ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ ክብል በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒቱ የቕርብ ኣሎ።
ሃገራውን ከባብያዊ ኩነታት ብዝምልከት፥
ኣብ መንጎ ኣመሪካን ተኸተልቱን ብሓደ ሸነኽ፡ ቻይናን ተኸተልቶምን ከኣ በቲ ካልእ ሸነኽ ኣብ ዞባና ልዕልነት ከረጋግጹ ንዝደልዩ ተወዳደርቲ ዝግበር ዘሎ ናይ መን ዓብለለ ውድድራት ዞባና ይሕመስ ኣሎ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ብቑጠባ ይኹን ብፖለቲካ ኣብ ሰንከልከል ስለ ዝጸንሓ ነቲ በዞም ናይ ዞባና ጎብለላት ዝወርድ ተጽዕኖታት በዲሆም ኩሉ መዳያዊ ልኡላውነቶም ሓልዮም ክኸዱሉ ዝኽእሉ ብቕዓት ኣይጸንሐን። ስለዝኾነ ከኣ ወይ ናብ ዝያዳ ዝኸፈለ ወይ ናብ ዝያዳ ዘፈራረሐ ይገላበጡ ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓደገኛ ኩነታት ድኻ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሊሱ ናብ ድኽነት ይሽመም ኣሎ። እዚ ተርእዮዚ ብፍላይ ንኽልተ ጎረባብትና - ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣሻቒሉ ዘሎ ኩነታት እዩ። ሓያላት ሃገራት መን ኣብ ስልጣን እንተመጸ’ዩ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጽምኣትና ዘርውየልና እናበሉ ኣብ ዞባና ክሰርሑን ክፍንጥሑን ይረኣዩ ኣለዉ።
ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ቅልውላው ንኣሻሓት ኤርትራውያን ኣሻቒሉ ኣሎ። ንልዕሊ ሰለስተ - ኣርባዕተ ወለዶታት ኣብ ሱዳን ሰፊሩ ዘሎ ህዝብና፡ ሎሚ ኣይሃገርካን ተባሂሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝኸይድ ዘሎ ምፍንቓልን ቅትለት ኣጸቢቕና ንኹንኖ ጉዳይ እዩ። ሱዳን ከም ፈታዊት ህዝቢ ኤርትራን ሰውራናን፡ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ብሰላም ክዓርፍን ለዋህ ህዝቢ ሱዳን ቅሳነት ክረክብን ናይ ዘወትር ትምኒትና እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው እውን እንተኾነ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ።
ዶ/ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንነጀው ርእሰ ፋሺሽቲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ትንፋስ ረኺቡ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሕጹኖት ከምዘሎ ንርኢ ኣለና። ካብ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኲናትን ዕንወትን እንተዘይኮይኑ ናይ ሰላምን ህንጸትን ምኽሪ ክረክብ ከምዘይክእል ግን ፍሉጥ’ዩ። እነሆ’ውን ብተግባር ንሪኦ ከምዘለና እቲ ብስም ጽገና ናብ ስልጣን ዝመጸ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ቀንዲ መሓዝኡ ጌሩ ካብ ዝምርሽ ንነጀው ንኢትዮጵያ ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ሕድሕድ ብሄራዊ ምንጽጻግን ኲናት ሕድሕድን የምርሓ ኣሎ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንኤርትራ ዘይጠቐመ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክጠቅም ኣይክእልን። እኳ ደኣስ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ሕቖን ከብድን ኣብ ዝኾኑሉ እዋን፡ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሕግብግብ ምባሉ ስደትን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ዘጋድድን ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ክወድቕ ዝገብር ኩነታት ከይፍጠር ኣዚና ንፈርሖ ጉዳይ ምዃኑ ከይገለጽና ክንሓልፍ ኣይንደልን።
ኣብ ክሊ ከምዚ ዝበለ ተሃዋሲ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ሕገ-መንግስቲ ዝሃቦም መሰሎም ተጠቒሞም ህዝባዊ ምርጫ ብሰላም ኣካይዶም ክልላዊ መንግስቲ መስሪቶም ኣለዉ። ምእንቲ ከምዚ ዝበለ መሰል ክረክብ ኣሻሓት መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ትግራይ ብሕገ መንግስቲ ክግዛእን ደሞክራሲያዊ መሰላቱ ተጓናጺፉ ህዝባዊ ምርጭኡ ኣካይዱ ብቖጽሊ ዘውደቐሉ መራሒ ክመሓደር ዘለዎ ባህግን ድሌትን ክብ ዘብል ተርእዮ ስለ ዝኾነ እንቛዕ ሓጎሰኩም ክንብል ንደሊ። ብፍላይ ከኣ ምስ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ተታሓሒዙ ዝረአ ዘሎ ምትሕግጋዝ ክልቲኡ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣዚና ንኾርዓሉን ንሕበነሉን ምዃኑ እናገለጽና ተጠናኺሩ ክቕጽል ኩሉ ዝከኣለና ክንገብር ምዃንና ክንገልጽ ንደሊ።
ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ
ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ካብቲ ዝጸንሖ ፋሕ ዝበለ ሃለዋት ወጺኡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ናይ ሓባር ሓይሊ ዕማማት መስሪቱ ምንቅስቓስ ምጅማሩ ጻዕሪ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ምዃኑ ብምእማን ውድብና ከም ወትሩ ነዚውን ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ከበርኽ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ድሉው ምዃኑ እገልጽ። እዚ ተበጺሑ ዘሎ ምውህሃድ ግን ገና ዕሸል ኮይኑ ብፖለቲካዊ ፕሮግራምን ሕገ-ህንጻን ዝተነድቀ ስለ ዘይኮነ ብዙሕ ክንክን ይደሊ። ስለዚ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኣዎንታዊ ድርኺት እምበር ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝኾነ ንድሕሪት ክመልስ ዝኽእል ፈተነታት ካብ ምግባር ምቑጣብ ከምዘድሊ ኣትሪሩ ይምሕጸን።
ውድባዊ መደባትና
ውድብና ኤስደለ ኣብዚ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን እንገብሮ ወፍሪ ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣሓት ውድባት ተጠራኒፉ፡ ተዛሪቡ ዘስምዕ ሰሪሑ ዘድምዕ ውድብ ንምፍጣር ዘካይዶ ዘሎ ዘተታት ኣበርቲዑ ክቕጽለሉ ወሲኑ ኣሎ። ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ካብ ኣብ ንቡር እዋን እንገብሮ ሕድገታት ንላዕሊ ክንገብር ዝሓተና ምዃኑ እናገለጽና ውድባትና ሒዘነኦ ዘለዋ ፖለቲካዊ ፕሮግራማትን ኣብ ሕድሕድ ዘለና ወድዓዊ ይኹን ባዕላዊ ገምጋማትን ልዕሊ ልዑላውነት ሃገርና ክስራዕ ስለ ዘይግባእ፡ እዛ ልዑላውነት ህዝባን መሬታን ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ዘሎ ሃገርና ንምድሓን ኩሉ ዝከኣለና ሓድነታዊ ጻዕርታትን ሓባራዊ ስራሓትን ከነዕዝዝ ጻውዒት ነቕርብ።
ሓፈሻዊ፥
ለውጢ ብውሽጢ’ዶ ብደገ ይመጽእ? ለውጢ ብነባራት ተቓለስቲ’ዶ ወይስ ብመንእሰያት ይመጽእ? ዝብሉ ክትዓትን ካብኡ ሓሊፉ እውን ብሃይማኖትን ኣውራጃታትን መንቀሊ ዝገብር ክትዓት ካብ ሓዲድና ከዘናብለና እንተዘይኮይኑ ጣቋ ዘለዎ ኣይኮነን ንብል። ለውጢ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ ኢልና ብደገ ዝግበር ቃልሲ ደው ኣይነብልን። ብደገ እዩ ዝመጽእ ኢልና እውን ነቲ ብውሽጢ ዝግበር ቃልሲ ክንዓጽፍ ኣይግባእን። ኩሉ ምእንቲ ፍትሕን ደሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ክሳብ ዝኾነ ነንሕድሕዱ እናተመጋገበ ዝኸይድ እምበር እቲ ሓደ ነቲ ካልእ እናነጸገ ክኸይድ ዝግባእ ኣይኮነን። ሃገርና ኤርትራ ኣደ ብዙሓት ብሔራትን ሃይማኖታትን ከም ምዃና መጠን ድማ ብሃይማኖት ይኹን ብኣውራጃ ነቲ ሓደ ኣይትቐርብ ነቲ ካልእ ኣይትርሕቕ። ካብዚ ወጻኢ ዝሓስብ እንተልዩ እሞ ንኤርትራ ናይ በይኑ ክገብራ ዝደሊ እንተልዩ፡ ንዑኡ ትኸውን እውን ከምዘይረኽበላ ክርዳእ ይግባእ ንብል።
መራኸቢ ብዙሓን ብዝምልከት
ህዝባዊ መራኸቢታት ከም ሎሚ ኣይሰሰናን። እዚ እቲ ኣዎንታዊ ሸነኹ ኮይኑ ዘሕልፈኦ ፕሮግራማት ግን ረብሓ እቲ ውጹዕ ህዝብና ማእከል ዝገበረ እምበር ህግደፍ ክምዝምዞ ዝኽእልን ነንሕድሕድና ከናቑተና፡ ምስ ጎረባብትና እውን ከባእሰና ዝኽእልን መደባት ካብ ምሕላፍ ክቑጠቡ ንምሕጸን። ብዘይካ'ዚ ዝያዳ ቆላሕታ ክገብራሉ ኣለወን እንብሎ ጉዳይ ከኣ፡ መንእሰያትና ብባሕርን ጣሕርን ሓሊፎም ኣቶም ዕድል ዝገበሩ ኣብ ርጉእ ሃገራት እውን እንተሰፈሩ፡ ዝሓለፍዎ ጉዕዞ ይትረፍዶ ክትምኮሮ ከትዛረበሉ እውን ዘስካሕክሕ ስለ ዝኾነ፡ እንተኾነ ብዝከኣለና ክንሕግዝ እንተዘይክኢልና ድማ ጸገሞም ተረዲእና ሰብኣዊ ርህራሄ መታን ከነርኢ ከስተምህሩ ይግባእ ንብል። ከምኡ ምግባር ሰብ ምዃን እምበር ካልእ ወጻኢ ዘየድልዮ ምዃኑ ፈሊጥና ኣብ ጎድኒ እቶም ኣብ ሽግር ዘለዉ መንእሰያትና ደው ክንብል ይግበኣና ንብል።
ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና
ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ
ምሕዝነት ውጹዓት ህዝብታት ይደልድል!
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤስደለ ጥቅምቲ 2020
ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ግሃድኤ) ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ ዕለት 16 ክሳብ 18 ጥቅምቲ 2020 ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ’ዚ ኣብ መጀመርታ ርብዒ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ንምክያዱ ተመዲቡ’ኳ እንተነበረ፣ ብስንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ክሮና (ኮቪድ 19) ክካየድ ኣይተኻእለን።
ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣብ ምጅማር ኣኼብኡ ጸብጻባት ስክረታርያ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ተኸታታልን ተቖጻጻርን ኣካልን ሰሚዑ። ስራሓት ኣብያተ ጽሕፈታት ፈጻሚ ኣካል ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣኼበኛታት በቢመዳያቱ ተኻትዖም፡ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ዉድብና ብወድዕነት መዚኖም። ከምኡ’ዉን ኣብ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ዘትኮረ ብሃናጺ ክትዓትን፡ ብግሉጽነትን ብነቐፈታን ርእሰ ነቐፈታን፡ ሓያልን ድኹሙን ጎድንታት ናይቲ ዝተኻየደ ዕዮ ብግቡእ ገምጊሙ። ኣብ መላእ ኩርነዓት ዓለም ተዘርጊሑ ዝርከብ መሰረታት ግሃድኤ ብዲሞክራስያዊ ማእከልነት ተማእዚዙ፡ ከይተሓለለን ልዑል ሃገራዊ ንቕሓት ወኒኑ ሃገራዊ መስመር ዉድቡ ንምዕዋት ዘካየዶን ዘካይዶ ዘሎን ቃልሲ፣ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ መጒሱ። እቶም ዝቐረቡ ጸብጻባት ዝተፈላለዩ ትካላት ውድብ ድሕሪ ዓሚቊ ክትዕን ወድዓዊ ገምጋማትን፣ ውሳኔታትን ለበዋታትን ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣመልኪቱ ዝተፈጸሙ ስራሓትን ዝተራእዮ ሕጽረታትን ብግቡእ ድሕሪ ምግምጋም 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣጽዲቕዎ። ካብዚ ብምንቃል ድማ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ፣ስርዒታዊ ዲሲፒሊን ብዘይትንክፍ፣ ውድባዊ ኣካላት ብግቡእ ንምንጥጣፍ ዝዓለመን፣ ንሓባራዊ ስራሓትና ብዘዕዝዝን፣ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት እነካይዶ ዕማማት ክብ ንምባልን፣ ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሓን ብዓቢ ደረጃ ክንግልገለሉ ተዳላይነቱ ዕዙዝ ምዃኑ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ንኹሎም ሓለፍቲ ትካላት ብዕቱብነት ክሰርሕሉ ተማሕጺኑ።
ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ምሕደራ ምልካዊ ጉጅለ ህግዲፍ ተረምሳ ትነብር ዘላ ሃገር ብምዃና፡ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝብና ኣብ ኩሉ መዳያት መሰላቱ ተነፊግዎ ኣሰቃቒ ህይወት የሕልፍ ምህላዉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ልዑላዉነት ሃገርና ንዋጋ ዕዳጋ ዘሳጥሕ ድጉል ዕላማ ሒዙ ይጓዓዝ ምህላዉ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ይርከብ። ወግሐ ጸብሐ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዉግእ ንምጽሕታር ዝፍጽሞ ዘሎ ወስታታት ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ከቢድ ጉድኣት ከስዕብ ምኳኑ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣሚቱ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1998 ዓ.ም. ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ዘሕዝንን ዘይርሳዕ ኣሉታዊ ስምብራት ዝሓደገን ተመኩሮ ስለ ዝኾነ፣ ሕጂ’ውን ህዝብና እንደገና ናብ ዉግእ ንኸይሽመም፡ ማሕበረ ሰብ ዓለምን፡ ሕቡራት መንግስታትን፡ ሓድነት ኣፍሪቃን፡ ሕብረት ኤዉሮጳን፡ ከምኡ’ውን ሰላምን ርግኣትን ዘገድሶም መንግስታትን ኣብ ልዕሊ ገባቲ ጉጅለ ህግዲፍ ኣድላዪ ጸቕጢ ክገብሩ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ተማሕጺኑ። ከምኡ’ዉን ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከኣ ብሓፈሻ፣ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ህግዲፍ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ናብራን ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ሰፍ ዘይብል ግህሰት መሰላትን፡ ግቡእ ኣቕልቦን ቆላሕታን ክወሃቦ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ።
ህዝቢ ኤርትራ፣ ምስፍሕፋሕ ፋይረስ ክሮና ንምግጣም ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ ገባቲ ስርዓት ነቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ክንዲ ዝጽዕር፣ ንህዝብና ኣብ ፍጹም ከበባ ኣእቲዩ ኣብ ከቢድ ዓጸቦ ከም ዝወድቕ ገይርዎ ምህላዉ፣ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ብኣትክሮ መዚኑ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 30 ዓመታት ዘርኣዮ ምምሕዳራዊ ፍሽለትን ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ማሕበራውን፣ ምጣነ-ሃብታውን፣ ፖለቲካውን መዳያት ዝተራእዩ ጸገማት ንህዝብና ከቢድ ጸገማት ኣውሪሶም ይርከቡ። ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ንኣብነት ዝተፈጥረ ብርሰትን ምስፍሕፋሕ ድኽነትን ከይኣክል፡ መንእሰያትና ሃገሮም ራሕሪሖም እግሮም ናብ ዝመርሖም ክስደዱ ምግዳዶም፣ ኮነ ኢልካ በዚ ኣሬሜናዊ ስርዓት ዝፍጸም ዘሎ ሓደገኛ ናይ ምጽናት ስትራተጂ ምዃኑ ዳርጋ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ህዝብን ሃገርን ካብዚ ኣዕናዊ መርሆ ንምድሓን፡ ኩሎም ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለዉጥን ፍትሕን፡ ዓቕምታቶም ኣስሚሮም ነዚ ስርዓት ንምእላይ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ከኻዕብቱ ማእከላይ ባይቶ ኣዘኻኺሩ። መሰረታዊ ለዉጢ ኣብ ሃገርና ክዉን ንምግባርን፡ ነዚ ገባቲ ጉጅለ ኣሊኻ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ብልጽግትን ሃገር ንክንሃንጽ ኩሎም ሃገራውያን ብዕቱብነት ክቃለሱ ንጽባሕ ዘይበሃል ዕማም ምዃኑ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣረጋጊጹ።
መነባብሮ ህዝብና ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ዝበኣሰ ይሰጋገር እናሃለወ፣ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ሽፋን “ስምምዕ ስላም” እቲ ዘይብሩሁን ኣጠራጣሪ ዝምድናታቱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይቕጽሎ ኣሎ። ካብ’ቲ ኣዚዩ ኣሻቓሊ ዝኾነ ጉዳያት ከኣ፣ ውልቀ መላኺ ኤርትራ ወግሐ ጸብሐ ውዲታዊ መርሆኡ ዘንጻባርቕ፣ ንልዑላውነት ሃገርና ዝፈታተንን፣ ነቲ ምእንቲ ናጽነትን ሃገራዊ ክብርን ብህዝብና ዝተኸፍለ ሰፍ ዘይብል ግቡእ ገዝሚ ዘናሽው መግለጺታት ከቃልሕን ኣነዋሪ መርገጻት ክውሰድን ተራእዩ። እዚ’ውን ጥራሕ ኣይኮነን። እዚ ገባቲ ጉጅለ’ዚ ኣብዚ ውሽጢ 30 ዓመታት እቲ ዝተሓተ ሰብኣዊ መሰላት ግሂሱ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታትና ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ዳጒኑ፣ ንመንእሰያትና ኣብ ገደብ ኣልቦ ዕስክርና ስለ ዝሸመሞም፣ ብዙሓት ካብኣቶም ናብ ስደት ከምርሑ ተገዲዶም ኢዮም። ሕቶ ሓርነትን፣ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ግዝኣተ ሕግን፣ ምርግጋጽ ርግኣትን፣ ምቕራብ መሰረታዊ ኣገልግሎትን፣ ምርግጋጽ ምጣነ-ሃብታዊ ዕብየትን፣ ካብ’ቶም ብደረጃ መንግስታትን ሃገራትን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስርዑ`ኳ እንተኾኑ፣ ኣብ ኤርትራ ግን ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ፣ እዞም መሰራታውያን መሰላት ምርኻብ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣረጋጊጹ።
ኩነታት ኤርትራዊ ተቓውሞ ደምበ ብዝምልከት 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ሃገራዊ ሓላፍነትን ናይ ምርድዳእን መንፈስን ሰፊኑ ምህላዉን፣ ናይ ሓባራዊ ስራሓትን ብምክያድ ሃገራዊ ዕዮ ተቓውሞ ንምብራኽ ብዙሕ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ ብምግንዛብ መጒሱ።
ግሃድኤ ምስ ዝተፈላለዩ መሓዙት ኤርትራዊ ውድባት ዘካየዶም ዘተታትን ውጽኢታቶምን ብዑምቀት መዚኑ። ዝተኻየዱ ዘተታት ዕዙዝ ኣገዳስነት ከም ዘለዎም ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ቃልሲ ዝተራእዮ ፍሹላት ተመክሮታት ንኸይድገሙ ብደቂቚ ክግምገሙ ከም ዝግባእ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ርእዩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ፣ ህልዊን መጻእን ሃገርናን ህዝብናን ተሳጢሑሉ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ንምብዳህ፣ ንሓባራዊ ሃገራዊ ዕዮ ንምዕዛዝ ዘኽእሉ ኣገባባት ንምርካብ ክብላሓቱ ጸዊዑ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ግሃድኤ ካብኡ ዝጥለብ ንምምላእ ድሉው ከም ዘሎ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ህዝብና ንዓሰርታት ዓመታት ዘማዕድዎ ለውጢ ክውን ንምግባር፣ ብፍላይ ድማ እዚ ዘለናዮ እዋን ካብ’ቶም ዝሓለፉ መድረኻት ዝሓሹ ዕድላት ተኸሲቶም ብምህላዎም ብግቡእ ንክንጥቀመሎም፡ ዝካየድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ዓይነታዊ ዝላ ንምርግጋጽ ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታት ኤርትራ ዓቕምታቶም ብሓባር ጸሚዶም ክቃለሱ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ጸዊዑ።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ (ኤሃባደለ)፡ ኣብ ትሕቲኡ ብርክት ዝበላ ዉድባትን ሰልፍታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ወከልቲ ማሕበረ-ኮማትን ዝጠርነፈ ሃገራዊ ጽላል ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ዉሽጢ እዚ ሃገራዊ ዓዉዲ ዝካየድ ምቕርራብ፡ ናብ ሓድነት ዘምርሕ ደራኺ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝሓዘ ምዃኑ ብምእማን፡ ምርባሕ ዉድባትን ሰልፍታትን ወጊድካ፡ ሓያልን ጥርኑፍን ደምበ ተቓዉሞ ዘዉሕስ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ግሃድኤ፡ ካብ’ዚ እምንቶ ዝተበገሰ ወድዓዊን ሃናጽን ስነ-ሓሳብ፡ ናይ ዘተ ሽማግለ ኣቑሙ ምስ ዝተፋላለያ ዉድባትን ሰልፍታትን ሰፊሕ ዘተ ንምክያድ ቀጻሊ ተበግሶታት ክገብር ጸንሑን ኣሎን፡፡ እታ ነዚ ዕማም‘ዚ ዝተመዘዘት ሽማግለ ዘተ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ኣዎንታዊ ዉጽኢት ምዃኑ ድሕሪ ምግምጋሙ፡ ማእከላይ ባይቶ ነቲ ሽማግለ ዘተ ዘረጋገጸቶ ዉጽኢት ኣሞጊሱ። ሕቶ ሓድነት ብዝምልከት ከኣ፡ ማእከላይ ባይቶ፡ ብዓብይ ተገዳስነትን ዑምቆትን ተማይጡ፡ ናብ ተግባራዊ መደብ ዕዮ ዘምረሐ ድልዱል ባይታ ዘጣጥሕ ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ዉሳኔታት ኣጽድቁ።
3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ነቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝረአ ዘሎ ቅልዉላዉን ዘይቅሱን ሃዋሁን ብተጋዳስነት ድሕሪ ምርኣይ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብኡ ሰፊኑ ዘሎ ዝተፈላለየ ዉጥናትን ንሱ ዘስዕቦ ቁሩቁሳትን፣ ከም ውጽኢቱ ከኣ ዝርአ ጽልዋ ጂዮ ፖለቲካ (Geo-political Influence)፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሃገራዊ ልዑላውነትናን ከሕድሮ ዝኽእል ኣሉታዊ ተጽዕኖታትን፡ ማእከላይ ባይቶ ዘለዎ ስክፍታን ክኽሰቱ ዝኽእሉ ምናልባታትን ኣቐሚጡ ብዓብይ ኣትኩሮን ወድዕነትን ነቲ ንሃገርና ከቢቡዋ ዝርከብ ኩነታት ገምጊሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅሉዉላዉን፡ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን እንዳ በረኸ ዝኸይድ ዘሎ ምትፍናን፣ ንኢትዮጵያውን ዝምልከት ውሽጣዊ ጉዳዮም ክንሱ፡ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ምትእትታዉ ብዝሰፍሐ ኣካላት ህዝብና ዝኹነን ምዃኑ፡ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣስሚሩሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን ጻዕሪ ናይ ኩሎም ኣህዛብ ኢትዮጵያ ዝሓትት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንሕና’ውን ከም ጎረቤት ሓው ህዝቢ፣ ኩሎም ኣካላት ኢትዮጵያ ሓድነቶም ንምዕቋብን ፍልልያቶም ብመሰረት ዝተሰማምዕሉ ሕገ-መንግስቲ ንኽፈትሕዎ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ። ኣብዚ ኩነታት’ዚ ክንጠቕሶ እንደሊ ጉዳይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ንመሰል ህዝቦምን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገሮም ንምርግጋጽ ክቃለሱ ዝርከቡ ተጋደልቲ፡ ግዳይ ግብረ ሽበራ ኣካላት ጸጥታ ህግደፍ ንኸይኮኑን፣ ኣብ ልዕልኦም ዝኾነ ጉድኣት ንከይፍጸምን፡ ማእከላይ ባይቶ፡ ንዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ምሕጽንትኡ ኣመሓላሊፉ።
ብዛዕባ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ብዝምልከት 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታትን ብናህሪ ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልናታትን ገምጊሙ። ሱዳን ካብ’ዚ ዘለዎ ቅልዉላዉ ተናጊፉ፣ ሰላምን ስኒትን ዝሰፈናን ሓድነታ ዝሓለወትን መሰል ዜጋታት እተኽብርን ሃገር ኮይና ክትቅጽል፣ ኣብ ዞናና ርግኣትን ሰላምን ንኽሰፍን ዓቢ ግደ ኣለዎ ክብል ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ እምነቱ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምስራቕ ሱዳን ሰፊኑ ዘሎ ወጥርን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘጋጠመ ረጽምን ኣመልኪቱ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣዚዩ ከም ዘግሃዮ ብምግላጽ፣ ካብዚ ኩነታት’ዚ ንምውጻእ ኩሎም ተቐናቐንቲ ኣካላት ነቲ ኩነታት ብልቦናን ብልዝብን ክኣልይዎ ጸዊዑ። ዝተፈላለዩ ደቂ ምስራቕ ሱዳንን ካልኦት ብቐረባ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ኣካላትን ብተደጋጋሚ ይሕብርዎ ከም ዝጸንሑ፣ ገባቲ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጉጅለታት ምስራቕ ሱዳን ኣእዳዉ ኣእትዩ ግርጭታቶም ኣብ ምብላሕ ግደ ኣለዎ ዝብል ሓያል ምልክታት ከም ዘሎ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣዘኻኺሩ። በዚ እከይ ተግባር ኣቢሉ ርግኣትን ሰላምን ሱዳን ንምዝራግ ዝሓለነ ኢዩ ክብል ወሰኸ። ካብዚ ተረድኦ’ዚ ብምብጋስ፣ ኩሎም ፖለቲካውን ህዝባውን መራሕቲ ናይቲ ስተራቲጂካዊ ድሕሪ ባይታ ኤርትራ ዝኾነን ምስ ህዝቡ ድማ ዝተኣታተወ ዝምድና ዘለና ምስራቕ ሱዳን ነቲ ሰፊኑ ዘሎ ቅልውላው ብዘተን ንኹሉ ብዘዕግብ ኣገባብን ክፈትሕዎ ማእከላይ ባይቶ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ። ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ብሓፈሻ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከኣ ብፍላይ፣ ኣካል ናይቲ ዝኸይድ ዘሎ ግርጭታታት ኢዩም ዝብል ናይ ጸለመ ወፈራ ብገለ ኣካላት ሱዳን ክስንዘር ምርኣይና ኣዚዩ ዘገርም ምዃኑ ብምግላጽ፣ እቶም ኣቐዲሙ ብሰንኪ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ቀጺሉ’ውን ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ህግዲፍ ዝተሰደዱ ኤርትራውያንን፣ ኣብ ሱዳን ንዓመታት ክነጥፉ ዝጸንሑ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሓው ህዝቢ ሱዳን ፈጺሞም ኢድ ኣእታውነት ከም ዘይነበሮምን ሕጂ`ውን ክምዘይብሎምን ታሪኽ ዝምስክሮ ዘየካትዕ ሓቂ ኢዩ። ህዝቢ ሱዳን ማሕበራዊ ዝምድናታቱ ዓቂቡ ሃገራዊ ሓድነቱ ከውሕስ ናይ ዘልኣለም ምንዮት ኤርትራውያን ከም ዝኮነ ማእከላይ ባይቶ ኣረጋጊጹ።
ሃገር ሱዳን ዓሰርተታት ኣሻሓት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዘዕቆበ ጎረቤት ሃገር ከም ምዃኑ መጠን፡ ሕጂ’ውን ብቐጻሊ ብሰንክ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎን ዝጸንሐን ከቢድ ፖለቲካዊ ሽግራት፡ ሃገሮም ራሕሪሖም ዶብ ክሰግሩ ዝግደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፡ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ተሓልዩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ንኸይወርድ፡ ማእከላይ ባይቶ ንሰበ ስልጣን ሱዳንን ንዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ምሕጽንታኡ ኣመሓላሊፉ።
ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ዓሚቚ ዘተ ኣካይዱ። ሱዳንን ኢትዮጵያን የመንን ኣብ ሃገሮም ስደተኛታትና ኣዕቂቦም፣ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካላትን ሃገራትን ምስ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘርኣይዎ ምድንጋጽ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ክብ ዝበለ ምስጋና ብምቕራብ፣ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ትካላትን ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ፍሉይ ጠመተን ኣድላዩ ምትሕብባርን ክገብሩ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ተሪር ምሕጽንታ ኣመሓላሊፉ። ሰበ ስልጣን ሊብያ። ነቶም ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብሰንኪ ኣስገርቲ ዶብ ንሓደጋ ዝሳጠሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህይወቶም ንምድሓንን ጉዳዮም ብመሰረት ኣዳማሳዊ ሕግታትን ስምምዓትን ግቡእ ፍታሕ ንክግበረሉን፣ ጉዳዮም ናብ ዝምልከቶም ኣህጉራውያን ትካላት ንከመሓላልፉ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ምሕጽንትኡ ኣቅሪቡ።
ዞባዊ ኣህጉራውን ኩነታት ብግቡእ ድሕሪ ምምዛን፣ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ የመንን ሊብያን ዝካየድ ዘሎ ብረታዊ ጎንጺ ኣዚዩ ዘሕዝን ምዃኑ ብምግላጽ፣ እቶም ተገራጨውቲ ኣካላት ፍልልያቶም ብልዝብን ብሰላማዊ ኣገባብን ክፈትሕዎ ጸዊዑ።
3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ፣ ነቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን ዝነብር ህዝብናን፣ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታትን፣ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን፣ ናይ ጸጥታ ኣካላትን ኣብ ዝተፈላለየ መንግስታዊ ትካላት ዝሰርሑን፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓንን ንዝተረጋገጹ ሃገራዊ መኽስባትና፣ ብፍላይ ድማ እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእቲይዎ ዘሎ ሃገራዊ ልዑላውነትና ንምዕቋብን ክበገሱ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ፣
3ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ መደምደምታ ኣኼብኡ መድረኻዊ መደብ-ዕዮ ድሕሪ ምጽዳቕ፣ ስክረታርያ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ክልተ ኣባላት ተኸታታልን ተቑጻጻርን ኣካልን ብምምራጽ ኣኼብኡ ብክብ ዝበለ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዛዚሙ።
“ድሕነት ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ኩሉ” !
ዓወት ንፍታሓዊ ቃልሲ ህዝብና
ውድቀት ንምልካዊ ጉጅለ ህግዲፍ
ዝኽርን ክብርን ንስዋእትና !
ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
19/10/2020