ዝኸበርኩም ኣባላት ኤስደለ ብቀዳምነት ዕዙዝ ዝኾነ ሃገራውን ምሕዝነታውን ሰላምታና ይብጻሕኩም። ንኩሉ’ቲ ተካይድዎ ዘለኩም ዘይሕለል ህዝባውን ሃገራውን ዕማማት ድማ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየልኩም።

ብምቕጻል ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ራህዋን ንምስፋን ተሳትፎ ብዙሕነት መላእ ህዝብና ዘንጸባርቕ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ፡ ተሰላስልዎ ዘለኩም ዘይሕለል ቃልስታት ልዑል ዝኾነ ናእዳና እናገለጽና፡ ነዚ ንባሕቲ መስከረም 2015 ኣመልኪቱ ብህቡባት ስነ ጥበባውያን ዝቐረበ ምልክታን ዕድመን ንሰደልኩም ምህላውና ንሕብር።

ስለ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ባሕቲ መስከረም 2015 ስደተኛታት ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን 22 ነሓሰ 2015