Top Stories

Grid List

When the government takes land from indigenous people for development, the government will have the responsibility to provide the owners with alternative land and/or compensate them fairly.

Work earnestly to make the duration, tasks and mandates of the transitional government effective, peaceful and democratic.

As a multi-ethnic, and multi religious organization, EUDC expresses consternation at incidences of this nature anytime they happen, and condemns every atrocity committed by the government or by any other group in every corner of the country. We strongly believe that creating a pluralist/multiparty democratic system with religious institutions separated from the state and vice versa with clear delineation between them is the only way to guarantee a viable everlasting democracy in Eritrea.

The national system of education should be free from religious influence. Religious institutions will also have the right to teach religious studies without government intervention.

The core task of the defense forces of Eritrea is to protect and defend the constitution, the sovereignty of Eritrea, the people and the property of citizens

Some events come out of the blue, as surprising as thunderbolts. Others feel like confirmations of dour predictions, as grindingly inevitable as winter’s onset. The outbreak of heavy fighting between Eritrean and Ethiopian troops on their mutual border on June 12, which is reported to have left hundreds dead, falls into the latter category. No one should be surprised. And some mea culpas are in order.

ባሕቲ መስከረም - ትእምርቲ ርችት ሓርነት’ያ

ህዝቢ ኤርትራ ንመግዛእታዊ ኣርዑት ተሓሪሙ ኣብ ዘካየዶ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ፡ ባሕቲ መስከረም 1961 ፍሉይ ታሪኻዊ ተዘክሮ ኣለዋ። ህዝቢ ኤርትራ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ናይ ምውሳን መሰሉ ንዝኾለፉ ባዕዳውያን ገዛእትን ኢድ ምትእትታው ዓንገልቶምን ኣረብሪቡ ንክስዕሮም፡ ፈላሚት ርችት ዕጥቃዊ ቃልሱ ዝተኮሰላ ክብርቲ ዕለት ስለዝኾነት። ነቶም ሰላምን ሰለማዊ ፍታሕን ዕጭ-ሓንፊፎም፡ ሓውን ዓረርን ዝቋንቆኦም ገዛእቲ፡ በቲ ብሕታዊ ዝመረጽዎን ዝስቆሮምን ቋንቋ ንከወግዶም፡ ናይ ዕጥቃዊ ቃልሱ ንቕሎ(ንሓርነት) ዝተበሰረትላ ዕለት ስለዝኾነት። ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ’ቲ ዝነበሮ መሪር ናይ ቃልሲ ቁጥዐ ተበጊሱ ከኣ፡ እቲ ነዊሕን መሪርን ቃልሱ ዝሓተቶ ኩሉ ዋጋ ብምክፋል ከይተሓለለ ተቓሊሱ፤ ንባዕዳዊ መግዝእታዊ ኣርዑት ሰባቢሩን  ልእላውነት ኤርትራ ክውን ገይሩን = ብ24 ግንቦት 1991።

 

ባሕቲ መስከረም ማለት ንህዝቢ ኤርትራ፡ መዓልቲ እምቢታ ውጹዓት ህዝብታት ኣንጻር መግዛእቲ’ያ። ባሕቲ መስከረም ማለት፡ መግዛእቲ ዝመረሮም ውጹዓት፡ ሰብኣዊ ክብረቶምን መሰል-ርእሰ-ውሳንኔኦምን ንዝጨፍለቑ ገዛእቲ፡ በቲ ዝስቆሮም ናይ ቃልሲ ኣንፈት ንምድርዓሞምን ናይ ሓርነት ሰንደቕ ንምትካልን፡ መሳርዕ ሰውራ ዝተበጎሱላ ክብርቲ ዕለት’ያ። ባሕቲ መስከረም ማለት፡ ደላይ ናጽነት ህዝብና፡ ናይ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓትን ፖለቲካዊ ሓርነትን ጽምኡ ንምርዋይ፡ እቲ ሓርነታዊ ሰውራ ዝሓተቶ ዋጋ ንምኽፋል ድልውነቱ ዘረጋገጸላ ዕለት’ያ። ውድብና ኤስደለ፡ ነዛ ክብርቲ ዕለት’ዚኣ ብክብ ዝበለ ድምቀት ከኽብራ እንከሎ ከኣ፡ ካብ’ዚ ሓቀኛ ትርጉማ’ዚ ተበጊሱ’ዩ። ብድምቀት ንስለ ምኽባራ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ሓርነታዊ ተልእኮን ዕላማታትን ባሕቲ መስከረም ምዕዋቶምን ዘይምዕዋቶምን ዝግምግመላ፤ ንዘጋጥሙ ድኽመታትን መንቀሊኦምን ዘለልየላ፤ ንዝተረኽቡ ዓወታት ድማ ብምዕቃብ ንሕኑን ቀጻሊ ቃልሲ ቃልኪዳኑ ዘሕድሰላ ዕለት’ውን’ያ።

ሎሚ ንባሕቲ መስከረም፡ ንመበል 55 ዓመት ከነኽብራ እንኮሎና’ምባእር፡ ካብ’ዚ ቁምነገር’ዚ ብምብጋስ’ዩ። ኣብ’ዛ ክብርቲ ዕለት’ዚኣ፡ ዕጥቃዊ ሓርነታዊ ንቕሎ ደላይ ፍትሒ ህዝብና፡ ‘’እወ’’ ንባዕዳዊ ምግዛእታዊ ስርዓት ኣወጊዱ፡ ልኡላውነት ነጻ ኤርትራ ክውን ገይሩ’ዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ብግንቦት 24/1991 ግዝያዊ ልዕልነት ዝረኸበ ኤርትራዊ ውድብ ህግሓኤ/ህግደፍ ዝተኸሎ ስርዓት፡ ወራስ-ዓራት ናይ’ቶም ከይተሓለልና ዝተቓለስናዮም ባዕዳውያን ገዛእቲ ኮይኑ። ሰብኣዊ ክብረት ዜጋታትና ኣሕሲሩን ኣዋሪዱን ዝገዝእ፤ ናይ’ቲ ደላይ ፍትሒ ህዝብና፡ ናይ ሰላም፡ ናይ ደሞክራስን ልምዓትን ባህግታት ዝኾለፈ መንግስቲ ተኺሉ። ብዋጋ ውርደት፡ ሓሳረ-መከራን ዓጸቦን ምብትታንን ሚልዮናት ህዝብታትና፡ ዕማኾ ዘይመልኡ ውሑዳት ገዛእቲ ዝዕንዱሩላን ዝግዕዝዩላን ሃገር ገይርዋ ኣሎ። እንሆ ከኣ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ናጽነት፡ ንቡር ብዘይብሉ ፋሽስታዊ ኩርማጅ ክገርፎምን ክጭፍጭፎምን ሃገር ከዕንውን ይርከቡ። እቶም ሕሱማት ባዕዳውያን ገዛእቲ ይገብርዎ ካብ ዝጸንሑ ነውርታት ዝሓስም በደል ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክፍጽም ጸኒሑን ኣሎን። እኩብ ድምር ናይ’ቶም ክፍጽሞም ዝጸንሐ በደላት ከኣ (ኣብ’ዚ እዋን’ዚ)፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ክሳሓጉን፡ ከም ህዝብን ሃገርን ህላወኦምን ቀጻልነቶምን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክወድቕን፡ ብርሰት ከንጸላልዎምን ዝገበረ ሕሱም ጸላኢ ምዃኑ ኣግሂዱ ኣሎ። በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ እቲ መግዛእታዊ ስርዓት ህግደፍ ዝመረሮ ደላይ ሓርነት ዘይሕለሎ ምልዮናት ህዝብና፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍእ ጸላኢ ከምዘይብሉ ምግንዛቡ፡ ብመሪር ናይ ቃልሲ ቁጥዐ ኣቢሉ ከኣ፡ ሰውርኡ ዝሓቶ ዋጋ ንምኽፋል ድልውነቱ ዘረጋገጸሉ እዋን’ዩ።

ካብ ተመክሮ ቃልስና ግቡእ ትምህርቲ ንምውሳድ፡ ንከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃገራዊ በዓል ከነኽብር እንኮሎና’ምባኣር፡ ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ክሕተትን መልሲ ክንረኽበሉን ግድን’ዩ። ብ1961 ዝተገብረ ዕጥቃዊ ሓርነታዊ ንቕሎን ዝተኻየደ ዘይሕለል ጸረ-መግዛእታዊ ቃልስን፡ ስለምንታይ’ዩ ብልዕልነት ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣራዊት ውድብን መንግስትን ተዛዚሙ? ዝብል’ዩ። ሓጺር መልሱ ከኣ እቲ ስውራ፡ ትሕዝኦም ዘይጸበቑ ውድባትን ሕሱማት መራሕትን ገቢቶም ሒዞሞ ብምጽንሖም’ዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ሰውራ ብብቑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ ክምራሕ ብዘይምጽንሑ ምኽንያት’ያ። ነዚ ክሳዳዊ ሕቶ መሪሕ ውዱብ ዘይመለሰ ሰውራ መጨረሽኡ ንሱ ስለዝኸውን’ዩ። ስለ’ዚ’ምባኣር፡ ኣብ ሎሚ ኮይንና፡ ነዚ ክቡር በዓል ባሕቲ መስከረም ከነክብር እንከሎና፡ ነቲ ማእዝንን ተልእኮን ሓርነታዊ ሰውራና ዘስሓተ ብኩራት ብቑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ ናይ ምምላስ ክሳዳዊ ዕማም ተግባራዊ ንምግባር፡ ታሪኽን ተሞክሮን ሰውራና ዝህበና ሕድሪ ምዃኑ ብምስትብሃል’ዩ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ እቲ ኣብ መንጐ ምልዮናት ደለይቲ ፍትሒ ህዝብታትናን ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ዘሎ ግርጭት ተባሊሑ’ዩ። ህዝብታትና፡ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ኣርዑት ስርዓት ህግደፍ ተሓሪሞሞ ኣለዉ። ሓርነታዊ ሰውርኦም ዝሓቶ ዋጋ ብምኽፋል፡ ፖለቲካዊ ሓርነቶም ንከረጋግጹ ዘለዎም ድልውነት ሰማይ ዓሪጉ እነሆ። እንተኾነ ግን ልቦም ዝመልኣሎም፤ ኣብ ዝለኣኽዎ ሃገራዊ ውራይ ዝውዕል፤ ንንቑሕን ወሳንን ተሳትፎኦም ዘተኣናግድ፤ ብቅኑዕ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ መስመር፣ ስጡም ውደባን ብብቑዕ/ውፉይ መሪሕነትን ናይ ዝተሃንጸ መሪሕ ውድብ ብኩራት፡ ሕጂ’ውን ንቃልስና ከሳቕዮ ይርከብ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰት ንምድሓን፡ ኣንጻር’ቲ ደመኛ ጸለኢ ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ክሰምር ዝግብኦ መሳርዕ ደምበ ተቓውሞና፡ ኣብ ክንዲ ዝሰምር እናሓደረ ክዝረግ ይርከብ። ቁጥዐ ደላይ ለውጢ ህዝብና ብብቅዓት ዝመርሖ ስኢኑ፡ ፍኑው ማዕበላዊ ተቓውምኡ ከስምዕ ይርከብ። ህላወን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምርግጋጽ ክግበር ዝግብኦ ጥሙርን ንቑሑን ቃልሲ በቲ ሓደ ወገን፤ ፋሽስታዊ ዕንወት ስርዓት ህግደፍ ድማ በቲ ካልእ ወገን፡ ቀራና ሰሪሖም ኣብ ዘንባህቑሉ ኩነታት ኮይንና ኢና ነዛ ናይ ሎም-ዘበን ባሕቲ መስከረም እነክብራ ዘሎና።

ውድብና ኤስደለ፡ ነዚ ወድዓዊ ክውንነት’ዚ ብግቡእ ገምጊሙ፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣንጸላልዩ ዘሎ ፋሽስታዊ ናይ ብርሰት መዓት ንምብርዓንን፡ ህላወን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምውሓስን ብሓደ ወገን፤ ጥሙር ዓቕሚ ሓፋሽን ደምበ ተቓውሞናን ኣብ ናይ ‘’ኣፍ ኣርክቡ’’ ዕማም ክውዕሉ ክሰርሕ’ዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ዘላቂ ረብሓ ሓፋሽ ህዝብታት ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘገልግል፡ ብቑዕ ደሞክራስያዊ መሪሕ ውድብ ክውን ንምግባር ኣብ ዝካየድ ዘይሕለል ቃልሲ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ክገብር’ዩ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ኤስደለ

 

1 መስከረም 2016

ኣብ መኽፈቲ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ (ስ/ና/ኤ)፡ ብኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ( ኤስደለ) ዝተዋህበ ውድባዊ ናይ ድጋፍ መግለጺ

ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሳናዳዊት ሽማግለ፥

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት መሪሕነት ሰ/ና/ኤ፥

ዝኸበርኩምን ዝኽበርክንን ዕዱማት ኣጋይሽ፥

ቅድሚ ኩሉ፡ ኣሰናዳዊት ሽማግለ’ዚ ጉባኤ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ንክንሳተፍን ውድባዊ መልእኽትና ንከነማሓላልፍን ንዝሃበትና ዕድል፡ ብስም ውድብና ኤስደለ ክብ ዝበለ ምስጋናና ከነቕርብ ንፈቱ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተሳተፍቲ ጉባኤ፥

ንልዕሊ ሓደ ዘመን ባዕዳውያንን ሕሱም መግዛእቶምን ክባራረየሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት’ውን ኣይጣዓሞን። ኣይጣዓሞን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብገዛእትን ብሓርነታዊ ኲናትን ዝተፋሕፈሐ ዝባኑ፡ ትንፋስ ዘይህብ መግዛእቲ ስርዓት ህግሓኤ/ህግደፍ ከኣ ዝያዳ ሓሲምዎ። እቶም ከይተሓለለ ተቓሊሱ ዝሳዓሮም ገዛእቲ ይፍጽምዎ ካብ ዝጸንሑ በደላት ዝሓስም ገበነኛ ስርዓት ህግደፍ ኣጋጢምዎ= ህዝብና።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ናጽነት፡ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብዝወረዶ ዘስካሕክሕ ኣደራዕ፡ ካብ መንግስቲ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝኸፍእ ጸላኢ ከምዘይብሉ ዝተገንዘበሉ ንቕሓት ጨቢጡ’ዩ። ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም’ዩ ነይሩ። ንሰላሙን ርግኣቱን ዝዘረገ ጸላኢ ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾነ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ደሞክራሲ ንክሰፍነሉ’ዩ ነይሩ ባህጉ። ሰብኣዊ ክብረቱ ኣሕሲሩን ኣዋሪዱን ብክቱር ትምክሕትን ንዕቀትን፤ ብዘይ ቅዋምን ተሓታትነትን ዝገዝኦ ዘሎ ጸላኢ ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾነ። ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ልምዓትን ክሓልፈሉን’ዩ ነይሩ። ምዕባሌኡን ስልጣኔኡን ኮሊፉ፡ ብድሕረት፣ ድኽነትን ዓጸቦን ዝቐጽዖ ዘሎ ደመኛ ጸላኢ ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾነ። ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንብዙሕነታዊ ክውንነቱ ዘተኣናግድ፡ ኣብ ምትእምማንን ምክብባርን ብሄራዊ ህዝብታቱ ዝሰረተ ሓድነትን ጥሙር ቀጻልነትን’ዩ ነይሩ። ንብሄራዊ ብዙሑነት ህዝብታትና ዝኽሕድን ንጥሙር ኤርትራዊ ሃገርነትን ቀጻልነትን ዝዘርግ/ዘፍርስን ደመኛ ጸላኢኡ ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾነ። ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብንቑሑን ወሳንን ተሳትፎኡ ኣቢሉ፡ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክተክልን ምዩቕ ከይበለ ዝነብረላ ናጻ ሃገር ክውን ንምግባር’ዩ ነይሩ። ገባቴ-ኩሉ (totalitorian) ስርዓት ብምትካል ኣንቀጥቂጡ ዝገዝኦ ዘሎ፡ ጠንቂ ምዝንባልን ስደትን ኣዕናዊ ሳዕቤናቱን ዝገበሮ፤ ብሓርነት ናይ ምንባር ውሕስነት ከሊኡ ግልብልብ እናበለ ክነብር ዝገበሮ፡ ደመኛ ጸላኢኡ እንኮ ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾነ።

እኩብ ድምር ናይ’ዚ ኩሉ ዝወርዶ ዘሎ ሓሳረ መከራ’ዩ’ምብኣር ህዝብና፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ማዕበላዊ ዝኾነ ህዝባዊ ተቓውምኡ ዘስምዕ ዘሎ። መሪር ቁጠዐኡን ናይ ለውጢ ባህጉን ሰማይ ዓሪጉ ክቃወምን እቲ ፍትሓዊ ቃልሱ ዝሓቶ ዘበለ ኩሉ ዋጋ ክኸፍልን ካብ ዝኾነ ካልእ እዋን ንላዕሊ (ሎሚ) ድልውነቱ ከራጋግጽ ይርከብ። እቲ ኩሉ ዘካይዶ ዘሎ ውዱብን ፍኑውን ተቓውሞታቱ ብሓፈሻ፡ ልዕሊ 15 ሽሕ ዜጋታትና ኣብ ቅርዓት ጀኔቫ ዘካይዶ ሰፊሕ ሰላማዊ-ሰልፊ ከኣ ብፍላይ፡ ጉሉህ ምስክር’ዩ። እዚ ከኣ ናይ’ቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብናን ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦን ጉሉህ ሓቂ’ዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብና ኸ?

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ዘሎ ህዝብና፡ ኣብ መንጋጋ ሕሱም ጸላእን፡ ኣብ ፋሽስታዊ እቶን ስርዓት ህግደፍ ተሰኽቲቱ ዝልብለብ ዘሎ ህዝብን ስለዝኾነ፡ ይቃወምን ለውጢ ይብህግን እወ!። “ንሱ ዘይተቓወመ ደኣ መን ክቃወም?! ካብ ዝኾነ ካልእ ንላዕሊ ለውጢ ክብህግን፡ ፍታሓዊ ሰውርኡ ዝሓተቶ ዘበለ ኩሉ ዋጋ ክኸፍል ድልው ምህላውን ዘጠራጥር ኣይኮነን” ኢልካ ክምለስ ይካኣል’ዩ። ዝያዳ ንምብርሁ ግን፡ ወኪል ጋዜጠኛ መጽሔት ዘመን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምስ ዝነብሩ 3 ኣቦታትን ኣዴታትን ካብ ዝገበሮ ቃለ ምሕትት ቆንጢርና ክንሕብር። ንድሕነቶም ክብሃል ስሞምን ቁሽቶምን ብምዕቃብ፡ እቲ ገላጺ ብሁላቶም ጥራሕ ክንጠቅስ፦

ካብ 65-70 ዝዕድሚአን ኣደ፡ ካብ ሓማሴን፦ “ሰብኡትና፣ ደቅናን ጥሪትናን ዝሃብናዮ ገድሊ፡ ከም’ዚ ገይሩ ክጻወተልና ኢሉ ዝገመተ ኣይነበረን። ወይለይ ኣዴኻ! ዘዝበቖሉ ደቅና እናመንጠለ ኣጥፊእዎም፤ ጥራይ ኢድና የትርፈና ኣሎ። ኣብ ከባቢ ኣስመራ ብምህላውና ድዩ እንድዒ፡ ናይ ሕርሻ መሬትና እናሸጠ ይበልዖ ኣሎ። ሕጂ ከኣ እነዉልካ፡ ነታ ናብ ባሕሪ ወሪድና ሓሪስና እንበልዓ ዝነበርና ከልኪሉና፡ ብጥሜት ክንሃልቕ ጨኪኑልና ኣሎ። እቲ ካብ ኩሉ ገሪሙና ዘሎ ከኣ፡ ነዚ ኩሉ ባሕሪ ወሪዱ ዝዕንገል ዝነበረ ህዝቢ ሓማሴን ከልኪሉ ከብቅዕ፡ ማል ጀነራላቱ ግን ኣብኡ ይጓሰያ ምህላወን’ዩ። ህዝቢ ኣጥምዩ፡ ንዓታቶም ሓዚኡሎም። ሑሉፍ-ሓሊፉ ከኣ፡ እተን ዝርካበን ገንዘብና ሃጊሩ፡ ኣብ ወርሒ-ወርሒ ዓቂኑ ብዝሃበና መቚነን ክንነብር ኣዊጁ። ህዝቢ ኤርትራ መዓት’ዩ ወሪድዎ ዘሎ”።

ካብ 55-60 ዝዕድሚኦም ኣቦ፡ ካብ ኣክለጉዛይ፦ “ህዝቢ ኤርትራ ዘይኢዱ፡ መላኺ ኣጋጢምዎ። ካን ንዒቚና ከኣ። እታ

ዝብለናን ዝገብረናን ጨኒቕዎ። እቲ ኩሉ ኣብ ልዕሌና ክገብሮ ዝጸንሐ ክፉእ ዊሕድዎስ፡ ሕጂ ከኣ እነሀለ ሰልድና ሃጊርዎ። ንሱ

ያኢ ዓዓቂኑ ክህበና። ገይርዎ ከኣ። ንቡር ውራይ ንክንገብር፡ ካብ’ቲ ኣብ ባንኪ ዝሃገሮ ገንዘብና ክንሕንሽሽ’ኳ ዘይፍቀደልና!።

ኣብ’ቲ ውራይ እንገብሮ ወጻኢታት ዝርዝር ዝሓዘ ወረቐት ሒዝና ናብ ኣስመራ ኬድና ከነጽድቕ፤ ዝጉመድ ጐሚዶም ቀኒሶም

ምስ ኣጽደቑልና’ዩ፡ ባንኪ ኬድና ከነውጽእ ዝፍቀደልና። እተን ዝተፈቐዳልና ገንዘብ ኣብ’ታ ዘእተናያ ወረቐት ከምዝዋዓላ

ንከረጋግጹ ከኣ ድሓር ንሕተት። እቲ ጋዶ ኮይኑ ዘሎ ግን፡ ህዝቢ’ውን ነቲ ምልኪ ምልማዱ’ዩ። እቲ መንግስቲ ንዘዝበሎ ዘበለ

ሱቕ ኢሉ ዝቕበል ኮይኑ። ኣንታ ኣይውረድ’እንበር፡ እቲ መንግስቲ፡ ሎሚ ሓሓደ ኢድኩም ክቖርጸኩም ስለዝኾንኩ፡

ተቐሪብኩም ጽንሑኒ” ኢሉ እንተዝእውጅ፡ ኩሉ ኢዱ ጢል ኣቢሉ ምወጸ። ምዃን ህዝቢ እንታይ ዓቕሚ ኣለዎ። ህዝቢ ህጡር

መራሒ እንተረኸበ እንዳኣሉ ዝገብር። ህዝቢ በብውልቁ ብዒሕን ዓሕን ከብዱ ተነፊሑ’ዩ። ነንሕድሕድና ከኣ ከይንትኣማመን

ገይሩና’ዩ። ፋሕ ፋሕ ኣቢሉና። እዞም ኣብ ደገ ዘለኹም ከኣ ከይትገላግሉና ኣቢኹም። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ፡

ዝገላግሎ ሓይሊ ኢዩ ዝደሊ ዘሎ። እንተትብገሱስ ኩሉ ናባኹም ምፈሰሰ ነይሩ”።

65 ዝዕድሚኦም ኣቦ ካብ ሰራየ፦ “መንግስቲ ማለት ጓሳ’ዩ። ህዝቢ ክኣ ኣባጊዕ። ጓሳ ንኣባጊዑ ብሰላም ወፊረን ክኣትዋ፡ ወኻርያ

ከኣ ከይትጻወተለን ይሕልወን። መንግስቲ ከኣ ንህዝቡ ከምኡ’ዩ። እንተ’ዚ ናይ ሃገርና ነገር ግን፡ ግምጥልሽ ኮይኑ። እቲ ጓሳ(

ባዕሉ እቲ መንግስቲ) ወኻርያ ኮይንዎ። መጻወቲ ገይርዎ። ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝሓሰመ ጸላኢኡ ጓሳኡ’ዩ። እቲ መንግስቲ

ባዕሉ፡፡ እነሆልካ ድኣ’ሲ፡ ህዝቢ ዝተረፎ የብሉን ዛንዛን ኢሉ እዩ። እግዛእብሄር ከቑርረልና ካብ ምምህላል ሓሊፍና እንታይ

ክንገብር ኢልካና”። --------- ክብሉ ይገልጽዎ።

ስለ’ዚ ብዘይካ’ቶም፡ በቲ ስርዓት ቀጥታዊ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ዕማኾ ዘይመልኡ ዉሑዳት፡ ኩሉ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ( ኣብ

ውሽጥን ወጻእን)፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት ዘለዎ መሪር ቁጥዐን ተቓውሞን ኣብ’ቲ ዝበረኸ ጥርዙ በጺሑ’ዩ። ገባቲ ስርዓት

ህግደፍን ኩሎም ናይ ጭቖና ማሕውራቱን ክውገዱሉን ለውጢ ክርእይን ዘለዎ ድልየት ዝላዓለ’ዩ። እቲ በኲሩ ዘሎ፡ ነዚ ከም’ዚ

ዝኣመሰለ ማዕበላዊ ተቓውሞ ሓፋሽ ኣስሚሩን ኣዋሃሂዱን ዝመርሕ ሕቶ ህጡር መሪሕ‘ዩ። ህዝቢ ኣብ ዝላኣኾ ሃገራዊ ውራይ

ዝውዕልን ካብ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣንጸላልዩ ዘሎ ረማሲ ህግደፋዊ መዓት ዝገላግሎን መሪሕ ውድብ’ዩ ዝጽበ

ዘሎ። እዚ ናይ ብቑዕ መሪሕ ዉድብ ሕቶ’ዚ ከኣ፡ እቲ ካብ ዓንተቦ ኣትሒዙ ንሰውራና ከሳቕዮ ዝጸንሐን መሊኡ ዘይተፈትሐ

ዘሎ ሕቶ’ዩ።

ነዚ ክሳዳዊ ሕቶ ሰውራና ዝኾነ ሕቶ መሪሕ ውድብ ብብቕዓት ንምምላስ፥-

 ዉሕስነት ዘለዎ ሰላም ቀጻልነት ዘለዎ ሃገራዊ ልምዓትን ንቑሕ ተሳትፎ ሓፋሽ ዘአንግድ ደሞክራስን ብምስፋን ኣብ

ምትእምማን ብሄራዊ ብዝሑነት ህዝብታት ዝሰረተ ስሙር ኤርትራዊ ሃገርነት ራእይ ምጭባጥ የድልይ።

 መሰረታዊ ዕላማታቱ ድማ፦

 ልእላዊ ክብረትን ወሳንነትን ሓፋሽ ምእማን’ዩ። ሓፋሽ ህዝብታትና ዘይተጓደለ ሰብኣውን ደሞክራስያውን

መሰል ዜጋታት ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ብሄራዊ ህዝብታትና ከማዊ ብሄራዊ መሰል ርእሰ ውሳኔኦምን

ንክረጋገጸሎም ምቅላስ’ዩ። ኣብ ኩሎም ወሰንቲ ሃገራዊ ጉደያቶም ንቊሕን ወሳንን ተሳትፍኦም

ንከረጋገጸሎም ምቅላስ’ዩ።

 ንቑሕ ተሳትፎን ረብሓን ሓፋሽ ማእከሉ ዝገበረ ምንጪ ስልጣን ሓፋሽ ህዝቢ ባዕሉ ምዃኑ ብምእማን ረብሓ

ሓፋሽ ማእከሉ ዝገበረን ብንቑሕ ተሳትፎን ድምጹን ኣቢሉ ፌዴራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል

ምቅላስ።

 ነዚ ክውን ንምግባር ድማ ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ብደሞክራስያዊ ናይ ኣሰራርሓ ባህልን ዝጐልበተ ስጡም

ውደባ፡ ብብቑዑን ውፍይን ኣመራርሓ ብምጉልባት መድረኽ ንዝሓቶ ጠለባት ብብቓዓትን ቅድሚት

ተሰሊፉን ብምምላስ’ዩ ዝረጋገጽ።

ዉድብና ኤስደለ፡ ነዚ ክሳዳዊ ሕቶ’ዚ ብብቕዓት ንምምላስ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ፡ ቅድሚት ተሰሊፉ ግቡኡ ንክገብር ዝቃለስ ዘሎ

ውዱብ’ዩ።

ኩሉ ዓቕምታትናን ክእለታትና እስሚርና፡

ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ህግደፋዊ መዐት ንምድሓን ንቃለስ!!

ኣቦ መንበር ኤስደለ ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ዕለት 6 ነሓሰ 2016 ንጨንፈር ኤስደለ-ዙሪክ ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቦ መንበር ኤስደለ ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዝሓለፈ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ፡ ትምኒትን ሃረርታን ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ነጻነት ኤርትራን፡ ድሕሪ ነጻነት ዘጋጠሙ ጸረ-ህዝብን ጸረ ዲክሞክራስያዊ ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን። ሓፈሻዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ድቕቕ ዝበለ ኩነታት መንግስቲ ኤርትራን ኮይኑ ልዕሊ ኩሉ ድማ እዚ ጸረ ኩሉም ብሄራትን ሃይማኖታትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኮነን ናይ ሰናይ ጉርብትና እንዶ ዘይብሉ ስርዓትን ብዘይካ ትወዲብካ ብንጹር መስመራት ምቅላስ ካልእ ቅኑዕ መተካእታ ከምዘየለ ኣነጺሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ደቡብ ሱዳን ናዕቢ ተላዒሉ ብዙሓት ዝሞቱን ዝቘሰሉን ከምዘለዎም ብማዕከናት ዜና ቢቢሲ ተወርዩ። እዚ ናዕቢ’ዚ ኣብ መንጎ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መራሕን ተቓዋምን ዝተኸሰተ ዘይምርድዳኣ ምዃኑ ይንገር። መራሒ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንሓደ በዓል ስልጣን ማቻር ዝብሃል ብኢደ- ወነኑ ካብ ስልጣን ኣውሪዱ ብታባን ዝብሃል ምትኩኣኡ ዝፈጠሮ ሽግርን ንነዊሕ እዋን ኣብ መንጎ ክልተ ቀቢላታት ዝጸንሔ ዘይምትእምማን ምዃኑ ይንገር። ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ነዊሕን ብዉሽጣዊ ህልኽ ዝሓለፈን ቃልሲ ነጻነቱ ከም ህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንዱም ኣረጋጊጹ ። እንተዀነ ግን ኣብ ክንዲ ንመንገዲ ምዕባሌ ዝጥምት ከይተበገሰ ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር ብምእታው ሕድሕዱ ክዋጋእ ኰይኑ። ሕቶ ለባምን ብቑዕን መሪሕ ዘይምህላው ዝፈጠሮ ዘሎ ሽግርዩ። እዚ’ኮ ብመሰረቱ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትእን ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ከቢድ ጸገም እዩ።

ጨንፈር ለንደን ኤስደለ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክፉትን ዕጹውን ኣኼባታት እናጸወዐ ካብ ምሁራትን ካብ ምኩራትን ሃገራውያን ምኽርን ሓሳብን ምእካብ ልሙድ ውድባዊ ስራሓቱ ኮይኑ ጸኒሑዩ። ሎሚ ዕለት 17 ሓምለ 2016 ጽብብ ዝበለ ግን ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዱ ኣሎ። ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ሲቪካውን ትካላት ንጡፍ ተሳትፎ ዘለዎም ሃገራውያን ዝተሳተፍዎ ኮይኑ ናይቲ ኣኼባ ቴማ - ናይ ቃልሲ ሞመንቱም ከይዝሕልን ዝያዳ ክግንፍልን እንታይ ንግበር። ዝብል እዩ ኔሩ።

يعتبر الإعلام  من أخطر المؤسسات تأثيراً على المجتمعات نظراً لتعدد وسائله والسهولة في الوصول اليها، وبفضل التطور الهائل لتقنية المعلومات التي ألغت الحدود، وإختصرت المسافات والأزمان، حتى بات الإنسان يشاهد العالم و يتواصل معه من سريره، و لم يقتصر الأمر على نسف الحدود السياسية ، ووعبور الحواجز الأمنية ، و إنما بدأ يتجاوزه إلى إلغاء التميُز الثقافي ، وقد بات يتدخل في الخصائص المعرفية والنفسية ، وتشكيل المفاهيم وإعادة بناءها، فقد أصبح التفاعل معها متاحاً لكل الأفراد لخلق وسائل إعلامه الخاصة مستقلاً عن قنوات الإنتاج التقليدية..وذلك بإستخدام الهاتف الذكية وأجهزة الحاسوب، وتعد وسائل التواصل الإجتماعي أحد إفرازات التطور التقني، والتي خلقت سيول لا حصر لها من البيانات التي لايمكن التحقق من مصداقيتها والمعلومات المتاحة ليست متساوية من حيث الصحة وتختلف من حيث الدقة والنوعية بدرجة كبيرة من مصدر إلى آخر وذلك فيما نقرؤه، ونشاهده ……

من الوسائل المهمة في نهضة الأمة الإعلام ، فالإعلام هو المعبر عن روح الأمة وخصائصها وشكلها من ضعف أو قوة أو تقدم أو تأخر. وهي عملية نشر وتقديم معلومات صحيحة ، وحقائق واضحة ، وأخبار صادقة وموضاعات دقيقة ، ووقائع محددة وأفكار منطقية وآراء راجحة للجماهير مع ذكر مصادرها خدمةً للصالح العام.

مع تقدم عمر النظام الفرد الديكتاتوري ، تزداد أعباء القوى المستنيرة في البحث عن حلول للمشكلات التي تخلفها سياساته الجائرة ، كما تزداد جملة المشكلات التي تعيق الشعب في إرساء نظام ديمقراطي تعقيدا، هذا بالعموم تتصدى لهذه المشكلات قوى الإستنارة التي تقدم نتاج بحوثها ودراساتها وإستنتاجاتها وتوصياتها للقوى السياسية والمدنية. هذه المشكلات التي بدأت تطفح على كل الساحات للأسف لا تلقي لها المعارضة الإريترية أو ما يُسمى بقوى التغيير بالاً، لا بالمتابعة للدراسة ووضع السياسات، وتقديم الحلول، ولا تعيرها حتى مجرد الإهتمام العام ، هذا إذا لم نقل ان بعضها يساهم بشكل غير مباشر في صناعتها.

من أمام فندق "جنة"، تحرك ما بل يقل عن (2500) آلاف متظاهر يتقدمهم قادة المعارضة ، نحو مباني الإتحاد الأفريقي وسط حضور إعلامي  كثيف وبمشاركة طاغية من المرأة والشباب ، وتأتي هذه المظاهرة لدعم اللجنة الأممية لحقوق الإنسان، في تقريرها عما يتعرض له الشعب الأريتري من إنتهاكات، ترقى الى جرائم ضد الإنسانية، وتضامناً مع مظاهرات كل من جنيف وتل أبيب، وجنوب أقريقيا، وقدمت فرقة جمعة التحرير مشاهد حية لمعاناة الشعب الأريتري في الداخل وما يتعرض له الشباب على أيدي زبانية الحزب الحاكم . كما شارك بعض من الفنانين بمقاطع غنائية وقد قدمت اللجنة المنظمة التظاهرة رسالة للإتحاد الأفريقي وآلياته، وكذلك رسائل الى سفارات كل من سويسرا ، بريطانيا العظمي، روسيا، الولايات المتحدة ، إيطاليا ،فرنسا،ألمانيا ، كينيا ، يوغندا ، إسرائيل ، والهند، وكذلك رسالة خاصة لسفارة جمهورية السودان تستنكر فيها إعادة اللاجئيين الى أرتريا ، وتناشد الحكومة السودانية بالتوقف عن هذه الممارسة والتي تعتبر خرق للمواثيق والأعراف الإنسانية والدولية. هذا وقد شاركت كل معسكرات اللاجئين الإريترين  بتظاهرات  في أنحاء متفرقة من الأراضي الإثيوبية.

 

الشرطة الإيطالية تعتقل 25 إريتريا و12 إثيوبيا وإيطاليا في شبكة لتهريب البشر mohamed hamed 4 يوليو 2016 تحديث : الإثنين 4 يوليو 2016 - 4:31 مساءً الشرطة الإيطالية تعتقل 25 إريتريا و12 إثيوبيا وإيطاليا في شبكة لتهريب البشر المصدر - رويترز قامت الشرطة الإيطالية باعتقال 25 إريتريا و12 إثيوبيا وإيطاليا واحدا يوم الاثنين قائلة إنهم أعضاء في شبكة هربت آلاف المهاجرين من أفريقيا إلى أوروبا. وقالت الشرطة إن أفراد الشبكة اعتقلوا في عشر مدن إيطالية وإنهم اتهموا بتهريب البشر والمخدرات وجرائم مالية مختلفة مشيرة إلى أن شهادة إريتري ألقي القبض عليه في 2014 مكنت الشرطة من الوصول إلى الشبكة.

جاءت الوحدة الاندماجية لهذه التنظيمات الخمسة عبر حوارات بناءة بينها إستمرت لمدة عامين، تم التوصل فيها إلى رؤية مشتركة حول العمل الوطني العام، أفضت إلى عقد سمنار مشترك لها أستغرق أسبوعا واحدا تمت فيه أجراء مناقشات معمقة وهادفة حول المبادئ والآراء الأساسية ، والتوصل إلى أهمية أعطاء الأولوية القصوى لإنقاذ إرتريا شعبا وأرضا من خطر الانهيار والتفكك، وتوجيه كل إمكانات قوى التغيير الديمقراطي ضد النظام الديكتاتوري وأعوانه، وهذا كخيار وحيد، واستجابة عاجلة لمواجهة الوضع الإرتري الراهن، الأمر الذي جعل هذه التنظيمات تتحمل مسؤولياتها التاريخية لعقد مؤتمرها التوحيدي الذي أقرت فيه البرنامج السياسي أدناه.